ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪት ገበር

ድሕሪት ገበር

ድራቤት እቲ እተፈልጠ ጥንታዊ ሰብኣዊ ትካል ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣብ ወጥሪ ኢዩ ዘሎ። እቲ ብዘስግእ ደረጃ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ናይ ኰተቴ ሓሽሽ ምዝውታርን ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን: ዘመናዊ ለበዳ ኰይኑ ዘሎ ፍትሕን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤት ዝወርድ መጥቃዕትን: እቲ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ቍጽሪ ንጽል ወላዲ ዘለወን ስድራቤታት: ከምኡውን ካልእ ግድላት ንገሊኦም ሰባት ናብራ ስድራቤት ህላወኡ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን የጠራጥሮም ኣሎ።

ስድራቤታት ርጉኣት: ነተን ኣባላተን ድማ ዝዕንግል ነገራት ዝቕርባ ክዀና ይኽእላዶ ኢየን፧ ኣባላት ስድራቤት እቲ ናይ ሓቂ መፍትሕ ሓጐስ እንታይ ምዃኑ እንተድኣ ፈሊጦም ክዀና ይኽእላ ኢየን። እዚ መፍትሕ እዚ እተሓብአ ነገር ኣይኰነን። ንብዙሕ ክፍለ⁠-​ዘበናት እተራእየን እተፈተነን ኢዩ። እንታይ ኢዩ ንሱ፧ እዛ መፍ ትሕ ሓጐስ ስድራቤት እተባህለት መጽሓፍ መልሲ ትህብ ኢያ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንብዙሕ በዳሂ ዝዀነ ናይ ስድራቤት ኵነታት ንምዕራይ እዚ “መፍትሕ” እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ተግባራዊ ዝዀነ ኣብነት ትህብ ኢያ። ኣብዚ እዋን እዚ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ዘይደሊ ሰብ ኣሎዶ ኢዩ፧