ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ጥንቈላ እንታይ ትፈልጦ ነገር ኣሎ፧

ብዛዕባ ጥንቈላ እንታይ ትፈልጦ ነገር ኣሎ፧

ብዛዕባ ጥንቈላ እንታይ ትፈልጦ ነገር ኣሎ፧

 ጥንቈላ! እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ሓሳብ ኢያ እተምጽኣልካ፧

ብዙሓት ሰባት ንጥንቈላ ከም ቀንዲ መሳርሒ ማሪትን ሕልማዊ ባህግን ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ: ንዕኦም ጥንቈላ ኣኽቢድካ ዝርአ ነገር ኣይኰነን። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት: ንጥንቈላ ኣብ ሓሳባት ጥራይ ዘሎ ነገር ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ቆብዕ ዘለዎ ካባ ተኸዲነን ኣብ ሸኽሸኽ እናበለ ዝፈልሕ በራድ ናይ መንካዕ ክንፊ ዘእትዋ: ንሰባት ናብ ቍርዖብ ዝቕይራ: ብጸላም ለይቲ ኣብ ናይ ስኮፓ በትሪ ጠልጠል ኢለን እናወጨጫ ኣብ ሰማይ ዝንሳፈፋ ዝሸምገላ ጠንቋሎ ኣንስቲ ኢየን ኣብ ኣእምሮኦም ዝስኣላኦም።

ንኻልኦት ከኣ ጥንቈላ ብዋዛ ዝርአ ጕዳይ ኣይኰነን። ገለ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ከም ዝሕብርዎ ጠንቈልቲ ብጋህዲ ከም ዘለዉን ንህይወት ካልኦት ክጸልዉ ከም ዝኽእሉን ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ይኣምን ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ጥንቈላ ሓጢኣት: ሓደገኛ: ኣዝዩ ኽፍራሕ ዘለዎ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ። ንኣብነት: ብዛዕባ ሓደ ኣፍሪቃዊ ሃይማኖት እትገልጽ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ስራይ: ኣስማት: ጥንቈላ ኣብ ሕብረተሰብ ኣፍሪቃ ድልዱል መሰረት ዘለዎ እምነት ኢዩ። . . . ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ኣብቲ ማሕበረሰቦም እቶም ኣዝዮም እተጸልኡ ሰባት ኢዮም። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ እውን ከይተረፈ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት በቲ ማሕበረሰቦም ዝቕተልሉ ቦታታትን እዋናትን ኣሎ።”

ይኹን እምበር: ጥንቈላ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ፍሉይ ክብሪ እናረኸበ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። መጻሕፍቲ: ቴለቪዥን: ከምኡውን ፊልምታት ነቲ ኣብ ጥንቈላ ዝነበረ ፍርሒ ንምንካይ ብዙሕ ኣበርክቶ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። ዳቪድ ዳቪስ እተባህለ ኣብ ምዝንጋዕ መጽናዕቲ ዘካይድ ተመራማሪ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ትዕዝብቱ ይገ​ልጽ:- “ጠንቈልቲ ከይተፈለጠካ ዝማርኻ ጐራዙት: እወ ብርግጽ ምጩዋት እናዀና ኢየን ዝመጻ ዘለዋ። ሆሊዉድ ነቲ ናብዚ ኣንፈት እዚ ዘምርሕ ኵነታት ኣብ ምጥጣሕ ንጡፍ ኢዩ። . . . ንጠንቈልቲ ዝያዳ ምጩዋትን ተፈተውትን ብምግባር እቲ ኢንዱስትሪ ንኣንስትን ንኣሽቱ ቘልዑን እውን ሓዊስካ ቀልቢ ብዙሓት ተዓዘብቲ ክሰልብ ክኢሉ ኣሎ።” ሆሊዉድ ንነገራት ናብ መኽሰብ ዝርከቦ ዋኒን ብምቕያር ዝመጸ ክኢላ ኢዩ።

ገለ ሰባት ጥንቈላ ሓደ ካብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናዓበዩ ዝኸዱ ዘለዉ መንፈሳዊ ምንቅስቓሳት ኰይኑ ኸም ዘሎ ይዛረቡ። ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት: ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ብዝጣበቑ ምንቅስቓሳት ስለ ዝድረኹን ብዓበይቲ ሃይማኖታት ተስፋ ስለ ዝቘረጹን ብእተፈላለየ ዓይነት ጥንቈላ መንፈሳዊ ዕግበት ክረኽቡ ይደልዩ ኣለዉ። ዓይነታት ጥንቈላ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ሰባት ኣብ ትርጕም ናይቲ ጠንቋሊ ተባሂሉ ዘሎ “ዊች ” ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይከኣሉን። ይኹን እምበር: ባዕሎም ጠንቈልቲ ኣባላት ዊካ ምዃኖም ይዛረቡ፣ ዊካ ኣብ ሓደ መዝገበ⁠-​ቃላት “ቅድሚ ክርስትና ኣብ ዝነበረ መዋእላት ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ዝጀመረ ኣብዚ መበል 20 ዘመን ከኣ ተሓድሶ ዘካይድ ዘሎ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎ ሃይማኖት” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። a በዚ መሰረት እዚ ንገዛእ ርእሶም ከም ኣረማውያን ወይ ከም ሰዓብቲ እተሓደሰ ኣረማውነት ገይሮም ዝቘጽርዋ ብዙሓት ኢዮም።

ጠንቋሎ ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ታሪኽ: ጽልእን መስጐጕትን መሪር ስቓይን መቕተልትን ይወርዶም ነይሩ ኢዩ። ዘመናውያን ጠንቋሎ እምበኣር ኣቀራርባኦም ንምምሕያሽ ህንጥዮት እንተ ኣሕደሩ ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ቍጽሮም ብርክት ዝበለ ጠንቈልቲ ንህዝቢ ከመሓላልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ ተሓቲቶም ነይሮም ኢዮም። እቲ ዝሃብዎ መልሲ ብማርጎ ኦድለር ተጸሚቑ ክቐርብ ከሎ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “ንሕና እኩያት ኣይኰንናን። ንድያብሎስ ኣይነምልኾን ኢና። ንሰባት ኣይንጐድእን ወይ ኣይነስሕትን ኢና። ሓደገኛታት ኣይኰናን። ከማኻትኩም ተራ ሰባት ኢና። ስድራ: ስራሕ: ተስፋ: ከምኡውን ክንበጽሖ እንደሊ ትምኒት ኣሎና። ኣንቈራ ኣይኰንናን። ዘይባህርያውያን ኣይኰንናን። . . . ክትፈርሑና ኣይግብኣኩምን ኢዩ። . . . ከምቲ ንስኹም ገይርኩም እትሓስቡና ፍሉያት ኣይኰንናን: ከማኹም ኢና።”

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እዚ መልእኽቲ እዚ ተቐባልነት እናረኸበ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ብዛዕባ ጥንቈላ ዝመጸ ክስምዓና ዘለዎ ስክፍታ የለን ማለት ድዩ፧ ነዚ ሕቶ እዚ ዝኸውን መልሲ እስከ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ንምርካብ ንመርምር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ጥንቈላ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ “ዊችክራፍት” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ካብተን “ዊች ” ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡውን “ዊካ ” ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝውዕላ ቃላት ናይ ጥንቲ እንግሊዝኛ ዝመጸት ኢያ።