ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ጥሪ 2017

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 27 ለካቲት ክሳዕ 2 ሚያዝያ 2017 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ፈትዮም ይመጹ

ናብ ወጻኢ ሃገር ከይደን ዜገልግላ ብዙሓት ኣሓት፡ ኣብ ፈለማ ይወላወላ ነይረን እየን። እሞ ደኣ ኸመይ ገይረን እየን ትብዓት ረኺበን፧ ካብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘገልገላኦ ኣገልግሎትከ እንታይ እየን ተማሂረን፧

“ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር”

የሆዋ ንሕና ዘይንኽእሎ ኺገብረልና ሕጉስ እዩ። ግናኸ፡ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር እውን ይጽበየና እዩ። ጥቕሲ ዓመት 2017፡ ሚዛናውያን ክንከውን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ይምህር፧ ነቲ ኻልኦት ዘለዎም ናይ ምምራጽ ናጽነት ብኸመይ ከነኽብረሎም ንኽእል፧

ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

ትሕትና እንታይ እያ፧ እንታይ ተጠቓልል፧ ከነማዕብላ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ግዜ ፈተና ብትሕትና ተመላለስ

ኵነታትና ምስ ዚቕየርን ነቐፌታ ወይ ውዳሰ ምስ ዚውሃበናን ዘይርጉጽ ኵነታት ምስ ዜጋጥመናን ብትሕትና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

‘ንእሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም’

ዓበይቲ ኣሕዋት ንመንእሰያት ዝያዳ ሓላፍነት ኪስከሙ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ መንእሰያት ነቶም ንብዙሕ ዓመታት ዚመርሑ ዝነበሩ ኣሕዋት ከም ዜኽብርዎም ኬርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓዊ ብኸመይ እዩ ዚጐዓዓዝ ነይሩ፧