ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ኣብ ቅዱስ ዚብሃል ቦታታት ኬምልኹ ይግባእ ድዩ፧

ክርስትያናት ኣብ ቅዱስ ዚብሃል ቦታታት ኬምልኹ ይግባእ ድዩ፧

ዓመት ዓመት፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ናብቲ ሺማ ዚብሃል ኣብ ሓውሲ ደሴት ጃፓን ዚርከብ እተገለለ ዱር ጽሕዲ ይጓዓዙ እዮም። ናብቲ ሰባት ነታ ኣማተራሱ ኦሚካሚ እትብሃል ናይ ጸሓይ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ሺንቶ ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ኬምልኹሉ ዝጸንሑ ኢሳ ዚብሃል ቅዱስ ቦታ ኸኣ እዮም ዚመጹ። እቶም ኣምለኽቲ፡ ፈለማ ኣእዳዎምን ኣፎምን ብምሕጻብ ኣካላቶም የንጽሁ። ብድሕሪዚ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሃይደን ዚብሃል ኣዳራሽ ኣምልኾ እቲ ቕዱስ ቦታ ዀይኖም ብምስጋድን ብምጥቓዕን ናብታ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ብምጽላይን ጽምብል ይገብሩ። * እምነት ሺንቶ፡ ተኸተልቱ ንኻልእ እምነታት ኪስዕቡ ይፈቅድ እዩ፣ ገሊኦም ሰዓብቲ ቡድህናን ክርስትያናት ኢና ዚብሉን ካልኦትን ድማ ኣብዚ ቕዱስ ዚብሃል ቦታ ዄንካ ጽንብላት ሺንቶ ምግባር ምስ እምነቶም ዚጋጮ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ።

ብዙሓት ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም፡ ቅዱስ ዚብሃል ቦታታት ኣለወን፣ * ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ናብዚ ቦታታት እዚ ይኸዱ እዮም። ኣብተን ክርስትያናት ኢና ዚብላ ሃገራት፡ ንየሱስን ንማርያምን ንጻድቃንን እተወፈየ ሓያሎ ኣብያተ ክርስትያናትን ቅዱስ ቦታታትን ኣሎ። ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ድማ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍጻመታት ወይ “ተኣምራት” ተገይርሉ ዚብሃል ወይ ከኣ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ቅርስታት እተዓቀበሉ ቦታታት እዩ ዚርከብ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ቅዱስ ቦታታት ኰይኖም ዜቕርብዎ ጸሎት ዝያዳ ተሰማዕነት ከም ዚረክብ ስለ ዚኣምኑ እዮም ናብ ቅዱስ ቦታታት ዚኸዱ። ካልኦት ነዊሕ ጕዕዞ ብምጕዓዝ ናብ ቅዱስ ቦታታት ዚኸዱሉ ምኽንያት ከኣ ሃይማኖታዊ ተወፋይነቶም ንምርኣይ እዩ።

ኣብቲ ኢሳ ዚብሃል ኣብ ጃፓን ዚርከብ ቅዱስ ቦታ ዝመጹ በጻሕቲ ኸምኡ እውን ሰብ ሰርሖ በዓቲ ማሳቤለ፡ ሎርደስ፡ ፈረንሳ

ኣብ ቅዱስ ቦታታት ዚቐርብ ጸሎትን ልማኖን ድዩ ዝያዳ ተሰማዕነት ዚረክብን ዚምለስን፧ ኣምላኽ በቲ ናብ ቅዱስ ቦታታት ንንግደት ዚኸዱ ሰባት ዜርእይዎ ተወፋይነት ይሕጐስ ድዩ፧ ክርስትያናትከ ኣብቲ ቕዱስ ዚብሃል ቦታታት ኬምልኹ ይግባእ ድዩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ኣብቲ ቕዱስ ዚብሃል ቦታታት ብዛዕባ ምምላኽ ኪህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ ኺነግረናን ነቲ ንኣምላኽ ብሓቂ ዜሐጕሶ ዓይነት ኣምልኾ ኽንርድኦ ኺሕግዘናን እዩ።

“ብመንፈስን ብሓቅን” ምምላኽ

የሱስ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከነምልኽ ከም ዘሎና ኺዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧”

እቲ የሱስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ቕዱስ ቦታታት ንዚቐርብ ኣምልኾ ዘለዎ ኣረኣእያ ይገልጸልና እዩ። የሱስ ብሰማርያ ኺሓልፍ ከሎ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሲካር ኣብ ዝነበረት ዒላ ኼዕርፍ ደው በለ። ምስ ሓንቲ ኻብቲ ዒላ ማይ ክትቀድሕ ዝመጸት ሰበይቲ ድማ ዝርርብ ጀመረ። እታ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሳምራውያንን ዝነበረ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ክትዛረብ ጀመረት። “ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ኣምለኹ፣ ንስኻትኩም ግና፡ ‘እታ ኺምለኸላ ዚግባእ ቦታ የሩሳሌም እያ’ ኢኹም እትብሉ” ኸኣ በለቶ።—ዮሃንስ 4:5-9, 20

እታ ሰበይቲ ዝጠቐሰቶ ኸረን እቲ ብሸነኽ ሰሜን የሩሳሌም 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ዝነበረ ኸረን ጌሪዚም እዩ። ሳምራውያን ኣብዚ ቦታ እዚ ኸም ፋስጋ ዝኣመሰለ በዓላት ዜብዕልሉ ቤተ መቕደስ ነይርዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ኣካታዒ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይስ ኣብ የሩሳሌም ንኣቦ ዘይተምልኹላ ሰዓት ከም እትመጽእ፡ እመንኒ” በላ። (ዮሃንስ 4:21) ካብ ሓደ ኣይሁዳዊ ዘይትጽበዮ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መልሲ ዀን እዩ! እንተዀነ ግና፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ ኼቋርጽ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ቀጺሉ፡ “ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፣ ከመይሲ፡ ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ ዘሎ” በላ። (ዮሃንስ 4:23) ንዘመናት ዚኣክል፡ ኣይሁድ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት እተደንቕ ቤተ መቕደስ ከም ማእከል ኣምልኾኦም ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። ንየሆዋ ኣምላኾም መስዋእትታት ንምቕራብ ድማ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብኣ ይጐዓዙ ነበሩ። (ዘጸኣት 23:14-17) የሱስ ግና እዚ ዅሉ ኸም ዚቕየር፡ “ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ” ኸኣ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከም ዜምልኹ ገለጸ።

ቤተ መቕደስ ኣይሁድ ኣብ ሓደ እተወሰነ ጂኦግራፍያዊ ቦታ እተደኰነት ህንጻ እያ ነይራ። መንፈስን ሓቅን ግና ዚጭበጥ ወይ እውን ኣብ እተወሰነ ብዓይኒ ዚርአ ቦታ ዚሕጸር ኣይኰነን። በዚ ኸምዚ የሱስ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ክርስትያናት ኣብ ከም ከረን ጌሪዚም፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ወይ ኣብ ካልእ ቅዱስ ዚብሃል ቦታታት ዝኣመሰለ ግኡዝ ነገር ወይ እውን ዚርአ ቦታ እተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ገለጸ።

የሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣብቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣምልኾ ለውጢ ዚግበረላ ‘ሰዓት ክትመጽእ’ ምዃና ጠቒሱ ነይሩ እዩ። መዓስ እያ ግና እትመጽእ፧ እታ ሰዓት እቲኣ፡ የሱስ ብመስዋእታዊ ሞቱ ኣቢሉ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተመስረተ ኣገባብ ኣምልኾ ኣይሁድ መወዳእታ ምስ ገበረሉ እያ መጺኣ። (ሮሜ 10:4) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ‘እታ ሰዓት ሕጂ እያ’ እውን ኢሉ ነበረ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከም መሲሕ መጠን ነቲ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣ እቶም ዜምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ይግብኦም” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ዚእዘዙ ደቀ መዛሙርቲ ድሮ ኺእክብ ጀሚሩ ስለ ዝነበረ እዩ። (ዮሃንስ 4:24) እሞ ደኣ ብመንፈስን ብሓቅን ምምላኽ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

የሱስ ‘ብመንፈስ ምምላኽ’ ኪብል ከሎ፡ ብዛዕባ ብንጥፈት ወይ ብውዕዉዕ ስምዒት ዚግበር ኣገባብ ኣምልኾ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ብዛዕባ ምምራሕ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ እዚ መንፈስ እዚ ኸኣ ንቕዱሳት ጽሑፋትን ካልእ ነገራትን ክንርዳእ ይሕግዘና። (1 ቈረንቶስ 2:9-12) እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ሓቂ ድማ እቲ ልክዕ ፍልጠት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዚረክብ፡ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ምስ ዚቐርብ ዘይኰነስ፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ዚሰማማዕን ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ምስ ዚኸውንን እዩ።

ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ዚብሃል ቦታታት ዘለዎም ኣረኣእያ

ክርስትያናት ነቲ ናብ ቅዱስ ዚብሃል ቦታታት ዚግበር ጕዕዞን ኣብኡ ምምላኽን ብኸመይ እዮም ኪርእይዎ ዘለዎም፧ እቲ የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ዝሃቦም ትእዛዝ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብቲ ቕዱስ ዚብሃል ቦታታት ኴንካ ዚቐርብ ኣምልኾ ንኣምላኽ ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ንጹር እዩ። ብተወሳኺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣምልኾ፡ ጣኦታት ምጥቃም ብኸመይ ከም ዚርእዮ ይገልጸልና እዩ። “ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ” ከምኡ እውን “ካብ ጣኦታት ተሓለዉ” እዩ ዚብለና። (1 ቈረንቶስ 10:14፣ 1 ዮሃንስ 5:21) ስለዚ፡ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ከም ቅዱስ ጌርካ ዚርአ ወይ እውን ንኣምልኾ ጣኦት ዜተባብዕ ቦታ ኣየምልኽን እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብቲ ቕዱስ ዚብሃል ቦታታት ካብ ምምላኽ ኪቝጠቡ ይግባእ።

እዚ ግና ቃል ኣምላኽ፡ ዝዀነ ይኹን እትጽልየሉ፡ እተጽንዓሉ ወይ እተስተንትነሉ ቦታ ምህላው ይኽልክል እዩ ማለት ኣይኰነን። ጽፉፍን ምዕሩግን ዝዀነ መአከቢ ቦታ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ክትምሃርን ክትመያየጥን ጠቓሚ እዩ። ንዝሞተ ሰብ መዘከርታ ኢልካ ዚግበር ከም እምኒ መቓብር ዝኣመሰለ ነገራት ምግባር እውን ጌጋ የብሉን። እዚ፡ ነቲ ዝሞተ ሰብ ከም እትዝክሮን ከም እተፍቅሮን ንምርኣይ ጥራይ ኢልካ ዚግበር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ኸም ቅዱስ ጌርካ ምርኣይ ወይ ፍሉይ ኣኽብሮት ምሃብ ወይ እውን ከም ቅርሲ ጌርካምሓዝ ምስቲ የሱስ ዝበሎ ዚጋጮ እዩ።

ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ ንጸሎትካ ምእንቲ ኺሰምዖ ኢልካ ናብ ቅዱስ ዚብሃል ቦታ ምኻድ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ናብዚ ቦታ እዚ ንምብጻሕ ብእትገብሮ ነዊሕ ጕዕዞ፡ ኣምላኽ ይሕጐሰልካ ወይ እውን ካብኡ ፍሉይ በረኸት ከም እትረክብ ይገብረካ እዩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ጐይታ ሰማይን ምድርን ብምዃኑ፡ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ ኣብያተ መቕደስ ኣይነብርን እዩ” ይብለና። እዚ ግና ኣምላኽ ካባና ዝረሓቐ እዩ ማለት ኣይኰነን። “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዄንና ናብኡ ኽንጽልን ጸሎትና ኺስማዕን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:24-27

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብ ቅዱስ ቦታታት ሺንቶ ዚግበር ጽምብላት፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኺፈላለ ይኽእል እዩ።