ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ “ደሓን” ክትከውን ይደልየካ

የሆዋ “ደሓን” ክትከውን ይደልየካ

የሆዋ “ደሓን” ክትከውን ይደልየካ

እቲ ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ ሓደገኛ ዝዀነ ፍጻመ ምስ ጀመረ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ስምረቱ ዚረኽቡ ሰባት ‘ኬድሕኖም’ እዩ። (ዮኤ. 2:32) ከም ሓቂ ግን፡ የሆዋ ንህዝቡ ወትሩ ኻብ ጕድኣት ኬዕቍቦም ይደሊ እዩ። ንሱ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” ስለ ዝዀነ፡ ንዅሎም ሰባት ክቡራትን ዕቝባ ዚግብኦምን ገይሩ እዩ ዚርእዮም።—መዝ. 36:9

ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዝነበሮ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም። ያእቆብን ስድራ ቤቱን ንሓደ ሓደገኛ ጕዕዞ “ብደሓን” ከም ዝዛዘምዎ፡ ኣብ ዘፍጥረት 33:18 ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ያእቆብ ካብ የሆዋ ዕቝባ እኳ እንተ ተጸበየ፡ ንዅሎም እቶም ምስኡ ዚጐዓዙ ንምዕቋብ ግን ግብራዊ ስጕምትታት ወሲዱ እዩ። (ዘፍ. 32:7, 8፣ 33:14, 15) ንስኻ እውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ንርእስኻን ንኻልኦትን ካብ ሓደጋ ኽትሕሉ ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታትን ኣብ ዕዮ ረድኤትን ዚዓዩ፡ ነዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ እስከ ንርአ።

ድሕነት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ

ሕጊ ሙሴ ንስርዓት ድሕነት፡ ወግዓዊ ፖሊሲ ህዝቢ ኣምላኽ ገይርዎ ነበረ። ንኣብነት፡ ቤት ዚሃንጽ እስራኤላዊ፡ ንወሰናስን ናሕሱ መጋረዲ ኺገብረሉ ነበሮ። ከመይሲ፡ ሰባት ብዙሕ ሳዕ ናብ ናሕሲ ቤቶም ይድይቡ ብምንባሮም፡ እቲ መጋረዲ፡ ከይወድቁ ይሕግዞም ነበረ። (1 ሳሙ. 9:26፣ ማቴ. 24:17) እዚ ሕጊ ድሕነት እዚ ኸይተሓለወ ብምትራፉ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ፡ የሆዋ ነቲ ብዓል ቤት ተሓታቲ ይገብሮ ነበረ።—ዘዳ. 22:8

ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ብእንስሳታት ዘቤት ኪፍጠር ንዚኽእል ጕድኣት ዚምልከት ድንጋገ እውን ነይሩ እዩ። ሓደ ብዕራይ ንሰብ ወጊኡ እንተ ቐቲሉ፡ ድሕሪኡ ንኻልኦት ሰባት ምእንቲ ኸይወግእ፡ ዋናኡ ኪቐትሎ ነይርዎ። ስጋኡ ኺበልዖ ወይ ኪሸጦ ስለ ዘይክእል ከኣ፡ ዓብዪ ኽሳራ እዩ ዜስዕበሉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ብዕራይ ንሰብ ወጊኡ ጕድኣት ድሕሪ ምውራዱ፡ ዋናኡ ኣይሓለዎን ንበል። ሽዑ እንታይ እዩ ዚግበር፧ እቲ ብዕራይ እቲ ንኻልእ ሰብ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዕራይን ዋናኡን እዮም ዚቕተሉ። እቲ ሕጊ ንዝዀነ ይኹን ንጥሪቱ ዘይቈጻጸር ሰብ፡ ንተግባራቱ ተጠንቂቑ ኸም ዚሓስበሉ እዩ ዚገብሮ ነይሩ።—ዘጸ. 21:28, 29

ብዘይካዚ፡ እቲ ሕጊ ንመሳርሒታት ብግቡእ ምጥቃም እውን የተባብዕ ነይሩ እዩ። ብዙሓት እስራኤላውያን፡ ዕንጨይቲ ንምቝራጽ ማሕጸ ይጥቀሙ ነበሩ። እቲ ሓጺን ብድንገት ካብቲ ሓኽሊ ነጺሉ ኸይዱ ንሰብ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ዕንጨይቲ ዚቘርጽ ዝነበረ ሰብ ናብ ከተማ ዕቝባ ኺሃድም ነበሮ። ሽዑ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ኺጸንሕ ነበሮ፣ እዚ ድማ እቲ ብዘይፍላጥ ነፍሲ ዝቐተለ፡ ካብ ስድራ ቤቱን ካብ ቤቱን ንዓመታት ኪርሕቕ ይኽእል ነይሩ ማለት እዩ። እቲ መሰናድዎ እቲ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ህይወት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕዱስ ምዃኑ ምሂርዎ እዩ። ብዛዕባ ህይወት ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ፡ ንመሳርሒታቱ ይጽግኖን ብጥንቃቐ ይጥቀመሉን ነበረ።—ዘሁ. 35:25፣ ዘዳ. 19:4-6

የሆዋ በዚ ሕግታት እዚ ኣቢሉ፡ ኣብ ውሽጢ ቤቶምን ኣብ ግዳምን ድሕነት ኪሕልዉ ኸም ዚደልዮም ንጹር ገበረሎም። እቶም ሰብ ዝቐተሉ ወይ ዝጐድኡ፡ ዋላ እውን ብድንገት ይኹን፡ ኣብ ቅድሚኡ ተሓተትቲ እዮም ነይሮም። የሆዋ ብዛዕባ ድሕነት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣይተለወጠን። (ሚል. 3:6) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ኣብ ርእሶምን ኣብ ካልኦትን ጕድኣት ኬስዕቡ ኣይደልዮምን እዩ። ብፍላይ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚውፈ ህንጻታት ኪህነጽን ኪጽገንን ከሎ፡ እዚ ስርዓት እዚ ኺዕየየሉ ኣለዎ።

ድሕነት ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸት

ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ፡ ከምኡውን መሳለጥያታት ጨንፈር ምህናጽን ምጽጋንን ከም ዓብዪ ኽብሪ ኢና እንርእዮ። ኣብ ፕሮጀክት ረድኤት ዚግበር ዕዮ እውን ከምኡ ጌርካ እዩ ዚርአ። ዋላ እውን ቀሊል ዚበሃል ዕዮ ብዘይግቡእ መገዲ እንተ ተሰሪሑ፡ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ኻልኦትን ጕድኣት ኬውርድ ስለ ዚኽእል፡ ወትሩ ብብልሓት ኢና ዕዮና ኽንፍጽም እንደሊ። (መክ. 10:9) ሕግታት ድሕነት ሓሊኻ ናይ ምዕያይ ልማድ ብምምዕባል፡ ካብ ጕድኣት ከነምልጥ ንኽእል ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ” ይብል። (ምሳ. 20:29) ከቢድ ዕዮ ንምፍጻም፡ ሓይሊ መንእሰይ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ዕዮ ህንጸት ምኩራት ዝዀኑ ሽበት ዘለዎም ዓየይቲ ግን፡ ኣብ መዛዘሚ ዚግበር ዕዮ ብኣእዳዎምን ብመሳርሕን ይዓዩ እዮም። እቶም ሕጂ ብዕድመ ደፊኦም ዘለዉ ሰባት፡ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ብንእስነቶም ዝነበሮም ሓይሊ ኸቢድ ዕዮ ንምፍጻም ተጠቒሞምሉ እዮም። ንስኻ ሓድሽ ወለንተኛ እንተ ዄንካ፡ እቶም ምኩራት ዓየይቲ ዚዓዩሉ ኣገባብ ተዓዘብ፡ መምርሒታቶም ድማ ስዓብ። ክትመሃር እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ዕዮ ህንጸት ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት ብዙሕ ነገራት ኪምህሩኻ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ንሓደጋ ብዘየቃልዕ መገዲ ኸመይ ጌርካ ንሓደገኛ ኣቓሑ ኸም እትሕዝን ንኸበድቲ ነገራት ከም እተልዕልን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገር ከይገበርካ፡ ኣፍራይን ሕጉስን ኴንካ ኽትዓዪ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ስፍራ ህንጸት ዚዓዩ ዓየይቲ ወትሩ ጥንቁቓት ኪዀኑ ኣለዎም። ኵነታት ብቕልጡፍ ይቀያየር እዩ። ኣቐዲሙ ጥጡሕ ባይታ ዝነበረሉ ቦታ፡ ጕድጓድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልኦት ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ ቦታ ንዝጸንሐ መሳልል፡ ሉሕ፡ ወይ ቀለም ናብ ካልእ ቦታ ኺወስድዎ ይኽእሉ እዮም። ብሓሳብ እንተ ኣስጊልካ፡ ብቐሊሉ ኽትጕዳእ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብመሰረት ስርዓታት ድሕነት፡ ሰራሕተኛታት ንነብሶም ዚከላኸለሎም ናውቲ ኺጥቀሙ ኣለዎም። ንዓይኒ ዚከላኸል መረጼንን ንርእሲ ዚከላኸል ተሪር ቆብዕን ግቡእ ሳእንን፡ ኣብ ስፍራ ህንጸት ካብ ብዙሕ ሓደጋታት ኪከላኸለልካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነዚ ናውቲ እዚ ብጽቡቕ እንተ ሒዝካዮን እንተ ተጠቒምካሉን ጥራይ ኢኻ፡ ካብ ሓደጋ ኽትሕሎ እትኽእል።

ሓያሎ መሳርሒታት ንኽትጥቀመሉ ቐሊል እኳ እንተ መሰለ፡ ንሓደጋ ብዘየቃልዕን ብኽእለትን ንኽትጥቀመሉ ግን ስልጠናን ልምምድን የድልየካ። ኣብ ኣጠቓቕማ ሓደ መሳርሒ ተመክሮ እንተ ዘይብልካ፡ ነቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ንገሮ። ግቡእ ስልጠና ኸም እትረክብ ኪገብር እዩ። ትሕትና ወይ ዓቕምኻ ምፍላጥ፡ ተደላዪት ባህርይ እያ። ኣብ ቦታ ህንጸት ንርእስኻን ንኻልኦትን ምእንቲ ኸይትጐድእ፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸተጥርያ ኣሎካ።—ምሳ. 11:2

ኣብ ዕዮ ህንጸት፡ ሓደ ኻብቲ ብብዝሒ ጕድኣት ዜስዕብ ነገራት ምውዳቕ እዩ። ናብ መሳልል ወይ ናብ መቖምያ (ስካፎልድ) ቅድሚ ምድያብካ፡ እቲ ናውቲ ንድሕነት ዜድሊ ዅሉ ነገራት ከም ዘማልአን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዘሎን ኣረጋግጽ። ኣብ መቖምያ ወይ ኣብ ናሕሲ ኽትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ንድሕነትካ ኺሕሉ እተዳለወ መእሰሪ ግበር፡ ወይ ከኣ ብጐድኒ ኸይትወድቕ ዚከላኸል መጋረዲ ኸም እተገጥመ ኣረጋግጽ። ኣብ በሪኽ ነገር ደይብካ ብዛዕባ ምስራሕ ሕቶታት እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ሓላፍነት ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ሕተቶ። a

ቍጽሪ እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ንየሆዋ ዜገልግልዎ ሰባት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ንናይ ሓቂ ኣምላኾ ዜደንፍዕ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ መሳለጥያታትን ኪህነጽ የድሊ እዩ። እቶም ንህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ካልእ ፕሮጀክትታትን ኪከታተሉ ሓላፍነት ዚወሃቦ ሰባት፡ ነተን ኣብ ትሕቲኦም ዚዓያ ኽቡራት ኣባጊዕ የሆዋ ናይ ምዕቋብ ሓላፍነት ኣለዎም። (ኢሳ. 32:1, 2) ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት ናይ ምምራሕ ሓላፍነት እንተ ተዋሂቡካ፡ ድሕነት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትረስዕ። እቲ ስፍራ ጽሩይን ዘይጋሕመጠን ምዃኑ ኣረጋግጽ። ነቶም መዘኻኸሪ ዜድልዮም ብሕውነት ግን ከኣ ብጽንዓት ንድሕነቶም ዚጠቕሞም ነጥብታት ጥቐሰሎም። መንእሰያት ወይ ዘይምኩራት ሰራሕተኛታት፡ ከቢድ ሓደጋ ኼስዕብ ኣብ ዚኽእል ቦታታት ኪኣትዉ ኣይትፍቀደሎም። ንሰራሕተኛታት ኬጋጥሞም ዚኽእል ሓደጋታት ኣቐዲምካ ብምግማት፡ ብድሕነት ንኺዓዩ ኣዳልዎም። ሸቶኻ ብዘይ ጕድኣት ነቲ ፕሮጀክት ክትዛዝም ምዃኑ ዘክር።

ፍቕሪ ዘለዋ ግደ

ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዜገልግል ካልእ ህንጻታትን ኪህነጽ ከሎ፡ ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ዕዮ ኺዕየ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቶም ኣብዚ ፕሮጀክትታት እዚ ዚሳተፉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕላው፡ ንዕዮ እተዋህበ መምርሒታት ብምስዓብ፡ ከምኡውን ኣመዛዚንካ ብምዕያይ፡ ካብ ሓደጋ ኸተምልጥን ንመሳርሕትኻ ኻብ ጕድኣት ክትከላኸለሎምን ትኽእል ኢኻ።

ንድሕነት ኣኽቢርካ ኸም እትርኢ እትገብረካ እንታይ እያ፧ ፍቕሪ እያ። እወ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ከምቲ ንሱ ንህይወት ኣኽቢሩ ዚርእያ፡ ንሕና እውን ከምኡ ንኽንገብር ትድርኸና። ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ ኸኣ፡ ኪጐድኦም ዚኽእል ነገር ብሸለልትነት ከይንዓዪ ትድርኸና። (ማቴ. 22:37-39) ስለዚ፡ ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸትና ዚዓዩ ሰባት፡ “ብደሓን” ንኽንዓዩ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ገጽ 30 እትርከብ፡ “ኣብ መሳልል ክትዓዪ ኸለኻ፡ ብኸመይ ድሕነትካ ኸም እትሕሉ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ መሳልል ክትዓዪ ኸለኻ፡ ብኸመይ ድሕነትካ ኸም እትሕሉ

ኣብ ቐረባ እዋን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ሓንቲ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 160,000 ሰራሕተኛታት ካብ መሳልል ብምውዳቖም፡ ተጐዲኦም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ 150 ዚዀኑ በዚ ሓደጋ እዚ ሞይቶም እዮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንበር ወይ ስራሕ ብዘየገድስ፡ ካብ መሳልል ንኸይትወድቕ ዚሕግዘካ ገለ መምርሒታት እንሆ፦

ድኹም ወይ ዘይድልዱል መሳልል ኣይትጠቐም፡ ኣይትጸግኖ እውን። ደርብዮ።

ኵሉ መሳልል ክንደይ ዚኣክል ኪስከም ከም ዚኽእል ደረት ኣለዎ። ክብደትካን ክብደት እቲ እትጥቀመሉ መሳርሕን ናውትን ካብቲ ደረት እቲ ኸይዛይድ ኣረጋግጽ።

መሳልልካ ኣብ ጥጡሕን ድልዱልን ባይታ ግበሮ። ኣብ ብርኽ ዝበለ መድረኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሳንኬሎታትን ሳጹናትን፡ ወይ ኣብ ዘይጥጡሕ ባይታ ኣይትጠቐመሉ።

ክትድይብ ወይ ክትወርድ ከለኻ፡ ወትሩ ናብቲ መሳልል ገጽካ ኹን።

ኣብ ላዕለዋይ ክልተ መደያይቦ ዝዀነ ይኹን መሳልል ደው ወይ ኮፍ ኣይትበል።

ናብ ሓደ ናሕሲ ወይ ሓደ ደንደስ ንምድያብ ወይ ካብኡ ንምውራድ መሳልል ክትጥቀም እንተ ኣድልዩ፡ እቲ መሳልል ካብቲ ናሕሲ ወይ ካብቲ ደንደስ እንተ ወሓደ ብሓደ ሜተር ዚነውሕ ኪኸውን ኣለዎ። እግሪ እቲ መሳልል ሸተት ምእንቲ ኸይብል፡ ምስ ካልእ ነገር እሰሮ ወይ ደጊፉ ዚሕዞ ዕንጨይቲ ምስቲ መሬት ብመስማር ሰምሮ። ነቲ መሳልል ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ኸተጽንዖ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ኣብኡ ደዪብካ ኽትዓዪ ኸለኻ፡ ሰብ ከም ዚሕዘልካ ግበር። እቲ መሳልል ናብ ጐድኒ ሸተት ምእንቲ ኸይብል፡ ኣብ ላዕሉ እሰሮ።

ኣብ ልዕሊኡ ዄንካ ንኽትዓየሉ ኢልካ፡ ካብ ሓደ መደያይቦ መሳልል ናብ መደያይቦ እተጋደመ ሉሕ ኣይተዳሉ።

ኣብ ላዕሊ ደይብካ ብኣእዳውካን ብኣእጋርካን እናተመጣጠርካ ኽትዓዪ ኸለኻ፡ እቲ መሳልል ሰንደልደል ኪብል ይኽእል እዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ምምጥጣር ተቘጠብ። እቲ እትዓዮ ዕዮ ምእንቲ ኸይርሕቀካ፡ ነቲ መሳልል ብተደጋጋሚ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኣንቀሳቕሶ።

ኣብ ጥቓ ዕጹው ማዕጾ፡ ኣብ መሳልል ደይብካ ኽትዓዪ እንተ ኣድልዩ፡ ኣብቲ ማዕጾ መጠንቀቕታ ጽሓፍ፡ ነቲ ማዕጾ ብመፍትሕ ሸጕሮ። ብመፍትሕ ክትሽጕሮ እንተ ዘይክኢልካ፡ ነቶም ኪሓልፉ ዘለዎም ሰባት ዜጠንቅቕ ሓላዊ ደው ኣብል።

ክልተ ሰራሕተኛታት ኪሕዝ ኣብ እተዳለወ መሳልል እንተ ዘይኰይኑ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣብ መሳልል ኪድይብ ኣለዎ። b

[እግረ-ጽሑፍ]

b ኣብ መሳልል ንዚዓዩ ዚኸውን ተወሳኺ ዝርዝር መዘኻኸሪታት፡ ኣብ ናይ ጥሪ–መጋቢት 2000 ሕታም ንቕሑ!፡ ኣብ ገጽ 16-18 [ወይ ናይ 8 ነሓሰ 1999 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 22-24] ርአ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ናሕሲ መጋረዲ ኺግበረሉ ነበሮ