ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ሓደ

ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ መፍትሕ ኣለዎዶ ኢዩ፧

ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ መፍትሕ ኣለዎዶ ኢዩ፧

1. ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ድልዱላት ስድራቤታት ዘድልያ ስለምንታይ ኢየን፧

 ስድራቤት ኣብ ምድሪ ዘሎ ጥንታዊ ትካል ኢዩ: ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ድማ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ኣብ ብምልኡ ታሪኽ እንተድኣ ርኢና: ዱልዱል ስድራቤት ድልዱል ሕብረተሰብ ኣብ ምምስራት ሓጊዙ ኢዩ። ስድራቤት ንቘልዑ ብሱላት ኣባጽሕ ከም ዝዀኑ ገይርካ ኣብ ምዕባይ እቲ ዝበለጸ ቦታ ኢዩ።

2-5. (ሀ) ኣብ ሓንቲ ሕጕስቲ ስድራቤት ዘሎ ቈልዓ ዝስምዖ ዕቝባ ግለጽ። (ለ) ኣብ ገሊኣተን ስድራቤታት ዘሎ ግድላት እንታይ ኢዩ፧

2 ሕጕስቲ ስድራቤት: ዕቝባን ድሕንነትን ዝርከባ ምችእቲ ቦታ ኢያ። ሓንቲ ከም ጽብቕቲ ኣብነት ክትውሰድ እትኽእል ስድራቤት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ግዜ ድራር: እቶም ሓለይቲ ወለዲ ምስ ደቆም ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ነገራት ይዘራረቡ። እቶም ቈልዑ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠሞም ነገራት ነቡኦምን ኣዲኦምን ክነግርዎም ከለዉ ባህ ኢልዎም የዕልሉ። እቲ ብሓባር ኰይኖም ዘሕለፍዎ ባህ ዘብል ግዜ: ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይታ ስድራቤት ኣብታ ቀጺላ ዘላ መዓልቲ ንዝገብሮ ነገራት ብሓድሽ መንፈስ ከም ዝዳሎ ይገብሮ።

3 ኣብ ሓንቲ ሕጕስቲ ስድራቤት ዘሎ ቈልዓ: እንተድኣ ሓሚሙ ኣቡኡን ኣዲኡን ከም ዝሓልይሉ: ምናልባት ምሉእ ለይቲ እናተበራረዩ ኣብ ጐድኒ ዓራቱ ኰይኖም ከም ዝሕልውዎ ይፈልጥ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድሜኡ ዘጋጥሞ ግድላት ናብ ኣዲኡ ወይ ኣቡኡ ብምኻድ ምኽርን ደገፍን ከም ዝረክብ ይፈልጥ ኢዩ። እወ: ዓለም ክሳዕ ክንደይ ሽግር ዝመልኣ ትኹን ብዘየገድስ እቲ ቈልዓ ዕቝባ ዝረኸበ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ።

4 ውሉዳት ምስ ዓበዩ: መብዛሕትኡ እዋን ተመርዕዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤት ይምስርቱ ኢዮም። “ሓደ ሰብ ወለዱ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝእውድዎ ዝግንዘብ: ቈልዓ ምስ ወለደ ኢዩ” ዝብል ናይቶም ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዘለዉ ሰባት ምስላ ኣሎ። እቶም ዝዓበዩ ውሉዳት ካብ ዓሚቝ ዝዀነ ምስጋናን ፍቕርን ተበጊሶም ንስድራቤቶም ሕጕስቲ ክገብርዋ ይጽዕሩ: ነቶም ብደቂ ደቆም ተኸቢቦም ክርእዩ ባህ ዝብሎም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ድማ ይኣልይዎም።

5 ኣብዚ ደረጃ እዚ ምናልባት ከምዚ ዝስዕብ ኢልኩም ትሓቱ ትዀኑ:⁠- ‘ንስድራቤተይ የፍቅሮም ኢየ: እንተዀነ ግን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ስድራቤት ኣይኰነትን። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ወይ በዓል ቤተይን እተፈላለየ ናይ ስራሕ ሰዓታት ኢዩ ዘሎና: ስለዚ ዳርጋ ኣይንራኸብን ኢና። መብዛሕትኡ እዋን ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ግድላት ኢና እንዘራረብ።’ ወይ ድማ ‘ደቀይን ደቂ ደቀይን ኣብ ካልእ ከተማ ኢዮም ዝነብሩ: ርእየዮም ኣይፈልጥን ኢየ’ ትብሉዶ ኢኹም፧ እወ: መብዛሕትኡ እዋን ካብ ዓቕሚ እቶም ዝምልከቶም ሰባት ንላዕሊ ብዝዀነ ምኽንያታት: ብዙሕ ናብራ ስድራቤት ከምቲ ክዀኖ ዝግብኦ ኣይኰነን ዘሎ። ይኹን እምበር: ገሊኦም ሕጕስ ስድራቤት ኣለዎም። ከመይ ኢሉ፧ ሕጕስቲ ስድራቤት ንምምስራት መፍትሕ ኣለዎዶ ኢዩ፧ እቲ መልሲ: እወ ዝብል ኢዩ። እቲ መፍትሕ እንታይ ምዃኑ ቅድሚ ምምርማርና ግን: ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ክንምልስ ኣሎና።

ስድራቤት እንታይ ማለት ኢዩ፧

6. ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ስድራቤት ኢና እንመያየጥ፧

6 ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት መብዛሕትአን ስድራቤታት ኣቦ: ኣደ: ከምኡውን ውሉዳት ዝሓዛ ኢየን። ኣቦሓጎታት ወይ ድማ እኖሓጐታት ዝኽእሉ እንተድኣ ኰይኖም ንበይኖም ኢዮም ዝነብሩ። ምስቶም ርሕቕ ዝበሉ ኣዝማድ ርክብ ምግባር እንተሃለወ እኳ: ንዕኦም ንኽትሕግዞም ዘሎካ ሓላፍነት ግን ውሱን ኢዩ። ብመሰረቱ: ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እንዘራረበሉ ዓይነት ስድራቤት ድማ እዚ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ካልእ ዓይነት ስድራቤታት ማለት ንጽል ወለዲ ዘለወን ስድራቤት: ሰበይቲ ኣቦ ወይ ድማ ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራቤት: ከምኡውን ብእተፈላለየ ምኽንያት ወለዲ ብሓንሳብ ዘይነብርሉ ስድራቤት ይውስኻ ኣለዋ።

7. ንኻልኦት ኣባላት ቤተሰብ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዝስከም ስድራቤት እንታይ ማለት ኢዩ፧

7 ኣብ ገለ ባህልታት ልሙድ ዝዀነ ድማ ንኻልኦት ኣባላት ቤተሰብ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዝስከም ስድራቤት ምህላው ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራቤት: ኣቦሓጎታት ወይ እኖሓጎታት ብደቆም ይእለዩ: ምስቶም ርሕቕ ዝበሉ ኣዝማድ ድማ ዝቐረበ ርክብን ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነትን ይህሉ። ንኣብነት: ናይ ስድራቤት ኣባላት ንደቂ ኣሕዋቶም ወይ ንኣዝዮም ርሑቓት ኣዝማድ ብምድጋፍ: ብምዕባይ: ንመምሃሪኦም ብምኽፋል እውን ከይተረፈ ይሕግዝዎም ይዀኑ። እቲ ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እንርእዮ ስርዓታት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስድራቤት እውን ዝምልከት ኢዩ።

ኣብ ቅልውላው ዘሎ ስድራቤት

8, 9. እንታይ ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ግድላት ኢዩ ስድራቤት ይልወጥ ምህላዉ ዘርኢ፧

8 ኣብዚ እዋን እዚ ስድራቤት ይልወጥ ኢዩ ዘሎ: እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ለውጢ ንጽቡቕ ዘይኰነስ ንሕማቕ ኢዩ። እዚ ኣብነት እዚ ኣብቲ ሰበይቲ ኣብ እንዳ ሓሙኣ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ስድራቤት ሰብኣያ ኰይና ኣብ ገዛ ናይ ምዕያይ ልምዲ ዘለዋ ህንዲ ተራእዩ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን: ኣብ ህንዲ ኣንስቲ ሓዳር ካብ ገዛ ወጺአን ስራሕ ክደልያ ልሙድ ኰይኑ ኢዩ። ገና ድማ እቲ ኣብ ገዛ ዘለወን ልሙድ ዕዮአን ክፍጽማ ትጽቢት ይግበረለን ኢዩ። ምስቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ብምውድዳር ክርአ ከሎ: ሓንቲ ካብ ገዛ ወጻኢ እትሰርሕ ሰበይቲ ኣብ ገዝኣ ክንደይ ዝኣክል ዕዮ ክትዓዪ ኢዩ ትጽቢት ዝግበራ፧ ዝብል ሕቶ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝለዓል ዘሎ ኢዩ።

9 ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ኣብ ዘሎ ሕብረተሰባት: ድልዱል ዝዀነ ንኻልኦት ኣባላት ቤተሰብ እውን ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዝስከም ስድራቤት ምህላው ባህሊ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብሰንኪ እቲ ውልቃውነት ዘጕልሕ ጽልዋ ናይ ምዕራባውያን ኣገባብን ጸቕጢ ናይ ቍጠባን: ከምዚ ዝኣመሰለ ባህላዊ ስድራቤት ህላወኡ ይዳኸም ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ስድራቤት ምሕላይ ከም ግቡእካ ምፍጻም ወይ ድማ መሰል ገይሮም ዘይኰነስ ከም ጾር ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ገለ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ብደቆም ተገፊዖም ኢዮም። ብርግጽ: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ምግፋዕን ምድርባይን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ ኢዩ።

10, 11. ኣብ ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ስድራቤት ይልወጥ ከም ዘሎ ዘርኢ ሓቅታት እን​ታይ ኢዩ፧

10 ፍትሕ ብቐጻሊ ልሙድ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን መወዳእታ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስጳኛ ካብ 8 ሓዳር 1 ብፍትሕ ይውዳእ: እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ 25 ዓመት ካብ 100 ሓዳር 1 ብፍትሕ ዝውዳእ ዝነበረ: ሃንደበታዊ ለውጢ ብምግባር ወሲኹ ማለት ኢዩ። እታ ኣብ ኣውሮጳ ብብዝሒ ፍትሕ ቀዳመይቲ (ካብ 10 ሓዳር 4 ክፈርስ ትጽቢት ይግበር) ዝዀነት ብሪጣንያ ቍጽሪ ናይተን ንጽል ወላዲ ዘለወን ስድራቤታት ብናህሪ ወሰኽ ኣርእዩ ኢዩ።

11 ኣብ ጀርመን እውን ብዙሓት ነቲ ባህላዊ ስድራቤት ጨሪሶም ዝጠንጠንዎ ኢዮም ዝመስሉ። ኣብ 1990ታት ካብተን ናይ ጀርመን ስድራቤታት 35 ካብ ሚእቲ ብሓደ ሰብ ዝቘማ: 31 ካብ ሚእቲ ድማ ብኽልተ ሰባት ጥራይ ዝቘማ ምዃነን ተራእየ። ኣብ ፈረንሳ እውን መርዓ ካብቲ ናይ ቅድም ዝወሓደ ኢዩ: እቶም ዝምርዓዉ ድማ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝበዝሐ ቍጽርን ቀልጢፎምን ይፋትሑ። ቍጽሮም እናበዝሐ ዝኸዱ ሰባት ብዘይ ናይ መርዓ ሓላፍነት ብሓደ ክነብሩ ይመርጹ። ኣብ መላእ ዓለም ምስ እዚ ዝመሳሰል ኣንፈት ኢዩ ዝርአ ዘሎ።

12. ብሰንኪ እቲ ኣብ ዘመናዊ ስድራቤት ዝርአ ዘሎ ለውጥታት ቈልዑ ዝሳቐዩ ብኸ​መይ ኢዮም፧

12 ንቘልዑኸ እንታይ የጋጥሞም ኣሎ፧ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራትን: ቍጽሮም እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ቈልዑ ብዘይ ሕጋዊ መርዓ ይውለዱ: ገሊኣቶም ከኣ ካብ ኰተቴታት ዝውለዱ ኢዮም። ብዙሓት ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘለዋ ኣዋልድ ካብ እተፈላለዩ ሰብኡት ብዙሓት ቈልዑት ኣለዉወን። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣባይቲ ዘይብሎም ቈልዑ ኣብ ጐደናታት ኰለል ክብሉ ከም ዝውዕሉ ጸብጻባት ይሕብር፣ ብዙሓት ካብዚኣቶም ካብቲ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝረኽብሉ ኣባይቲ ዝሃደሙ ወይ ድማ በቶም ክኣልይዎም ዘይከኣሉ ስድራቤታት እተደርበዩ ኢዮም።

13. እንታይ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ግድላት ኢዩ ንሓጐስ ስድራቤት ዝሰርቕ፧

13 እወ: ስድራቤታት ኣብ ቅልውላው ኢየን ዘለዋ። ኣብ ርእሲ እዚ ድሮ እተጠቕሰ ነገር: ናይ ኰተቴታት ምሕንጋድ: ቈልዓ ምህሳይ: ንናይ መርዓ ብጻይ ምውቃዕ: ወልፊ ኣልኮል: ከምኡውን ካልእ ኣዕናዊ ዝዀነ ግድላት ንናይ ስድራቤታት ሓጐስ ይሰርቆ ኣሎ። ንኣዝዮም ብዙሓት ቈልዑን ኣባጽሕን ስድራቤት ማለት መዕቈቢ ኣይኰነን።

14. (ሀ) ብኣባሃህላ ገለ ሰባት ንስድራቤት ኣብ ቅልውላው ከም እትወድቕ ዝገብር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረ ጠበቓ ነዛ ኣብዚ እዋን እዚ ዘላ ዓለም ብኸመይ ኢዩ ዝገለጻ: ፍጻሜ ናይቲ ዝበሎ ቃላትከ ኣብ ናብራ ስድራቤት እንታይ ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ፧

14 ስለምንታይ ኢየን ግን ስድራቤታት ኣብ ቅልውላው ዘለዋ፧ ገሊኣቶም እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ስድራቤት ቅልውላው ኣንስቲ ኣብ ስራሕ ብምእታወን ዝመጸ ኢዩ ይብሉ። ካልኦት ድማ ብስንኪ ስነ⁠-​ምግባራዊ ውድቀት ኢዩ ይብሉ። ካልእ ተወሳኺ ምኽንያታት እውን ይወሃብ ኢዩ። ዳርጋ ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር ሓደ ውሩይ ጠበቓ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ኢዮም ክብል ከሎ: ብዙሕ ጸቕጥታት ንስድራቤት ክጐድእ ምዃኑ ኢዩ ኣቐዲሙ እተዛረበ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-4) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብዚ እዋን እዚ ይፍጸማ ምህላወን ዝጠራጠር መን ኣሎ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣብ ዘለዋ ዓለም: ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ቅልውላው ምህላወን ዘገርምዶ ኢዩ፧

መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት

15-17. ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዝርከቦ ምንጪ ኣየናይ ምዃኑ ኢዩ ተሓቢሩ ዘሎ፧

15 ኣብ ስድራቤት ብኸመይ ሓጐስ ከም ዝርከብ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ምኽሪ ክወሃብ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ሰባት ኣንቢቦም ክጥቀምሉ ተባሂሉ ዝዳሎ እዚ ዘይብሃል ዋሕዚ መጽሓፍትን መጽሔታትን ምኽሪ ይህቡ። እቲ ሽግር ግን ሰብኣውያን መኸርቲ ንሓድሕዶም ዝጻረር ምኽሪ ኢዮም ዝህቡ: ሕጂ ተቐባልነት ዘለዎ ምኽሪ: ጽባሕ ንግሆ ግን መዓልቲ ዝሓለፎ ኰይኑ ኢኻ እትረኽቦ።

16 ስለዚ እምብኣር: ትውክልቲ ክግበሮ ዝኽእል ናይ ስድራቤት መምርሒ ኣበይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧ ተጻሒፉ ካብ ዝውዳእ 1,900 ዓመታት ኣቢሉ ካብ ዝገበረ መጽሓፍ ምኽሪ ክትረክብ ሃለው ትብልዶ ኢኻ፧ ወይስ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ መዓልቱ ዘሕለፈ ተስፋ ዘይብሉ ኰይኑ ኢዩ ዝስመዓካ፧ እቲ ሓቂ ግን: እቲ ናይ ሓቂ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንጪ ኢዩ ዝርከብ።

17 እቲ ምንጪ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ብመሰረት ዘሎ ኵሉ መርትዖታት: ኣምላኽ ባዕሉ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ንረክብ:⁠- “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ነቲ ሎሚ ንስድራቤታት ዘጋጥመን ዘሎ ጸቕጥታትን ግድላትን ክትፈትሕ ክትፍተን ከሎኻ ንነገራት ‘ከተቕንዕ’ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክሕግዘካ ከም ዝኽእል ክትምርምር ነተባብዓካ።

18. መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳር ዝኸውን ምኽሪ እትረኽበሉ ምንጪ ገይርካ ምቕባሉ ምኽ​ንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

18 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራቤታት ሕጕሳት ኣብ ምግባር ዘለዎ ተኽእሎ ትነጽጎ እንተድኣ ኴንካ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ርአ:⁠- እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ከም ዝጸሓፍ ዝገበረ: መስራቲ ናይ መርዓ ስርዓት ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠18⁠-​25) መጽሓፍ ቅዱስ ስሙ የሆዋ ምዃኑ ይነግር። (መዝሙር 83:⁠18 NW  ) ንሱ ፈጣርን ‘ኵለን ስድራቤታት ካብኡ ዝስመያ ኣቦን’ (NW  ) ኢዩ። (ኤፌሶን 3:⁠14, 15) የሆዋ ካብቲ ደቅሰብ ዝጀመሩሉ ኣትሒዙ ንናብራ ስድራቤት ይዕዘቦ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ኽለዓል ዝኽእል ግድላት ይፈልጦ: ንመፍትሒኡ ድማ ምኽሪ ክህብ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ብምልኡ ዝሓለፈ ታሪኽ: እቶም ብቕንዕና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ናብራ ስድራቤቶም ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ ሰባት ብዙሕ ሓጐስ ረኺቦም ኢዮም።

19-21. መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ሓዳር ግድላት ንኽፈትሕ ሓይሊ ከም ዘለዎ ዘርኢ እን​ታይ ዘመናዊ ኣብነት ኣሎ፧

19 ንኣብነት: ኣብ ኢንዶነዥያ ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ምጥላዕ ወልፊ ነበራ። ንዓመታት ዝኣክል ኣብቶም ሰለስተ ደቃ ሸለልትነት ኣርኣየት: ምስ ሰብኣያ ድማ ብቐጻሊ ትበኣስ ነበረት። ድሕርዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ቀስ ብቐስ እታ ሰበይቲ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ነገራት ክትኣምኖ ጀመረት። ነቲ ዝህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓለት: ንፍዕቲ ሰበይቲ ኰነት። እቲ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት እተመርኰሰ ጻዕርታታ: ንብምልኡ ስድራቤታ ሓጐስ ኣምጽአ።

20 ኣብ ስጳኛ ዘላ ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር “ምስ ተመርዓና ድሕሪ ሓደ ዓመት ከቢድ ግድላት ክለዓል ጀመረ” ትብል። ንሳን በዓል ቤታን ናይ ሓባር ዝዀነ ብዙሕ ነገራት ኣይነበሮምን: ክቋየቑ ከለዉ እንተዘይኰይኖም ድማ ኣይዘራረቡን ኢዮም። ዋላ እኳ ንእሽቶ ጓል እንተ ነበረቶም: ብሕጋዊ መገዲ ክፋላለዩ ወሰኑ። ቅድሚ ምፍልላዮም ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ክምርምሩ ተተባብዑ። ነቲ ብዛዕባ እተመርዓዉ ሰብኡትን ኣንስትን ዝህቦ ምኽሪ ኣጽንዕዎ: ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ድማ ጀመሩ። ነዊሕ ከይጸንሑ: ብሰላማዊ መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ጀመሩ: እታ ንእሽቶ ስድራቤቶም ድማ ብሓጐስ ሓበረት።

21 መጽሓፍ ቅዱስ ንዓበይቲ ሰባት እውን ይሕግዞም ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ጃፓናውያን ሰብኣይን ሰበይትን ተመክሮ ርአ። እቲ ሰብኣይ ሓራቕ: ሓድሓደ እዋናት ድማ ይዋቓዕ ነበረ። ዋላ እኳ እንተ ተጻረርወን ደቆም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዓ ጀመራ። ድሕርዚ እቲ ሰብኣይ ምስ ደቁ ኰይኑ ከጽንዕ ጀመረ: እታ ሰበይቲ ግን ምጽራር ቀጸለት። ድሕሪ ገለ ዓመታት ግን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ኣብ ስድራቤታ ዘምጽኦ ሰናይ ፍረ ተዓዘበት። እተን ደቃ ጽቡቕ ገይረን ይኣልይኣ ነበራ: ሰብኣያ ድማ ዝያዳ ልኡም ኰነ። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ነታ ሰበይቲ ባዕላ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምር ኣለዓዓላ: ንዓኣ እውን ከምኡ ጽቡቕ ፍረ ኣምጽኣላ። እዛ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ብተደጋጋሚ “ናይ ሓቂ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኴና” ትብል።

22, 23. መጽሓፍ ቅዱስ ንእተፈላለየ ሃገራዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ኣብ ናብራ ስድራቤቶም ሓጐስ ክረኽቡ ዝሕግዞም ብኸመይ ኢዩ፧

22 እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብቶም መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት እተማሃሩ ብዙሓት ሰባት ኢዮም። ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢሎምዎ: ኣብ ግብሪ ድማ ኣውዒሎምዎ ኢዮም። ልክዕ ከም ካልኦት ኣብታ ዓመጸኛ: ስነ⁠-​ምግባር ዝጐደላ: ብቝጠባ ድማ እተጸቕጠት ዓለም ይነብሩ ምህላዎም ሓቂ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ዘይፍጹማት ኢዮም: እንተዀነ ግን ፍቓድ ናይቲ መናጪ ናይዚ ናይ ስድራቤት ስርዓት ዝዀነ ኣምላኽ ክገብሩ ክጽዕሩ ከለዉ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ የሆዋ ኣምላኽ ‘ዝጠቅም ዝምህርን በታ ዝኽየደላ መገዲ ዝመርሕን ኢዩ።’​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17

23 መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ተጻሒፉ እተወድኣ እኳ እንተዀነ: እቲ ዝህቦ ምኽሪ ብሓቂ እዋናዊ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ንዅሎም ሰባት ተባሂሉ እተጻሕፈ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣመሪካ ወይ ድማ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት መጽሓፍ ኣይኰነን። የሆዋ “ኻብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ:” ኣብ ኵሉ ቦታ ናይ ዘለዉ ሰባት ኣሰራርሓ ድማ ይፈልጥ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠26) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝጠቅም ኢዩ። ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልካዮም: ንስኻ እውን መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ክትፈልጦ ኢኻ።