መዝሙር 100:1-5
መዝሙር ምስጋና።
100 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።+
2 ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ።+
ናብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።
3 የሆዋስ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ።*+
ዝገበረና ንሱ እዩ፣ ንሕና ድማ ናቱ ኢና።*+
ንሕና ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሰኡን ኢና።+
4 ናብ ኣፍ ደገታቱ ብምስጋና፡+ናብ ኣጸዳቱ እውን ብውዳሰ ምጹ።+
ኣመስግንዎ፡ ስሙ እውን ወድሱ።+
5 የሆዋስ ሕያዋይ* እዩ፣+እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም፡ተኣማንነቱ ድማ ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+