ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተባዓት ሓለውቲ ንጽህና ንመስጐጕቲ ናዚ በዲሆምዎ

ተባዓት ሓለውቲ ንጽህና ንመስጐጕቲ ናዚ በዲሆምዎ

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ

ተባዓት ሓለውቲ ንጽህና ንመስጐጕቲ ናዚ በዲሆምዎ

 “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ።” (ምሳሌ 27:⁠11) እዚ ምሕጽንታ እዚ ምስትውዓል ዘለዎም ፍጥረታት ኣምላኽ: እተዋህቦም ሓላፍነት ብዝግባእ ብምፍጻምን እሙናት ብምዃንን ንልቢ የሆዋ ከሐጕሱ ከም ዝኽእሉ ኢዩ ዘርኢ። (ጸፎንያስ 3:⁠17) እንተዀነ ግን: ሰይጣን እቲ ተጻራፊ ንንጽህና ናይቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ንምብልሻው ቈሪጹ ኢዩ ተላዒሉ።​—⁠እዮብ 1:⁠10, 11

ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 20 ዘመን ካብ ሰማይ ናብ ከባቢ ምድሪ ካብ ዝድርበ ኣትሒዙ ንህዝቢ የሆዋ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪድዎም ኣሎ። (ራእይ 12:​10, 12) ይኹን እምበር: ሓቀኛታት ክርስትያናት “ምሉኣትን . . . ርዱኣትን” ኰይኖም ደው ኢሎም ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህንኦም ሓልዮም ኢዮም። (ቈሎሴ 4:⁠12) እስከ ካብቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ቅድሚኡን ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽህንኦም ብምሕላው ዘርኣይዎ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ።

ቅንኢ ዝመልኦ ንጥፈት ንጽህናኦም ከም ዝፍተን ገበረ

ኣብ 1920ታትን ኣብ መጀመርታ 1930ታትን እቶም ሽዑ ኣብ ጀርመን ቢበልፎርሸር ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ብዙሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዓደሉ። ካብ 1919 ክሳዕ 1933 ብገምጋም ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ጀርመን ሸሞንተ መጻሕፍቲ ወይ መጽሔታት ዓደሉ።

ኣብቲ ግዜ እቲ: ጀርመን ካብተን ዝበዝሑ ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝነበርወን ሃገራት ሓንቲ ኢያ ነይራ። አረ ካብቶም ብ1933 ኣብ ድራር ጐይታ ካብቲ ቕጫን ወይንን እተኻፈሉ 83,941 ዝዀኑ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ሰባት ዳርጋ 30 ሚእታዊት ኣብ ጀርመን ኢዮም ነይሮም። ነዊሕ ከይጸንሐ: ነዞም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽህናኦም ከበላሹ ዝኽእል ከቢድ ፈተና ኣጋጠሞም። (ራእይ 12:⁠17፣ 14:⁠12) ካብ ስራሕን ኣብ​ያተ-ትምህርትን ምስጓጕ ከምኡውን ኣብ መንበሪ ኣባይቶም መጥቃዕቲ ምውራድ ከይኣክል ነዊሕ ከይጸንሐ መውቃዕትን ማእሰርትን ተወሰኾ። (ስእሊ 1) ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ክሳዕ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝነበረ ግዜ: 5 ክሳዕ 10 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዝነበሩ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም።

ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስደት ዘውረደሉ ምኽንያት

ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነደረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኢያን ከርሻ ዝበሃል ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር ኣብታ ሂትለር​—⁠1889-1936:- ሁብሪስ ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ነቲ መንግስቲ ናዚ ዝሓቶ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ምፍጻም” ስለ ዝኣበዩ ዒላማ ናይቲ መስጐጕቲ ምዃኖም ገለጸ።

ሮበርት ፒ. ኤሪክሰን ዝበሃል ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰርን ሱዛና ሄሸል እትበሃል ብዛዕባ ኣይሁድ እተጽንዕ ፕሮፌሰርን ዘዳለዉዋ ቤትረያል​—⁠ጀርመን ቸርችስ ኤንድ ዘ ሆሎካስት ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ኣብ ዓመጽ ምክፋል ወይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ኣብዮም ኢዮም። . . . ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፖለቲካ ዝመጸ ገለልተኛታት ክዀኑ ከም ዘለዎም ስለ ዝኣምኑ: ንሂትለር ንምምራጽ ኣየድምጹን ኢዮም ወይ እውን ሰላምታ ኣይህቡን ኢዮም” በለት። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ወሲኻ እቲ ስርዓት ናዚ ዝኽተሎ “ሃገራዊ ሶሻሊዝም ንኸምዚ ዝኣመሰለ እምቢታ ስለ ዘይጻወር” ከም ዝነደረ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ንመጥቃዕቲ ከም እተቓልዑ ገለጸት።

ዓለምለኻዊ ተቓውሞን ጽዑቕ መጥቃዕትን

ብ9 ለካቲት 1934 እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ቐንዲ ተጸዋዒ ናይ ማሕበር ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ነቲ ስርዓት ናዚ ዘርእዮ ዝነበረ ዘይተጻዋርነት ብምቅዋም ንሂትለር ደብዳበ ሰደደሉ። (ስእሊ 2) ብ7 ጥቅምቲ 1934 ደድሕሪ እታ ናይ ራዘርፎርድ ደብዳበ ንጀርመን ወሲኽካ ኣብ 50 ሃገራት ካብ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቓውሞኦም ብምግላጽ 20,000 ዝኸውን ደብዳበታትን ቴለግራማትን ናብ ሂትለር ተላእኸ።

ስርዓት ናዚ መስጐጕቱ ብምጽዓቕ ነዚ መልሲ ሃበሉ። ብ1 ሚያዝያ 1935 ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገዱ። ብ28 ነሓሰ 1936 ከኣ ጌስታፖ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ፈነዉ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ቤትረያል​—⁠ጀርመን ቸርችስ ኤንድ ዘ ሆሎካስት ዝበለቶ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ፓምፍሌት ምዕዳል ኣየቋረጹን: ካብ እምነቶም እውን ፈልከት ኣይበሉን።”

ንኣብነት ብ12 ታሕሳስ 1936: 3,500 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣፍንጫ ጌስታፖ ኰይኖም ብዛዕባ እቲ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ግፍዒ ዝገልጽ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸር ናይ ኣቕዋም መግለጺ ዝሓዘ ጽሑፋት ዓደሉ። ብዛዕባ እቲ ወፈራ ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ በለት:- “ዓቢ ዓወት ኢዩ ነይሩ: ንጸላኢ ድማ ከቢድ ፍሽለት ኢዩ: ነቶም እሙናት ዓየይቲ ኸኣ ኽግለጽ ዘይከኣል ሓጐስ ኣምጺእሎም ኢዩ።”​—⁠ሮሜ 9:⁠17

እቲ መስጐጕቲ ኣይተዓወተን!

ናዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ምህዳን ኣየቋረጸን። ክሳዕ 1939 ኣብ ዝነበረ ግዜ ዳርጋ ሽዱሽተ ሽሕ ዝዀኑ ተኣሲሮም: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተዳጒኖም ነበሩ። (ስእሊ 3) ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለምከ እቲ ዅነታት ከመይ ኢዩ ነይሩ፧ ካብቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2,000 ዝዀኑ ሞቱ: ካብዚኣቶም ድማ ልዕሊ 250 ዝዀኑ ብኢድ ናዚ ኢዮም ተቐቲሎም። ይኹን እምበር: ከምቲ ፕሮፌሰር ኤሪክሰንን ሄሸልን ዝጸሓፍዎ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸበባ እኳ እንተ ወረዶም ንእምነቶም ግን ኣጽኒዖም ሒዞም ኢዮም።” ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ስርዓት ናዚ ክወድቕ ከሎ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዓወት ካብ መዳጐኒ ደምበታት ወጹ።​—⁠ስእሊ 4፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠38, 39፣ ሮሜ 8:⁠35-37

ህዝቢ የሆዋ መስጐጕቲ ንኽጻወሩ ዘኽኣሎም ሓይሊ ዝሃቦም መን ኢዩ፧ እቲ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ኣትዩ ዝነበረ ኣዶልፍ ኣርኖልድ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣጸቢቕካ ተሓሊልካ ከለኻ እውን ከይተረፈ: የሆዋ ይርእየካን እንታይ ተሕልፍ ከም ዘሎኻ ይፈልጥን ኢዩ: ነቲ ዅነታት ተጻዊርካ እሙን ኴንካ ንኽትቅጽል ድማ ዘድሊ ሓይሊ ይህበካ ኢዩ። ኢዱ ሓጻር ኣይኰነትን።”

ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እቲ ናይ ነብዪ ጸፎንያስ ቃላት ኣብዞም እሙናት ክርስትያናት ዝውዕል! ንሱ ኸምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ: ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ።” (ጸፎንያስ 3:⁠17) ኵሎም ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንእምነት ናይቶም መስጐጕቲ ናዚ ተጻዊሮም ንጽህናኦም ዝሓለዉ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይቐድሕዎ: በዚ ድማ ንልቢ የሆዋ የሐጕስዎ።​—⁠ፊልጲ 1:⁠12-14

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Państwowe Muzeum Oświȩcim-Brzezinka, courtesy of the USHMM Photo Archives