ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 1

ዜሐጕስ ምስጢር

ዜሐጕስ ምስጢር

ምስጢር ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧— * መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ቕዱስ ምስጢር” ዚብሃል ሓደ ፍሉይ ምስጢር ይነግረና እዩ። ቅዱስ እተባህለ፡ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ምስጢር እተባህለ ድማ፡ ሰባት ብዛዕባኡ ስለ ዘይፈልጡ እዩ። መላእኽቲ እኳ ብዛዕባኡ ብዙሕ ኪፈልጡ ይደልዩ ነይሮም እዮም። እቲ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧—

እዞም መላእኽቲ እዚኦም እንታይ ኪፈልጡ እዮም ዚደልዩ ዘለዉ፧

ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት፡ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣዳምን ሄዋንን ይብሃሉ። ኣምላኽ ድማ፡ ገነት ኤደን እትብሃል ጽብቕቲ መንበሪት ሃቦም። ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ እንተ ዚእዘዙ፡ ንሳቶምን ደቆምን ንምልእቲ ምድሪ ኸምታ መንበሪቶም ገነት ምገበርዋ ነይሮም። ኣብ ገነት ድማ ንዘለኣለም ምነበሩ ነይሮም። ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ከም ዝገበሩ ግና ትዝክርዶ፧—

ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዙን፣ ስለዚ ኸኣ ኢና ሎሚ ኣብ ገነት እንነብር ዘየለና። ኣምላኽ ግና ንምልእቲ ምድሪ ገነት ከም ዚገብራ፡ ኵሉ ሰብ ከኣ ተሓጒሱ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ተዛሪቡ እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር፧ ንነዊሕ ግዜ፡ ሰባት ብዛዕባ እዚ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። እቲ ነገር እቲ፡ ምስጢር እዩ ነይሩ።

የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ግና፡ ንሰባት ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ነገሮም። እቲ ምስጢር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ሓበሮም። እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትመጸሎም ኪጽልዩ እውን ነገሮም። ንሳ ንምድሪ ጽብቕቲ ገነት ክትገብራ እያ።

ነዚ ምስጢር እዚ ምፍላጥሲ የሐጕሰካዶ፧— እቶም ንየሆዋ ዚእዘዝዎ ጥራይ ኣብ ገነት ከም ዚነብሩ ኣይትረስዕ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዙሕ ዛንታታት እቶም ንየሆዋ እተኣዘዙ ሰብኡትን ኣንስትን ኣሎ። ብዛዕባኦም ክትፈልጥ ትደሊዶ፧— ገሊኣቶም መነመን ከም ዝነበሩ፡ ንሕና ኸኣ ከመይ ጌርና ኸማታቶም ክንከውን ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብ ብምሉኡ እዚ ዛንታታት እዚ፡ ደድሕሪ ሕቶታት ነዚ ዚስዕብ ፈላዪ ሕንጻጽ (—) ክትረክብ ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ሓንሳእ ኣዕሪፍካ፡ ውሉድካ ሓሳቡ ኺገልጽ ኣጋጣሚ ኽትህቦ ዜዘኻኽር እዩ። ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንጓል ከተንብበላ ኸለኻ፡ ነቲ ግሲ ናብ ናይ ኣንስተይቲ እናቐየርካ ኣንብበላ።