ንኣእምሮኻ ኻብ መጥቃዕቲ ተኸላኸለሉ
መጥቃዕቲ ይወርደካ እዩ ዘሎ! እቲ ቐንዲ ጸላኢኻ ዝዀነ ሰይጣን፡ ኣንጻርካ ኣዝዩ ሓደገኛ መሳርሒ ይጥቀም ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ ፕሮፓጋንዳ እዩ! እዚ ንኣካልካ ዘይኰነስ፡ ንኣእምሮኻ ኼጥቅዕ እተነድፈ መሳርሒ እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ተረዲኡ ነበረ። ግናኸ፡ ኵሎም ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ብጾቱ ኣይኰኑን ብዛዕባ እዚ ዚፈልጡ ነይሮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ገሊኦም ኣሕዋት፡ ኣብ ሓቂ ጽኑዓት ከም ዝዀኑን ከም ዘይወድቁን ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ፡ እምብዛ ብርእሶም ይተኣማመኑ ነበሩ። (1 ቈረ. 10:12) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ጳውሎስ፡ “ግናኸ፡ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፡ ኣእምሮኹም ተባላሽዩ ኻብቲ ንክርስቶስ ዚግባእ ግርህነትን ንጽህናን ከይርሕቕ እፈርህ ኣለኹ” በሎም።—2 ቈረ. 11:3።
ቃላት ጳውሎስ፡ እምብዛ ብርእስና ኽንተኣማመን ከም ዘይብልና ዜርኢ እዩ። ንኣእምሮኻ ኻብ መጥቃዕቲ ኽትከላኸለሉ እንተ ደሊኻ፡ ፕሮፓጋንዳ ኽሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ፈሊጥካ ንርእስኻ ኻብኡ ኸተዕቍባ ኣሎካ።
ፕሮፓጋንዳ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓደገኛ፧
ፕሮፓጋንዳ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፕሮፓጋንዳ ኽንብል ከለና፡ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ሰባት ንምቍጽጻር ዚዝርጋሕ ቄናን ወይ መታለሊ ሓበሬታ እዩ ዜመልክት። ገሊኦም ሰባት፡ ፕሮፓጋንዳ ምስ “ሓሶት፡ ቄናን ሓሳብ፡ ምትላል፡ ብብልሓት ምዕሻው፡ ምቍጽጻር ኣእምሮ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ውግእ” ማዕረ ኸም ዝዀነ፡ ምስ “ዘይስነ ምግባራዊ፡ ጐዳኢ፡ ዘይፍትሓዊ ሜላ” ድማ ከም ዚተሓሓዝ ይገልጹ እዮም።—ፕሮፓጋንዳ ኤንድ ፐርስወይዥን።
ፕሮፓጋንዳ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓደገኛ፧ ከምቲ ኸይተፈለጠካ ዚምርዝ ብዓይኒ ዘይርአን ጨና ዘይብሉን መርዛም ጋዝ፡ ፕሮፓጋንዳ እውን ከይተፈለጠና ኺምርዘናን ንሕልናና ኼበላሽዎን ይኽእል እዩ። ብዓል ሞያ ስነ ባህርይ ዝዀነ ቫንስ ፓካርድ ከም ዝገለጾ፡
እንታይነት ፕሮፓጋንዳ ሰኣን ምፍላጥና፡ “መብዛሕትና ኻብ እንሓስቦ ንላዕሊ ብእኡ ንጽሎን ንታለልን ኢና።” ካልእ ምሁር ከኣ፡ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ጽልዋ ፕሮፓጋንዳ፡ “ኣዝዩ ሓደገኛ ተግባራት ኪገብሩ ብቐሊሉ ይድረኹ እዮም” በለ። ገለ ኻብዚ ተግባራት እዚ ኸኣ፡ ‘ጃምላዊ ቕትለት፡ ውግእ፡ መጠኑ ዝሓለፈ ዓሌታውነት፡ ሃይማኖታዊ ዘይተጻዋርነት፡ ከምኡ እውን ካልእ ሕማቕ ባህርያት’ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ።—ኢዝሊ ለድ—ኤ ሂስትሪ ኦቭ ፕሮፓጋንዳ።ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሰባት ብፕሮፓጋንዳ ኼዐሽዉና ዚኽእሉ ኻብ ኰኑ፡ ሰይጣን ደኣ ኽሳዕ ክንደይ ኬዐሽወና ዘይክእል፧ ሰይጣን ካብ ፍጥረት ደቂ ሰብ ኣትሒዙ፡ ንባህርያት ሰብ ኣጽኒዕዎ እዩ። “ብዘላ ዓለም” ድማ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ እያ ዘላ። ብዝደለዮ ኽፋል እዛ ዓለም እዚኣ ተጠቒሙ ኸኣ ሓሶታቱ ኺዝርግሕ ይኽእል እዩ። (1 ዮሃ. 5:19፣ ዮሃ. 8:44) ሰይጣን ‘ንኣእምሮ ሰባት ኣብ ምዕዋር’ ኣሳልጦ ስለ ዝረኸበ፡ ሕጂ ‘ንብዘላ ዓለም ኣስሒትዋ’ እዩ። (2 ቈረ. 4:4፣ ራእ. 12:9) እሞኸ ንፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ክንቃወሞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
መከላኸሊኻ ህነጽ
የሱስ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ብምባል፡ ንፕሮፓጋንዳ ኽንምክተሉ እንኽእል ቀሊል መምርሒ ሂቡና እዩ። (ዮሃ. 8:31, 32) ይኹን እምበር፡ ኣንጻር ፕሮፓጋንዳ ኣብ እንገብሮ ውግእ፡ ቅድሚ ዅሉ እትመውት ሓቂ ስለ ዝዀነት፡ ጸላኢ ንኣእምሮና ምእንቲ ኸየታልሎ፡ ከምቲ ኣብ ጽዕጹዕ ውግእ ዚዋጋእ ወተሃደር፡ ዜተኣማምን ሓበሬታ እንረኽበሉ ምንጪ ኽንደሊ ኣሎና። የሆዋ ድማ ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣዳልዩልና ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ክትምክቶ ዜኽእለካ ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።—2 ጢሞ. 3:16, 17።
እቲ ሓያል ፕሮፓጋንደኛ ዝዀነ ሰይጣን ድማ ነዚ ይፈልጦ እዩ። ስለዚ፡ በቲ ስርዓቱ ዝዀነ ስርዓት ዓለም ኣቢሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከይነንብብን ከይነጽንዕን ይዓናቕፈና እዩ። በዚ ተንኰል እዚ ግና ኣይትታለል። (ኤፌ. 6:11፡ እ.ጽ.) ንዅሉ መዳያት ሓቂ፡ ‘ምሉእ ብምሉእ ከተስተውዕሎ’ ጽዓር። (ኤፌ. 3:18) እዚ ሓያል ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኖኣም ቾምስኪ ዚብሃል ደራሲ ኸም ዝበሎ፡ “ሓቂ ናብ ኣእምሮኻ ዜስርጽ ማንም የለን። ባዕልኻ ኢኻ ኽትገብሮ ዘሎካ።” ስለዚ፡ ተጊህካ ‘ቕዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ብምምርማር፡’ ሓቂ ባዕልኻ ‘ኽትፈልጣ’ ጽዓር።—ግብ. 17:11።
ሰይጣን ብንጹር ክትሓስብን ከተመዛዝንን ከም ዘይደልየካ ኣይትረስዕ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሓደ ምሳ. 14:15) ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ናይ ምምዝዛን ክእለትካን ኣእምሮኻን ተጠቒምካ፡ ንሓቂ ኣጥርያ።—ምሳ. 2:10-15፣ ሮሜ 12:1, 2።
ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ ፕሮፓጋንዳ ‘ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል፡ ሰባት ምምዝዛን ምስ ዚሓድጉ እዩ።’ (ሚድያ ኤንድ ሶሳይቲ ኢን ዘ ትወንቲዝ ሰንችሪ) ስለዚ፡ ዝሰማዕካዮ ዅሉ ስቕ ኢልካ ኣይትእመን። (ሰይጣን ከይከፋፍለካ ተጠንቀቕ
ወተሃደራዊ ስትራተጂ ዜውጽኡ ሰባት፡ ብፕሮፓጋንዳ ኣቢሎም ወኒ ተዋጋእቲ ኼዳኽሙን ከም ዘይዋግኡ ኺገብርዎምን ይኽእሉ እዮም። ካብ ወገን ጸላኢ ዝዀነ ወተሃደር ኣብ መንጎኦም ኬእትዉሎምን ካብ ቀንዲ ሓይሊ ሰራዊት ከም ዚንጸሉ ኺገብርዎምን እውን ይኽእሉ እዮም። ጀርመናውያን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እተሳዕሩሉ ሓደ ምኽንያት፡ ‘ከምቲ ማንቲለ ብተመን እትዕንዝዝ፡ ሰባት ከኣ ብፕሮፓጋንዳ ጸላኢ ስለ ዝዓንዘዙ’ ምዃኑ ሓደ ጀርመናዊ ጀነራል ከም እተኣመነ ይንገር እዩ። ሰይጣን እውን ምእንቲ ኪኸፋፍለና ተመሳሳሊ ሜላታት ይጥቀም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ባእሲ ኼለዓዕል ወይ ከኣ ኣሕዋት ዘይፍትሓውነት ተሰሚዕዎም ወይ ዜጕሂ ነገር ኣጋጢምዎም ካብ ውድብ የሆዋ ርእሶም ከም ዚፈልዩ ኺገብር ይኽእል እዩ።
በዚ ግና ኣይትታለል! ቃል ኣምላኽ ኪመርሓካ ፍቐደሉ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና፡ ‘ንሓድሕድና ይቕረ ኽንባሃሃል፡’ ዜባእስ ነገር እንተ ኣጋጢሙና ኸኣ ቀልጢፍና ዕርቂ ኽንፈጥር የተባብዓና እዩ። (ቈሎ. 3:13, 14፣ ማቴ. 5:23, 24) ርእስና ኻብ ጉባኤ ኸይንፈሊ እውን ሓያል መጠንቀቕታ ይህበና እዩ። (ምሳ. 18:1) ስለዚ፡ ነቲ ንፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ክትምክት ዜኽእለካ መከላኸሊታትካ መርምሮ። ንርእስኻ ድማ ከምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ኣጋጠመኒ፡ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩኒ፧ ኣተሓሳስባይ መንፈስ ዓለም ከም ዘሎኒ ዜርኢ ድዩ ነይሩ ወይስ መንፈስ ኣምላኽ፧’—ገላ. 5:16-26፣ ኤፌ. 2:2, 3።
ምትእምማንካ ኣይተጥፍእ
ንመራሒኡ እሙን ዘይኰነ ወተሃደር፡ ጽቡቕ ኣይዋጋእን እዩ። ፕሮፓጋንደኛታት ከኣ ኣብ መንጎ ወተሃደርን መራሕን ዘሎ ምትእምማን ኬጥፍኡ እዮም ዚጽዕሩ። “መራሕትኻ ዚእመኑ ኣይኰኑን!” “ናብ ጥፍኣት ስለ ዚመርሑኻ፡ ኣይትስምዓዮም!” ዚብል ቃላት ፕሮፓጋንዳ ይዛረቡ ይዀኑ። እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ዝገበርዎ ጌጋታት ከኣ የውርዩ ይዀኑ። ሰይጣን እውን ከምኡ እዩ ዚገብር። ኣብቲ የሆዋ ዘዳለወልና
መሪሕነት ዘሎና ምትእምማን ከም እነጥፍእ ኪገብረና ብዙሕ ይጽዕር እዩ።ነዚ ብኸመይ ኢኻ ኽትምክቶ እትኽእል፧ ዘይፍጹማት ሰባት ዚገብርዎ ብዘየገድስ፡ ምስ ውድብ የሆዋ ኽትለግብን ነቲ የሆዋ ዜዳለወልና መሪሕነት ብተኣማንነት ክትድግፍን ቍረጽ። (1 ተሰ. 5:12, 13) ከሓድቲ ወይ ካልኦት መታለልቲ ዜበግስዎ ኽሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜእምን ይምሰል ብዘየገድስ፡ ‘ካብ ሓሳብካ ቐልጢፍካ ኣይትናወጽ።’ (2 ተሰ. 2:2፣ ቲቶ. 1:10) ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ንእተዋህቦ ምኽሪ ስዓብ። እወ፡ በቲ እተመሃርካዮ ሓቂ ጽናዕ፡ ካብ መን ከም እተመሃርካ ድማ ኣይትረስዕ። (2 ጢሞ. 3:14, 15) ብርግጽ፡ በቲ የሆዋ ብመገዲ ሓቂ ምእንቲ ኽንመላለስ ኢሉ ንኣስታት ሚእቲ ዓመት እተጠቕመሉ መትረብ ክትተኣማመን ዜኽእለካ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ።—ማቴ. 24:45-47፣ እብ. 13:7, 17።
ኣይትሸበር
ሰይጣን፡ መታለሊ ፕሮፓጋንዳ ጥራይ ኣይኰነን ዚጥቀም። ሓድሓደ እዋን፡ ነቲ “ሓደ ኻብቲ ጥንታዊ ሜላ ፕሮፓጋንዳ” ዝዀነ ሽበራ እውን ይጥቀም እዩ። (ኢዝሊ ለድ—ኤ ሂስትሪ ኦቭ ፕሮፓጋንዳ) ንኣብነት፡ ፊሊፕ ተይለር ዚብሃል ብሪጣንያዊ ፕሮፌሰር ከም ዝገለጾ፡ ኣሶራውያን ንጸላእቶም ንምዕብላል፡ “ራዕዲ ናይ ምፍጣር ፖሊሲ ምስ ሓደ ኻብ ፕሮፓጋንዳታቶም” ብሓንሳእ ይጥቀሙ ነበሩ። ሰይጣን እውን ምእንቲ ኺቈጻጸረናን ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ከም እነድሓርሕር ምእንቲ ኺገብረናን፡ ፍርሂ ሰብ፡ ፍርሂ መስጐጕቲ፡ ፍርሂ ሞት፡ ወይ ከኣ ካልእ ዓይነት ኣሉታዊ ፍርሂ ይጥቀም እዩ።—ኢሳ. 8:12፣ ኤር. 42:11፣ እብ. 2:15።
ሰይጣን በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ኣቢሉ ወነኻ ኼጥፍኦ ወይ ንጽህናኻ ኼበላሽዎ ኣይተፍቅደሉ። የሱስ፡ “ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ድሕሪኡ ግና ዚገብርዎ ዘይብሎም ኣይትፍርህዎም” በለ። (ሉቃ. 12:4) የሆዋ ኸም ዜዕቍበካ፡ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኸም ዚህበካ፡ ብምፍርራህ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ኺገብረካ ንዚደሊ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትጻወሮ ድማ ከም ዚሕግዘካ ቃል ኣትዩልካ እዩ። ስለዚ፡ በቲ ዝኣተወልካ ቓል ምሉእ ብምሉእ ተኣማመን።—2 ቈረ. 4:7-9፣ 1 ጴጥ. 3:14።
ብርግጽ፡ ዜፍርህን ወነኻ ዜጥፍእን ኵነታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ የሆዋ ንእያሱ እተዛረቦ፡ “ትባዕን በርትዕን . . . የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ እትኸዶ ዘበለ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ወይ ኣይትፍራህ” ዚብል ዜተባብዕ ቃላት ዘክር። (እያ. 1:9) ዜጨንቕ ኵነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንዅሉ ሻቕሎትካ ንየሆዋ ብጸሎት ንገሮ። ንዅሉ ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ምእንቲ ኽትጻወር፡ ‘ሰላም ኣምላኽ ንልብኻን ንኣእምሮኻን ኪሕልዎ’ ምዃኑ ተኣማመን።—ፊል. 4:6, 7, 13።
እቲ ልኡኽ ኣሶር ዝነበረ ራብሳቀ ንህዝቢ ኣምላኽ እተዛረቦ ፕሮፓጋንዳ ትዝክሮዶ፧ እቲ ዘረባኡ፡ ‘ማንም ካብ ኣሶር ኬድሕነኩም ኣይክእልን እዩ። ዋላ የሆዋ ኣምላኽኩም ሓንቲ እኳ ኺገብር ኣይክእልን እዩ’ ዚብል ትርጉም እዩ ነይርዎ። ብድፍረት እውን፡ ‘የሆዋ ባዕሉ እዩ ነዛ ምድሪ ኸነጥፍኣ ኣዚዙና’ ኢሉ እዩ። የሆዋኸ እንታይ በለ፧ “በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር ኪጸርፉኒ ዝሰማዕካዮ ቓላት ኣይትፍራህ” በለ። (2 ነገ. 18:22-25፣ 19:6) ድሕሪኡ፡ መልኣኽ ልኢኹ ኣብ ሓንቲ ለይቲ፡ 185,000 ኣሶራውያን ቀተለ።—2 ነገ. 19:35።
ጥበበኛ ኹን—ወትሩ ንየሆዋ ስምዓዮ
ፊልም ክትርኢ ኸለኻ፡ ሓደ ኻብቶም ተዋሳእቲ ኺታለል ከሎ ምስ ተዓዘብካ፡ ‘ኣይትእመኖም! የታልሉኻ እዮም ዘለዉ!’ ኢልካ ጨዲርካዶ ትፈልጥ፧ መላእኽቲ እውን፡ “ብሓሶት ሰይጣን ኣይትታለል!” ኢሎም ይጭድሩ ኸም ዘለዉ ጌርካ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ።
እምበኣር፡ ንፕሮፓጋንዳ ሰይጣን እዝኒ ኣይትሃቦ። (ምሳ. 26:24, 25) ንየሆዋ ስምዓዮ፡ ኣብ እትገብሮ ዘበለ ድማ ብእኡ ተኣመን። (ምሳ. 3:5-7) ነቲ፡ “ወደየ . . . ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ” ዚብል ፍቕራዊ ለበዋ ምላሽ ሃበሉ። (ምሳ. 27:11) በዚ ኸምዚ፡ ንኣእምሮኻ ኻብ መጥቃዕቲ ኽትከላኸለሉ ኢኻ።