መዝሙር 100:1-5

  • ንፈጣሪ ምምስጋን

    • “ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ” (2)

    • ‘ዝገበረና ኣምላኽ እዩ’ (3)

መዝሙር ምስጋና። 100  ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።+   ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ።+ ናብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።   የሆዋስ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ።*+ ዝገበረና ንሱ እዩ፣ ንሕና ድማ ናቱ ኢና።*+ ንሕና ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሰኡን ኢና።+   ናብ ኣፍ ደገታቱ ብምስጋና፡+ናብ ኣጸዳቱ እውን ብውዳሰ ምጹ።+ ኣመስግንዎ፡ ስሙ እውን ወድሱ።+   የሆዋስ ሕያዋይ* እዩ፣+እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም፡ተኣማንነቱ ድማ ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተኣመኑ።”
ወይ፡ “ባዕላትና ኣይኰንናን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሰናይ።”