ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧

ገሊኦም፡ ‘ጠቓሚ ኣይኰነን’ ይብሉ። ሓደ ሓኪም፡ መምርሒ ንምርካብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምውካስ፡ ብ1920ታት ብእተዳለወ መጽሓፍ ጌርካ ኬሚስትሪ ኸም ምምሃር ምዃኑ ተዛረበ። ሓደ ተጠራጣሪ ሰብ፡ ንሓንቲ ዘመናዊት ኮምፕዩተር ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ኽትፈልጥ ኢልካ፡ ንናይ ቀደም ኮምፕዩተር እተዳለወ መምርሒ መጽሓፍ ትጥቀም እንተ ዄንካ ኺሓትተካ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ገሊኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ኸም ዝሓለፎ መጽሓፍ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

ኣብዛ ዘመናዊትን ብቴክኖሎጂ ማዕቢላ ዘላን ዓለም፡ ሓደ ሰብ ነዚ መምርሒ ዚህብ ጥንታዊ መጽሓፍ እዚ ዚጥቀም ንምንታይ እዩ፧ ማእለያ ዘይብሉ ወብ ሳይታት እዋናዊ ምኽርን መምርሕን ብቐጻሊ የውጽእ ደይኰነን፧ መደባት ተለቪዥን፡ ምሁራት ስነ ልቦናን ክኢላታት ናብራን ደረስትን ዚህብዎ ምኽሪ የመሓላልፍ እዩ። ኣብያተ መጻሕፍቲ ኸኣ ቢልዮናት ዶላራት ኣታዊ ዘለዎ እዚ ዘይብሃል ባዕልኻ እትምሃረሉ መጻሕፍቲ ይሸጣ እየን።

ኣዝዩ እዋናዊ ሓበሬታ ኺርከብ ዚከኣል ክነሱ፡ ነቲ ቕድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ እተዛዘመ መጽሓፍ ቅዱስ ምውካስ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት፡ መምርሒ ንምርካብ ነዚ ጥንታዊ መጽሓፍ ምውካስ፡ ግዜኡ ንዝሓለፎ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ ወይ መምርሒ ኣጠቓቕማ ኮምፕዩተር ከም ምውካስ ምዃኑ ኺዛረቡስ ቅኑዕ ድዩ፧ ከም ሓቂ፡ እዚ ምንጽጻር እዚ ግጉይ እዩ። ስነ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ብቕልጡፍ ይቕየር እዩ፣ ንሰባት ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ግና ተቐይሩ ድዩ፧ ሰባት ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪነብሩ፡ እተወሰነ ሓጐስን ቅሳነትን ኪረኽቡ፡ ጽቡቕ ርክብ ስድራ ቤት ኪህልዎም፡ ባህ ዜብል ዕርክነት ድማ ኪምስርቱ ይደልዩ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ እዚ ዜድልየና ነገራት እዝን ካልእን ይምህር እዩ። ብድራኸ መንፈስ ፈጣሪና ኸም እተጻሕፈ እውን ይገልጽ እዩ። ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ኺመርሓናን ንዜጋጥመና ኣገዳሲ ብድሆታት ምእንቲ ኽንሰግሮ ኼዳልወናን ከም ዚኽእል እውን ይገልጽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ብዘይካዚ፡ ግዜ ዘይሓልፎ ምኽሪ፡ ከቶ ድማ ዘይበሊ ምዕዶ ኸም ዚህብ ይገልጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ፡ ‘ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ’ ይብል።—እብራውያን 4:12

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ግና ሓቂ ድዩ፧ ግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ፡ ወይስ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ሎሚ እውን ጠቓምን ግብራውን ምኽሪ ኺህበና ዚኽእል ህያው መጽሓፍ እዩ፧ እዛ ኻብተን እተፈላለየ ኣርእስትታት ሒዘን ብተኸታታሊ ዚወጻ ፍሉያት ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ እታ ቐዳመይቲ ዝዀነት ሕታም እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትረኽበሉ ኽትሕግዘካ እያ።