ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ናብ ምምሃር ኣቕልብ’

‘ናብ ምምሃር ኣቕልብ’

‘ናብ ምምሃር ኣቕልብ’

“ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም።” (ዮሃ. 13:13) የሱስ በዘን ንደቀ መዛሙርቱ እተዛረበን ቃላት ኣቢሉ፡ ከም መምህር መጠን ዘለዎ ግደ ኣጕልሐ። ቀቅድሚ ናብ ሰማይ ምዕራጉ ኸኣ ንሰዓብቱ፡ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴ. 28:19, 20) ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን መምህራን ቃል ኣምላኽ ምዃን ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ ኣሎ። ነቲ ክርስትያን ሽማግለ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ “ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። . . . እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ኢሉ መዓዶ።—1 ጢሞ. 4:13-15

ሎሚ እውን ንኻልኦት ምምሃር ቀንዲ ኽፍሊ ኣገልግሎትናን ክርስትያናዊ ኣኼባታትናን እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ወትሩ ናብ ምምሃር ከነቕልብ እንኽእል፧ እዚኸ ኸም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን እናወሰኽና ወይ እናዓበና ኽንከይድ ዚሕግዘና በየናይ መገድታት እዩ፧

ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ

ኣመሃህራ የሱስ ንብዙሓት ሰማዕቱ ይስሕቦም ነበረ። ነቶም ኣብ ናዝሬት ኣብ እትርከብ ቤት ጸሎት ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ብኸመይ ከም ዝተንከፎም ርአ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝነበረ ሉቃስ፡ “ኵሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሉቃ. 4:22) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪሰብኩ ኸለዉ ኣብነት ጐይታኦም ስዒቦም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ እኳ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ብምባል ኣተባቢዕዎም እዩ። (1 ቈረ. 11:1) ጳውሎስ ንኣመሃህራ የሱስ ስለ ዝቐድሖ፡ ‘ኣብ በቤት እናኸደ ኪምህር ከሎ’ ውጽኢታዊ እዩ ነይሩ።—ግብ. 20:20, 21

“ኣብ ዕዳጋ” ምምሃር

ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብምምሃር ዝመጸ ጳውሎስ ዝሓደጎ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 17 ይርከብ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣቴና፡ ግሪኽ፡ ዝገበሮ ምብጻሕ ነንብብ። ጳውሎስ ኣብታ ኸተማ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ ማለት ኣብ ጐደናታት ኰነ ኣብ ኣደባባያት ጣኦታት ረኣየ። እዚ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ! ይኹን እምበር፡ ስምዒቱ ተቘጻጺሩ፡ ‘ኣብ ቤት ጸሎት፡ ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦም ይዛራረብ ነበረ።’ (ግብ. 17:16, 17) ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ገዲፉልና! እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ሰባት ብምዅናን ዘይኰነስ፡ ብኣኽብሮት ምስ እንቐርቦም፡ ንገሊኣቶም ንኺሰምዑናን ካብ ባርነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ንኺወጹን መገዲ ኽንከፍተሎም ንኽእል ኢና።—ግብ. 10:34, 35፣ ራእ. 18:4

መብዛሕትኦም ካብቶም ጳውሎስ ኣብ ዕዳጋ ዘዘራርቦም ዝነበረ ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ኣይሃቡን። ገሊኦም ምስቲ ዚሰብኮ ዝነበረ ሓቂ ዘይሰማማዕ ኣረኣእያ ዝነበሮም ፍላስፋታት እዮም ነይሮም። ጳውሎስ ተቓውሞ ምስ ኣጋጠሞ፡ ንርእይቶ ተቓወምቱ ኣብ ግምት ከም ዘእተወ ፍሉጥ እዩ። ገሊኦም ሰባት ብግሪኽኛ “ለቓሚ ዘርኢ” በለዎ፣ እዚ ድማ “ዓጃው” ዚብል ትርጕም ዘለዎ ቝንቍኛዊ ኣዘራርባ እዩ። ገሊኦም ድማ፡ “ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል” በሉ።—ግብ. 17:18

ኰይኑ ግን፡ ጳውሎስ ሰማዕቱ ምስ ኣቈናጸብዎ ኣይተዳህለን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ትምህርቱ ኺገልጽ ምስ ተሓተተ፡ ንኽእለት ኣመሃህራኡ ተጠቒሙ ብምስትውዓል መደረ ኣቕረበ። (ግብ. 17:19-22፣ 1 ጴጥ. 3:15) ነቲ ዘቕረቦ መደረ በብሓደ ንመርምሮ እሞ፡ ክእለት ኣመሃህራና ንምምሕያሽ ኪሕግዘና ዚኽእል ነጥብታት ንውሰድ።

ዘሰማምዓኩም ነጥቢ ሕረ

ጳውሎስ፡ “ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዅሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም አሎኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ” በለ።—ግብ. 17:22, 23

ጳውሎስ ንኸባቢኡ ኣጸቢቑ የስተብህል ነበረ። ካብቲ እተዓዘቦ ነገራት ከኣ ብዛዕባ ሰማዕቱ ብዙሕ ኪፈልጥ ክኢሉ እዩ። ንሕና እውን ተዓዘብቲ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ሓደ ብዓል ቤት ገለ ነገር ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ካንሸሎ ዘሎ መጻወቲ ወይ ኣብ ማዕጾ ዘሎ ምልክታት ብዙሕ ኪገልጽ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዅነታት እቲ ብዓል ቤት ገለ ነገር እንተ ፈሊጥና፡ እንታይ ከም እንብል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ እንብሎ ብኸመይ ከም እነቕርቦ እውን ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኢና።—ቈሎ. 4:6

ጳውሎስ ንመልእኽቱ ብኣወንታዊ መገዲ እዩ ዜቕርቦ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ‘ኣምልኾ’ ሰብ ኣቴና ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት እተመስረተ ኸም ዘይኰነ ኣስተውዒሉ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብኸመይ ኬምልኽዎ ኸም ዚኽእሉ ብንጹር ሓበሮም። (1 ቈረ. 14:8) እምበኣርከስ፡ ንሕና እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ከሎና ብንጹርን ብኣወንታውን መገዲ ኸነቕርቦስ፡ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

ብሜላን ብዘይ ኣድልዎን ስበኽ

ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ” በለ።—ግብ. 17:24, 25

ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ፡ “ጐይታ ሰማይን ምድርን” ከም ዝዀነ ብሜላ ብምጥቃስ፡ ንሰማዕቱ ናብቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ ፈጣሪ ኸም ዜቕልቡ እዩ ገይሩ። እተፈላለየ ሃይማኖትን ባህልን ንዘለዎም ቅኑዓት ሰባት፡ የሆዋ ምንጪ ዅሉ ህይወት ከም ዝዀነ ንኺፈልጡ ምሕጋዝሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ!—መዝ. 36:9

ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም” በለ።—ግብ. 17:26, 27

ብኣመሃህራና ኻልኦት ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። የሆዋ ብዘይ ኣድልዎ ንዅሎም ኣህዛብ ‘ሃሰስ ኢሎም ኪረኽብዎ’ ፈቒዱሎም ኣሎ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንዝረኸብናዮም ሰባት ብዘይ ኣድልዎ ንምስክረሎም ኢና። እቶም ብፈጣሪ ዚኣምኑ ዘለኣለማዊ በረኸት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኼማዕብሉ ኽንሕግዞም ንጽዕር ኢና። (ያእ. 4:8) ነቶም ብህላወ ኣምላኽ ዚጠራጠሩኸ ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧ ነቲ ጳውሎስ ዝገደፈልና ኣብነት ብምስዓብ ኢና። ጳውሎስ ቀጺሉ እንታይ ከም ዝበለ ንርአ።

“ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፤ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ . . . እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ።”—ግብ. 17:28, 29

ጳውሎስ ሰብ ኣቴና ምእንቲ ኺሰምዕዎ ኢሉ፡ ነቲ እቶም ዚፈልጥዎምን ዚቕበልዎምን ዝነበሩ ተቐነይቲ ወይ ገጠምቲ ዚብልዎ ነገር እዩ ጠቒሱ። ንሕና እውን ሰማዕትና ዚቕበልዎ ነገር ብምጥቃስ ሓባራዊ ባይታ ኸነንጽፍ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ እቲ ጳውሎስ ንሰብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ብምባል እተጠቕመሉ ምሳሌ ሎሚ እውን ዜእምን እዩ። (እብ. 3:4) ሰባት ነዛ ቐላል ምሳሌ ኺሓስቡላ ምስ እንገብር፡ ንሓቅነት እቲ እንብሎ ንኺርድእዎ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ኣብ ዘቕረቦ መደረ እተጠቕመሉ ኻልእ ስሉጥ ኣገባብ ኣመሃህራ ኸኣ፡ ንሰማዕቲ ምድራኽ እዩ ነይሩ።

ንህጹጽነት ግዜና ኣጕልሓዮ

ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቍርና ኣሕሊፉ፡ በቲ . . . ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኵሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ” በለ።—ግብ. 17:30, 31

ኣምላኽ፡ እከይ ንግዜኡ ኺህሉ እኳ እንተ ፈቐደ፡ ኵላትና ልባዊ ድራኸና እንታይ ምዃኑ ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። ንህጹጽነት ግዜና ኸነጕልሕ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ኣብ ቀረባ እዋን እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ በረኸት ከኣ ብዜእምን መገዲ ኽንገልጽ ኣሎና።—2 ጢሞ. 3:1-5

እተፈላለየ ምላሽ

“ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጽሉ፡ ገሊኦም ከኣ፤ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ አመኑ።”—ግብ. 17:32-34

ገሊኦም ሰባት ነቲ እንምህሮ ነገር ብኡንብኡ እዮም ዚኣምኑሉ፣ ገሊኦም ግን ንኺኣምኑሉ ተወሳኺ ግዜ የድልዮም ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ሳላ እቲ እነቕርቦ ንጹርን ቀሊልን መብርሂ፡ ሓደ ሰብ ቅኑዕ ፍልጠት የሆዋ ኺረክብ እንተ ኽኢሉ፡ ኣምላኽ ንሰባት ናብ ወዱ ኸም ዚቐርቡ ኺገብሮም ስለ እተጠቕመልናስ ኣየ ኽንደይ ከነማሱ ዘይግብኣና፧—ዮሃ. 6:44

እንመሃሮ ትምህርቲ

ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ መደረ ብምስትንታን፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እንገልጸሎም ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ኣብ ጉባኤ ህዝባዊ መደረ ኸነቕርብ ፍሉይ መሰል ምስ እንረክብ፡ ኣመንቲ ዘይኰኑ ሰባት ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኡን ኪቕበሉን ዚሕግዝ ሜላ ተጠቒምና ብምዝራብ፡ ኣብነት ጳውሎስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ነቲ እንዛረቦ ሓቂ፡ ብንጹር ግን ከኣ ንእምነት እቶም ዘይኣመንቲ ሰባት ብዘየቈናጽብ መገዲ ኸነቕርቦ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ዕዮ ህዝባዊ ስብከት፡ ንመልእኽትና ብዜእምን መገድን ብሜላን ከነቕርቦ ኢና እንጽዕር። ከምኡ ብምግባር፡ ነቲ ጳውሎስ ‘ናብ ምምሃር ኣቕልብ’ ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ብሜላ ኸምኡውን ብንጹርን ቀሊልን መገዲ መሃረ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ንስምዒት እቶም እንሰብከሎም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንጳውሎስ ንመስሎ