ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

እንስሳታት

እንስሳታት

ዳርጋ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህይወት፡ ብገለ መገዲ ብእንስሳታት ይጽሎ እዩ። እቲ ንእንስሳታት እንሕዘሉ መገዲ፡ ተሓተትቲ ኺገብረና ይኽእል ድዩ፧

ሰባት ንእንስሳታት ብኸመይ እዮም ኪሕዝዎም ዚግባእ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ንእንስሳታት ከም ዝደለናዮ ጌርና ኽንጥቀመሎም ከም እንኽእል ይሓስቡ። ገሊኦም ከኣ፡ ልክዕ በቲ ንሰባት እንሕዘሉ መገዲ ጌርና ኽንከናኸኖም ዘሎና ዀይኑ ይስምዖም።

  • ሓደ ህቡብ ተጣባቒ መሰል እንስሳታት፡ እንስሳታት “ከም ጥሪት ወይ ከም ኣኽሳቢ ኣቕሓ ጌርካ ኸይረኣዩ መሰረታዊ መሰሎም” ከም ዝዀነ ገለጸ። ወሲኹ ድማ፡ “ንእንስሳታት ከም ውልቃዊ ንብረትና ጌርና ኽንርእዮም የብልናን” በለ።

  • ብዙሓት ሰባት ከም ስግንጢር ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ልዮና ሀልምስሊ ዝስማ ቢልዮነር ንኸልባ 12 ሚልዮን ዶላር ኣውረሰታ፣ እታ ኸልባ ምስ ሞተት ኣብ ጐድና ንኽትቅበር ድማ ተላበወት።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እንስሳታት ብኸመይ እዮም ኪተሓዙ ዘለዎም፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ እቲ ፈጣሪ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡

“ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን . . . ግዝኡ” ኢልዎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ እንስሳታት ኣብሊጹ ኸም ዚርእዮም ክንድምድም ንኽእል ኢና።

ነዚ መደምደምታ እዚ ብዝያዳ ዜደልድሎ፡ ቀቅድሚ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሓሳብ ዚርከብ ኣገዳሲ ነጥቢ ኸነልዕል ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ይብል።—ዘፍጥረት 1:27

ደቂ ሰብ “ብመልክዕ ኣምላኽ” እዮም ተፈጢሮም፣ ስለዚ፡ ከም ጥበብን ፍትሕን ፍቕርን ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርያት ከነንጸባርቕ ስለ እንኽእል፡ ፍሉያት ኢና። ብዘይካዚ፡ ስነ ምግባርን መንፈሳውነትን ከም እንስዕብ ኴንና ኢና ተፈጢርና። እንስሳታት ግና “ብመልክዕ ኣምላኽ” ስለ ዘይተፈጥሩ፡ ከምቲ ሰባት ዘለዎም ዓይነት ክእለት የብሎምን። ካብ ሰባት ዝተሓቱ ስለ ዝዀኑ፡ ማዕረ ደቂ ሰብ ከም ዝዀኑ ጌርካ ኺትሓዙ ኣይኰኑን ተፈጢሮም።

ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ደቂ ሰብ ንእንስሳታት ብዘይ ግቡእ ኪሕዝዎም መሰል ኣለዎም ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን።

  • ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ እስራኤላውያን ንእንስሳታት ዕረፍትን ምግብን ኪህብዎም፡ ሓደጋ ኼጋጥሞም ከሎ ኺሕግዝዎም፡ ከምኡ እውን ካብ ጕድኣት ኬዕቍብዎም ከም ዘለዎም መምርሒ ተዋሂቡ ነበረ።—ዘጸኣት 23:4, 5፣ ዘዳግም 22:10፣ 25:4

“ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኺዐርፉ፡ . . . ዕረፍ።”ዘጸኣት 23:12

እንስሳታት ምቕታል ጌጋ ድዩ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሃደንትን ገፈፍቲ ዓሳን፡ ንምዝንጋዕ ኢሎም ጥራይ እንስሳታት ይቐትሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ምስቲ ንእንስሳታት ቀቲልካ ምብላዕ “ነውሪ” ኸም ዝዀነ ዝጸሓፈ ሊዮ ቶልስቶይ ዝስሙ ሩስያዊ ደራሲ ይሰማምዑ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንሰባት፡ ንህይወቶም ንምዕቋብ ወይ ከኣ ንኽዳን ኢሎም እንስሳታት ኪቐትሉ ፈቒዱሎም እዩ። (ዘጸኣት 21:28፣ ማርቆስ 1:6) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ንምግቢ ኢሎም እንስሳታት ኪቐትሉ ኸም ዚኽእሉ ይገልጽ እዩ። ዘፍጥረት 9:3፡ “ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን” ትብል። የሱስ እውን እንተ ዀነ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ጸኒሖም ዚበልዕዎ ዓሳ ንኺሕዙ ሓጊዝዎም እዩ።—ዮሃንስ 21:4-13

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ‘ንፈታው ግፍዒ ኸም ዚጸልኦ’ ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 11:5) ስለዚ፡ ንምዝንጋዕ ወይ ንጸወታ ኢልካ ጥራይ እንስሳታት ምጕዳእ ወይ ምቕታል፡ ኣምላኽ ክንገብሮ ዘይደልየና ተግባር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንህይወት እንስሳታት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ይሕብረና እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ኣብ እዋን ፍጥረት፡ “ኣምላኽ . . . ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ።”ዘፍጥረት 1:25

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ንእንስሳ . . . ዚምግብ ዘምሩሉ” ይብል። (መዝሙር 147:9) ኣምላኽ፡ ንእንስሳታት ኣኺሉ ዚተርፍ ምግብን መዕቀልን ዚዀኖም ስርዒት ኢኮ ፈጢሩ እዩ።

  • እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ኪጽሊ ኸሎ፡ “ጐይታየ፡ ንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ” በለ። (መዝሙር 36:6) ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ማይ ኣይሂ፡ የሆዋ ንእኩያት ሰባት ቅድሚ ምጥፍኡ፡ ሸሞንተ ውልቀ ሰባትን ኵሎም ዓይነት እንስሳታትን ከም ዚድሕኑ ገይሩ እዩ።—ዘፍጥረት 6:19

ብንጹር እምበኣር፡ የሆዋ ንእንስሳታት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም፣ ንደቂ ሰብ እውን፡ ንእንስሳታት ብግቡእ መገዲ ኺሕዝዎም እዩ ዚጽበዮም።

“ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ።” ምሳሌ 12:10