ህዝቅኤል 9:1-11
9 ኣብ ኣእዛነይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ነቶም ነዛ ኸተማ ዚቐጽዑ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጥፍእ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኺመጽእ፡ ጸውዓዮም!” ኢሉ ጨደረ።
2 ሽዱሽተ ሰብኡት፡ ነፍሲ ወከፍ ዚሕምሽሽ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ ኣንፈት እቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ+ ኺመጹ ረኣኹ፣ በፍታ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም* እውን ኣብ ማዕጥቖኡ ዘለዎ ሓደ ሰብኣይ ድማ ኣብ መንጎኦም ነበረ፣ ኣትዮም ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ።+
3 ሽዑ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል+ ካብቲ ዝዓረፎ፡ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተላዒሉ ናብ ድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ቤት ከደ፣+ ንሱ ኸኣ ነቲ በፍታ እተኸድነ፡ ኣብ ማዕጥቖኡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ጸውዖ።
4 የሆዋ ኸኣ፡ “በታ ኸተማ ሕለፍ፡ ብየሩሳሌም ሕለፍ፣ ኣብ ግምባር እቶም በቲ ኣብታ ኸተማ ዚግበር ዘሎ ዅሉ ፍንፉን ነገራት+ እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን+ ሰባት ምልክት ግበር” በሎ።
5 ነቶም ካልኦት ድማ እናሰማዕኩ ኸምዚ በሎም፦ “ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ። ዓይንኹም ኣይትደንግጽ፣ ኣይትራሕርሑ እውን።+
6 ኣረጊትን ጐበዝን ድንግልን ቈልዓን ጠሪስኩም ቅተሉ።+ ምልክት ናብ ዘለዎ ሰብ ግና ኣይትቕረቡ።+ ካብ መቕደሰይ ጀምሩ።”+ ስለዚ፡ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበሩ ዓበይቲ ጀመሩ።+
7 ንሱ ኸኣ፡ “ነታ ቤት ኣርክስዋ፡ ነቲ ኣጸዳት እውን ብቕቱላት ምልእዎ።+ ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ከኣ ኣብታ ኸተማ ንሰባት ወቕዑ።
8 ኪወቕዕዎም ከለዉ ድማ፡ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፣ ብገጸይ ወዲቐ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ክትክዑ ኸለኻስ፡ ንዅሎም እቶም ተረፍ እስራኤልዶ ኸተጥፍኦም ኢኻ፧” ኢለ ጨራሕኩ።+
9 ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ስሕተት ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።+ እታ ምድሪ ብምፍሳስ ደም መሊኣ ኣላ፣+ እታ ኸተማ ኸኣ ብብልሽውና መሊኣ ኣላ።+ ንሳቶምሲ፡ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ ሓዲግዋ እዩ፣ የሆዋ ኣይርእን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ።+
10 ኣነ ግና፡ ዓይነይ ኣይክትድንግጽን እያ፣ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገዶም ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ።”
11 ሽዑ፡ እቲ በፍታ እተኸድነ፡ ኣብ ማዕጥቖኡ እውን ቀርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ፡ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ” ኢሉ ቓል ሒዙ ተመልሰ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “መትሓዝ ቀለም።”