መዝሙር 8:1-9
ንኣላዪ፣ ብጊቲት።* ናይ ዳዊት መዝሙር።
8 ኦ የሆዋ ጐይታና፡ ስምካስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ፣ክብርኻ ኻብ ሰማያት ዚልዕል ጌርካዮ!*+
2 ስለ ተጻረርትኻ፡ንጸላእን ንፈዳይ ሕነን ስቕ ንምባል፡ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን+ ብርታዐ ሰሪትካ።
3 ሰማያትካ፡ እቲ ግብሪ ኣጻብዕካ፡እቲ ዘዳሎኻዮ ወርሕን ከዋኽብትን ክርኢ ኸለኹ፡+
4 ንስኻ እትዝክሮስ፡ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧
ወይስ እትሓልየሉ፡ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ፧+
5 ከም ኣምላኽ ካብ ዝበሉ* ቝሩብ ኣንኢስካዮ፣ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊእካሉ።
6 ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኣግዚእካዮ፣+ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፦
7 ንዅለን መጓሰን ከብትን፡ከምኡ ድማ ንእንስሳታት ዘገዳም፡+
8 ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንዓሳ ባሕርን፡ብመገድታት ባሕርታት ንዚሓልፍ ዘበለ።
9 ኦ የሆዋ ጐይታና፡ ስምካስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ!