ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኖህ ናብታ መርከብ ካብ ነፍሲ ወከፍ ንጹሃት እንስሳታት ሸውዓተ ድዩ ኣእትዩ ወይስ ሸውዓተ ጽምዲ፧

የሆዋ: ኖህ ነታ መርከብ ሰሪሑ ምስ ወድአ: “ኣብዛ ወለዶ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ጸዲቕካ ረኺበካ እየ እሞ: ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ። . . . ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን: ካብ ኵሉ ዘይንጹህ እንስሳ ኸኣ ከክልተ: ተባዕታይን ኣንስተይትን . . . ምሳኻ ውሰድ” በሎ። (ዘፍጥረት 7:1, 2) ከም እኒ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል: ዘ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል: ከምኡውን ታናካህ—ዘ ሆሊ ስክሪፕቸርስ ዝኣመሰለ ገሊኡ ትርጕማት ነታ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ሸውዓተ ጽምዲ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።

ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ: እታ “ሸሾብዓተ” እትብል ቃል: ከም ዘላታ ኽትንበብ ከላ “ሸውዓተ ሸውዓት” ማለት እያ። (ዘፍጥረት 7:2) ይኹን እምበር: ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ ንቝጽሪ ኽትደጋግም ከለኻ: እቲ ቝጽርታት ናይ ግድን ብሓደ ኺድመር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: 2 ሳሙኤል 21:20 ብዛዕባ ሓደ “ኣጻብዕ ኣእዳውን ኣጻብዕ ኣእጋርን ሸሹድሽተ” ዘለዎ “ነዊሕ ሰብኣይ” ትገልጽ። ኣብ እብራይስጢ: እታ “ሹድሽተ” እትብል ቃል ተደጋጊማ ኣላ። እዚ ግን እቲ ዓርሞሸሽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሹድሽተ ጽምዲ (ወይ 12) ኣጻብዕ ነይርዎ ማለት ኣይኰነን። እቲ ምድግጋም ኣብ ኣእዳውን ኣእጋሩን ከክንደይ ኣጻብዕ ከም ዝነበሮ ዚሕብር እዩ።

ስዋስዋዊ ሕጊ ቛንቋ እብራይስጢ: ንምድግጋም ቍጽርታት ብዚምልከት እንታይ መምርሒ እዩ ዚህብ፧ ዊልያም ኣር. ሃርፐር ኣብታ ኢንትሮዳክተሪ ሄብሪው ሜተድ ኤንድ ማኑዋል ዘርእስታ መጽሓፉ: ንዘፍጥረት 7:2, 9 ብዚምልከት: “መብዛሕትኡ ግዜ ቓላት: ብኽንደይ ከም እተኸፋፈለ ንምግላጽ እዩ ዚደጋገም” ብምባል ገለጸ። እታ ጌዜኑስ ሄብሪው ግራመር (ካልኣይ ሕታም እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ እውን “ክፍልፋላት: ነቲ ምሉእ ቍጽሪ ብምድግጋም . . . እዩ ተገሊጹ ዘሎ” በለት። ነተን ኣብ ዘፍጥረት 7:9, 15ን 2 ሳሙኤል 21:20ን ተጠቒሰን ዘለዋ ቝጽሪ “ኽልተ”ን “ሹድሽተ”ን ድማ ከም ኣብነት ጠቐሰተን።

ስለዚ: ልክዕ ከምታ ኣብ ዘፍጥረት 7:9, 15 ተጠቒሳ ዘላ ቝጽሪ “ኽልተ” ተደጊማ ምጥቃሳ ኽልተ ጽምዲ: ማለት ኣርባዕተ ዘይኰነት: እታ ኣብ ዘፍጥረት 7:2 ተጠቒሳ ዘላ “ሸውዓተ ሸውዓተ” እውን ሸውዓተ ጽምዲ: ማለት ዓሰርተው ኣርባዕተ ማለት ኣይኰነትን። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ጥቕስታት ዘሎ ምድግጋም: እቲ ቝጽርታት ብኸመይ ከም እተኸፋፈለ ንምግላጽ እምበር ኪድመር ከም ዘለዎ ዜመልክት ኣይኰነን። ስለዚ: ካብቶም ንጹሃት እንስሳታት “ሸሾብዓተ” እዮም ናብታ መርከብ ኣትዮም፣ ካብቶም ዘይንጹሃት ድማ “ከክልተ” እዮም ኣትዮም።

ብዛዕባ እታ ኣብ ዘፍጥረት 7:2 እትርከብ ደድሕሪ እታ “ሸሾብዓተ” እትብል ቃል ዘላ “ተባዕታይን ኣንስተይትን” እትብል ሓረግከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እዛ ሓረግ እዚኣ ንገሊኦም ሰባት: ኖህ ካብ ነፍሲ ወከፍ ንጹሃት እንስሳታት ሸውዓተ ጽምዲ ንኼእቱ እዩ ተኣዚዙ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ገይራቶም እያ። ይኹን እምበር: እቶም ንጹሃት እንስሳታት ንምርባሕ ተባሂሎም ጥራይ ኣይኰኑን ተዓቂቦም። ዘፍጥረት 8:20 ካብታ መርከብ ምስ ወጹ ንዘጋጠመ ነገራት ክትገልጽ ከላ: “ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ: ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ” ትብል። ስለዚ: ኖህ ካብቶም ንጹሃት እንስሳታት እቲ ሻውዓይ ተረፍ ስለ ዝነበረ: መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረቦ፣ ነቶም ካልኦት ሰለስተ መጻምድቲ ድማ ንኺራብሑ ሓደጎም።