ካብ መን ኢኻ ተፈላጥነት ክትረክብ እትደሊ፧
“ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡ . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን።”—እብ. 6:10።
1. ኵላትና እንታይ ተፈጥሮኣዊ ድሌት እዩ ዘሎና፧ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧
ሓደ እትፈልጦን እተኽብሮን ሰብ ስምካ እንተ ዚርስዖ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን መን ምዃንካ እንተ ዘይፈሊጡካ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ በቲ ሰብ ከም እትጕሂ ፍሉጥ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኵላትና ብኻልኦት ተቐባልነት ክንረክብ ተፈጥሮኣዊ ድሌት ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ካልኦት ኬለልዩና ጥራይ ኣይኰንናን እንደሊ። የግዳስ፡ ብዛዕባ መንነትናን ስራሕናን ኪፈልጡ እውን ንደሊ ኢና።—ዘሁ. 11:16፣ እዮ. 31:6።
2, 3. እቲ ናእዳ ክንረክብ ዘሎና ድሌት እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)
2 እቲ ናእዳ ኽንረክብ ዘሎና ድሌት ከምቲ ኻልእ ተፈጥሮኣዊ ባህግታትና ብዘይፍጽምናና ኺጽሎ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብዛዕባ ተፈላጥነት ሚዛናዊ ዘይኰነ ድሌት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ግቡእ ዘይኰነ ተፈላጥነት ንምርካብ ክንብህግ ንኽእል ኢና። ናይ ሰይጣን ዓለም ድማ ዝናን ተፈላጥነትን ክንምነ ትድርኸና እያ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዚግብኦ ተፈላጥነትን ኣምልኾን ካብ ምሃብ የስግለና እዩ።—ራእ. 4:11።
3 ብግዜ የሱስ፡ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ተፈላጥነት ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም። የሱስ ከኣ ንሰዓብቱ፡ “ወለል ዚብል ክዳውንቲ ሉቃ. 20:46, 47) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ የሱስ ነታ ብኻልኦት ተፈላጥነት ዘይረኸበ ኪኸውን ዚኽእል ወፈያ ዝገበረት ድኻ መበለት ንኢድዋ እዩ። (ሉቃ. 21:1-4) ስለዚ፡ የሱስ ብዛዕባ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣረኣእያ ኻብ ካልኦት እትፈልየ ኸም ዝዀነ ርዱእ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ዚቕበሎ ዓይነት ቅኑዕ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ክትሕግዘና እያ።
ተኸዲኖም ኪዛወሩ ኻብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ሰላምታ፡ ኣብ ምኵራባት ቀዳሞት [“ብሉጽ፡” እ.ጽ.] መናብር፡ ኣብ ድራር ከኣ ምርኡይ ቦታ ኻብ ዚፈትዉ ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ” በሎም። ቀጺሉ ድማ፡ “እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም” በሎም። (ብሉጽ ዓይነት ተፈላጥነት
4. እቲ ብሉጽ ዓይነት ተፈላጥነት እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
4 እቲ ኽንረኽቦ ኽንጽዕር ዘሎና ብሉጽ ዓይነት ተፈላጥነት ደኣ እንታይ እዩ፧ እዚ ተፈላጥነት እዚ፡ ሰባት ብዓውዲ ትምህርትን ሞያን ኰነ ብዓውዲ ስነ ጥበብን ስፖርትን ኪረኽብዎ ዚጽዕሩ ዓይነት ተፈላጥነት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ጳውሎስ እቲ ብሉጽ ዓይነት ተፈላጥነት እንታይ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሕጂ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ እውን ኣምላኽ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ጌርኩም ናብቲ ድኹምን ድርባይን መባእታዊ ነገራት ትምለሱን ከም ብሓድሽ ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩን ኣለኹም፧” (ገላ. 4:9) እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ ኣምላኽ ‘ኪፈልጠናስ’ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ኣምላኽ ምሳና ናይ ቀረባ ርክብ ኪምስርት ይደሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ መንነትና ይፈልጥን የፍቅረናን ፈተውቱ ኽንከውን ይደልየናን እዩ። የሆዋ ፈተውቱ ኽንከውን ስለ ዝፈጠረና፡ እቲ ኻብኡ እንረኽቦ ተፈላጥነት እቲ ብሉጽ ዓይነት ተፈላጥነት እዩ።—መክ. 12:13, 14።
5. ብኣምላኽ ክንፍለጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ሙሴ ኸምዚ በረኸት ረኺቡ እዩ። ንየሆዋ መገድታቱ ብዝያዳ ኼፍልጦ ለመኖ፣ የሆዋ ኸኣ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ሞገስ ረኺብካ ኣለኻ፡ ብስምካ ድማ እፈልጠካ እየ እሞ፡ እዚ ዝበልካዮ ነገር እውን ክገብር እየ” በሎ። (ዘጸ. 33:12-17) ንሕና እውን፡ የሆዋ ብውልቂ ምስ ዚፈልጠና፡ ብዙሕ ዜደንቕ በረኸት ክንረክብ ኢና። ካብ የሆዋ ተፈላጥነት ክንረክብ እንኽእል ግና ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ንዕኡ ምስ እነፍቅሮን ህይወትና ምስ እንውፍየሉን እዩ።—1 ቈረንቶስ 8:3 ኣንብብ።
6, 7. ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ኬጥፍኦ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
6 ይኹን እምበር፡ ነቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ኽቡር ርክብ ክንሕልዎ ኣሎና። ከምቶም ጳውሎስ መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነቲ “ድኹምን ድርባይን መባእታዊ ነገራት” እዛ ዓለም እዚኣ ባሮት ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። (ገላ. 4:9) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብኣምላኽ ይፍለጡ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፡ እዞም ኣሕዋት እዚኦም ናብ ከንቱ ነገራት ‘ተመሊሶም’ ነበሩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ድሕሪ እዚ ዅሉ፡ ስለምንታይ ናብቲ ገዲፍኩምዎ ዝመጻእኩም ዕሽነትን ትርጉም ዘይብሉን ነገራት ትምለሱ ኣለኹም፧” ኢሉ እዩ ዚሓትቶም ነይሩ።
7 ንዓናኸ ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥመና ይኽእል ድዩ፧ እወ፡ ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ፈለማ ምስ ፈለጥናዮ፡ ከም ጳውሎስ ነቲ ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ክንረክብ ዝነበረና ትምኒት ሓዲግናዮ ኽንከውን ንኽእል ኢና። (ፊልጲ 3:7, 8 ኣንብብ።) ምናልባት ዝለዓለ ትምህርቲ ኽንምሃር፡ ኣብ ስራሕና ዕቤት ክንረክብ፡ ወይ ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ብዙሕ ገንዘብ ከነጥሪ ንዝነበረና ኣጋጣሚታት ገዲፍና ንኸውን ኢና። ገሌና ኸኣ ብናይ ሙዚቃ ወይ ናይ ኣትለቲክስ ክእለትና ብዙሕ ተፈላጥነትን ሃብትን ክንረክብ ንኽእል እኳ እንተ ነበርና፡ ነዚ ዅሉ ኣጋጣሚታት እዚ ኽንጥቀመሉ ኣይበሃግናን። (እብ. 11:24-27) እዚ ዅሉ ጽቡቕ ውሳነ ብምግባር ዝሓደግናዮ ነገራት ከም ዘምለጠና ዀይኑ ዚስምዓና እንተ ደኣ ዀይኑ ኽሳዕ ክንደይ ዘይጥበባዊ ዀን እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ኸም “ድኹምን ድርባይን” ነገራት እዛ ዓለም እዚኣ ጌርና ብምርኣይ ዝሓደግናዮ ነገራት ከም እንብህጎ ኺገብረና ይኽእል እዩ።
ካብ የሆዋ ተፈላጥነት ክትረክብ ብርቱዕ ድሌት ኣሕድር
8. ካብ የሆዋ ተፈላጥነት ክንረክብ ብርቱዕ ድሌት ኪሓድረና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
8 ብዓለም ዘይኰነስ፡ ካብ የሆዋ ተፈላጥነት ክንረክብ ብርቱዕ ድሌት ኪሓድረና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ ኽንገብር እንተ ደሊና፡ ክልተ ኣገዳሲ ነገራት ክንዝክር ኣሎና። ቀዳማይ፡ የሆዋ ነቶም ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ወትሩ ተፈላጥነት ይህቦም እዩ። (እብራውያን 6:10 ኣንብብ፣ 11:6) ንዅሎም ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮም፡ ነቶም እሙናቱ ዕሽሽ ምባል ከም ‘ዓመጻ’ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። የሆዋ ወትሩ “ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ።” (2 ጢሞ. 2:19) “ንመገዲ ጻድቃን ይፈልጣ” እዩ፣ ንጻድቃን ብኸመይ ካብ ፈተና ኸም ዜድሕኖም እውን ይፈልጥ እዩ።—መዝ. 1:6፣ 2 ጴጥ. 2:9።
9. የሆዋ ንህዝቡ ሞገሱ ዘርኣየሉ ኣብነታት ሃብ።
9 ኣብ ገሊኡ እዋን፡ የሆዋ ንህዝቡ ኣዝዩ ፍሉይ ብዝዀነ መገድታት ሞገሱ ኣርእይዎም እዩ። (2 ዜና 20:20, 29) ንኣብነት፡ ፈርኦንን ሓያል ሰራዊቱን ንህዝቢ ኣምላኽ ኪስዕብዎም ከለዉ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዘድሓኖም ዘክር። (ዘጸ. 14:21-30፣ መዝ. 106:9-11) እቲ ፍጻመ እቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ህዝቢ ድሕሪ 40 ዓመት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ይዛረቡ ነበሩ። (እያ. 2:9-11) ንሕና እውን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኻብ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ መጥቃዕቲ ስለ ዚወርደና፡ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ብምድሓን ፍቕሩን ሓይሉን ዘርኣየሉ መገዲ ምዝካርና የተባብዓና እዩ። (ህዝ. 38:8-12) ኣብቲ መጥቃዕቲ ዚወርደሉ እዋን፡ ብዓለም ዘይኰነስ ብየሆዋ ኽንፍለጥ ምጽዓርና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚኽሕሰና ስለ እንርኢ ኽንሕጐስ ኢና።
10. የሆዋ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ተፈላጥነት ከም ዚህበና ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
10 ካልኣይ፡ የሆዋ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ተፈላጥነት ኪህበና ኸም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን። የሆዋ ነቶም ብሰባት ኪረኣየሎም ኢሎም ሰናይ ተግባራት ዚገብሩ ፈጺሙ ዓስቢ ኣይህቦምን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ በቲ ኻብ ካልኦት ዝረኸብዎ ውዳሰ ምሉእ ዓስቦም ረኺቦም እዮም። (ማቴዎስ 6:1-5 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣቦኡ ነቶም በቲ ዝገበርዎ ሰናይ ተግባራት ኪምስገኑ ዘይጽዕሩ ሰባት፡ ‘ብሕቡእ ከም ዚርእዮም’ ገሊጹ እዩ። እወ፡ የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት የስተብህለሉን ዓስቦም ይህቦምን እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ የሆዋ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ዓስብና ይህበና እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ሓንቲ ትሕትቲ መንእሰይ ዘይተጸበየቶ ተፈላጥነት ረኺባ
11. እታ መንእሰይ ዝነበረት ማርያም ካብ የሆዋ ተፈላጥነት ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧
11 ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ ዚውለደሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ የሆዋ ነታ ማርያም ዝስማ ትሕትቲ ዝነበረት ድንግል፡ ኣደ እዚ ፍሉይ ሕጻን እዚ ኽትከውን ሓረያ። ማርያም ኣብታ ኻብ የሩሳሌምን ካብቲ ኣብኣ ዝነበረ ዜደንቕ ቤተ መቕደስን ርሒቓ እትርከብ ብዙሕ ፍልጥቲ ዘይነበረት ናዝሬት እትብሃል ከተማ ትነብር ነበረት። (ሉቃስ 1:26-33 ኣንብብ።) ማርያም ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኽትረክብ እተሓርየት ስለምንታይ እያ፧ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ” በላ። ድሕሪ ግዜ ማርያም ንኤልሳቤጥ ዘመዳ ኽትዛረባ ኸላ ኽሳዕ ክንደይ መንፈሳዊት ከም ዝነበረት ኣርእያ እያ። (ሉቃ. 1:46-55) እወ፡ የሆዋ ንማርያም ተዓዚብዋ ነይሩ እዩ፣ እምንቲ ስለ ዝነበረት ከኣ ብዘይተጸበየቶ መገዲ ባሪኽዋ እዩ።
12, 13. የሱስ ምስ ተወልደን ድሕሪ 40 መዓልቲ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ተወስደን፡ ግቡእ ተፈላጥነት ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧
12 ድሕሪ ግዜ፡ ማርያም ንየሱስ ምስ ወለደት፡ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ዝነገሮም ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ቤት-ልሄምን ዝነበሩ ፍሉጣት ሰበ ስልጣን ወይ ገዛእቲ ኣይኰነን። ኣብ ቤት-ልሄም፡ ኣብ መሮር ኣባጊዖም ንዚጓስዩ ዝነበሩ ትሑታት ጓሶት፡ መላእኽቲ ተራእይዎም። (ሉቃ. 2:8-14) እቶም ጓሶት ከኣ ነቲ ሕጻን በጽሕዎ። (ሉቃ. 2:15-17) የሱስ ከምዚ ዓይነት ክብሪ ምርካቡ ንማርያምን ንዮሴፍን ኣገሪምዎም ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ዚገብሮ ነገራት ካብቲ ሰይጣን ዚገብሮ ነገራት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ምዃኑ እሞ ኣስተብህለሉ። ሰይጣን፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስን ንወለዱ ኸም ዚበጽሕዎ ምስ ገበረ፡ ኵላ የሩሳሌም በቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ዚገልጽ ወረ ተሸቢራ ነይራ እያ። (ማቴ. 2:3) እዚ ወረ እዚ ኸኣ፡ ጠንቂ ሞት ብዙሓት ንጹሃት ሕጻናት ኰይኑ እዩ።—ማቴ. 2:16።
13 የሱስ ምስ ተወልደ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ማርያም ኣብታ ኻብ ቤት-ልሄም ትሽዓተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ንየሆዋ መስዋእቲ ኸተቕርብ ነበራ። (ሉቃ. 2:22-24) ማርያም ምስ ዮሴፍን የሱስን ናብቲ ቤተ መቕደስ ክትከይድ ከላ፡ እቲ መስዋእቲ ዚቕበል ካህን ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ መጻኢ ዚህልዎ ግደ ብምዝራብ ተፈላጥነት ይህቦ ደዀን ይኸውን ኢላ ሓሲባ ኽትከውን ትኽእል እያ። የሱስ ተፈላጥነት ረኺቡ እዩ፣ ግናኸ፡ እቲ ዝረኸቦ ተፈላጥነት ማርያም ዘይተጸበየቶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ የሆዋ በቲ “ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን” ዝነበረ ስምኦንን በታ ጓል 84 ዓመት መበለት ዝነበረት ነብዪት ሃናን ኣቢሉ እዩ የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን ገሊጹ።—ሉቃ. 2:25-38።
14. የሆዋ ንማርያም ብኸመይ እዩ ባሪኽዋ፧
14 ማርያምከ ንወዲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ስለ ዘዕበየቶ፡ ካብ የሆዋ ዚግብኣ ተፈላጥነት ረኺባ ድያ፧ እሂናይ ደኣ። ኣምላኽ፡ ዝገበረቶን ዝበለቶን ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ገይሩ እዩ። የሱስ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኬገልግል ከሎ፡ ማርያም ምስኡ ትጐዓዝ ከም ዝነበረት ዚገልጽ ሓበሬታ የልቦን። መበለት ስለ ዝነበረት፡ ምናልባት ኣብ ናዝሬት ትቕመጥ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኻልኦት ምስ የሱስ ብምዃኖም ዝረኸብዎ ብዙሕ ፍሉይ መሰላት እኳ እንተ ዘይረኸበት፡ የሱስ ኪመውት ከሎ ግና ምስኡ ነበረት። (ዮሃ. 19:26) ጸኒሑ ድማ፡ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ቅድሚ ምውራዱ ኣብ ዝነበራ መዓልትታት፡ ማርያም ምሳታቶም ኣብ የሩሳሌም ነይራ እያ። (ግብ. 1:13, 14) ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኣ ኽትከውን ትኽእል እያ። ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ንዘለኣለም ክትነብር ፍሉይ መሰል ረኺባ ኣላ ማለት እዩ። እዝስ ስለቲ ብተኣማንነት ዘገልገለቶ ኣገልግሎት እተዋህባ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ዓስቢ ዀን እዩ!
የሆዋ ንወዱ ተፈላጥነት ሂብዎ
15. የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ የሆዋ ንወዱ ስምረቱ ኸም ዝሃቦ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
15 የሱስ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን መራሕቲ ኽብሪ ኺረክብ ኣይተመነየን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኣብ ሰለስተ እተፈላለየ እዋናት ካብ ሰማይ ብቐጥታ ብምዝራብ ተፈላጥነት ምስ ሃቦ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተተባቢዑ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተጠምቀ፡ የሆዋ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” በለ። (ማቴ. 3:17) ነቲ ድምጺ እቲ ዝሰምዕዎ የሱስን ዮሃንስ መጥምቕን ጥራይ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ ግና፡ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ዓመት ዚኸውን ኣቢሉ፡ ሰለስተ ሃዋርያት፡ የሆዋ ብዛዕባ የሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ” ኺብል ከሎ ሰሚዖምዎ እዮም። (ማቴ. 17:5) ኣብ መወዳእታ ድማ፡ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ ንወዱ ተዛረቦ።—ዮሃ. 12:28።
16, 17. የሱስ ብዘይተጸበዮ መገዲ ኻብ የሆዋ ኽብሪ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧
16 የሱስ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ብሓሶት ተኸሲሱ ዜዋርድ ሞት ከም ዚመውት ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ፍቓዱ ዘይኰነስ ፍቓድ የሆዋ ኺፍጸም ጸልዩ እዩ። (ማቴ. 26:39, 42) ካብ ኣቦኡ ደኣ እምበር፡ ካብ ዓለም ተፈላጥነት ኪረክብ ስለ ዘይደለየ፡ ‘ሕፍረት ንዒቑን ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩን’ እዩ። (እብ. 12:2) ካብ የሆዋ ተፈላጥነት ዝረኸበ ግና ብኸመይ እዩ፧
17 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ከሎ ዝነበሮ ኽብሪ መሊሱ ኺረክብ ኸም ዚብህግ ገሊጹ እዩ። (ዮሃ. 17:5) ይኹን እምበር፡ ካብዚ ንላዕሊ ኽብሪ ኺረክብ ይህንጠ ኸም ዝነበረ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። ኣብ ሰማይ ዝለዓለ ስልጣን ኪረክብ ትጽቢት ኣይነበሮን። የሆዋ ግና እንታይ እዩ ገይሩሉ፧ ንየሱስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ “ዝለዓለ ቦታ”ን ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ማንም ረኺብዎ ዘይፈልጥ ዘይትመውት ህይወትን ብምሃብ ብዘይተጸበዮ መገዲ ኽብሪ ሂብዎ እዩ። * (ፊል. 2:9፣ 1 ጢሞ. 6:16) የሆዋ ነቲ የሱስ ብተኣማንነት ዘገልገሎ ኣገልግሎት በዚ ኸምዚ ተፈላጥነት ምሃቡስ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ!
18. ካብ ዓለም ተፈላጥነት ንምርካብ ድሌት ከይሓድረና ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
18 ካብ ዓለም ተፈላጥነት ንምርካብ ድሌት ከይሓድረና ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ወትሩ ተፈላጥነት ከም ዚህቦምን ብዘይተጸበይዎ መገዲ ኸም ዚኽሕሶምን ክንርስዕ የብልናን። ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ዘይተጸበናዮ በረኸት ከም እንረክብ መሸም ኣይንፈልጥን ኢና። ሕጂ ግና፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዜጋጥመና ሽግርን ፈተናን ክንጻወር ከለና፡ ዓለምን እቲ ንሳ እትህቦ ተፈላጥነትን ሓላፊ ምዃኑ ንዘክር። (1 ዮሃ. 2:17) እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ፡ ‘ግብርና ዀነ ንስሙ ዘርኣናዮ ፍቕሪ ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን።’ (እብ. 6:10) እወ፡ ብዘይተጸበናዮ መገዲ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ሞገስ ኬርእየና እዩ።
^ ሕ.ጽ. 17 እዚ ዘይተሓስበ በረኸት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ ዘይትመውት ህይወት ተገሊጹ ኣይፈልጥን እዩ።