ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ጭንቀት

ጭንቀት

ክልተ ዓይነት ጭንቀት እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ጠቓሚ ኪኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ግና ጐዳኢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኽልቲኡ ዓይነት ጭንቀት ከነለልዮ ይሕግዘና እዩ።

ክትጭነቕ ንቡር ድዩ፧

ህሉው ኵነታት፦

ጭንቀት ከም ስግኣትን ፍርህን ሻቕሎትን ዝኣመሰለ ስምዒታት የጠቓልል። ኣብ ዘይተተኣማምን ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ኵላትና ንጭነቕ ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ንጉስ ዳዊት፡ “ክሳዕ መኣዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፡ ዕለት ዕለትሲ ብልበይ ክሓዝን እየ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 13:2) ዳዊት ንጭንቀቱ ኽዋጽኣሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ ብምትእምማን፡ ብጸሎት ኣቢሉ ልቡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣፍሰሰ። (መዝሙር 13:5፣ 62:8) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣምላኽ ጾርና ናብኡ ኽንድርቢ እዩ ዚዕድመና1 ጴጥሮስ 5:7፡ “ንሱ [ኣምላኽ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ትብለና።

ምእንቲ እቶም እነፍቅሮም ሰባት ገለ ነገር ምግባር ንጭንቀትና ከፋዅሶ ይኽእል እዩ

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጭንቀትና ንምቍጽጻር ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጳውሎስ፡ ኣብ ክንዲ ‘ዅለን ጉባኤታት ጭንቀት’ ስለ እተሰምዖ፡ ነቶም ዝሓልየሎም ንምጽንናዕ ዝከኣሎ ገይሩ እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:28) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ጳውሎስ ዝነበሮ ጭንቀት ጠቓሚ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ዜድሊ ሓገዝ ኪህብ ኣለዓዒልዎ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ጭንቀትና ጠቓሚ ዚዀነሉ ኣጋጣሚ ኺህሉ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ዘይተገዳስነት ፍቕራዊ ሓልዮት ከም ዘይብልና እዩ ዜርኢ።—ምሳሌ 17:17

“ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”ፊልጲ 2:4

ንዘየድሊ ጭንቀት ክትዋጽኣሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ህሉው ኵነታት፦

ሰባት ብዛዕባ ሕሉፍ ጌጋታቶም፡ መጻኢኦም ወይ ገንዘብ ይጭነቑ እዮም። *

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ብዛዕባ ሕሉፍ ጌጋታት ምጭናቕ፦ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም ሰኽራማትን ዘረፍትን ኣመንዝራታትን ሰረቕትን እዮም ነይሮም። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ይኹን እምበር፡ ኣብ ሕሉፍ ጌጋታቶም ኣብ ክንዲ ዜተኵሩ፡ ኣካይዳኦም ቀይሮምን ኣብቲ ኣምላኽ ብፍታው ዚልግሶ ዓብዪ ምሕረት ተኣማሚኖምን እዮም። መዝሙር 130:4 እውን ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ምእንቲ ኺፈርሁኻ፡ ይቕሬታ ምሳኻ ኣሎ” ትብል።

ብዛዕባ ጽባሕ ምጭናቕ፦ የሱስ፡ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ” በለ። (ማቴዎስ 6:25, 34) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኣብቲ ሎሚ ዘሎካ ጸገማት ጥራይ ኣተኵር። ብዛዕባ ጽባሕ ብምጭናቕ፡ ኣብ ርእሲ ጭንቀትካ ጭንቀት ኣይትወስኽ፣ ከመይሲ፡ ነቲ ናይ ምምዝዛን ክእለትካ ኼጥፍኣልካን ብሃወኽ ከም እትውስን ኪገብረካን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ሎሚ ዜጨንቐና ዘሎ ነገራት፡ ድሕሪ ግዜ ዘየድሊ ምንባሩ ኽንግንዘብ ከም እንኽእል እውን ኣይትረስዕ።

ብዛዕባ ገንዘብ ምጭናቕ፦ ሓደ እዋን ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ፡ “ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ” ኢሉ ጸለየ። (ምሳሌ 30:8, 9) ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕጉብ ኪኸውን ደለየ፣ እዚ ድማ ኣምላኽ ዚሰምሮ እዩ። ኣብ እብራውያን 13:5፡ “ንሱ [ኣምላኽ]፡ ‘ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ” ዚብል ነንብብ። ገንዘብ እምንቶ ኸተሕድረሉ ዚከኣል ኣይኰነን፣ ኣምላኽ ግና ነቶም ኣብኡ ተወኪሎም ቀሊል ናብራ ዚመርሑ ሰባት ኣይሓድጎምን እዩ።

“ጻድቕ ተሓዲጉን ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን።”መዝሙር 37:25

ካብ ጭንቀት ናጻ እንዀነሉ ግዜ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ሃሬት ግሪን እትብሃል ጋዜጠኛ፡ ኣብ ሓንቲ ዓንቀጽ ናይ 2008 ጋዜጣ ዘ ጋርድያን፦ “ናብ ጭንቀት ዝመልኦ ሓድሽ ዘመን ኢና እንኣቱ ዘለና” ኢላ ጸሓፈት። ብ2014 ከኣ ፓትሪክ ኦኮኖር፡ ኣብ ጋዜጣ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ “መጠን ጭንቀት ኣመሪካውያን ይውስኽ እዩ ዘሎ” ብምባል ጸሓፈ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ [“ጭንቀት፡” NW] ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።” (ምሳሌ 12:25) እቲ “ሰናይ ቃል” ኣብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪርከብ ይከኣል እዩ። (ማቴዎስ 24:14) እዛ ብኣምላኽ እትመሓደር መንግስቲ እዚኣ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነቲ ባዕልና ኸነወግዶ ዘይንኽእል ከም ሕማምን ሞትን ዝኣመሰለ ዅሉ ሳዕቤናት ጭንቀት ከተወግዶ እያ። “[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4

“እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎኩም እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኩም።”ሮሜ 15:13

^ ሕ.ጽ. 10 እቶም ብኸቢድ ጭንቀት ዚሳቐዩ ሰባት ንሓኪም ኪውከሱ ጥበባዊ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንቕሑ! ሰባት ንእተወሰነ ኣገባብ ሕክምና ኺስዕቡ ርእይቶ ኣይትህብን እያ።