ዝሰልጠነ ሕልና የድልየካ
ዝሰልጠነ ሕልና የድልየካ
ነቶም ብመገዲ ኣየር ኒው ዚላንድ በረራ ቝጽሪ 901 ናብ ኣንታርክቲካ ዝበሩ ዝነበሩ ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን ባህ ዘብል ግዜ ኸሕልፉ ይጽበዩ ነበሩ። እዞም ኣብታ ዲሲ-10 ዝዓይነታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ናብታ ብበረድ እተሸፈነት ክፍሊ ዓለም ክቐርቡ ኸለዉ ትሕት ኢሎም ይበሩ ስለ ዝነበሩ ካሜራታቶም ኣዳልዮም ነበሩ: ባህ ዘብል ሃዋሁ እውን ሰፊኑ ነበረ።
እቲ ፓይለት ንልዕሊ 11,000 ሰዓታት ነፋሪት ዘብረረን ናይ 15 ዓመታት ልምዲ ዝነበሮን ኢዩ ነይሩ። እታ ነፋሪት ቅድሚ ምብጋሳ: ነቲ ናይ በረራ መደብ ተጠንቂቑ ኣብቲ ናይታ ነፋሪት ኮምፕዩተር ኣእተዎ፣ እንተዀነ ግን እቲ እተዋህቦ ቝጽርታት ጌጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። እታ ዲሲ-10 ዝዓይነታ ነፋሪት ትሕቲ 600 ሜትሮ ብራኸ ብደበና ተጐልቢባ እናነፈረት ከላ ምስ ጐኒ እምባ ኤረባስ ተጋጨወት: ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝነበሩ 257 ሰባት ከኣ ሞቱ።
ልክዕ ከምቲ ሎሚ ዘለዋ ነፈርቲ ብትኽክል ንኽጐዓዛ ኣብ ኮምፕዩተራት ዝውከላ: ደቅሰብ እውን ኣብ መገዲ ህይወቶም ንኽመርሖም ሕልና ተዋሂብዎም ኢዩ። እቲ ንበረራ ቝጽሪ 901 ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ብዛዕባ ሕልናና ሓያል ትምህርቲ ኽህበና ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ልክዕ ከምቲ ናይ በረራ ድሕንነት ኣብቲ ኣንፈት ዝሕብር መሳርሒታት ብግቡእ ምዕያዩን ቅኑዕ መወከሲ ነቝጣ ምህላዉን ዝምርኰስ: መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ስጋውን ድሕንነትና እውን ኣብቲ ብጥዑይ ስነ-ምግባራዊ መወከሲ ነቝጣ ተመሪሑ ቕልጡፍ ምልክት ዝገብረልና ሕልናና ኢዩ ዝምርኰስ።
እቲ ዘሕዝን ግን: ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ መወከሲ ነቝጣታት ብቕልጡፍ ይጠፍእ ወይ ዕሽሽ ይበሃል ኣሎ። ሓንቲ ኣመሪካዊት መምህር ከምዚ በለት:- “ሎሚ መብዛሕትኡ ተማሃራይ ኣመሪካ ኸንብብን ክጽሕፍን ከም ዘይክእል: ንፈረንሳ ድማ ኣብ ካርታ ኽረኽባ ከም ዘሸግሮ ኢና ንሰምዕ። ቅኑዕን ጌጋን ምፍላይ እውን የጸግሞ ኣሎ። መሃይምን ሕሳብ ዘይፈልጥን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ርእሲ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ትምህርቲ ጸገማቱ ዓሚቚ ስነ-ምግባራዊ ምድንጋር ኣለዎ።” ቀጺላ ድማ ከምዚ በለት:- “ሎሚ መንእሰያት ኣብ ስነ-ምግባራዊ ምድንጋር ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ‘ቅኑዕን ጌጋን’ ዝበሃል ነገር ኣሎ ድዩ ኢልካ ምስ እትሓቶም: እተደናገሩ: ዝምልስዎ ዝጠፍኦም: ፈራሃት: ከምኡውን ምትእምማን ዘይብሎም ኰይኖም ኢኻ እትረኽቦም። . . . ኣብ ኮለጅ ምስ ኣተዉ እውን እዚ ምድንጋር እዚ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ።”
ሓደ ኻብቲ ነዚ ምድንጋር እዚ ጠንቂ ዀይንዎ ዘሎ ነገር: ስነ-ምግባራዊ ተዛማድነት ተባሂሉ ዝፍለጥ: መዐቀኒታት ከከም ሰቡ ወይ ባህሉ ይቀያየር ኢዩ ዝብል ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዝርከብ ኣረኣእያ ኢዩ። ኵሎም ፓይለታት ኣብ ክንዲ ብመወከሲ ነቝጣታት: በብግዜኡ ቦትኡ ብዝቀያየርን ሓድሓደ ግዜ ድማ ብዝጠፍእን ኣብ ምድሪ ዝትከል መብራህትታት ተመሪሖም ነፋሪት ምስ ዘብርሩ ዘጋጥም ሳዕቤን እሞ ሕስብ ኣብሎ! ከምቲ ኣብ እምባ ኤረባስ ዘጋጠመ ሓደጋታት ልሙድ ኸም ዝኸውን ፍሉጥ ኢዩ። ብተመሳሳሊውን: ዓለም ሓደ ዝዓይነቱ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምስዓብ ስለ ዝሓደገት: ጓህን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸበባን ሞትን ኢያ እትዓጽድ ዘላ፣ ከመይሲ ስድራቤታት ኣብ ሓዳር ብዝፍጸም ጥልመት ይበታተና ኣለዋ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እውን ብአይድስ ወይ ካልእ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ይሳቐዩ ኣለዉ።
ስነ-ምግባራዊ ተዛማድነት እተራቐቐ ፍልጠት ክመስል ይኽእል ኢዩ: ብሓቂ ኽርአ ኸሎ ግን ነዚ ዝስዕቡ ሰባት ከምቶም “የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ” ጥንታዎት ሰብ ነነዌ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስቶም “ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ” ዝብሉ ኸሓድቲ እስራኤላውያን ድማ ይመሳሰሉ ኢዮም።—ዮናስ 4:11፣ ኢሳይያስ 5:20
ስለዚ ሕልናና ጽቡቕ ገይሩ ምእንቲ ኽመርሓና: እነሰልጥነሉ ንጹርን ዘየማትእን ሕግታትን ስርዓታትን ካበይ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዘማልእ ዀይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ኽትገብረሉ እትኽእል ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ተረጋጊጹ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስነ-ምግባራዊ መዐቀኒታት በቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ፈጣሪና ዝቘመ ስለ ዝዀነ: ንዅሉ ወድሰብ ዝዓዪ ኢዩ። ስለዚ: ቅኑዕን ጌጋን ዘይንፈልጠሉ ምኽንያት የብልናን።
ካብ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ጀሚርካ ኽሳዕ ናይ ስራሕ ስነ-ምግባር: ካብ ንቘልዑ ብስርዓት ምዕባይ ኣትሒዝካ ኽሳዕ ንኣምላኽ ምምላኽ: ኰታስ ኵሉ ኣገዳሲ ኢዩ ዝበሃል ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ ኢዩ። (ኣብዚ እዋን እዚ ግን ሕልናና ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ይወርዶ ኣሎ። እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧ ንሕልናኻ ኽትሕልዎ እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧ ብቐዳምነት ክትወስዶ ዘሎካ ጥበባዊ ስጕምቲ ንምንጪ እቲ መጥቃዕትን ውዲታቱን ምልላይ ኢዩ። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽንመያየጠሉ ኢና።