ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሰባት ንምጥንቃቕ ብዝያዳ ኽትዓዪ ትኽእልዶ፧

ንሰባት ንምጥንቃቕ ብዝያዳ ኽትዓዪ ትኽእልዶ፧

ኤ ትሪፕ ዳውን ማርኬት ስትሪት ዘርእስታ ፊልም፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ፡ ሕ.መ.ኣ. ብዛዕባ ዝነበረ መዓልታዊ ናብራ ህይወት ሰባት ዜርኢ ማራኺት ፊልም ነበረት። ኣዳለውቲ እታ ፊልም፡ ንሓንቲ መጓዓዝያ ብሸነኽ ቅድሚታ ካሜራ ገጠሙላ እሞ፡ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ እናኸዱ ይቐርጹ ነበሩ። ኣብታ ፊልም፡ ዓረብያታት ፈረስ፡ ናይ ቀደም ማካይን፡ ከምኡውን ሰብ ዕዳጋን ጋዜጣ ዜዙሩን ሰባት መዓልታዊ ንጥፈታቶም እናገበሩ ኸለዉ ተራእዮም እዮም።

እታ ፊልም እተቐርጸት ኣብ ሚያዝያ 1906 ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ነዚ ዝያዳ ዜሕዝን ዚገብሮ ድማ፡ እታ ፊልም፡ እቲ ብ18 ሚያዝያ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ነፍሳት ዘጥፍአ፡ ነቲ ኽፋል እታ ኸተማ ድማ ዳርጋ ዘዕነወ፡ ሓደገኛ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሓውን ቀቅድሚ ምፍጻሙ እተቐርጸት ብምዃና እዩ። ገለ ኻብቶም ኣብታ ፊልም እተራእዩ ሕጕሳት ሰባት ድሕሪኡ ሒደት መዓልትታት ጥራይ እዮም ጸኒሖም። ዘመድ ሓደ ኻብቶም ኣዳለውቲ እታ ፊልም ዝዀነ ስካት ማይልስ፡ “እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት፡ እንታይ ከም ዜጋጥሞም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ብሓቂ የደንግጹኻ እዮም” በለ።

እቲ ብ1906 ሃንደበት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ብሰንኩ እተወልዐ ሓውን ንመብዛሕትኡ ታሕተዋይ ክፋል ሳን ፍራንሲስኮ ኣዕነዎ

እዚ ታሪኽ እዚ፡ ምስ ግዜና ኣጸቢቑ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ብሓቂ የደንግጹና እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነዚ እኩይ ስርዓት ዓለም ዜጥፍእ መዓት ከም ዚወርድ ምንም ከይፈለጡ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ይገብሩ ኣለዉ። እቲ ሃንደበት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘየላቡ እዩ ነይሩ፣ ንሕና ግና ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት ብዛዕባ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ንኸነጠንቅቖም ሒደት ኣጋጣሚ ኣሎና። ሰሙን ሰሙን ካብ ቤት ናብ ቤት እትኸደሉ መደብ ኪህልወካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንሰባት ንምጥንቃቕ ብዝያዳ ኽትዓዪ ትኽእልዶ፧

የሱስ ኣብኲሩ ኣይፈልጥን

የሱስ ካብ ምስባኽ ኣብኲሩ ስለ ዘይፈልጥ፡ ብሉጽ ኣብነት እዩ ገዲፉልና። ንዝረኸቦ ዘበለ ሰብ እዩ ዚሰብኽ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ መገዲ ንዘጓነፎ ኣካብ ቀረጽ ኰነ ፍርቂ መዓልቲ ንሓጺር ግዜ ኼዕርፍ ከሎ ኣብ ዔላ ንዝረኸባ ሰበይቲ ሰቢኹሎም እዩ። (ሉቃ. 19:1-5፣ ዮሃ. 4:5-10, 21-24) ንኺዘናጋዕ ወይ ንኼዕርፍ ግዜ ምስ መደበ እውን ከይተረፈ፡ ንሰባት ንኺምህር ኢሉ መደቡ ኪቕይር ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ንሰባት ይድንግጸሎም ስለ ዝነበረ፡ ምስክርነት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኺገብር ተደሪኹ እዩ። (ማር. 6:30-34) ሎሚ፡ ገሊኣቶም ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ብኸመይ ይቐድሕዎ ኣለዉ፧

ንዝረኸብዎ ዘበለ ኣጋጣሚ ይጥቀሙሉ

ሜሊካ፡ ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ዚግበረሉ ህንጻ እያ እትነብር። መብዛሕትኦም ጐረባብታ ወጻእተኛታት ተመሃሮ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ቍጽሩ ኣብ መዝገብ ተሌፎን ዘይተዘርዘረ ሞባይል ተሌፎን እዮም ዚጥቀሙ፡ ስማቶም እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ መዝገብ እቶም ነበርቲ እቲ ህንጻ ኣይተመዝገበን። ሜሊካ ነቲ እተኸፍተላ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተጠቒማ፡ ነቶም ተኻረይቲ ኣብ ኮሪዶዮ ኣብ ዚርከብ መጸበይን ኣብ ሊፍትን ክትረኽቦም ከላ መንፈሳዊ ምይይጥ ትጅምር እያ። “ነዚ ኸም ክለይ እየ ዚቘጽሮ” ድማ በለት። ሜሊካ ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተተርጐመ ጽሑፋት ትሕዝ እያ፣ ንሓያሎ ሰባት ድማ ትራክትታትን መጽሔታትን ዓዲላቶም እያ። ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ንኺርእይዎ እውን ትሕብሮም እያ። እተፈላለየ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚራ እያ።

ሶንያ ብእተኻእላ መጠን ንዝረኸበቶ ሰብ ንኽትምስክረሉ ድልውቲ እያ። ኣብ ክሊኒክ ተቘጺራ ስለ እትዓዪ፡ ንዅሎም መሳርሕታ ንኽትምስክረሎም ሸቶ ኣውጽአት። መጀመርታ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ከም ዜድልዮን እንታይ ከም ዜገድሶን ክትፈልጥ ትጽዕር። ቀጺላ፡ ናይ ምሳሕ ዕረፍታ ተጠቒማ ንነፍሲ ወከፎም በብውልቂ መንፈሳዊ ምይይጥ ንኽትገብረሎም ተናድዮም። ሳላ ኸምኡ ዝገበረት ድማ፡ ክልተ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ክኢላ እያ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ቈጸራ ሓኪም ዘለዎም፡ ዚጽበዩ ተሓከምቲ ምእንቲ ኽትዛረቦም፡ ንዕረፍታ ኣብ ኮሪድዮ እቲ ቤት ሕክምና ኸተሕልፎ እውን መደብ ኣለዋ።

ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ

ሓደ ኻብቶም ብ1906 ካብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት፡ ነቲ ባህርያዊ ሓደጋ እቲ፡ “ኣብ ሃገር ወይ ከተማ ኻብ ዘጋጠመ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘጋጠመ ሓደጋታት ምስታ ኣብቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ” ሰባት እትወርድ መዓልቲ ሕነ ኺነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ቍጽሪ ዚኣቱ ኣይኰነን። (2 ተሰ. 1:8) የሆዋ፡ ሰባት ሓሳቦምን ልቦምን ቀይሮም፡ ነቲ ብመሰኻኽሩ ኣቢሉ ዚውሃብ መጠንቀቕታ ኬቕልቡሉ፡ ልባዊ ድሌት ኣለዎ።—2 ጴጥ. 3:9፣ ራእ. 14:6, 7

መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኽትግበር ከለኻ ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ንሰባት ክትምስክረሎም ትኽእልዶ፧

ንሰባት ኣዒንቶም ከፊትካ ነዚ ጽንኩር ግዜና ኸም ዜቕልቡሉ ኽትገብርን ነቲ ስሱዕ ባህግታቶም ገዲፎም ንየሆዋ ንኺደልይዎ ኽትሕግዞምን ፍሉይ መሰል ኣሎካ። (ጸፎ. 2:2, 3) እሞኸ፡ ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ንመሳርሕትኻ፡ ንጐረባብትኻ፡ ከምኡውን መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኽትገብር ከለኻ ንእትረኽቦም ሰባት ክትምስክረሎም ትኽእልዶ፧ ንሰባት ንምጥንቃቕ ብዝያዳ ኽትዓዪ ትኽእልዶ፧