1 ሳሙኤል 7:1-17

  • እቲ ታቦት ኣብ ቂርያት-የዓሪም (1)

  • ሳሙኤል፡

  • እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ዝረኸቦ ዓወት (7-14)

  • ሳሙኤል ንእስራኤል ፈረደ (15-17)

7  ሰብ ቂርያት-የዓሪም ድማ መጺኦም ንታቦት የሆዋ ናብታ ኣብ ኵርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ+ ኣደየብዎ፣ ንኣልኣዛር ወዱ ኸኣ ታቦት የሆዋ ኺሕሉ ቐደስዎ። 2  ካብቲ እቲ ታቦት ናብ ቂርያት-የዓሪም ዝመጸሉ መዓልቲ፡ ነዊሕ ግዜ፡ ኵሉዅሉ 20 ዓመት ሓለፈ፣ ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ንየሆዋ ይደልይዎ* ነበሩ።+ 3  ሳሙኤል ከኣ ንዅሎም ቤት እስራኤል፡ “ብዅሉ ልብኹም ናብ የሆዋ ትምለሱ እንተ ኣሊኹም፡+ ጓኖት ኣማልኽትን+ ምስልታት ኣሽቶረትን+ ካብ መንጎኹም ኣርሕቑ፣ ልብኹም ከኣ ብጽኑዕ ናብ የሆዋ ኣቕንዑ፡ ንዕኡ ጥራይ እውን ኣገልግሉ፣+ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬናግፈኩም እዩ”+ በሎም። 4  ሽዑ፡ እስራኤላውያን ንበዓላትን ንምስልታት ኣሽቶረትን ኣርሒቖም፡ ንየሆዋ ጥራይ ኣገልገሉ።+ 5  ሳሙኤል ከኣ፡ “ንዅሉ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኣክቡ፣+ ንየሆዋ ድማ ምእንታኹም ክልምኖ እየ” በለ።+ 6  ሽዑ፡ ኣብ ሚጽጳ ተኣከቡ፣ ማይ ቀዲሖም ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣፍሰስዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እውን ጾሙ።+ ኣብኡ ድማ፡ “ንየሆዋ በዲልናዮ ኢና” በሉ።+ ሳሙኤል ከኣ ንእስራኤላውያን ኣብ ሚጽጳ ፈራዲ ዀኖም።+ 7  ፍልስጥኤማውያን ድማ እስራኤላውያን ኣብ ሚጽጳ ኸም እተኣከቡ ምስ ሰምዑ፡ እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን+ ኣንጻር እስራኤል ደየቡ። እስራኤላውያን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሰሪ ፍልስጥኤማውያን ፈርሁ። 8  እስራኤላውያን ከኣ ንሳሙኤል፡ “ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነናስ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ምምህላል ኣይተቋርጽ” በልዎ።+ 9  ሳሙኤል ድማ ሓደ ዚጠቡ ዕየት ወሲዱ፡ ምሉእ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ንየሆዋ ኣቕረበሉ።+ ሳሙኤል ከኣ ምእንቲ እስራኤል ናብ የሆዋ ተማህለለ፣ የሆዋ ድማ መለሰሉ።+ 10  ሳሙኤል ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርቦ ኸሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ቐረቡ። የሆዋ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጐደ+ እሞ ኣሸበሮም፣+ ንሳቶም ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ።+ 11  ሽዑ፡ ሰብ እስራኤል ካብ ሚጽጳ ወጺኦም ንፍልስጥኤማውያን ሰጐጕዎም፡ ክሳብ ደቡብ ቤት-ካር ከኣ ወቕዕዎም። 12  ሳሙኤል ድማ ሓደ እምኒ ወሲዱ፡+ ኣብ መንጎ ሚጽጳን የሻናን ኣንበሮ፣ “የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ረድኣና”+ ኢሉ ኸኣ፡ ኤብንዔዘር* ኢሉ ሰመዮ። 13  በዚ ኸምዚ፡ ፍልስጥኤማውያን ተምበርከኹ፣ መሊሶም ድማ ናብ ሃገር እስራኤል ኣይመጹን፣+ ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ከኣ፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻር ፍልስጥኤማውያን ነበረት።+ 14  እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፡ ካብ ዔቅሮን ክሳብ ጋት፡ ናብ እስራኤል ተመልሳ፣ እስራኤል ከኣ ሃገሩ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣምለሰ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን+ ድማ ሰላም ነበረ። 15  ሳሙኤል ከኣ ምሉእ ህይወቱ ንእስራኤል ፈረደ።+ 16  ዓመት ዓመት ናብ ቤት-ኤልን+ ጊልጋልን+ ሚጽጳን+ ብዙር ይጕዓዝ ነበረ፣ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚአን ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። 17  ቤቱ ኣብ ራማ+ ስለ ዝነበረት ግና፡ ናብኣ ይምለስ ነበረ፣ ኣብኣ እውን ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እናደለይዎ ይሓዝኑ።”
ትርጉሙ፡ “እምኒ ረድኤት።”