ሮሜ 12:1-21
12 እምበኣር ኣሕዋተየ፡ ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን+ ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም፡ ማለት ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም+ ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ከተቕርብዎ፡+ ብርሕራሐ ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ።
2 እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡+ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡+ ደጊም በዚ ስርዓት* እዚ ኣይትቀረጹ።
3 ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡+ የግዳስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ* መስፈር እምነት ገይሩ ብልብምና ኺሓስብ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣለኹ።+
4 ከመይሲ፡ ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎና፡+ እቲ ኣካላት ግና ሕደ ተግባር ዘይብሉ፡
5 ከምኡ ድማ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት፡ ግናኸ ነፍሲ ወከፍና ኣካላት ሓድሕድ ኢና።+
6 ከከም እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ካብ ሃለወና፡+ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ከከም መጠን እምነትና ንነበ፣
7 ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ነገልግል፣ ወይስ እቲ ዚምህር፡ ይምሃር፣+
8 ወይስ እቲ ዜተባብዕ፡* የተባብዕ፣*+ እቲ ዚዕድል፡ ብልግሲ ይዓድል፣*+ እቲ ዚመርሕ፡ ብትግሃት ይምራሕ፣+ እቲ ዚምሕር፡ ብሓጐስ ይምሓር።+
9 ፍቕርኹም ብዘይ ግብዝና ትኹን።+ ንእከይ ፈንፍንዎ፡+ ናብ ሰናይ ልገቡ።
10 ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።*+
11 ትግሁ፡* ኣይትተሃከዩ።*+ ብመንፈስ ተቓጸሉ።+ ንየሆዋ* ተገዝእዎ።+
12 ብተስፋ ተሓጐሱ። ኣብ ትሕቲ ጸበባ ተጻወሩ።+ ብጸሎት ጽንዑ።+
13 ንቕዱሳት ከከም ዜድልዮም ኣማቕሉ።+ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።+
14 ንዚሰጕጉኹም መርቑ፣+ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ።+
15 ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐሱ፣ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።
16 ንኻልኦት ከም ንርእስኹም ጌርኩም ሕሰቡሎም፣ ትሕት በሉ እምበር፡ ሓሳብኩም ኣብ ላዕለ ላዕሊ ኣይትግበሩ።*+ ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ኣይምሰልኩም።+
17 ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።+ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ሕሰቡ።
18 ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።+
19 ፍቑራተየ፡ “‘ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡’ ይብል የሆዋ”* ጽሑፍ እዩ እሞ፡+ ነቲ ቝጥዓስ* ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።+
20 ግናኸ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠምዩ፡ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸሚኡ፡ ኣስትዮ፣ ነዚ ብምግባርካስ፡ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽትኵምር ኢኻ።”*+
21 ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ዝዓደሎ።”
^ ወይ፡ “ዚምዕድ።”
^ ወይ፡ “ይምዓድ።”
^ ወይ፡ “እቲ እጃሙ ዜበርክት፡ ብልግሲ የበርክት።”
^ ወይ፡ “ተበግሶ ውሰዱ።”
^ ወይ፡ “ቀናኣት ኩኑ።”
^ ወይ፡ “ኣብ ዕዮኹም ኣይትተሃከዩ።”
^ ወይ፡ “ላዕለ ላዕሊ ኣይትሕሰቡ።”
^ ማለት፡ ቍጥዓ ኣምላኽ።
^ ማለት፡ ነቲ ሰብ ተለስልሶን ትሩ ተምክኾን።