ንቕሑ! ሕዳር 2013 | ህይወትካ ዜመሓይሽ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት

ስነ ምግባራዊ ስርዓታትና ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ንእንህቦ ነገራትን ምስ ሰባት ንዘሎና ርክብን ንደቅና ንእንህቦም ስነ ምግባራዊ መምርሕን ይጸልዎ እዩ። ህይወትና ኼመሓይሻ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣርባዕተ ኣብነታት ርአ።

ካብ ከባቢ ዓለም

ዛዕባታት፦ ግብሪ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጀርመን፡ ናእዳ ኣብ ሓንጎል ዘለዎ ጽልዋ፡ ከምኡውን ብደረጃ ዓለምለኸ ዚውስኽ ዘሎ ቝጽሪ እቶም “ሃይማኖት የብለይን” ዚብሉ ሰባት።

ንስድራ ቤት

ንውሉድካ ብዛዕባ እቲ ብሞባይል ዚለኣኽ ብዕሉግ ነገራት ብኸመይ ከም እተዘራርቦ

እዚ ተግባር እዚ ንውሉድካ ኽሳዕ ዜጋጥሞ ኣይትጸበ። ብዛዕባ እቲ ዘለዎ ሓደጋ ምስ ውሉድካ ተዘራረበሉ።

ገበር

ህይወትካ ዜመሓይሽ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት

‘ቅኑዕ ኰይኑ እንተ ተራእዩካ፡ ግበሮ። ልብኻ ዝበለካ ግበር’ ዚብል ልሙድ ርእይቶ እዩ ዘሎ።እዚ ኣተሓሳስባ እዝስ ጥበባዊ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክንተኣማመነሉ እትኽእል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ብኸመይ ከም ዚህብ ርአ።

ቃለ መጠይቕ

ሓደ ህቡብ ወቓዕ ፕያኖ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ሙዚቃ ነዚ ኢዘሀራዊ ዝነበረ ሰብ፡ ብፈጣሪ ንኺኣምን ደረኾ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ዚኣምን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

ነቲ ምስ ንጽፈ ጽግያት ዚመጽእ ጸገማት ምጻሩ

ንስኽን እቶም እተፍቅርዮም ሰባትን ብዛዕባ ንጽፈ ጽግያት ብዝያዳ ብዝፈለጥኩም መጠን፡ ነቲ ምስኡ ዚመጽእ ጸገማት ብዝሓሸ መገዲ ኽትጾርዎ ኢኹም።

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መውስቦ

ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሓዳሮም ንኺፍጽምዎ ዚሃቦም ግደ ምስ ዚዓዩሉ፡ ብኸመይ ዕዉታትን ሕጉሳትን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ርአ።

“ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ” ኣሎካዶ፧

ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ብኸመይ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ከተተኵርን ውሽጣዊ ሰላም ክትዕቅብን ከም እትኽእል ርአ።

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

መዛኑኻ ብዛዕባ ሎሚ ጽባሕ ምባል እንታይ ይብሉ፧

መንእሰያት ሎሚ ጽባሕ ምባል ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤንን ንግዜኻ ብጥበብ ምጥቃም ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕምን እንታይ ከም ዝበሉ ስማዕ።