ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዒንቲ ኣምላኽ ይጥምታኻዶ ኣለዋ፧

ኣዒንቲ ኣምላኽ ይጥምታኻዶ ኣለዋ፧

ኣዒንቲ ኣምላኽ ይጥምታኻዶ ኣለዋ፧

እቲ ኽኢላ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኺርኢዶ ይኽእል እዩ፧ ብርግጽ ይኽእል እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብንጹር ኪገልጽ ከሎ: “ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእንዶ እዩ፧” ይብል። (መዝሙር 94:9) እቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምርኣይ ክእለት ካብ ናይ ደቅሰብ ኣጸቢቑ ዚበልጽ እዩ። ደጋዊ ትርኢት ጥራይ ኣይኰነን ዚርኢ: የግዳስ ‘ንልቢ ኺፍትንን’ ‘ኪመዝንን’ እውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 17:3፣ 21:2) እወ: ንሓሳባትና: ንድራኸና: ከምኡውን ንውሽጣዊ ድሌትና ናይ ምግምጋም ክእለት ኣለዎ።

የሆዋ ኣብ ህይወትና ኼጓንፈና ዚኽእል ጸገማት ይፈልጥ ስለ ዝዀነ: ንልማኖና ይምልሰልና እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።” (መዝሙር 34:15, 18) የሆዋ ንዅነታትና ተረዲኡ: ነቲ እነቕርቦ ልባዊ ጸሎት ዜቕልበሉ ምዃኑ ምፍላጥሲ: ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜጸናንዕ እዩ!

የሆዋ ኣምላኽ ብሕቡእ እተገብረ ነገር እኳ ኸይተረፈ ይፈልጥ እዩ። እወ: “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ።” (እብራውያን 4:13) ስለዚ: እንገብሮ ነገራት እከይ ይኹን ሰናይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅሉዕ እዩ። (ምሳሌ 15:3) ንኣብነት: ዘፍጥረት 6:8, 9 “ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ” ኸምኡውን “ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ” ትብል። እወ: ኖህ እዙዝን ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ክብ ኣቢሉ ዚርእን ስለ ዝነበረ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስምረትን በረኸትን ረኺቡ እዩ። (ዘፍጥረት 6:22) ብኣንጻሩ ግን: ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ሕሱማትን ብልሽዋትን እዮም ነይሮም። ኣምላኽ ነዚ ዅነታት እዚ ዕሽሽ ኣይበሎን። “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ።” የሆዋ ዋላኳ ኣብ ልዕሊ እቶም እኩያት ጥፍኣት እንተ ኣውረደ: ንኖህን ስድራቤቱን ግን ኣድሓኖም።—ዘፍጥረት 6:5፣ 7:23

የሆዋ ብጽቡቕ ዓይኒ ይርእየካ ድዩ፧ ብርግጽ: ኣዒንቲ የሆዋ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: . . . ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” (2 ዜና መዋእል 16:9) ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንእኩያት ሰባት ካብ ምድሪ ዳግም ምስ ኣጥፈአ: ነቶም ትሑት ዚልቦም ሰባት ኬድሕኖም እዩ።—መዝሙር 37:10, 11