ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ በጃ ንጽድቂ ኣምላኽ የጕልሕ

እቲ በጃ ንጽድቂ ኣምላኽ የጕልሕ

እቲ በጃ ንጽድቂ ኣምላኽ የጕልሕ

የሆዋ: ሸዀናኡ ዚንከስ ሓደ ዘርኢ ኸም ዜተንስእ ድሕሪ ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን ገለጸ። (ዘፍጥረት 3:15) ጸላእቲ ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ምስ ቀተልዎ ድማ እዚ ነገር እዚ ፍጻሜኡ ረኸበ። (ገላትያ 3:13, 16) የሱስ ኣብ ማሕጸን ሓንቲ ድንግል ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብተኣምራዊ መገዲ ስለ እተጠንሰ ፍጹም ነበረ። ስለዚ: እቲ ዘፍሰሶ ደም: ካብቲ ደቅሰብ ካብ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ንኺወጹ በጃ ኪኸፍል ይኽእል እዩ።—ሮሜ 5:12, 19

እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ: ንዝሓለኖ ነገር ካብ ምፍጻም ዚዓናቕፎ ዋላ ሓደ የልቦን። እምበኣር: ደቅሰብ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቑ: ዋላኳ እቲ በጃ ገና ዘይተኸፍለ ይንበር: በረኣእያ የሆዋ ግን ከም እተኸፍለ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ምስቶም ኣብቲ ፍጻመ እቲ መብጽዓታቱ እምነት ዝነበሮም ሰባት ርክብ ኪገብር ይኽእል ነበረ። ካብዚ እተላዕለ ድማ እዩ: ኣምላኽ ንቕድስናኡ ኸየርከሰ ምስቶም ሓጢኣተኛታት ዘርኢ ኣዳም ዝዀኑ ኸም እኒ ሄኖክ: ኖህ: ኣብርሃም ኪመላለስን ዓርኪ ኪዀኖምን ዝኸኣለ።—ዘፍጥረት 5:24፣ 6:9፣ ያእቆብ 2:23

ገለ ኻብቶም ኣብ ኣምላኽ እምነት ዝነበሮም ሰባት ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ኣለዉ። ንጉስ ዳዊት ሓደ ኻብዚኣቶም እዩ። ‘ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝሙት ፈጺሙን ንሰብኣያ ኡርያ ኣቕቲልዎን ክነሱ: ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንዳዊት ዚባርኾ ዝነበረ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እቲ ቐንዲ ረቛሒ: ልባዊ ነስሓን እምነትን ናይ ዳዊት እዩ። (2 ሳሙኤል 11:1-17፣ 12:1-14) የሆዋ ፍትሑን ጽድቁን ከይጠሓሰ: ኣብቲ ብድሕሪኡ ዚፍጸም መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ተመርኲሱ እውን ንሓጢኣት ዳዊት ይቕረ ኺብለሉ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 32:1, 2) ነዚ መረጋገጺ ዝዀነና ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ዚፍጽሞ ኣዝዩ ዜደንቕ ዕማም ኪገልጽ ከሎ: “ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ: ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ” ኸምኡውን “ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ” ምዃኑ ስለ ዚሕብር እዩ።—ሮሜ 3:25, 26

እወ: እቲ ዋጋ ዘለዎ ደም የሱስ ንደቅሰብ ብዙሕ ጥቕምታት ኣምጺኡሎም እዩ። ብመሰረት እቲ በጃ: እቶም ነስሓ ዜርእዩ ሓጢኣተኛታት ሰባት ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ዜኽእሎም ምዃኑ እዩ። ብተወሳኺ ድማ እቲ በጃ ምዉታት ኣብታ ኣምላኽ ዘቘማ ሓዳስ ዓለም ንኺትንስኡ መገዲ ይኸፍት እዩ። እዚ ድማ ነቶም ቅድሚ እቲ በጃ ምኽፋሉ ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከምኡውን ነቶም ሰኣን ትምህርቲ ነዚ ኸይፈለጡ ዝሞቱ ጸላእቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ ዜጠቓልል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ኣብቲ ግዜ እቲ: የሆዋ ኣብቲ በጃ ብምምርኳስ ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። (ዮሃንስ 3:36) ከምቲ የሱስ ባዕሉ ዝገለጾ: “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) እዚ ዅሉ እተጠቕሰ ጥቕምታት ናብ ደቅሰብ ዚውሕዝ: ሳላ እቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ በጃ እዩ።

ይኹን እምበር: ነዚ በጃ እዚ ፍልይ ዜብሎ እቲ ኻብኡ እንረኽቦ ጥቕሚ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ንስም የሆዋ እንታይ ገይሩሉ ዚብል እዩ። እዚ በጃ እዚ: የሆዋ ናይ ፍጹም ፍትሒ ኣምላኽ ከም ዝዀነን ምስ ሓጢኣተኛታት ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ ድማ ንጹህን ቅዱስን ምዃኑ ኣረጋገጹ እዩ። ኣምላኽ ነዚ በጃ እዚ እንተ ዘየዳሉ ነይሩ: ኵሎም ዘርኢ ኣዳም: እንተላይ ሄኖክን ኖህን ኣብርሃምን ምስ የሆዋ ኣይምተመላለሱን ኣዕሩኹ ድማ ኣይምዀኑን ነይሮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነዚ ብምርዳእ: “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 130:3) ስለዚ: የሆዋ ነቲ ፍቑር ወዱ ናብ ምድሪ ብምልኣኹ: የሱስ ድማ ብፍታው ህይወቱ በጃ ብምሃቡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና መመስገንቲ ኽንከውን ዚግብኣና!—ማርቆስ 10:45