ያእቆብ 1:1-27

  • ሰላምታ (1)

  • ተጻዋርነት ሓጐስ የፍሪ (2-15)

    • ፍቱን እምነት (3)

    • ብእምነት ይለምን (5-8)

    • ትምኒት ናብ ሓጢኣትን ሞትን ይመርሕ (14, 15)

  • ኵሉ ጽቡቕ ውህበት ካብ ላዕሊ እዩ (16-18)

  • ሰማዕትን ገበርትን ቃል ኩኑ (19-25)

    • ገጹ ብመስትያት ዚርኢ ሰብ (23, 24)

  • ንጹህን ዘይረኸሰን ኣምልኾ (26, 27)

1  ካብቲ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ዝዀነ ያእቆብ፡+ ናብቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ 12 ነገዳት፦ ሰላም። 2  ኣሕዋተየ፡ እተፈላለየ ፈተናታት እንተ በጺሑኩም፡ ከም ምሉእ ሓጐስ ቍጸርዎ።+ 3  ከምኡ ኽትገብሩ ኸለኹም፡ እቲ ፍቱን እምነትኩም፡ ተጻዋርነት ከም ዜፍርየልኩም ፍለጡ።+ 4  ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉእ ብምሉእ ጥዑያትን ምእንቲ ኽትኰኑ ግና፡ ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም።+ 5  ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ+ ኣምላኽ ይለምኖ፣+ ኪውሃቦ እውን እዩ።+ 6  ግናኸ፡ ከይተጠራጠረ+ ብእምነት ይለምን፣+ ከመይሲ፡ እቲ ዚጠራጠር፡ ከምቲ ብንፋስ ዚድፋእን ዚናወጽን ማዕበል ባሕሪ እዩ። 7  እቲ ሰብ እትስ ካብ የሆዋ* ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ፣ 8  ንሱ ኣብ ኵሉ መገዱ ጽኑዕ ዘይኰነ፡+ ተወላዋሊ ሰብ እዩ። 9  እቲ ትሑት ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይተሓጐስ፣*+ 10  እቲ ሃብታም እውን፡ ከም ዕምባባ መሮር ስለ ዚሓልፍ፡ ትሕት ብምባሉ ይፈሳህ።+ 11  ከመይሲ፡ ከምቲ ጸሓይ ምስ ዋዒኣ እትወጽእ እሞ፡ ነቲ ኣትክልቲ እተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ዚረግፍ፡ ጽባቐ ትርኢቱ እውን ዚጠፍእ፡ ከምኡ ድማ እቲ ሃብታም ዋኒኑ ኺገብር ከሎ፡ ይጠፍእ።+ 12  ፈተና ዚጻወር ሰብ ብቕዓቱ ምስ ኣመስከረ፡ እቲ የሆዋ* ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም+ ኣኽሊል ህይወት+ ስለ ዚቕበል፡ ሕጉስ እዩ።+ 13  ኣምላኽሲ ብእከይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ እውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ “ኣምላኽ ይፍትነኒ ኣሎ” ኣይበል። 14  ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን* እዩ ዚፍተን።+ 15  ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፣ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።+ 16  ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ ኣይትስሓቱ። 17  ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን ካብ ላዕሊ፡+ ካብቲ ኸም ዚለዋወጥ ጽላሎት ዘይቀያየር ወይ ዘይለዋወጥ*+ ኣቦ ሰማያዊ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።+ 18  ሓደ ዓይነት በዅራት ፍጡራቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፡+ ብቓል ሓቂ ኺወልደና ፍቓዱ ዀይኑ እዩ።+ 19  ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ፍለጡ። ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡+ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን፣+ 20  ከመይሲ፡ ቍጥዓ ሰብ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ።+ 21  ስለዚ፡ ኵሉ ጽያፍን ኵሉ ኣሰር ክፍኣትን* ኣርሕቑ፣+ ነቲ ኼድሕነኩም* ዚኽእል ምትካል ቃል ከኣ ብልእመት ተቐበልዎ። 22  ግናኸ፡ ገበርቲ ቓል ኩኑ፣+ ርእስኹም ብናይ ሓሶት ሓሳብ እናኣታለልኩም ከኣ፡ ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። 23  ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ፡ ገባሪ እንተ ዘይኰይኑስ፡+ ንሱ ነቲ ገጹ* ብመስትያት ዚርኢ ሰብ ይመስል። 24  ገዛእ ርእሱ ይርኢ እሞ ይኸይድ፡ ብኡብኡ እውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። 25  እቲ ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲሩ ዚጥምትን+ ብእኡ ዚጸንዕን ግና፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዚርስዕ ሰማዒ ኣይኰነን፣ ብግብሩ ድማ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።+ 26  ሓደ እኳ ንልሳኑ ዘይለጕም ክነሱ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ዘሎ* እንተ መሲልዎ፡+ ንልቡ እዩ ዜታልል ዘሎ፡ ኣምልኾኡ እውን ከንቱ እዩ። 27  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይረኸሰን ኣምልኾ* እዚ እዩ፦ ንዘኽታማትን+ ንመበለታትን+ ኣብ ጸበባኦም ምክንኻን፡+ ርእስኻ ድማ ካብ ርስሓት ዓለም ምሕላው።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ይመካሕ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ብመህረሪ ተታሒዙን።”
ወይ፡ “ካብቲ ለውጢ ምቅይያር ጽላሎት ዘይብሉ።”
ወይ፡ “በዚሑ ዘሎ ኽፍኣትን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍስኹም ኬድሕና።”
ወይ፡ “ነቲ ተፈጥሮኣዊ ገጹ።”
ወይ፡ “ሃይማኖተኛ ዝዀነ።”
ወይ፡ “ሃይማኖት።”