ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝገልጽ መጽሓፍ

እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝገልጽ መጽሓፍ

ምዕራፍ 2

እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝገልጽ መጽሓፍ

1, 2. ስለምንታይ ኢዩ ናይ ፈጣሪና መምርሒ ዘድልየና፧

 እዚ ፈቃር ፈጣሪና: ንወድሰብ ዝኸውን ናይ መምሃርን መምርሕን መጽሓፍ ከዳሉ ብሓቂ ምኽንያታዊ ኢዩ። ሰባት መምርሒ ከም ዘድልዮምከ ኣይትሰማምዓሉን ዲኻ፧

2 ልዕሊ 2,500 ዓመታት ይገብር፣ ሓደ ነብይን ጸሓፍ ታሪኽን ‘እቲ ዚመላለስ ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ኢሉ ጸሓፈ። (ኤርምያስ 10:⁠23) ሎሚ ሓቅነት ናይዚ ኣዘራርባ እዚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ተጋሂዱ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጸሓፍ ታሪኽ ዊልያም ኤች. መክኔል “እቲ ሰብ ኣብ ምድሪ ዘሕልፎ ዘሎ ተመኵሮ: ዳርጋ ከየቋረጸ ተኸታቲሉ ዝመጸ ምዕናውን ዝርገትን ናይቲ ዝጸንሐ ስርዓት ማሕበረሰብ ኢዩ” ብምባል ዝገ⁠ልጽ።

3, 4. (ሀ) ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንቀርቦ ይግብኣና፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ንምምርማር ከመይ ዝበለ ኣገባብ ክንጥቀም ኢና፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ዘድልየና ጥበባዊ መምርሒ ንምርካብ ይሕግዘና ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ብዙሓት ሰባት ንመጀመርያ ግዜኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ክምርምርዎ ከለዉ ይስምብዱ ኢዮም። ዓብዪ መጽሓፍ ኢዩ: ገለ ክፍልታቱ ድማ ንኽትርድኦ ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን ድኣ እምበር: ሓደ ክቡር ውርሻ ምእንቲ ክትቅበል እንታይ ክትገብር ከም ዝግብኣካ ዝሕብረልካ ናይ ውርሻ ለበዋ ዝሓዘ ሰነድ እንተ ዝወሃበካ: ተጠንቂቕካ ከተጽንዖስ ግዜ ኣይምወሰድካንዶ፧ ገለ ክፍልታት ናይቲ ሰነድ ንምርድኡ ዘሸግር ኰይኑ እንተ ትረኽቦ: ብዘይጥርጥር ሓደ ብዛዕባ’ዚ ጉዳያት እዚ ተመኵሮ ዘለዎ ሰብ ኪሕግዘካ ምደሌኻ። ንመጽሓፍ ቅዱስከ ተመሳሳሊ ዝዀነ ኣረኣእያ ሒዝካ ዘይትቐርቦ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠11) ኣብዚ እቲ መዛረቢ ዀይኑ ዘሎ ጉዳይ ካብ ስጋዊ ውርሻ ዝበልጽ ኢዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ ከም እተማሃርናዮ: ፍልጠት ኣምላኽ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።

4 እስከ ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝገልጽ መጽሓፍ ንመርምሮ። መጀመርያ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጽር ዝበለ ሓፈሻዊ ሓሳባት ክንህብ ኢና። ብድሕርዚ: ብዙሓት ፈላጣት ሰባት መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ኢሎም ዝኣምንሉ ምኽንያታት ክንመያየጠሉ ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙዎ ዘሎ

5. (ሀ) ጽሑፋት እብራይስጢ እንታይ ትሕዝቶ ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) እቲ ናይ ግሪኽ ጸሑፋትከ እንታይ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ: ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ተባሂሉ ዘውትር ዝጽዋዕ ኣብ ክልት ዝተኸፍለ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ ኢዩ። እዘን ሰላሳን ትሽዓተን መጻሕፍቲ ብእብራይስጢ ክጸሓፋ ኸለዋ: 27 ከኣ ብግሪኽ ተጻሕፋ። እቲ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ሚልክያስ ዘሎ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት: ብዛዕባ ፍጥረትን እተን ቀዳሞት 3,500 ዓመታት ናይ ሰብኣዊ ታሪኽን ጸብጻብ ዝሓዘ ኢዩ። ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፋል እዚ ክንምርምር ከሎና: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ምምልላስ ኢና እንማሃር። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ከም ህዝቢ ዀይኖም እተወልዱሉ ክሳዕ 5ይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዘሎ ግዜ ኢዩ። a እቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፋት: ካብ ማቴዎስ ክሳዕ ራእይ ዘሎ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ዀይኑ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግዜ ናይ የሱስ ክርስቶስን ናይ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርትታትን ንጥፈታትን ዘተኰረ ኢዩ።

6. ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

6 ገለ ሰባት እቲ “ብሉይ ኪዳን” ንኣይሁድ እቲ “ሓድሽ ኪዳን” ድማ ንክርስትያናት ኢዩ ይብሉ። ግናኸ ብመሰረት 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16 ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ።’ [ትሓዓ ] ስለዚ ግቡእ መጽናዕቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጠቓለለ ክኸውን ይግባእ። ብሓቂ እኳ ደኣ እተን ክልተ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓደ ተወሃሂደን: ሓደ ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ንምቛም: እታ ሓንቲ ናይታ ሓንቲ መመላእታ ብምዃን ይደጋገፋ ኢየን።

7. ቀንዲ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ፧

7 ምናልባት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ተሳቲፍካ ትኸውን እሞ ገለ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዓው ኢሎም ክንበቡ ሰሚዕካዮም ትኸውን ኢኻ። ወይውን ባዕልኻ ቍንጽል ኣቢልካ ኣንቢብካ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ሓደ ናይ ሓባር እተኣሳሰረ ሓሳብ ከም ዘለዎስ ትፈልጥዶ ኔርካ፧ እወ: ሓደ እተወሃሃደ ኣርእስቲ ኢዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርጊሑ ዘሎ። እቲ ኣርእስቲ እቲኸ እንታይ ኢዩ፧ እዚ እቲ ኣምላኽ ንወድሰብ ክገዝእ መሰል ከም ዘለዎን በታ መንግስቱ ገይሩ ድማ ነቲ ፍቕራዊ ዕላማኡ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ምዃኑን ዘረጋግጽ ሓቅነት ኢዩ። ጸኒሕና ኣምላኽ ነዚ ዕላማኡ እዚ ከመይ ገይሩ ከም ዝፍጽሞ ክንርኢ ኢና።

8. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ባህሪ እንታይ ይገልጽ፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ ምሃቡ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ባህሪ ድማ ይገልጽ ኢዩ። ንኣብነት: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ስምዒታት ከም ዘለዎን እቲ ንሕና እንገብሮ ምር⁠ጫታት ድማ ንእኡ የገድሶ ምዃኑን ንማሃር ኢና። (መዝሙር 78:⁠40, 41፣ ምሳሌ 27:⁠11፣ ህዝቅኤል 33:⁠11) መዝሙር 103:⁠8-14 ኣምላኽ “ርሕሩሕን መሓርን እዩ: ንኹራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ” ይብል። “ሓመድ ምዃንና”ን ብሞት ናብኡ ከም እንምለስን ‘ዘኪሩ’ ብድንጋጽ ይሕግዘና። (ዘፍጥረት 2:⁠7፣ 3:⁠19) ኣየ ከመይ ዝበለ ኣደናቒ ባህርያት ኰን ኢዩ ዘንጸባርቕ! ከምዚ ዝዓይነቱ ኣምላኽዶ ኣይኰንካን ከተምልኾ እትደሊ፧

9. ከመይ ገይሩ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ንጹር ኣረኣእያ ዝህበና: ካብ ከምዚ ዝበለ ፍልጠትከ ከመይ ኢልና ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ንጹር ኣረኣእያ ይህበና ኢዩ። እዚ ስርዓታት እዚ ሓድሓደ ግዜ ከም ሕግታት ኰይኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ይኹን እምበር: ዝበዝሕ ግዜ በቲ ብጭቡጥ ተመኵሮ ዘመሓላልፍ ትምህርቲ ይንጸባረቕ ኢዩ። ኣምላኽ ንረብሓና ክብል ንገለ ኣብ ናይ ጥንታዊ እስራኤል ታሪኽ ዘጋጠመ ፍጻሜታት ከም ዝጸሓፍ ገይርዎ ኣሎ። እዚ ቅኑዕ ጸብጻባት እዚ ሰባት ምስ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክመላለሱ ኸለዉ እንታይ ከም ዘፍርየሎም: ከምኡውን ብገዛእ ርእሶም ክመላለሱ ኸለዉ ዘስዕበሎም ዘሕዝን ኵነታት ኢዩ ዘርእየና። (1 ነገስት 5:⁠4፣ 11:⁠4-6፣ 2 ዜና መዋእል 15:⁠8-15) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ህይወት ዘጋጠመ ናይ ሓቂ ጸብጻባት ከነንብብ ከሎና: ብዘይጥርጥር ኣልባብና ክትንከፍ ኢዩ። ነቲ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ፍጻሜታት ኣብ ኣእምሮና ክንስእሎ እንተደኣ ፈቲንና ምስቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ዘለዉ ሰባት ክንሓብር ኢና። በዚ: ካብቲ ሰናይ ኣብነታት ክንጥቀም: ካብቲ ንገበርቲ እከይ ዘፈ⁠ን​ጠረ መድፈና ድማ ክንርሕቕ ኢና። ይኹን እምበር እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ሕቶ መልሲ የድልዮ ኢዩ:- እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ብሓቂ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእ⁠ል፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእልዶ

10. (ሀ) ንሓድሓደ ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዘሕለፈ መጽሓፍ ኰይኑ ዝስምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) 2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝነግረና፧

10 ብዙሓት ምኽሪ ዝህቡ መጻሕፍቲ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ግዜኦም ዘሕለፉ ኰይኖም ከም እተረኽቡ ተዓዚብካ ትኸውን። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ንበል፧ ኣዝዩ ጥንታዊ መጽሓፍ ኢዩ: እተን ናይ መወዳእታ ቃላቱ ካብ ዝጸሓፋ ኸኣ ዳርጋ 2,000 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ገሊኣቶም ኣብዚ ዘመናዊ መዋእል ቍም ነገር ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኼ ናይ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እንተድኣ ዀይኑስ ዋላ’ኳ ነዊሕ ዕድመ እንተለዎ ምኽሩ ኵሉ ሳዕ እዋናዊ ኢዩ። ሕጂውን እንተዀነ: ቅዱሳት ጽሑፋት ‘እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ዝጠቅም’ ክኸውን ኣለዎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17

11-13. መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና ይጠቅም ኢዩ ክንብሎ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

11 ዕሙቝ ዝበለ መርመራ ከም ዘመልክቶ: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ሎሚውን ልክዕ ከምቲ መጀመርያ ክጸሓፍ ከሎ ዝነበሮ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ኢዩ ዝገልጽ። ንኣብነት: ብዛዕባ ሰብኣዊ ባህርይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ናይ ወድሰብ ክውዕል ዝኽእል ዓሚቝ ምስትውዓል የንጸባርቕ ኢዩ። እዚ: ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ ካብ ምዕራፍ 5 ክሳዕ 7 ዘሎ ናይ የሱስ ናይ ከረን ስብከት ብቐሊሉ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። እዚ ስብከት እዚ ንነፍስሄር ህንዳዊ መራሒ ሞሃንደስ ከይ. ጋንዲ ኣዝዩ ስለ ዝመሰጦ: ንሓደ ብሪጣንያዊ በዓል ስልጣን ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ከም ዝነገሮ ብጸብጻብ ይግለጽ ኢዩ:- “ሃገረይን ሃገርካን በቲ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከት ዝሰርዖ ትምህርትታት ሓቢረን ምስ ዝመላለሳ: ናይ ሃገራትና ግድላት ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ምልእቲ ዓለም ግድላትውን ክንፈትሖ ኢና።”

12 ሰባት ብትምህርትታት የሱስ እንተ ተመሰጡ ዘገርም ኣይኰነን! ናብ ሓቀኛ ሓጐስ ዝመርሕ መገዲ እንታይ ከም ዝዀነ በቲ ናይ ከረን ስብከቱ ገይሩ ሓቢሩና ኣሎ። ዘይምርድዳእ ክለዓል ከሎ ብኸመይ ከም ዝድቅስ ገሊጹ ኣሎ። ከመይ ገይርካ ክትጽሊ ከም ዝግብኣካ ትምህርቲ ሂቡ ኣሎ። ብዛዕባ ንስጋ ዘድሊ ነገራት ኣዝዩ ጥበባዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ክህልወካ ከም ዝግባእ ኣመልከተ: ከምኡውን ምስ ካልኦት ጽቡቕ ዝምድና ክህልወካ ዝሕግዝ ወርቃዊ ሕጊ ሃበ። ንሃይማኖታዊ ምትላል ከመይ ገይርካ ከተለልዮ ከም እትኽእልን ዘተኣማምን መጻኢ ህይወት ድማ ከመይ ገይሩ ክህልወካ ከም ዝኽእልን ገለ ካብቶም ኣብቲ ስብከቱ እተዘርበሎም ነጥብታት ኢዮም ነይ⁠ሮም።

13 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከትን ኣብቲ ዝተረፈ ክፍልታቱን ኣብ ናብራና ዅነታትና ንምምሕያሽ እንታይ ክንገብርን እንታይ ድማ ከነርሕቕን ከም ዝግብኣና ኣነጺሩ ይገልጸልና ኢዩ። እቲ ምዕዶኡ ኣዝዩ ተግባራዊ ስለ ዝዀነ ኢዩ ሓደ ምሁር ከምዚ ኽብል እተደረኸ:- “ሽሕ’ኳ ናይ ባችለርን ማስተርን ዲግሪታት ዘሎኒ ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ኣእምሮ ጥዕናን ሳይኮሎጅን ዝምልከት ብዙሕ መጻሕፍቲ ዘንበብኩ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣማኻሪ እንተ ዀንኩ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕዉት መርዓ ምህላው: ናይ መንእሰያት ስድነት ብኸመይ ከም እትከላኸል: ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እትረክብን ንዕርክነትካ ብኸመይ ከም እትቕጽሎን ዝኣመሰሉ ነገራት ኣመልኪቱ ዝህቦ ምዕዶ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ኮለጅ ዘንበብኩዎ ወይ ዘጽናዕኩዎ ብእተዓጻጸፈ ዝበልጽ ከም ዝዀነ ክርዳእ ክኢለ ኣሎኹ።” መጽሓፍ ቅዱስ ተግባራውን እዋናውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ክትጽግዖ ዘተኣማምን ኢዩ።

ልክዕን ዝእመንን

14. መጽሓፍ ቅዱስ ብሳይንሳዊ መገዲ ልክዕ ከም ዝዀነ እንታይ መረድኢ ኣሎና፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ: ሽሕ’ኳ ናይ ሳይንስ መምሃሪ መጽሓፍ እንተ ዘይኰነ፣ ብሳይንሳዊ መገዲ ልክዕ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ምድሪ ጸፋሕ ኢያ ኢሎም ዝኣምኑሉ ዝነበሩ ግዜ: ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባኣ ክዛረብ ከሎ “ከባብ” ምዃና ጠቒሱ ኣሎ። (እታ ቻግ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል “ክቢ” ዝብል ሓሳብ ኢያ እተስምዕ)። (ኢሳይያስ 40:​22) እቲ ምድሪ ከባብ ምዃና ዝገልጽ ሓሳብ ክሳዕ ኣሽሓት ዓመታት ድሕሪ መዓልትታት ኢሳይያስ ሰፊሕ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ብተወሳኺ እቲ ልዕሊ 3,000 ዓመታት ይገብር እተጻሕፈ ኣብ እዮብ 26:​7 ዘሎ: ኣምላኽ “ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ” ይብል። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመራማሪ ከምዚ ይብል:- “ነቲ ምድሪ ብዘይ ገለ ደገፍ ኣብ ባዶ ሃዋህው ተንጠልጢላ ኣላ ዝብል: ብሊቃውንቲ ስነ-ኮኾብ እተረጋገጸ ሓቂ: እዮብ ከመይ ገይሩ ክፈልጦ ክኢሉ ዝብል ሕቶ: እቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ብናይ መንፈስ ቅዱስ ድራኼ ከም እተጻሕፈ ዝኽሕዱ ሰባት ብቐሊሉ ዝምልሽዎ ኣይኰነን።”

15. እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገባብ ኣቀራርባ ጸብጻብ: ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ኣብኡ ዘሎካ እምንቶ ከጽንዓልካ ዝኽእል፧

15 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣገባብ ኣቀራርባ ጸብጻብ: ነቲ ኣብዚ ጥንታዊ መጽሓፍ ዘሎና እምንቶ የጽንዓልና ኢዩ። ከምቲ ናይ ጽውጽዋያት ዘይኰነስ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻሜታት ምስ ፍሉጣት ሰባትን ዕለታትን እተኣሳሰረ ኢዩ። (1 ነገስት 14:​25፣ ኢሳይያስ 36:​1፣ ሉቃስ 3:​1, 2) ከምኡውን እቶም ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ: ዳርጋ ኵሉ ግዜ ነቲ ናይ ገዛእቶም ዓወታት ኣጋኒኖም ክጽሕፍዎ: ንስዕረቶምን ጌጋታቶምን ከኣ ክሓብእዎ ኸለዉ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ግን ብዛዕባ እቲ ዝፈጸምዎ​—⁠ከቢድ ሓጢኣትውን ከይተረፈ​—⁠ብግልጽን ብቕንዕናን ይጽሕፉ ነበሩ።​—⁠ዘሁልቍ 20:​7-13፣ 2 ሳሙኤል 12:​7-14፣ 24:​10

ናይ ትንቢት መጽሓፍ

16. መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዝሕብረልና ዝዓበየ መረጋገጺ እንታይ ኢዩ፧

16 ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢት: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ መጽሓፍ ምዃኑ ዘየዳግም መረጋገጺ ይህበና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ብሓደ እተፈጸሙ ብዙሓት ትንቢታት ሒዙ ኣሎ። እዚ ብሰባት ጥራይ ክፍጸም ዝኽእል ከም ዘይኰነ ንጹር ኢዩ። እሞ: እዚ ትንቢታት እዚ ንኽፍጸም ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ደኣ እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ አምላኽ እተዛረብዎ እምበር: ከቶ ብፍቓድ ሰብ አይመጸን” ይብል። (2 ጴጥሮስ 1:​21) ገለ ኣብነታት ተመልከት።

17. ብዛዕባ ምውዳቕ ባቢሎን እንታይ ዝብል ትንቢታት ኢዩ ተነጊሩ ዝነበረ: ከመይ ኢሉኸ ተፈጸመ፧

17 ውድቀት ባቢሎን። ኢሳይያስን ኤርምያስን ባቢሎን ኣብ ኢድ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ክትወድቕ ምዃና ተነበዩ። እቲ ዘገርም ግን: እቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ እዚ እተነበዮ ትንቢት ገለ 200 ዓመታት ቅድሚ ባቢሎን ምስዓራ እተጻሕፈ’ዩ ነይሩ። እዞም ዝስዕቡ ናይ ትንቢት መዳያት ብታሪኽ እተረጋገጹ ጸብጻባት ኢዮም:- ንሩባ ኤፍራጥስ ማያቱ ናብ ሰብ ዝሰርሖ ቀላይ ብምልጋስ ከም ዝነጽፍ ምግባሩ (ኢሳይያስ 44:​27፣ ኤርምያስ 50:​38)፣ ኣብቲ ናይ ባቢሎን ደጌታት ሩባ: ናይ ሓለዋ ሸለልትነት (ኢሳይያስ 45:​1)፣ ከምኡውን ብቂሮስ እተባህለ ገዛኢ ዝተገብረ ወራር።​—⁠ኢሳይያስ 44:⁠28

18. ከመይ ኢሉ ኢዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ኣብ ምትንሳእን ምውዳቕን “ንጉስ ግሪኽ” እተፈጸመ፧

18 ምትንሳእን ምውዳቕን ናይ “ንጉስ ግሪኽ ።” ዳንኤል ኣብ ራእይ ሓደ ድቤላ ንሓደ ድዑል ወቒዑ ክልተ ኣቕርንቱ ክሰብሮ ኸሎ ረኣየ። ብድሕርዚ እታ ናይቲ ድቤላ ዓባይ ቀርኒ ተሰብረት እሞ ኣብ ክንድኣ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ወጻ። (ኤል 8:​1-8) ንዳንኤል ከምዚ ዝስዕብ ተገልጸሉ:- “እቲ ዝርኤኻዮ ኽልተ ዝቕርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም። እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ [ግሪኽ ትሓዓ ] እዩ። እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸኣ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ። ብዛዕባ እታ እተሰብረትን ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ዝተንስኣን: ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስታት ኪትንስኣ እየን: ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረያኣን እየን።” (ዳንኤል 8:​20-22) ምስ እዚ ትንቢት እዚ ብምስምማዕ ገለ ክልተ ክፍለ ዘበናት ጸኒሑ እስክንድር ዓብይ “ንጉስ ግሪኽ” ነቲ ክልተ ዝቐርኑ ናይ ሜዶ-ፋርስ ሃጸይ ካብ ስልጣኑ ዓለዎ። እስክንድር ብ323 ቅ.ኣ.ዘ. ሞተ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣርባዕተ ናቱ ጀነራላት ተክእዎ። ይኹን እምበር: ካብዞም ቀጺሎም ዝመጹ መንግስታት እዚኣቶም ሓደ እኳ ይኹን ምስቲ ናይ እስክንድር ሃጸያዊ ግዝኣት ክወዳደር ዝኽእል ኣይነበረን።

19. እንታይ ትንቢታት ኢዩ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እተፈጸመ፧

19 ህይወት የሱስ ክርስቶስ። እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ብዓሰርተታት ዝቝጸር ኣብ ምውላድን ኣገልግሎትን ሞትን ትንሳኤን ናይ የሱስ ክርስቶስ እተፈጸመ ትንቢታት ዝሓዘ ኢዩ። ንኣብነት ሚክያስ: እቲ መሲሕ ወይ ከኣ ክርስቶስ ኣብ ቤት-ልሄም ክውለድ ምዃኑ ልዕሊ 700 ዓመታት ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። (ሚክያስ 5:​2፣ ሉቃስ 2:​4-7) እቲ ብግዜ ሚክያስ ዝነብር ዝነበረ ኢሳይያስ: መሲሕ ክውቃዕን ጡፍ ክበሃለሉን ከም ዝዀነ ተነበየ። (ኢሳይያስ 50:​6፣ ማቴዎስ 26:​67) ዘካርያስ: ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመታት ኣቐዲሙ: መሲሕ ብ30 ቍራጽ ብሩር ክከሓድ ምዃኑ ተነበየ። (ዘካርያስ 11:​12፣ ማቴዎስ 26:​15) ዳዊት: ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመታት ኣቐዲሙ: ብዛዕባ እቲ ምስ ሞት የሱስ እቲ መሲሕ እተኣሳሰረ ኵነታት ተነበየ። (መዝሙር 22:​7, 8, 18፣ ማቴዎስ 27:​35, 39-43) ትንቢት ዳንኤል ድማ: ገለ ሓሙሽተ ዘበናት ኣቐዲሙ መሲሕ መዓስ ከም ዝመጽእ ከምኡውን ንውሓት ኣገልግሎቱን ግዜ ሞቱን ገለጸ። (ዳንኤል 9:​24-27) ካብቲ ኣብ የሱስ እተፈጸመ ትንቢታት እዚ ንመረድኢ ጥራይ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ። ጸኒሕካ ብዛዕብኡ ብዙሕ ምንባብ ዓስቢ ዘለዎ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።

20. እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታት ምሉእ ፍጻሜ ምርካቡ እንታይ እምንቶ ዘሕድረልና ክኸውን ይግባእ፧

20 ብዙሓት ናይ ነዊሕ ዘበን ዘመልክቱ ካልኦት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ተፈጺሞም ኢዮም። ‘እዚ ግን ብኸመይ ኢዩ ንህይወተይ ዝትንክፎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ሓደ ሰብ ንብዙሕ ዓመታት ሓቂ ጥራይ ክነግረካ እንተ ዝነብር: ሓደ ግዜ ግን ሓደ ሓድሽ ነገር እንተ ዝነግረካስ ብሃንደበት ምጠርጠርካዮዶ፧ ኣይምጠርጠርካዮን! ኣምላኽ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኢዩ ነጊሩ። እሞ: እዝስ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩዎ ዘሎ መብጽዓታት ከም ንኣብነት ብዛዕባ ሓንቲ እትመጽእ ዘላ ምድራዊት ገነት ዝነግር ትንቢታቱ እምነት ዘሕድረልካ ክኸውን ኣይግብኦንዶ፧ ብርግጽ ንሕናውን ከምቲ ጳውሎስ: ሓደ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኣይክእልን ኢዩ’ ኢሉ ብምጽሓፉ ዘርኣዮ እምንቶ ክንሕዝ ንኽእል ኢና። (ቲቶስ 1:⁠2) ብተወሳኺ ነቲ ቅዱሳት ጸሑፋት ከነንብቦን ነቲ ምኽሩ ድማ ኣብ ግብሪ ከነወዕሎን ከሎና: ሰባት ብዓቕሞም ክበጽሕዎ ዘይክእሉ ጥበብ ሒዝና ንመላለስ ኢና ዘሎና: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝገልጽ መጽሓፍ ኢዩ።

ንፍልጠት ኣምላኽ ‘ባህጊ’ ኣሕድር

21. ሓድሓደ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርካዮ ነገራት ንምርድኡ ዘጨንቕ ኰይኑ እንተድኣ ረኺብካዮ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧

21 መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከሎኻ: ካብቲ ቀደም ተማሂርካዮ ዝነበርካ እተፈልየ ነገራት ከም እትማሃር እተፈልጠ ኢዩ። አረ ገለ ካብቶም ሒዝካዮም ዝነበርካ ሃይማኖታዊ ልምድታትሲ ንኣምላኽ ዘየሐጕሱ ኰይኖም ክትረኽቦም ኢኻ። ኣምላኽ ካብቲ ኣብዛ ዘይጽንዕቲ ዓለም ዝውቱር ዝዀነ ስርዓታት ዝበልጽ ናይ ቅኑዕን ጌጋን መፍለዪ ስርዓታት ከም ዘለዎ ክትማሃር ኢኻ። እዚ ኣብ መጀመርያ ምናልባት ዘጨንቕ መሲሉ ይርኣየካ ይኸውን። ግናኸ ዓቕሊ ደኣ ግበር! ፍልጠት ኣምላኽ ምእንቲ ክትረክብ ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቕካ መርምሮ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ኣተሓሳስባኻን ኣብ ተግባርካን ምትዕርራይ ክትገብር ከም ዘድልየካ ዝሕብረልካ ኰይኑ እንተድኣ ረኺብካዮ ፍቓደኛ ኴንካ ተቐበሎ ኢኻ።

22. ስለምንታይ ኢኻ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ዘሎኻ: ካልኦት ነዚ ክርድኡዎኸ ከመይ ገይርካ ምሓገዝካዮም፧

22 ኣዕሩኽካን ኣዝማድካን ብሓልዮት ተደሪኾም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትኻ ይቃወምዎ ይዀኑ: ግናኸ የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ: ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና: ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።” (ማቴዎስ 10:​32, 33) ገሊኦም ኣብ ዘይቅኑዕ ኣምልኾ ዘላገስካ ወይ እምነተ-ደ⁠ረቕ ዝዀንካ ክመስሎም ይኽእል ኢዩ። ብሓቂ ግን: ብዛዕባ ኣምላኽን: ብዛዕባ ሓቅን: ርጡብ ፍልጠት ክትረክብ ኢኻ እትቃለስ ዘሎኻ። (1 ጢሞቴዎስ 2:​3, 4) ንኻልኦት ብዛዕባ እዚ እትማሃሮ ዘሎኻ ክት​ነግ⁠ሮም ከሎኻ: ነዚ ነገር እዚ ንምርድኡ ምእንቲ ክሕገዙ ልኡም ደኣ’ም⁠በር ተኻታዓይ ኣይትኹን። (ፊልጲ 4:​5) ብዙሓት: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ንሰባት ብሓቂ ከም ዝጠቕሞም ጭቡጥ መረጋገጺ እንተድኣ ተዓዚቦም ‘ብዘይ ቃል ከም ዝረብሑ’ ዘክር ኢኻ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:​1, 2

23. ከመይ ገይርካ ኢኻ ኣብ ፍልጠት ኣምላኽ ‘ባህጊ ከተሕድር’ እትኽእል፧

23 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይምሕጸነና:- “ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ።” (1 ጴጥሮስ 2:⁠2) ሕጻን ምእንቲ ክዕንገል ናብ ኣዲኡ ኢዩ ዝጽጋዕ። ድሌቱ መታን ክፍጸመሉ ድማ ኣቓልቦ ከም እትገብረሉ ይገብር። ብተመሳሳሊ: ንሕናውን ኣብ ፍልጠት ኣምላኽ ኢና እንጽጋዕ። ዘየቋረጽ መጽናዕቲ ብምግባር ኣብ ቃሉ ‘ባህጊ ኣሕድር’። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ከተንብብ ሸቶኻ ገይርካ ሓዞ። (መዝሙር 1:​1-3) እዚ ብዙሕ በረኸት ከምጽኣልካ ኢዩ: ከመይሲ መዝሙር 19:​11 ሕግታት ኣምላኽ: “ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ ኣሎ” ኢዩ ዝብል።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ቅ.ኣ.ዘ. “ቅድሚ ኣቆጻጽራ ዘበንና” ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ካብቲ ቅ.ል.ክ. (“ቅድሚ ልደት ክርስቶስ”) ዝብል ኣጠቓቕማ ዝያዳ ልክዕነት ዘለዎ ኢዩ። ከ.ኣ.ዘ. “ከም ኣቆጻጽራ ዘበንና” ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘስምዕ: እዚ ድማ ኣብ ክንዲ እቲ ብዙሕ ግዜ (ዓ.ም.) ዓመተ ምሕረት ተባሂሉ ዝጽዋዕ: “ኣብ ናይ ጐይታና ዓመት” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ዝኣተወ ኢዩ።

ፍልጠትካ ምዘን

መጽሓፍ ቅዱስ በየናይ መገድታት ኢዩ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ፍሉይ ዝኸውን፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ምዃኑ ዘረጋግጸልካ እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]

መጽሓፍ ቅዱስካ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ ምግባር ከም ከቢድ ገይርካ ክርአ የብሉን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ተርታኦምን ቦታኦምን ንምምሃር ነቲ ዝርዝር ኣስማት ዝገልጽ ናይ ኣርእስቲ መውጽኢ ተጠቐም።

እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ብቐሊሉ ንምውካስ ዝሕግዝ ምዕራፋትን ጥቕስታትን ኣለዎ። እቲ ናይ ምዕራፋት ምምቕቓል ኣብ መበል 13 ክፍለ-ዘበን ኢዩ ተወሲኹ: እቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፋት ድማ ከምዚ ሎሚ ዘለዎ ጥቕስታት ከም ዝኸውን ዝገበሮ ሓደ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ፈረንሳዊ ሓታሚ ኢዩ ዝመስል። እታ ንመጀመርታ ግዜ ምዕራፋትን ጥቕስታትን ሒዛ ዝወጸት ምልእቲ መጽሓፍ ቅዱስ: እታ ብ1553 እተሓትመት ናይ ፈረንሳ ሕታም ኢያ ነይራ።

ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ቅዱሳት ጽሑፋት ክጥቀስ ከሎ: እቲ ቐዳማይ ኣሃዝ ምዕራፍ: እቲ ካልኣይ ከኣ ቍጽሪ ኢዩ ዘመልክት። ንኣብነት እቲ “ምሳሌ 2:⁠5” ዝብል ጥቕሲ: መጽሓፍ ምሳሌ: ምዕራፍ 2 ቍጽሪ 5 ማለት ኢዩ። ነቲ እተጠቕሰ ጽሑፋት ብምርኣይ ብቐሊሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ምርካብ ክትክእል ኢኻ።

ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ ንምግባር እቲ ዝበለጸ መገዲ መዓልቲ መዓልቲ ምንባቡ ኢዩ። እዚ ኣብ መጀመርያ ምናልባት ኣሸጋሪ መሲሉ ይርኣየካ ይኸውን። ይኹን እምበር: ከም መጠን ምንዋሕ ናይቲ ምዕራፋት ኣብ መዓልቲ ካብ ሰለስተ ክሳዕ ሓሙሽተ ምዕራፋት ተንብብ እንተደኣ ዄንካ: ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣንቢብካ ክትውድኦ ኢኻ። እሞ ካብ ሎሚ ደኣ ዘይትጅምር፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]

መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ፍሉይ መጽሓፍ

• መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16) ሽሕ’ኳ ነቲ ቃላት ዝጸሓፍዎ ሰባት እንተ ነበሩ: ኣምላኽ ኢዩ ንሓሳባቶም መሪሕዎ: ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ “ቓል ኣምላኽ” ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 2:⁠13

• መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ እተፈላለየ መዕበያታት ዝመጹ ገለ 40 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ 16 ክፍለ ዘበናት ጸሓፍዎ። ይኹን እምበር: ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ መጀመርታኡ ክሳዕ መወዳእታኡ እተወሃሃደ ኢዩ።

• መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ካልእ መጽሓፍ ዝበዝሐ ተቓውሞ ሰጊሩ ኢዩ። ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘበን ሰባት ቅዳሕ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ኢዶም ስለ እተረኽቦም ጥራይ ኣብ ዓንዲ ሰቒሎም ብሓዊ የቃጽልዎም ነበሩ።

• መጽሓፍ ቅዱስ: ብብዝሒ መሸጣ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ኢዩ ሒዙ ዘሎ። ብምሉኡ ወይ ብኸፊሉ ኣብ ልዕሊ 2,000 ዝኣክል ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ። ብኣሽሓት ሚልዮናት ዝቝጸር ቅደሓት ተሓቲሙ ስለ ዘሎ: ኣብ ምድሪ ቅዳሕ ዘይብላ ቦታ ዳርጋ ኣይትርከብን ኢያ።

• እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝጅምር። እዚ ድማ እቲ ናይ ሂንዱ ሪግ–ቨዳ (ኣብ 1300 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እተጻሕፈ) ወይ እቲ ናይ ቡድሂስት “ናይተን ሰለስተ ዘናቢል ቅዱሳት ጽሑፋት” (ሓሙሻይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.) ወይ ድማ እቲ ናይ እስላም ቁርኣን (ሻብዓይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ.) ከምኡውን እቲ ኒሆንጊ እተባህለ ናይ ሺንቶ መጻሕፍቲ (720 ከ.ኣ.ዘ.) ቅድሚ ምቕልቃሉ ማለት ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 20፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]