ብስራት ኣምላኽ

ብስራት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ክንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ትምልሶ።

ካብዛ ብሮሹር እዚኣ ብኸመይ ከም እትጥቀም

እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ብቐጥታ ኻብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህረካ እያ። ነቲ ጥቕስታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእል ርአ።

LESSON 1

እቲ ብስራት እንታይ እዩ፧

እቲ ብስራት እንታይ ምዃኑን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያትን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ተምሃር።

LESSON 2

ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧ ብዛዕባናኸ ይሓሊ ድዩ፧

LESSON 3

እቲ ብስራት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ድዩ፧

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

LESSON 4

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

የሱስ ስለምንታይ ከም ዝሞተ፡ በጃ እንታይ ምዃኑ፡ ሎሚ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ተምሃር።

LESSON 5

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ ምዃኑ፡ መከራ መዓስ ከም ዜብቅዕ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዚመጽእ ምድሪ እንታይ ከም እትኸውንን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት እንታይ ከም ዜጋጥሞምን ይገልጽ እዩ።

LESSON 6

ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ምስቶም ብሞት እተፈልዩና ሰብና ኽንራኸብ ዲና፧

LESSON 7

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ እትዓምም፧

LESSON 8

ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

እከይ ብኸመይ ጀመረ፧ ኣምላኽ፡ እከይ ኪቕጽል ዝፈቐደኸ ስለምንታይ እዩ፧ እከይ ዜብቅዓሉ ግዜ ይመጽእ ዶዀን ይኸውን፧

LESSON 9

ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

እቲ ሕጉስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ስድራ ቤታት ሕጉሳት ኪዀና ይደሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይን ንሰበይትን ንወለድን ንቘልዑን እንታይ ግብራዊ ምኽሪ ኸም ዚህቦም ርአ።

LESSON 10

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧

ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧ መለለዪ ሓቂ ሃይማኖት ዝዀነ የሱስ ዝጠቐሶ 5 ነገራት ርአ።

LESSON 11

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ስለምንታይ መምርሒ ኸም ዜድልየናን ብቐዳምነት ኣገደስቲ ዝዀና ኽልተ ትእዛዛት ከም ዘለዋን ገሊጹ።

LESSON 12

ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ዚሰምዖ እንተ ዀይኑን ብኸመይ ክንጽሊ ኸም ዘሎናን ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ እንታይ ካልእ ነገራት ክንገብር ከም ዘሎናን ርአ።

LESSON 13

እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧

ኵሉ ሰብ ነቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብሓድነት ዜምልኸሉ ግዜስ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

LESSON 14

ኣምላኽ፡ ውድብ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለምንታይን ብኸመይን ከም እተወደቡ ይነግረና።

LESSON 15

መጽናዕትኻ ኽትቅጽል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት ንኻልኦት ኪጠቕሞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ምስ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ርክብ እዩ ኺህልወካ ዚኽእል፧