ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም”

“ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም”

“ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም”

“ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፡ . . . ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።”—2 ጴጥ. 3:11

1. ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ክርስትያናት እዋናዊት ምዕዶ ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧

 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ኻልአይቲ መልእኽቱ ኺጽሕፋ ኸሎ፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ድሮ ብዙሕ መስጐጕቲ ኣሕሊፋ ነበረት፣ እዚ ግን ንቕንኣታ ኼዳኽሞ ዀነ ንዕቤታ ኺንክዮ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ድያብሎስ ነቲ ኣቐዲሙ ደጋጊሙ እተጠቕመሉ እሞ፡ ኣስላጢ ዀይኑ ዝረኸቦ ኻልእ ሜላ ኺጥቀም ጀመረ። ከምቲ ጴጥሮስ ዝገለጾ፡ ሰይጣን ነቶም ‘ዝሙት ዝመልኣ ኣዒንትን ስስዐ ዝለመደ ልብን ዘለዎም’ መምህራን ሓሶት ተጠቒሙ ንህዝቢ ኣምላኽ ኪብክሎም ፈተነ። (2 ጴጥ. 2:1-3, 14፣ ይሁ. 4) ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ፡ ንኣምላኽ እሙን ክትከውን ዚሕግዝ ምኽሪ ዝሓዘት ምዃና እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

2. ካልኣይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 3 ኣብ ምንታይ ዘተኰረት እያ፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፧

2 ጴጥሮስ፡ “እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸም ዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርአየኒ አሎ። ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኵሉ ጊዜ ነዚ ኽትዝክርዎ ኢለ እጽዕር አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥ. 1:13-15) ግዜ ሞቱ ኸም ዝኣኸለ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ እዋናዊ ምዕዶኡ ንሓዋሩ ኺዝከር እዩ ዚብህግ ነይሩ። ከምቲ ድሌቱ ድማ፡ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ፣ ሎሚ ኸኣ ኵልና ኸነንብቦ ንኽእል ኢና። ብፍላይ ካልኣይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 3፡ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ጥፍኣት እቲ ምሳልያዊ ሰማያትን ምድርን ዘተኰረት ስለ ዝዀነት፡ ኣዝያ ተገድሰና እያ። (2 ጴጥ. 3:3, 7, 10) እሞኸ ጴጥሮስ እንታይ ንዓና ዚኸውን ምኽሪ እዩ ሂቡ ዘሎ፧ ንምኽሩ ኣብ ግብሪ ምውዓልከ ስምረት የሆዋ ንኽንረክብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3, 4. (ሀ) ጴጥሮስ እንታይ ቃል ኣጋንኖኣዊ ዘረባ እዩ እተዛረበ፧ እንታይ መጠንቀቕታኸ እዩ ዝሃበ፧ (ለ) እንታይ ሰለስተ ነጥብታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ጴጥሮስ፡ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም መኺኻ ኸም እትፈላለ ድሕሪ ምግላጹ፡ “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” በለ። (2 ጴጥ. 3:11, 12) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሕቶ ኣይኰነን ዚሓትት ነይሩ፣ የግዳስ፡ ንተግባር ዚድርኽ ሓሳብ፡ ማለት ቃል ኣጋንኖኣዊ ዘረባ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ጴጥሮስ፡ እቶም ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩን ኣምላኻዊ ባህርያት ዜንጸባርቑን ሰባት ጥራይ ካብታ “መዓልቲ ሕነ” ኸም ዚድሕኑ ይፈልጥ ነበረ። (ኢሳ. 61:2) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ፡ በስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ [መምህራን ሓሶት] ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ” በለ።—2 ጴጥ. 3:17

4 ጴጥሮስ ካብቶም ‘ቅድም ዝፈለጡ’ ብምዃኑ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ክርስትያናት ንንጽህናኦም ንምሕላው ኪጥንቀቑ ኸም ዘለዎም ይፈልጥ ነበረ። ጸኒሑ ድማ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምኡ ኺገብሩሉ ዜድልየሉ ምኽንያት ብንጹር ገለጸ። ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ካብ ሰማይ ዚድርበየሉን ኣብ ልዕሊ እቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” “ብብርቱዕ ቍጥዓ” ዚወርደሉን እዋን፡ ራእይ ረኣየ። (ራእ. 12:9, 12, 17) እቶም ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ቕቡኣትን እሙናት ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ”ን ኪዕወቱ እዮም። (ዮሃ. 10:16) እሞኸ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ንጽህናና ኽንሕሉ ዲና፧ (1) ኣምላኻዊ ባህርያት እንተ ኣማዕቢልና፡ (2) ብስነ-ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን እንተ ተመላሊስና፡ (3) ብዛዕባ ፈተናታት ግቡእ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ነዚ ነጥብታት እዚ እስከ ንመርምሮ።

ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል

5, 6. እንታይ ባህርያት ንኸነማዕብል ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ እዚኸ ‘ተጋድሎ’ ዚሓትት ስለምንታይ እዩ፧

5 ጴጥሮስ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።”—2 ጴጥ. 1:5-8

6 እወ፡ ኣብቲ ኣምላኻዊ ባህርያት ከነማዕብል ዚሕግዘና ንጥፈታት ንምክፋል ‘ክንጋደል’ ኣሎና። ንኣብነት፡ ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ፡ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ከምኡውን ንመደብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብስሩዕ ምክያድ፡ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ብዘይካዚ፡ ስሩዕን ባህ ዜብልን ትርጕም ዘለዎን ኣምልኾ ስድራ ቤት ንምግባር፡ ጻዕርን ጽቡቕ መደብን የድሊ እዩ። ሓንሳእ ጽቡቕ ልማድ ምስ ኣጥረና፡ ምናዳ ኸኣ ጥቕሙ ምስ ኣስተማቐርናዮ፡ እናቐለለና እዩ ዚኸይድ።

7, 8. (ሀ) ገሊኦም ኣሕዋት ብዛዕባ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዮም ዝበሉ፧ (ለ) ካብ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ ጥቕሚ ትረኽቡ ኣለኹም፧

7 ሓንቲ ሓብቲ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ብዚምልከት፡ “ብዛዕባ እተፈላለዩ ነገራት ንኽንመሃር ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ” በለት። ካልእ ሓብቲ ድማ፡ “ሓቂ ንምዝራብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ኣዝየ ዝፈትዎ ኣኼባ ስለ ዝነበረ፡ ኬቋርጽ ኣይደለኽዎን ነይረ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ክንገብር ምስ ጀመርና ግን፡ የሆዋ እንታይ ከም ዜድልየና ፈሊጡ በብግዜኡ ነዚ ነገራት እዚ ኸም ዜማልኣልና ተረዳእኩ” ብምባል ተዛረበት። ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ “ኣምልኾ ስድራ ቤት ሓለፍ ብዝበለ መገዲ እዩ ሓጊዙና። ሰብ ሓዳር ከም ምዃንና መጠን፡ ምስቲ ዜድልየና ነገራት ዚሰማማዕ መደብ ክንገብር ምኽኣልና ኣሐጒሱና እዩ። ክልቴና ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍራይ ምምሕያሽ ዝገበርና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና፣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ድማ ኣብ ኣገልግሎትና ሓጐስ ንረክብ ኣሎና” በለ። ካልእ ርእሲ ስድራ ቤት ድማ፡ “ደቅና ባዕሎም ምርምር ይገብሩን ብዙሕ ይመሃሩን ኣለዉ፣ ነዚ ኸኣ ይፈትውዎ እዮም። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ የሆዋ ነቲ ዜተሓሳስበና ነገራት ከም ዚፈልጦን ንጸሎትና ኸም ዚምልሶን ብዝያዳ ንኽንተኣማመን ሓጊዙና እዩ” ኢሉ ገለጸ። ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ መሰናድዎ እዚ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧

8 ኣምልኾ ስድራ ቤት ብሰንኪ ንኣሽቱ ነገራት ኪተዓናቐፍ ኣይተፍቅድ። ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን፡ “ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ሰሙናት፡ ነፍሲ ወከፍ ሓሙስ መጽናዕትና ኸይንገብር ዚኽልክል ገለ ነገር እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ኪዓናቕፈና ግን ኣይፈቐድናሉን” በሉ። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ መደባትካ ኸተተዓራሪ የድልየካ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ንሓደ ሰሙን እውን እንተ ዀነ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ካብ ምግባር ኣይተቋርጽ።

9. የሆዋ ንኤርምያስ ዝደገፎ ብኸመይ እዩ፧ ካብ ኣብነቱኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

9 ነብዪ ኤርምያስ ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸቦ መንፈሳዊ ደገፍ ብሓቂ የድልዮ ኸም ዝነበረ ይርዳእን የማስወሉን ነበረ። እዚ ኸኣ ነቶም ዘይሰምዑ ህዝቢ ብቐጻሊ ንኺሰብከሎም ኣኽኣሎ። “ቃል እግዚኣብሄር . . . ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ” ድማ በለ። (ኤር. 20:8, 9) ነቲ የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፋኣ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ዝነበረ ጽንኩር እዋን ተጸሚሙ ንኺሓልፎ እውን ኣኽኢልዎ እዩ። ሎሚ፡ ብጽሑፍ ዝሰፈረ እተማልአ ቓል ኣምላኽ ኣሎና። ተጊህና ኸነጽንዖን ንሓሳብና ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ከነሰማምዖን ከለና፡ ልክዕ ከም ኤርምያስ ብሓጐስ እናተጸመምና ኣገልግሎትና ኽንቅጽልን ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ እሙናት ክንከውንን ብስነ-ምግባራዊ ይኹን ብመንፈሳዊ መዳይ ንጽህናና ኽንሕሉን ኢና።—ያእ. 5:10

“ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን” ተመላለስ

10, 11. “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን” ንኽንነብር ክንጋደል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዚኸ እንታይ ይሓትት፧

10 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብኸም ስስዐን ጾታዊ ብዕልግናን ዓመጽን ዝኣመሰለ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት እንተ ተዋሕጠት ኣየገርመናን እዩ። ሰይጣን ዚጥቀመሉ ሜላ፡ ‘ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ከተፈራርሆም እንተ ዘይክኢልካ፡ ምናልባት ከተበላሽዎም ይከኣል እዩ’ ዚብል እዩ። (ራእ. 2:13, 14) ስለዚ፡ ነቲ “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ] ኽትርከቡ ተጋደሉ” ዚብል ጴጥሮስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኣሎና።—2 ጴጥ. 3:14

11 ጴጥሮስ ነቲ “ተጋደሉ” ዚብል ኣቐዲሙ ጠቒስዎ ዝነበረ ምዕዶ፡ ኣብዚ እውን ደጊምዎ ኣሎ። ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ንጴጥሮስ ብመንፈሱ ደሪኹ ነዘን ቃላት ዘጽሓፎ የሆዋ፡ ብርኽሰት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ከይተበላሸና “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን” ንኽንነብር ክንጋደል ከም ዘሎና ይፈልጥ እዩ። ንሕና ድማ፡ ንልብና ኻብ ግጉይ ባህግታት ንኽንሕልዎ ኽንጋደል ኣሎና። (ምሳሌ 4:23፣ ያእቆብ 1:14, 15 ኣንብብ።) ነቶም ብክርስትያናዊ ናብራና ዚግረሙን ‘ዚጸርፉናን’ ሰባት እውን ጸኒዕና ኽንቃወሞም ኣሎና።—1 ጴጥ. 4:4

12. ኣብ ሉቃስ 11:13 ኸመይ ዝበለ መረጋገጺ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

12 ብምኽንያት ዘይፍጽምናና፡ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ቃልሲ እዩ ዚዀነና። (ሮሜ 7:21-25) ስለዚ፡ ኣብቲ ንዚልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱሱ ዚህብ የሆዋ እንተ ተወኪልና ጥራይ ኢና ኽንዕወት እንኽእል። (ሉቃ. 11:13) እዚ መንፈስ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ዚሰምሮ ባህርያት ንኸነማዕብል ይሕግዘና። ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና መህረሪታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ምስ መጸት እናወሰኸ ንዚኸይድ ፈታኒ ዅነታት ንኽንሰግር እውን የኽእለና።

ፈተናታት የደልድልካ

13. ኣብ ህይወትና ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንኽንጸንዕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

13 ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት ክሳዕ ዘሎና፡ እተፈላለየ ዓይነት ፈተናታት የጋጥመና እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ክንዲ እትድቈስ፡ ንምንታይ ንፈተናታት ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ እተረጋግጸሉን ኣብኡ ዀነ ኣብ ቃሉ ዘሎካ እምነት እተደልድለሉን ኣጋጣሚ ጌርካ ዘይትርእዮ፧ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩም” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 1:2-4) ብዘይካዚ፡ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም . . . ይፈልጥ እዩ” ንዚብል ቃላት እውን ዘክሮ።—2 ጴጥ. 2:9

14. እቲ ዮሴፍ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ የተባብዓካ፧

14 ነቲ ብኣሕዋቱ ናብ ባርነት እተሸጠ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። (ዘፍ. 37:23-28፣ 42:21) ብምኽንያት እቲ ዘጋጠሞ ጭከና እምነቱ ጠፊኣ ድያ፧ በቲ ዘጋጠሞ መከራ ንኣምላኽ ኣማሪሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኰይኑ ግን፡ ንዮሴፍ ዘጋጠሞ ፈተናታት በዚ ኣይተዛዘመን። ጸኒሑ፡ ንሰበይቲ ጐይታኡ ኺዕምጽ ከም ዝፈተነ ጌርካ ብሓሶት ስለ እተኸሰሰ፡ ተኣስረ። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ካብ ዝነበሮ ተወፋይነት ፈልከት ኣይበለን። (ዘፍ. 39:9-21) ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት ኬደልድሎ ስለ ዝፈቐደ፡ ብዙሕ ዓስቢ ረኸበ።

15. ካብቲ ናእሚ ዝሓደገቶ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

15 ፈተናታት ኬጕህየና፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኪደቝሰና ኸም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ዮሴፍ ከምኡ ይስምዖ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከምኡ ተሰሚዕዎም እዩ። ነታ ሰብኣያን ክልተ ደቃን ዝሞትዋ ናእሚ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። “እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ [ማለት “እተመረረት”] ደኣ በላኒ እምበር፡ ናእምስ ኣይትበላኒ” ኢላ ተዛረበት። (ሩት 1:20, 21) ናእሚ ኸምዚ እንተ ተሰምዓ ርዱእ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ልክዕ ከም ዮሴፍ፡ መንፈሳውነታ ዀነ ንጽህናኣ ሓልያ ቐጸለት። የሆዋ ድማ፡ ነዛ ኽብርቲ ሰበይቲ እዚኣ ኸሓሳ። (ሩት 4:13-17, 22) ብዘይካዚ፡ ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት፡ ንዅሉ እቲ ብሰሪ ሰይጣንን ብሰሪ እዛ እክይቲ ዓለምን ዝመጸ መከራ ኼወግዶ እዩ። እወ፡ “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ።”—ኢሳ. 65:17

16. ብዛዕባ ጸሎት ዘሎና ኣረኣእያ ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧

16 ዝዀነ ይኹን ፈተና የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪድግፈና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 8:35-39 ኣንብብ።) ሰይጣን ተስፋ ንኬቝርጸና ሒዅ እኳ እንተ በለ፡ ነቲ፡ “ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ” ዚብል ምዕዶ እንተ ስዒብናዮ፡ ኣይኪዕወትን እዩ። (1 ጴጥ. 4:7) የሱስ፡ “ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ” በለ። (ሉቃ. 21:36) እታ ኣብዚ “እናጸሌኹም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ የሱስ እተጠቕመላ ቓል፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ነቲ ብዕቱብ ዚቐርብ ዓይነት ጸሎት ተመልክት። ስለዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምሕጽንታ ምሃቡ፡ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡን ብኸመይ ከም እንርአ ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኸም ዘሎና ዜጕልሕ እዩ። ከመይሲ፡ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዝረኸቡ ሰባት ጥራይ እዮም ካብ መዓልቲ የሆዋ ዚድሕኑ።

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብንጥፈት ተኻፈል

17. እቲ እትሰብከሉ ኽሊ ኣጸጋሚ እንተ ዀይኑ፡ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ዝሓደግዎ ሰናይ ኣብነት ኪጠቕመካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

17 ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምክፋል፡ ባህ የብለና እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ዚብል ቃላት ጴጥሮስ የዘኻኽረና። (2 ጴጥ. 3:11, 12) እዚ መግለጺ እዚ፡ ተግባር ከም ዜድሊ ዚእምት እዩ። ሓደ ኻብኡ ኸኣ፡ ስብከት እቲ ብስራት እዩ። (ማቴ. 24:14) ኣብ ገሊኡ ኽልታት፡ ብምኽንያት ዘይተገዳስነት፡ ወይ ብምኽንያት ምጽራር፡ ወይ ከኣ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ዋኒኖም ትሑዛት ስለ ዚዀኑ፡ ዕዮ ስብከት ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን እንተ ዀኑ፡ ምስዚ ዚመሳሰል ኵነታት የጋጥሞም ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ኣይተሓለሉን፣ የግዳስ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መልእኽቲ ሒዞም “ብጊሓት ብጊሓት” ይኸዱ ነበሩ። (2 ዜና መዋእል 36:15, 16 ኣንብብ፣ ኤር. 7:24-26) ንኺጸንዑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ብዓይኒ ዓለም ዘይኰነስ፡ ብዓይኒ የሆዋ ይርእይዎ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ንስም ኣምላኽ ምጻር ከም ዓብዪ ኽብሪ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ ነይሮም።—ኤር. 15:16

18. ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንስም ኣምላኽ ክብ ኣብ ምባል እንታይ እጃም እዩ ዘለዎ፧

18 ንሕና እውን ንስም የሆዋን ንዕላማኡን ናይ ምእዋጅ ፍሉይ መሰል ኣሎና። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ጸላእቲ ኣምላኽ ኣብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ምስኡ ምስ ተፋጠጡ፡ ብምኽንያት ዕዮ ስብከትና፡ ብዛዕባኡ ዀነ ብዛዕባ ዕላማኡ ኸም ዘይሰምዑ ኺዛረቡ ኣይክእሉን እዮም። ልክዕ ከምቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ፈርኦን፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ኺፈልጡ እዮም። (ዘጸ. 8:1, 20፣ 14:25) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ፡ እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ብሓቂ ናቱ ወኪላት ከም ዝነበሩ ብንጹር ብምግላጽ፡ ኬኽብሮም እዩ።—ህዝቅኤል 2:5፣ 33:33 ኣንብብ።

19. ንትዕግስቲ የሆዋ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኸም እንደሊ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

19 ጴጥሮስ ኣብ ከባቢ መወዳእታ እታ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ጴጥ. 3:15) እወ፡ ንትዕግስቲ የሆዋ ኣዘውቲርና ብግቡእ ንጠቐመሉ። ብኸመይ፧ ንዕኡ ዜሐጕሶ ባህርያት ብምምዕባል፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብምምልላስ፡ ብዛዕባ ፈተናታት ግቡእ ኣረኣእያ ብምሓዝ፡ ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ትሑዛት ብምዃን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ተኻፈልቲ እቲ ምስ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ዚተሓሓዝ ዘለኣለማዊ በረኸት ንኸውን።—2 ጴጥ. 3:13

ትዝክሮዶ፧

• ኣምላኻዊ ባህርያት ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን” ክንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ካብ ዮሴፍን ናእሚን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

• ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋል ፍሉይ መሰል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣቱም ሰብኡት፡ ንስኻትኩምን ስድራ ቤትኩምን ኣምላኻዊ ባህርያት ንኸተማዕብሉ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ዮሴፍ ንፈተናታት እተዋጽኣሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧