ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ በረኸት ዝመልኦ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ በረኸት ዝመልኦ ህይወት

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ በረኸት ዝመልኦ ህይወት

ራስል ከርዘን ዘዘንተዎ

ካብቲ ብምብራዕ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረ መዋእል: ሸውዓተ ዓመታት ኣቐዲሙ ብ22 መስከረም 1907 ናብዛ ዓለም እዚኣ መጻእኩ። ስድራይ በቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ሃብታማት ነበሩ። ብዛዕባ ታሪኽ ስድራና ሒደት ምስ ሰማዕኩም ምስዚ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እትሰማምዑ ይመስለኒ።

ዓባየይ ከርዘን ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ንኣምላኽ ዝምልከት ሓቂ ክትፈልጥ ትጽዕር ነበረት። ኰተቴ ቕድሚ ምዃና ነተን ኣብታ ውቅብቲ ዝዀነት ኣብ ስዊዘርላንድ እትርከብ ስፒትዝ እትበሃል ዓዳ ዝርከባ ሓያሎ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን በጺሓተን ኢያ። ድሕሪ መርዓኣ ገለ ዓመታት ጸኒሑ: ብ1887 ስድራ​ቤት ከርዘን ምስቶም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝውሕዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ሓቢራ ተጓዕዘት።

እታ ስድራ​ቤት ብ1900 ኣቢሉ ኣብ ኦሃዮ ምስ ተጣየሰት: ዓባየይ ነቲ እተናድዮ ዝነበረት መዝገብ ረኸበቶ። ኣብታ ዘ ታይም ኢዝ ኣት ሃንድ ዘርእስታ ብቛንቋ ጀርመን እተሓትመት ቻርለስ ቴዝ ራስል ዘዳለዋ መጽሓፍ ኢያ ነዚ መዝገብ ዝረኸበቶ። እቲ ዘንበበቶ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝሓዘ ምዃኑ ብኡንብኡ ኣስተውዓለት። ዓባየይ እንግሊዝኛ ናይ ምንባብ ጸገም እኳ እንተ ነበራ: ኵንትራት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ግን ኣተወት። ስለዚ: ተወሳኺ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እናተማህረት ጐድኑ ጐድኑ ኸኣ እንግሊዝኛ ፈለጠት። ኣባሓጎይ ከም በዓልቲ ቤቱ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ተገዳስነት ኣይነበሮን።

ካብቶም ዓባየይ ዝወለደቶም 11 ቈልዑ: ጆንን ኣዶልፍን ዝበሃሉ 2 ደቃ ነቲ ዝረኸበቶ መንፈሳዊ መዝገብ ኣብ ልቦም ኣሕደርዎ። ጆን ኣቦይ ኢዩ: ብ1904 ከኣ ኣብቲ ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ኣብ ሰይንት ሎይስ: ሚዙሪ: ዝገበርዎ ዓቢ ኣኼባ ተጠምቀ። መብዛሕትኦም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ትሑት መነባብሮ ስለ ዝነበሮም: እቲ ዓቢ ኣኼባ ኣብቲ ኣብ ሰይንት ሎይስ ናይ ዓለም ኤግዚቢሽን ዝግበረሉ እዋን ኢዩ ተገይሩ፣ ከምዚ እተገብረ ኸኣ ኣብቲ እዋን እቲ ዋጋ ቲከት ባቡር ስለ ዝሓስር ኢዩ። ጸኒሑ ብ1907 ሓወቦይ ኣዶልፍ ኣብቲ ኣብ ናያግራ ፎልስ: ኒው ዮርክ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተጠምቀ። ኣቦይን ሓወቦይን ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ነገራት ብቕንኢ ይሰብኩ ነበሩ: ደሓር ድማ ክልቲኦም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ (ብናይ ሕጂ ኣጸዋውዓ ፓይነራት) ኰኑ።

ስለዚ ብ1907 ኣብ እተወለድኩሉ እዋን: ስድራ​ቤተይ ብመንፈሳዊ መዳይ ድሮ ሃብታማት ኰይኖም ነበሩ። (ምሳሌ 10:⁠22) ብ1908 ኣቦይን እታ ኣይዳ ዝስማ ኣደይን ናብቲ “ናብ ዓወት ምግስጋስ” ዘርእስቱ ኣብ ፑት⁠-​ኢን⁠-​በይ: ኦሃዮ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ኽወስዱኒ ኸለዉ ገና ዕሸል ነበርኩ። እቲ ሽዑ ገያሺ ኣገልጋሊ ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ናይቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ነበረ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ናብ ዶልተን: ኦሃዮ: መጺኡ ኸሎ ገዛና በጺሑ: ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዝርርብ ሂብዎም ነይሩ።

ልክዕ ኢዩ: እዚ ነገራት እዚ ኣይዝክሮን ኢየ: እቲ ብ1911 ኣብ ማውንተይን ሌክ ፓርክ: ሜሪላንድ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ግን ትዝ ይብለኒ ኢዩ። ኣብኡ ኣነን እታ ምንኣሰይ ሓብተይ ኤስተርን ምስቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብርዎ ዕዮ ስብከት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዝነበሮ ቻርለስ ቴዝ ራስል ተራኸብና።

ብ28 ሰነ 1914 ማለት በታ ኣርክዱክ ፈርዲናንድን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ሳራየቮ ምስ ተቐትሉ ዓለም ናብ ውግእ ዝኣተወትላ መዓልቲ: ምስ ስድራ ቤተይ ኣብ ኮለምበስ: ኦሃዮ: ኣብ እተገብረ ሰላም ዝሰፈኖ ዓቢ ኣኼባ እካፈል ነበርኩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ህዝቢ የሆዋ ኣብ ዝገበርዎ ብዙሕ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ ምክፋል መሰል ረኺበ ኢየ። ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት ሚእቲ ዝዀኑ ኣኼበኛታት ጥራይ ዝነበሩሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ኻብ ዓለም ዝዓበየ ስታድዩማት እተገብረ ዓቢ ኣኼባታት ኢዩ ነይሩ።

እታ ከም ማእከል ኰይና እተገልግል ዝነበረት ገዛና

ካብ 1908 ክሳዕ 1918 እታ ኣብ ዶልተን ማለት መንጎ ፒትስበርግ: ፐንሲልቫንያ ከምኡውን ክሊቭላንድ: ኦሃዮ ዝነበረት ገዛና ንሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከም መአከቢ ቦታ ዀይና ተገልግል ነበረት። ገዛና ንብዙሓት ገየሽቲ ተዛረብቲ ኸም መዕረፊት ኰይና ተገልግሎም ነበረት። ንካሮሳታቶም ብድሕሪ እቲ መኽዘንና ደው ኣቢሎም ንዅላትና ኣኪቦም ባህ ዘብል ተመክሮታት ይነግሩናን መንፈሳዊ ነገራት ይምህሩናን ነበሩ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘተባብዕ እዋን ኰን ኢዩ ነይሩ!

ኣቦይ መምህር እኳ እንተ ነበረ: ልቡ ግን ኣብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ ዕዮ ምምህርና ማለት ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኢዩ ነይሩ። ንኣባላት ስድራ​ቤቱ ብዛዕባ የሆዋ ይምህረና ነበረ: ምሸት ምሸት ድማ ኵላትና ብሓባር ንጽሊ ነበርና። ኣብ ጽድያ 1919 ኣቦይ ንፈረስናን ነታ ካሮሳን ሸይጡ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብዙሓት ሰባት ንምርካብ ምእንቲ ኽትሕግዞ ብ175 ዶላር ናይ 1914 ሞዴል ፎርድ ማኪና ገዝአ። ብ1919 ከምኡውን ብ1922 ነዛ ማኪና እዚኣ ናብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ: ዝገበርዎ ታሪኻዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ከይድናላ ኢና።

ምልእቲ ስድራ​ቤትና ማለት ኣነ: ኣደይ: ኣቦይ: ኤስተር: እቲ ምንኣሰይ ሓወይ ጆን ኣብ ህዝባዊ ስብከት ንካፈል ነበርና። ሓደ ሰብኣይ ንመጀመርታ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሕቶ ዝሓተተኒ እዋን ትዝ ይብለኒ ኢዩ። ሽዑ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ኢየ ነይረ። እቲ ሰብኣይ “ኣርማጌዶን እንታይ ኢያ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣቦይ እተወሰነ ደገፍ እናገበረለይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክምልሰሉ ኽኢለ ኢየ።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተኹ

ብ1931 ስድራ​ቤትና ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ሓድሽ ስምና ተሓጒስና እተቐበልናሉ ኣብ ኮለምበስ: ኦሃዮ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተኻፊላ ነይራ። ጆን ኣዝዩ ተሓጒሱ ስለ ዝነበረ ኣነን ንሱን ፓይነራት ክንከውን ኣሎና ኢሉ ወሰነ። a ከምቲ ውሳነና ድማ ገበርና: ኣደይን ኣቦይን ኤስተርን እውን ፓይነራት ኰኑ። በቲ ባህ ዘብል ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ኣገልግሎት ዝሓበርና ስድራ​ቤት ብምዃንናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር መዝገብ ኰን ኢዩ ነይሩና! ነዚ የሆዋ ዝሃበና በረኸት ኣመስጊነ ኣይጸግበሉን ኢየ። ብዙሕ ሓጐስ እኳ እንተ ነበረና: ዝያዳ ሓጐስ ድማ ይጽበየና ነበረ።

ኣብ ለካቲት 1934 ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር (ቤትኤል) ከገልግል ጀመርኩ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ጆን እውን ቤትኤል ኣተወ። ነታ ፍቕርቲ ሰበይቱ ጀሲ ብ1953 ክሳዕ ዝምርዖ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ንድቅስ ነበርና።

ኣነን ጆንን ቤትኤል ምስ ኣተና: ወለድና ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ናይዛ ሃገር ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ተመደቡ፣ ኤስተርን ጆርጅ ሪድ ዝበሃል በዓል ቤታን ድማ ምስኦም ነበሩ። ወለድና ብ1963 ምድራዊ ኣገልግሎቶም ክሳዕ ዝውድኡ ፓይነራት ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም። ኤስተርን በዓል ቤታን ንፉዓት ውሉዳት ኣዕብዮም ኢዮም: ኣጸቢቐ ዘፍቅሮም ብዙሓት ደቂ ሓብተይን ስድራ​ቤቶምን ብምርካበይ እውን ተባሪኸ ኢየ።

ኣብ ቤትኤል ዝነበረ ዕዮን ዕርክነትን

ጆን በቲ ዝነበሮ ሞያ ተጠቒሙ ምስ ካልኦት ቤትኤላውያን ብምሕባር ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ኣብ ምስራሕ ተኻፊሉ ኢዩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ነዚ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ብተወሳኺውን ጆን ነቲ ናብቶም ኵንትራት ዝኣተዉ ሰባት ዝለኣኽ መጽሔታት ብወረቐት ጠቕሊላ ኣድራሻ ናይ እትሓትም ማሽን ንድፊ ኣብ ምውጻእን ኣብ ምስራሕን ሓጊዙ ኢዩ።

ንዓይ ኣብ ቤትኤል መጀመርታ እተዋህበኒ ዕዮ መጻሕፍቲ ምጥራዝ ኢዩ ነይሩ። ገለ ኻብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ፋብሪካ ዝዓዩ ዝነበሩ መንእሰያት ክሳዕ ሕጂ ብተኣማንነት ኣብ ቤትኤል የገልግሉ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ካሪ ባርበርን ሮበርት ሃትስፈልትን ይርከብዎም። ካልኦት ካብ ልበይ ዘየውጽኦም ድሕሪ ግዜ ዝሞቱ ኸም እኒ ናታን ኖር: ካርል ክለይን: ሊማን ስዊንግል: ክላውስ ጀንሰን: ግራንት ሱይተር: ጆርጅ ጋንገስ: ኦረን ሂበርድ: ጆን ሲዮረስ: ሮበርት ፓይን: ቻርለስ ፈከል: በኖ ቡርቺክ: ጆን ፐሪ እውን ነይሮም ኢዮም። ከይጕረምረሙ ወይ “ዕቤት” ክወሃቦም ከይተጸበዩ ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ኣገልጊሎም ኢዮም። ማሕበር እናዓበየት ምስ ከደት መብዛሕትኦም እዞም እሙናት ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝዓበየ ሓላፍነት ተዋህቦም። አረ ገሊኣቶምስ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም።

ምስዞም ንጥቕሚ ርእሶም ቀዳምነት ዘይህቡ ኣሕዋት ብምዕያየይ ዓቢ ትምህርቲ ተማሂረ ኢየ። ዓለማዊ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ንድኻሞም ደሞዝ ይኽፈሎም ኢዩ። እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ዓስቦም። ኣብ ቤትኤል ምስ እተገልግል ግን ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ኢኻ እትረክብ: መንፈሳውያን ሰባት ጥራይ ከኣ ኢዮም ነዚ ዓስቢ እዚ ዝፈልጥዎን ዘማስዉሉን።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠6-16

እቲ ብ1923 ገና ዀተቴ ኸሎ ቤትኤል ዝኣተወ ናታን ኖር: ኣብ 1930ታት ናይ ፋብሪካ ተዓዛቢ ነበረ። መዓልቲ መዓልቲ ኣብቲ ፋብሪካ እናዞረ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰላም ይብል ነበረ። እቶም ሓደስቲ ዝነበርና ቤት​ኤላውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ክንርኢ ኸሎና ነማስወሉ ነበርና። ብ1936 ካብ ጀርመን ሓዳስ ሓታሚት ማሽን መጸትና: እቶም መንእሰያት ኣሕዋት ድማ ክገጣጥምዋ ኣይከኣሉን። ስለዚ እታ ማሽን ምስራሕ ክሳዕ እትጅምር ሓው ኖር ናይ ስራሕ ክዳኑ ተኸዲኑ ምሳታቶም ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ሰርሐ።

ሓው ኖር ኣዝዩ ህርኩት ስለ ዝነበረ መብዛሕትና ኽንድኡ ኽንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና ነይርና። ንእዋን ምዝንጋዕ እውን ይፈልጠሉ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ጥሪ 1942 ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዕዘብ ሓላፍነት ምስ ተቐበለ እውን ከይተረፈ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ቀጽሪ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትኤልን ምስ ተማሃሮ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ሓድሓደ ግዜ ቤዝቦል ይጻወት ነበረ።

ኣብ ሚያዝያ 1950 ስድራ ቤትኤል ናብቲ ኣብ 124 ኮሎምብያ ሀይትስ: ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ትሽዓተ ደርቢ ዘለዎ ሓድሽ መንበሪ ህንጻ ገዓዘ። እቲ ሓድሽ መመገቢ ኽፍሊ ዅላትና ብሓባር ንመኣዲ ኽንቀርብ ዘኽእለና ነበረ። እዚ መንበሪ ህንጻ እዚ ይስርሓሉ ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ዓመታት: ናይ ንግሆ ኣምልኾ ኽንገብር ኣይከኣልናን ነይርና። ድሓር ግን እንደገና ምስ ተጀመረ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እተሓጐስና! ሓው ኖር ስም ናይቶም ሓደስቲ ኣባላት እቲ ስድራ​ቤት ምእንቲ ኸዘክሮ ምስኡ ኣብ ናይ ኣቦ መንበር ጣውላ ኾፍ ከም ዝብል ገበረኒ። ናይ ንግሆ ኣምልኾ ኣብ ዝግበረሉን ቍርሲ ኣብ ዝብልዓሉን እዋን ን50 ዓመታት ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኾፍ ኢለ ኢየ። ብ4 ነሓሰ 2000 ግን እቲ መመገቢ ኽፍሊ ተዓጽወ: ኣብቲ ቐደም ታወርስ ሆቴል ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ እተሓደሰ መመገቢ ኽፍሊ ድማ ተመደብኩ።

ብ1950ታት ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ፋብሪካ ነታ ሊኖታይፕ እትበሃል ማሽን እሕዛ ነይረ፣ ኣብኡ ንሕትመት ዝዳሎ ናይ ሓጺን ፊደላት እሰርዕ ነበርኩ። ነቲ ስራሕ እቲ ኣይፈትዎን ኢየ ነይረ: ኣብተን ማሽናት ሓላፍነት ዝነበሮ ዊልያም ፒተርሰን ሕያዋይ ስለ ዝነበረ ግን ኣብኡ ዘሕለፍክዎ ግዜ ባህ ዘብል ነበረ። ድሕሪኡ ብ1960 ነቲ ኣብ 107 ኮሎምብያ ሀይትስ እተሃንጸ ሓድሽ መንበሪ ህንጻ ቀለም ዝለኽዩ ወለንተኛታት ተደልዩ። ነቶም እናወሰኹ ዝኸዱ ዝነበሩ ስድራ ቤትኤል እዚ ሓድሽ መንበሪ ኣብ ምድላው ሓገዝ ብምብርካተይ የሐጕሰኒ ኢዩ።

እቲ ኣብ 107 ኮሎምብያ ሀይትስ ዝርከብ ህንጻ ቀለም ድሕሪ ምልካዩ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ቤትኤል ንዝመጹ በጻሕቲ ናይ ምቕባል ዘይተጸበኹዎ ዕዮ ምስ ተዋህበኒ ተሓጒሰ ኢየ። እዘን ተቐባሊ ጋሻ ዀይነ ዘሕለፍክወን 40 ዓመታት ልክዕ ከምቲ ኻልእ እዋን ዘሐጕሳ ኢየን ነይረን። እቶም ዝመጹ ሰባት: በጻሕቲ ይኹኑ ሓደስቲ ቤትኤላውያን: እቲ ብሓባር ኴንና እንገብሮ ጻዕሪ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዘምጽኦ ፍረ ምግላጽ ባህ ዘብል ኢዩ።

ንፉዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣባላት ስድራ ቤትኤል መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘፍቅሩ እታ ስድራ​ቤትና ብመንፈስ ዝበልጸገት ኢያ። መጀመርታ ናብ ቤትኤል ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን ነታ ፊደላት እተጻሪ ኢማ ሃሚልተን ክንደይ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘንበበት ሓተትክዋ። ንሳ ድማ “ሰላሳን ሓሙሽተን ሳዕ ድሕሪ ምንባበይ ድሕሪኡ ምቝጻሩ ገደፍክዎ” በለትኒ። ኣንተን ኮይቤር ዝበሃል ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቤትኤል ዘገልግል ዝነበረ ጽኑዕ ክርስትያን ድማ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጥቓኻ ፈጺምካ ኣይተርሕቆ” ይብል ነበረ።

ሓው ራስል ብ1916 ምስ ሞተ: ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ነቲ ራስል ዝገደፎ ሓላፍነታት እታ ማሕበር ተሰከሞ። ራዘርፎርድ ኣብ ክንዲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቐሪቡ እተጣበቐ ሓያልን ክኢላን ተዛራባይ ኢዩ ነይሩ። ብ1942 ምስ ሞተ ድማ ሓው ኖር ቦትኡ ተረከቦ: ህዝባዊ ዝርርብ ናይ ምቕራብ ክእለቱ ንምምሕያሽ እውን ኣበርቲዑ ዓየየ። ክፍለይ ጥቓ ኽፍሉ ስለ ዝነበረ: ንዝርርቡ ደጋጊሙ ኽለማመዶ ኸሎ እሰምዖ ነይረ። ድሕሪ ግዜ ብዙሕ ስለ ዝጸዓረ ንፉዕ ህዝባዊ ዝርርብ ኣቕራቢ ዀነ።

ኣብ ለካቲት 1942 ኵላትና ቤትኤላውያን ናይ ምምሃርን ምዝራብን ክእለትና እነመሓይሸሉ ፕሮግራም ኣብ ምቛም ሓው ኖር ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። እቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምርምር ኣብ ምግባርን ህዝባዊ ዝርርብ ኣብ ምቕራብን ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ሓጺር ዝርርብ ከነቕርብ ክፍሊ ተዋህበና። ናይ መጀመርታ ዝርርበይ ብዛዕባ ሙሴ ኢዩ ነይሩ። ብ1943 ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ቤት ትምህርቲ ተጀመረ: ክሳዕ እዚ ግዜና እውን ይቕጽል ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ፍልጠት ምጥራይን ናይ ምምሃር ክእለት ምምዕባልን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤትኤል ዝትኰረሉ ጕዳይ ኢዩ።

ኣብ ለካቲት 1943 ቀዳመይቲ ኽፍሊ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ጀመረት። ሕጂ መበል 111 ክፍሊ ተመሪቖም ኢዮም! እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ንልዕሊ 58 ዓመታት ካብ 7,000 ዝበዝሑ ውልቀ⁠-​ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ሚስዮናውያን ኰይኖም ንኽዓዩ ኣሰልጢናቶም ኢያ። ብ1943 እዛ ቤት ትምህርቲ ኽትጅምር ከላ ኣብ መላእ ዓለም ካብ 100,000 ብዙሕ ዘይዛይዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ሕጂ ግን ልዕሊ 6,000,000 ዝዀኑ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ ሰባት ኣለዉ!

ንመንፈሳዊ ውርሻይ አማስወሉ ኢየ

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ቅድሚ ምቛማ ሰለስተ ቤትኤላውያን ንዅለን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከባ ጉባኤታት ክንበጽሕ ተለኣኽና። ነተን ጉባኤታት ብመንፈስ ንምብርታዕ ምሳታተን ሓንቲ መዓልቲ ወይ ገለ መዓልትታት ወይ ሓደ ሰሙን ነሕልፍ ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣገልገልቲ ኣሕዋት ተባሂልና ንጽዋዕ ነበርና: ጸኒሑ ግን እዚ ስም ናብ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ተቐየረ። ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ድሕሪ ምኽፋታ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን: ናብታ ቤት ትምህርቲ ተመሊሰ እተወሰነ ኮርሳት ክምህር ተጸዋዕኩ። ካብ 2ይቲ ክሳዕ 5ይቲ ክፍሊ ኣብ ዝነበረ እዋን ቀዋሚ መምህር ኰይነ ኣገልጊለ ኢየ: ኣብ መበል 14 ክፍሊ እውን ንሓደ መምህር ተኪአ ምሂረ ኢየ። ነቲ መብዛሕትኡ ኣብ ታሪኽ ህይወተይ ዝፈልጦ ኣብ መጀመርታ ዘመናዊ ታሪኽ ማሕበር የሆዋ ዘጋጠመ ዘደንቕ ፍጻመታት ምስቶም ተማሃሮ ክመያየጠሉ ብምኽኣለይ: ነቲ ኽቡር መንፈሳዊ ውርሻይ ዝያዳ ኸማስወሉ ሓጊዙኒ ኢዩ።

ኣብ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ካልእ መሰል ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ህዝቢ የሆዋ ምክፋል ኢዩ። ብ1963 ምስ ልዕሊ 500 ዝዀኑ ልኡኻት ኣብቲ “ዘለኣለማዊ ብስራት” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ እናተኻፈልና ንዓለም ዘይርናያ ኢና። ብ1989 ኣብ ዋርሶ: ፖላንድ፣ ብ1990 ኣብ በርሊን: ጀርመን፣ ከምኡውን ብ1993 ኣብ ሞስኮ: ሩስያ: ኣብ እተገብረ ታሪኻዊ ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ተኻፊለ ኢየ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ኣኼባ ብስርዓት ናዚ ወይ ኮምዩኒስት ወይ ብኽልቲኡ ስርዓታት ዝወረዶም መስጐጕቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ጸኒዖም ምስ ዘሕለፉ ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ምልላይ ኣጋጣሚ ረኺበ ኢየ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ እምነት ዘደልድል ተመክሮ ዀን ኢዩ!

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ ህይወት ብሓቂ በረኸት ዘለዎ ኢዩ! ዝዳለወልና መንፈሳዊ በረኸት ማእለያ የብሉን። ከም ስጋዊ ሃብቲ ስለ ዘይኰነ ነዚ ኽቡር ነገራት እዚ ዝያዳ ብዘማቐልናሉ መጠን መንፈሳዊ ሃብትና ድማ ብእኡ መጠን ኢዩ ዝውስኽ። ገሊኣቶም ሰባት ‘ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ​ቤት እንተ ዘይዓቢ ምሓሸ’ ኽብሉ ሰሚዐ ኢየ። መጀመርታ ኻብ ማሕበር ኣምላኽ ወጻኢ ዘሎ ናብራ እንተ ዝጥዕምዎ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ዝያዳ ዘማስዉሉ ዀይኑ ኸም ዝስምዖም ይዛረቡ ኢዮም።

መንእሰያት ከምዚ ዓይነት ዘረባ ኽዛረቡ ኸለዉ ቕጭ ኢዩ ዝመጸኒ: ከመይሲ መገድታት የሆዋ ከይፈለጥካ ምዕባይ ኢዩ ዝበለጸ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። እንተዀነ ግን: ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ ፈለጡ ኸወግድዎ ዘለዎም ሕማቕ ልማዳትን ኣተሓሳስባን እሞ ሕስብ ኣብልዎ። ወለደይ ንሰለስቴና ደቆም ብመገዲ ጽድቂ ሓብሒቦም ስለ ዘዕበዩና ወትሩ ኣዝየ አማስወሉ ኢየ። ጆን ብ1980 ክሳዕ ዝመውት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ኢዩ: ኤስተር እውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እምንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኢያ።

ምስ እሙናት ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሕለፍክዎ ጽቡቕ ዕርክነት ክዝክሮ ኸለኹ ባህ ኢዩ ዝብለኒ። ሕጂ ንልዕሊ 67 ዓመታት ኣብ ቤትኤል ኣገልጊለ ኢየ። ዘይተመርዓኹ እኳ እንተ ዀንኩ: ብዙሓት መንፈሳውያን ደቅን ደቂ ደቅን ኣለዉኒ። ብዛዕባ እቶም ገና ብሕጂ ዝላለዮም ፍቑራት ሓደስቲ ኣባላት ዓለምለኻዊ መንፈሳዊ ስድራ​ቤትና ኽሓስብ ከለኹ እውን ልበይ ብሓጐስ ኢዩ ዝመልእ፣ ከመይሲ ነፍሲ ወከፎም ኣዝዮም ዝፍተዉ ኢዮም። እተን “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም” ዝብላ ቓላት ኣማን ብኣማን ሓቂ ኢየን!​—⁠ምሳሌ 10:⁠22

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ8 መጋቢት 1932 ኢየ ተጠሚቐ። ስለዚ ፓይነር ክኸውን ምስ ተወሰነ ኢየ ተጠሚቐ ማለት ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጸጋም ናብ የማን:- ኣቦይ ንጆን ሓወይ ሓቚፍዎ ኸሎ: ኤስተር: ኣነ: ኣደይ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1945 ኣብ ጊልዓድ እናመሃርኩ ኸለኹ

ላዕለዋይ የማን:- መምህራን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኤድዋርዶ ከለር: ፍሬድ ፍራንዝ: ኣነ: ኣልበርት ሽሮደር

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ ትርጕም ዘለዎ ህይወት እናስተንተንኩዎ ኸለኹ