ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ ትኽእልዶ፧

ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ ትኽእልዶ፧

ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ ትኽእልዶ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ጥሮኣስ ከሎ ራእይ ረኣየ። ሓደ ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ፡ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና” ኢሉ ለመኖ። ጳውሎስ ነዚ ራእይ እዚ ኻብ ዚርኢ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ንሱን መጋይሽቱን ኣምላኽ ‘ንሰብ መቄዶንያ ወንጌል ኪሰብኩሎም ከም ዝጸውዖም ተረድኡ።’ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብታ ቐንዲ ኸተማ ኣውራጃ መቄዶንያ ዝነበረት ፊልጲ፡ ልድያ ዝስማ ሰበይትን ቤተሰባን ኣመንቲ ዀኑ። ኣብ ናይ ሮሜ ኣውራጃ መቄዶንያ ዚነብሩ ኻልኦት ሰባት እውን ኣመንቲ ዀኑ።—ግብ. 16:9-15

ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ተመሳሳሊ ናይ ቅንኣት መንፈስ የርእዩ እዮም። ብዙሓት ሰባት ብናቶም ወጻኢ ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልየሉ ቦታ ግዒዞም እዮም። ንኣብነት፡ ሊሳ ንህይወታ ብዝያዳ ኣብ ኣገልግሎት ከም ዜተኵር ክትገብር ስለ ዝደለየት፡ ካብ ካናዳ ናብ ኬንያ ገዓዘት። እቶም ካናዳውያን ዝዀኑ ትረቨርን ኤምሊን ከኣ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ናብ ማላዊ ገዓዙ። እቶም እንግሊዛውያን ዝዀኑ ፖልን ማጊን እውን ንጡረታኦም ከም ብሉጽ ኣጋጣሚ ገይሮም ብምርኣይ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ገዓዙ። ንስኻኸ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣሎካዶ፧ ናብ ካልእ ቦታ ብዛዕባ ምግዓዝ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ሓሲብካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ግብራዊ ሓሳባትን እዩ ንኽትዕወት ኪሕግዘካ ዚኽእል፧

ርእስኻ መርምር

ሓደ ኻብቲ ኽትምርምሮ ዘሎካ ነገራት፡ ድራኸኻ እዩ። ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” እትብል እያ። ኣብ ካልእ ዓዲ እተገልግለሉ ምኽንያት፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕርን ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንምፍጻም ዘሎካ ባህግን ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ቀጺሉ፡ “እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ” በለ። ንብጻይና ዘላትና ፍቕሪ፡ ንኽንሕግዞ ልባዊ ባህጊ ብምሕዳር እያ እትግለጽ። (ማቴ. 22:36-39፣ 28:19, 20) ኣብ ወጻኢ ሃገር ምግልጋል፡ ብዙሕ ዕዮ ኽትዓይን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከተርእን ዚሓትት እዩ። ንቕያ ጥራይ ኣይኰነን። ብፍቕሪ ኽትድረኽ ኣሎካ። ሕጂ ኣብ ናሚብያ ዜገልግሉ ረምኮን ሱዛንን ዝስሞም ነዘርላንዳውያን፡ “ኣብዚ ኸም እንጸንሕ ዝገበረትና ፍቕሪ እያ” ብምባል ኣሕጽር ኣቢሎም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ናሚብያ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ዜገልግል ዊሊ፡ “እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣገልግሎቶም ዚቕጽሉ ዘለዉ ኣሕዋት፡ እቶም ኣብታ ዝኸዱላ ዓዲ ዚነብሩ ኣሕዋት ኪከናኸንዎም ትጽቢት ብምግባር ኣይኰኑን መጺኦም። የግዳስ፡ ምስቶም ኣሕዋት ኬገልግሉን ኣብ ዕዮ ስብከት ኪሕግዝዎምን ትጽቢት ብምግባር እዮም መጺኦም” በለ።

ንድራኸታትካ ድሕሪ ምምርማርካ፡ ‘ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዘገልግለሉ እዋን ኪጠቕመኒ ዚኽእል እንታይ ተመክሮ ኣሎኒ፧ ውጽኢታዊ ኣገልጋሊ ድየ፧ ዝኽእሎ ቛንቋታት ኣሎዶ፧ ሓድሽ ቋንቋ ኽመሃርከ ፍቓደኛ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ ብቝም ነገር ተዘራረበሉ። ንሽማግለታት ጉባኤኻ እውን ኣማኽሮም። ነዚ ጕዳይ እዚ ኣመልኪትካ ኸኣ ናብ የሆዋ ጸሊ። ብቕንዕና ንርእስኻ ምምርማርካ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ምግልጋል ክእለትን ቈራጽነትን እንተ ኣልዩካ ንኽትርኢ ኺሕግዘካ እዩ።—ነታ  “ርእስኻ ፍለጥ” እትብል ሳጹን ርአ።

ኣበይ ኢኻ ኸተገልግል፧

ጳውሎስ ናብ መቄዶንያ እተጸውዐ ብራእይ እዩ። ሎሚ የሆዋ ንኺመርሓና ልዕለ-ባህርያዊ መገዲ ኣይጥቀምን እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ህዝቢ ኣምላኽ በዛ መጽሔት እዚኣን ብኻልእ ጽሑፋትን ኣቢሎም ዝያዳ ሓገዝ ብዛዕባ ዜድልዮ ኽልታት ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ነተን ዝያዳ ሓገዝ ዜድልየን ሃገራት ብዝርዝር ጽሓፈን። ሓድሽ ቋንቋ ኽትመሃር ድሉው እንተ ዘይኴንካ ወይ ከኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር እትጸንሓሉ እዋን ሓጺር እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ንስኻ እትኽእሎ ቛንቋ ብሰፊሑ ዚዝረበሉ ኽፋል እታ ሃገር ከተገልግል ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ቪዛ፡ መጐዓዝያ፡ ጸጥታ፡ ቍጠባዊ ዅነታት እታ ሃገር፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዅነታት ኣየር ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ናብ ካልእ ቦታ ዝገዓዙ ሰባት ምሕታት እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ ጸሊ። ጳውሎስን መገላግልቱን፡ ‘ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኸልከሎም’ ዘክር። ብዘይካዚ፡ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ እኳ እንተ ፈተኑ፡ “መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።” ብተመሳሳሊ፡ ብሓቂ ኣበይ ክትሕግዝ ከም እትኽእል ንምውሳን እተወሰነ ግዜ ኺወስድ ይኽእል እዩ።—ግብ. 16:6-10

ነቲ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ሒደት ኣማራጺታት ኣለሊኻ ትኸውን ኢኻ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብታ ኸተገልግለላ ዝደለኻ ሃገር ናብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደብዳበ ጽሓፍ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ይኹን ሕጂ እትገብሮ ዘለኻ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዘርዝር፣ ብዛዕባ ቝጠባዊ ዅነታት እታ ሃገር፡ ብዛዕባ መንበሪ፡ ብዛዕባ መሳለጥያታት ጥዕና፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ነታ ደብዳበ ንኣባላት እቲ ኣብ ጉባኤኹም ዚርከብ ኮሚተ ኣገልግሎት ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ምስ ናይ ደገፍ ደብዳበ ገይሮም ብቐጥታ ናብቲ እትደልዮ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪሰድዎ እዮም። እቲ ዚወሃበካ ምላሽ፡ ኣበይ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኽትከውን ከም እትኽእል ንምውሳን ኪሕግዘካ እዩ።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዊሊ፡ “እቶም ውጽኢታውያን ዝዀኑ ሰባት፡ ፈለማ ናብቲ ዜገልግሉሉ ሃገር ከይዶም፡ ነቲ ሓጐስ ዜምጽኣሎም ቦታታት ርእዮምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ ግሉል ቦታ ኼገልግሉ ኸም ዘይክእሉ ተገንዘቡ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ዝያዳ ሓገዝ ዜድልያ ግን ከኣ ተሓጒሶም ኪነብሩላ ዚኽእሉ ንእሽቶ ኸተማ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ” በለ።

ነቲ ሓድሽ ብድሆታት ተዋጽኣሉ

ካብ ዓድኻ ናብ ዘይትፈልጦ ኸባቢ ምግዓዝ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት ከም ዘለዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሊሳ፡ “ጽምዋ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኪዀነካ ይኽእል እዩ” በለት። ነዚ ንኽትዋጽኣሉ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ሓድሽ መንበሪኣ ምስ እትርከብ ጉባኤ ምቅርራባ ሓጊዝዋ እዩ። ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ብስሞም ክትፈልጦም ሸቶ ገበረት። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ምስቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ ኸተዕልል ኣቐዲማ ትመጽእን ድሒራ ትኸይድን ነበረት። ብዘይካዚ፡ ምስ ካልኦት ተገልግልን ንብዙሓት ሰባት ናብ ቤታ ትዕድሞምን ስለ ዝነበረት፡ ሓደስቲ ፈተውቲ ኣጥረየት። “እቲ ዝገበርክዎ መስዋእትታት ኣየጣዕሰንን እዩ። የሆዋ ብሓቂ ባሪኹኒ እዩ” ድማ በለት።

ፖልን ማጊን ደቆም ርእሶም ምስ ከኣሉ፡ ካብቲ ን30 ዓመት ዝነበሩሉ ዓዶም ገዓዙ። ፖል ከምዚ በለ፦ “ኣቕሑት ምሻጥ ቀሊል እኳ እንተ ነበረ፡ ንስድራ ቤትካ ሓዲግካ ምኻድ ግን ካብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ ኣዝዩ ኸበደና። ኣብታ ነፋሪት ምስ ኣተና ድማ ብዙሕ በኸና። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ‘ነዝስ ኣይንኽእሎን ኢና’ ኢልካ ምሕሳብ ቀሊል እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ የሆዋ ተወከልና። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ፡ ሓደስቲ ፈተውቲ ምጥራይ ነቲ ንኽትቅጽል ዝገበርካዮ ቘራጽነት ይውስኸሉ እዩ።”

ግረግን ክሪስታልን እንግሊዝኛ ስለ ዚኽእሉ፡ እዚ ቛንቋ እዚ ኸኣ ወግዓዊ ቛንቋ ናሚብያ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ካናዳ ናብ ናሚብያ ገዓዙ። ደሓር ግን ናይቲ ኸባቢ ቛንቋ ምፍላጥ ጠቓሚ ምዃኑ ተረድኡ። ከምዚ ድማ በሉ፦ “ሓድሓደ እዋን ተስፋ ንቘርጽ ኔርና ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኸባቢ ንዚዝረብ ቋንቋ ምስ ተመሃርና ኢና ነቲ ባህሊ ኽንፈልጦ ጀሚርና። ምስቶም ኣሕዋት ምቅርራብና ኸኣ ነቲ ሓድሽ ከባቢ ንኽንለምዶ ሓጊዙና እዩ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕትናን ፍቓደኛነትን፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚነብሩ ኣሕዋት እውን እንተ ዀነ ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ጀኒ ነቶም ናብቲ ዝዓበየትሉ ኣየርላንድ ዝገዓዙ ስድራ ቤታት ኣጸቢቓ ትዝክሮም እያ። “ተቐበልቲ ኣጋይሽ እዮም ነይሮም። ኪግልገሉ ዘይኰነስ፡ ኬገልግሉ እዮም መጺኦም። ኣዝዮም ቀናኣትን ሕጉሳትን ስለ ዝነበሩ፡ ኣነ እውን ከምኦም ክኸውን ደለኹ” በለት። ሕጂ ንሳን ሰብኣያን ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ጋምብያ የገልግሉ ኣለዉ።

በረኸት የሆዋ “የሀብትም”

እቲ ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ዘሕለፎ ተመክሮ ኽሳዕ ክንደይ ሃናጺ ዀን እዩ ነይሩ! ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ “ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ . . . ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—ፊል. 1:2-4

እቶም ኣብ ማላዊ ዘገልገሉ ትረቨርን ኤምሊን፡ ናብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ቅድሚ ምጽውዖም፡ ከም ናይ ጳውሎስ ዓይነት ስምዒት ነበሮም። “እቲ እንገብሮ ዝነበርና ነገራት ቅኑዕ እንተ ዀይኑ ዝሓተትናሉ ግዜ ነይሩ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ሕጉሳት ኢና ኔርና። ንሓድሕድና ተቐራሪብናን በረኸት የሆዋ ረኺብናን ኢና” ድማ በሉ። እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ግረግን ክሪስታልን እውን፡ “ነዚ ዕዮ እዚ ፈጺምና ኣይንጠዓሰሉን ኢና” በሉ።

ኵሉ ሰብ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ኼገልግል ከም ዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኺግዕዙ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብተን ኣብ ጥቓኦም ዚርከባ ጉባኤታት ናይ ምግልጋል ሸቶ ኼውጽኡ ይኽእሉ እዮም። በዚ ዀነ በቲ፡ እቲ ቐንዲ ዜገድስ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝከኣለካ ምግባር እዩ። (ቈሎ. 3:23) ሽዑ ንሓቅነት እተን “በረኸት [“የሆዋ፡” NW] የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ዚብላ መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት ክትርእዮ ኢኻ።—ምሳ. 10:22

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ርእስኻ ፍለጥ

ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትኽእል እንተ ዄንካ ርእስኻ ንምምርማር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብ ግምት ኣእትዎ፣ ክትግዕዝ ትኽእል እንተ ዄንካ ኸኣ ብቕንዕናን ብጸሎትን ኣብ ክውንነት ተመርኲስካ ሕሰብ። ቅድሚ ሕጂ ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መንፈሳዊ ሰብ ድየ፧—“ናብ ሓጐስ ዝመርሕ ስጕምትታት” (15 ጥቅምቲ 1997 ገጽ 6)

ውጽኢታዊ ኣገልጋሊ ድየ፧—“ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት እትዕወተሉ መገዲ” [15 ግንቦት 1989 (እንግሊዝኛ) ገጽ 21]

ካብ ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ተፈልየ ኽነብር እኽእል ድየ፧—“ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ምስ ናፍቖት ምቅላስ” [15 ግንቦት 1994 (እንግሊዝኛ) ገጽ 28]

ሓድሽ ቋንቋ ኽመሃር እኽእል ድየ፧—“ናይ ወጻኢ ቛንቋ ምስ እትጥቀም ጉባኤ ምግልጋል” (15 መጋቢት 2006 ገጽ 17)

ናይ መጐዓዝያ ወጻኢታተይ ክሽፍን እኽእል ድየ፧—“ኣብ ወጻኢ ሃገር ከተገልግል ትኽእልዶ፧” (15 ጥቅምቲ 1999 ገጽ 23)

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ትሕትናን ፍቓደኛነትን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚነብሩ ኣሕዋት ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኬገልግሉ ኢሎም ዝመጹ ዕዉታት እዮም ዚዀኑ