ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን—ሎሚ ብኸመይ ይጠቕሙና፧

ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን—ሎሚ ብኸመይ ይጠቕሙና፧

“ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን ኣንጻሩ ኸነተንስኣሉ ኢና።”—ሚክ. 5:5

1. እቲ ሶርያን እስራኤልን ብስምረት ዝገበርዎ ውዲት ምፍሻሉ ዘይተርፍ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ መንጎ 762 ቅ.ክ. ከምኡውን 759 ቅ.ክ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ሶርያን ኣብ መንግስቲ ይሁዳ ውግእ ኣወጁ። ሸቶኦምከ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንየሩሳሌም ወሪሮም፡ ንንጉስ ኣሃዝ ካብ ዝፋኑ ኣውሪዶም፡ ብኻልእ፡ ምናልባት እውን ካብ መስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት ብዘይኰነ ሰብ ኪትክእዎ እዩ ነይሩ። (ኢሳ. 7:5, 6) ይኹን እምበር፡ እቲ ውጥን እቲ ኺሰልጥ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። የሆዋ፡ ኣብ ዝፋኑ ዚድይብ ሰብ ወትሩ ኻብ መስመር ወለዶ ዳዊት ከም ዚኸውን ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ድማ ከይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ።—እያ. 23:14፣ 2 ሳሙ. 7:16

2-4. ኢሳይያስ 7:14, 16፡ (ሀ) ኣብ ሻሙናይ ዘመን ቅ.ክ. ብኸመይ ከም እተፈጸመት ግለጽ። (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ብኸመይ ከም እተፈጸመት ግለጽ።

2 ፈለማ፡ ሶርያን እስራኤልን ዚዕወቱ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብ ሓደ ውግእ ጥራይ፡ 120,000 ሓያላት ተዋጋእቲ ሰብ ኣሃዝ ተቐትሉ። ማዓስያ “ወዲ ንጉስ” እውን ተቐትለ። (2 ዜና 28:6, 7) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ይርኢ ነይሩ እዩ። ነቲ ንዳዊት ዝኣተወሉ መብጽዓ ድማ ዘከሮ። ስለዚ ድማ፡ ንነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣዝዩ ዜተባብዕ መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ለኣኾ።

3 ኢሳይያስ፡ “እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ። . . . እቲ ቘልዓ ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ከይፈለጠ፡ ሃገር እቶም እትፈርሆም ዘሎኻ ኽልተ ነገስታት [ሶርያን እስራኤልን] ክትሕደግ እያ” በለ። (ኢሳ. 7:14, 16) ቀዳማይ ክፋል እቲ ትንቢት ንውልደት እቲ መሲሕ ከም ዜመልክት ፍሉጥ እዩ። (ማቴ. 1:23) ግናኸ፡ እቶም “ክልተ ነገስታት፡” ማለት ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ንይሁዳ ዜስግኡ ስለ ዘይነበሩ፡ እቲ ብዛዕባ ኣማኑኤል እተነግረ ትንቢት ቀዳማይ ፍጻሜኡ ኣብ ግዜ ኢሳይያስ ረኺቡ ኪኸውን ኣለዎ።

4 ኢሳይያስ ነዚ ኣገዳሲ ምልክታ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፡ ማሀር-ሻላል-ሃሽ-ባዝ (ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ) ዝስሙ ወዲ ወለደትሉ። እዚ ቘልዓ እዚ፡ እቲ ኢሳይያስ፡ “ኣማኑኤል” ኢሉ ዝጠቐሶ ወዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። * ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጻን ምስ ተወልደ፡ ምናልባት ነቲ ፍሉይ ኣጋጣሚ ንምኽባር ተባሂሉ ስም ይውሃቦ እሞ፡ ወለዱን ኣዝማዱን ግና ብኻልእ ስም ይጽውዕዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (2 ሳሙ. 12:24, 25) የሱስ፡ “ኣማኑኤል” ተባሂሉ ኸም እተሰምየ ዚገልጽ መርትዖ የልቦን።—ኢሳይያስ 7:14፣ 8:3, 4 ኣንብብ።

5. ንጉስ ኣሃዝ እንታይ ናይ ዕሽነት ውሳነ እዩ ገይሩ፧

5 እስራኤልን ሶርያን ኣብ ይሁዳ ኼተኵሩ ኸለዉ፡ ሓንቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝነበራ ኻልእ ሃገር እውን ንይሁዳ ኽትወርራ ትህንጠ ነበረት። እታ ሃገር እቲኣ ኸኣ፡ እታ ሽዑ እትትንስእ ዝነበረት ሓይሊ ዓለም ኣሶር እያ። ኣሶር፡ ንደቡባዊ መንግስቲ ይሁዳ ቕድሚ ምጥቃዓ፡ “ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን” ከም እትወስድ፡ ኣብ ኢሳይያስ 8:3, 4 ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ። እቲ ጠላም ዝነበረ ኣሃዝ፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ብኢሳይያስ እተነግረ ቓል ኣምላኽ ዚእመን፡ ምስ ኣሶራውያን ሓደገኛ ኺዳን ኣተወ። ብሰንኪ እዚ፡ ኣሶራውያን ንሰብ ይሁዳ ኺጭቍንዎም ጀመሩ። (2 ነገ. 16:7-10) ኣሃዝ ነቲ ኸም ጓሳ ይሁዳ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ዘይምፍጻሙ ዜጕሂ እዩ። ንሕና እውን፡ ‘ኣገዳሲ ውሳነ ኽገብር ከለኹ፡ ብኣምላኽ ድየ ዝእመን ወይስ ብሰባት፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ይግባእ።—ምሳ. 3:5, 6

ካልእ መገዲ ዝሰዓበ ሓድሽ ጓሳ

6. ህዝቅያስ ካብ ኣሃዝ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

6 ኣሃዝ ብ746 ቅ.ክ. ሞተ፡ ወዱ ህዝቅያስ ከኣ ነታ ብስጋውን ብመንፈሳውን መዳይ ጠፊሻ ዝነበረት መንግስቲ ይሁዳ ወረሳ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ንጉስ ኣብ ዝፋን ምስ ደየበ፡ ነየናይ እዩ ቐዳምነት ሂቡ፧ ነቲ ኣንቈልቊሉ ዝነበረ ቝጠባዊ ዅነታት ይሁዳ ንኼደንፍዕ ድዩ ጽዒሩ፧ ኣይፋሉን። ህዝቅያስ መንፈሳዊ ሰብ፡ ማለት ብቑዕ ጓሳ ህዝቡ እዩ ነይሩ። መጀመርታ፡ ንጹህ ኣምልኾ ንኺምስርትን ነቲ ፋሉል ከይዱ ዝነበረ ህዝቢ ምስ የሆዋ ኸም ዚዕረቕ ንኺገብርን እዩ ጽዒሩ። ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ምስ ተገንዘበ ድማ ወሳኒ ስጕምቲ ወሰደ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ገዲፉልና!—2 ዜና 29:1-19

7. ሌዋውያን፡ እቲ ሓድሽ ንጉስ ከም ዚድግፎም ዚሕብር መረጋገጺ ዜድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

7 ሌዋውያን ኣብቲ ንንጹህ ኣምልኾ ንምምላስ እተገብረ ኣገዳሲ ዕዮ ዓብዪ ግደ ስለ ዝነበሮም፡ ህዝቅያስ ከም ዚድግፎም ንኼረጋግጸሎም ኢሉ፡ ምሳታቶም ኣኼባ ገበረ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ እተረኽቡ እሙናት ሌዋውያን፡ ንጉሶም ‘ንእኡ ኸተገልግሉ እሞ፡ ኣገልገልቱ ዄንኩም፡ ኣብ ቅድሚኦም ደው ክትብሉ፡ የሆዋ ንኣኻትኩም ሓርዩ እዩ’ ምስ በሎም፡ ብሓጐስ እተላዕለ ኺነብዑ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (2 ዜና 29:11) እወ፡ ሌዋውያን ንጹህ ኣምልኾ ንኼደንፍዑ ንጹር ትእዛዝ እዩ ተዋሂብዎም ነይሩ።

8. ህዝቅያስ ንመንፈሳውነት እቲ ህዝቢ ንኼደልድል፡ እንታይ ተወሳኺ ስጕምቲ ወሰደ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

8 ህዝቅያስ ንዅሎም ይሁዳን እስራኤልን ናብ ሓደ ዓብዪ በዓል ፋስጋ ኣከቦም። ደድሕሪኡ ኸኣ፡ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። እቶም ህዝቢ በቲ በዓል ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ፡ ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ እውን ኣብዓሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ዘመን ሰሎሞን፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ የሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኰነ” ይብል። (2 ዜና 30:25, 26) እቲ መንፈሳዊ በዓልሲ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ጦብላሕታ ዀን እዩ ኣሕዲሩሎም! ካልኣይ ዜና መዋእል 31:1፡ ‘እዚ ዅሉ ምስ ተፈጸመ ኸኣ፡ ብዘለዉ እስራኤል ነቲ ኣዕኑድ ሰበርዎ፡ ንኣስታርቴታት ድማ ቈራረጽዎ፡ ነቲ በረኽትን መሰውኢታትን እውን ኣፍረስዎ’ ትብል። በዚ ኸምዚ ሰብ ይሁዳ ናብ የሆዋ ተመልሱ። ነቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ህዝቢ ኸምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ጽሬት ምግባሩ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።

ንጉስ ህዝቅያስ ንመዓልቲ ጸበባ ተዳለወ

9. (ሀ) ውጥን እስራኤል ብኸመይ እዩ ፈሺሉ፧ (ለ) ሰናክሬብ ኣብ ይሁዳ ፈለማ እተዓወተ ብኸመይ እዩ፧

9 ከምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ፡ ኣሶራውያን ንሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ስዒሮም ነቶም ተቐማጦ ሰጐጕዎም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ እስራኤል ንሓደ ዘይግብኦ ሰብ ኣብ ዝፋን ዳዊት ንኸተንግስ ዝገበረቶ ውጥን ፈሸለ። ውጥን ኣሶራውያንከ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣሶራውያን ኣብ ይሁዳ ኼተኵሩ ጀመሩ። “ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ድማ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ናብ ኵለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሐዘን።” ሰናክሬብ ብጠቕላላ 46 ከተማታት ይሁዳ ኸም ዝማረኸ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ የሩሳሌም ትነብር ኔርካ እንተ ትኸውንሲ፡ እንታይ ኪስምዓካ ኸም ዚኽእል ሕስብ እሞ ኣብሎ። ከተማታት ይሁዳ በብሓደ ኣብ ኢድ እቲ ዚግስግስ ዝነበረ ሰራዊት ኣሶር ኪወድቃ ኸለዋ፡ እቶም ሰራዊት ናብ ቤትካ እውን እናቐረቡ ኺመጹ ኸለዉ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።—2 ነገ. 18:13

10. እተን ኣብ ሚክያስ 5:5, 6 ዚርከባ ቓላት ንህዝቅያስ ኣተባቢዐናኦ ኪዀና ዚኽእላ ስለምንታይ እየን፧

10 ህዝቅያስ፡ ብዛዕባ እቲ እናቐረበ ዝመጾ ዝነበረ ሓደጋ ፈሊጡ እኳ እንተ ነበረ፡ ከም ኣቦኡ ኣሃዝ፡ ካብ ሓንቲ ኣረማዊት ሃገር፡ ሓገዝ ኪረክብ ኣይፈተነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብየሆዋ ተኣመነ። (2 ዜና 28:20, 21) ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ነብዪ ሚክያስ፡ ‘እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ንሕና ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንቲ ሰብን ኣንጻሩ ኸነተንስኣሉ ኢና። ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ ኼጥፍእዋ እዮም’ ብምባል ብዛዕባ ኣሶር እተነበዮ ቓላት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሚክ. 5:5, 6) እዘን ቃላት እዚአን፡ ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ሰራዊት ኣንጻር ኣሶራውያን ከም ዚትንስእን ነቶም ጸላእቲ ኸም ዚስዕሮምን ዚሕብራ ብምዃነን፡ ህዝቅያስ ተተባቢዑ ኪኸውን ኣለዎ።

11. እቲ ብዛዕባ እቶም ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን ዚገልጽ ትንቢት፡ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ዚረክብ መዓስ እዩ፧

11 እቲ ብዛዕባ እቶም ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን እተነግረ ትንቢት፡ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ዚረክብ፡ እቲ “ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ዝዀነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን” የሱስ ምስ ተወልደ፡ ነዊሕ ጸኒሑ እዩ። (ሚክያስ 5:1, 2 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ፡ ህልውና ኣገልገልቲ የሆዋ ብዘመናዊ “ኣሶራዊ” ኣብ ሓደጋ ኣብ ዚወድቀሉ እዋን እዩ። የሆዋ ኸመይ ዝበለ በቲ ሕጂ ዚገዝእ ዘሎ ወዱ ዚምራሕ ሓይሊ እዩ ኣንጻር እዚ ዜፍርህ ሰራዊት እዚ ኼሰልፍ፧ ቀጺልና ኽንርእዮ ኢና። መጀመርታ ግና፡ ህዝቅያስ ብኣሶራውያን መጥቃዕቲ ምስ ወረዶ ኻብ ዝወሰዶ ስጕምቲ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ንመርምር።

ህዝቅያስ ግብራዊ ስጕምቲ ወሰደ

12. ህዝቅያስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምዕቋብ እንታይ ስጕምቲ እዮም ወሲዶም፧

12 የሆዋ፡ ክንገብሮ ዘይንኽእል ነገር ንኺገብረልና ወትሩ ፍቓደኛ እኳ እንተ ዀነ፡ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ክንገብር ግና ይጽበየና እዩ። ህዝቅያስ፡ “ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ፡” ብሓባር ኰይኖም ከኣ፡ “እቲ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ዘሎ ማያት ኣብ ዓዓይኑ ኺድፈን” ወሰኑ። ብዘይካዚ፡ ህዝቅያስ፡ ‘ተቢዑ ንብዘሎ እቲ ፈሪሱ ዝነበረ መንደቕ ነደቖ፡ ነቲ ግምብታት ከኣ ኣንውሖ፡ ኣብ ወጻኢኡ ድማ ካልኣይ መንደቕ ነደቐ። ብዙሕ መሳርያታትን ዋላቱን ድማ ገበረ።’ (2 ዜና 32:3-5) የሆዋ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ህዝቡ ንኼዕቍብን ንኺጓስን፡ ሓያሎ ጀጋኑ ሰባት ተጠቕመ። ንሳቶም ከኣ፡ ህዝቅያስን መሳፍንትን እቶም ብመንፈስ ድልዱላት ዝነበሩ ነብያትን እዮም።

13. ህዝቅያስ ነቶም ህዝቢ ነቲ ዝመጾም ዝነበረ መጥቃዕቲ ንኼዳልዎም ካብ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ኣየናይ እዩ ነይሩ፧ ግለጽ።

13 ህዝቅያስ ቀጺሉ፡ ነቲ ማያት ካብ ምድፋን ወይ ነቲ መናድቕ ካብ ምህናጽ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ነገር ገበረ። ግዱስ ጓሳ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ህዝቢ ኣኪቡ፡ “ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር . . . ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን። እቲ ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ እዩ፡ እቲ ኺረድኣናን ውግእና ኺዋግኣልና ምሳና ዘሎ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ” ብምባል፡ መንፈሳዊ ምትብባዕ ሃቦም። እዝስ የሆዋ ንህዝቡ ኺዋጋእ ምዃኑ ዚሕብር፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ እምነት ዜደልድል መዘኻኸሪ ዀን እዩ! እቲ ህዝቢ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “በቲ ዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሀድኤ።” ከም ዚሃድእ ዝገበሮ፡ “ዘረባ ህዝቅያስ” ምዃኑ ኣስተብህል። ከምቲ የሆዋ ብነብዪኡ ኣቢሉ እተዛረቦ፡ ህዝቅያስን መሳፍንቱን ጀጋኑ ሰባትን ነብዪ ሚክያስን ነብዪ ኢሳይያስን፡ ንፉዓት ጓሶት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።—2 ዜና 32:7, 8፣ ሚክያስ 5:5, 6 ኣንብብ።

ቃላት ህዝቅያስ ነቲ ህዝቢ ኣትብዖ (ሕጡብ ጽሑፍ 12ን 13ን ርአ)

14. ረብሳቄ እንታይ እዩ ኢሉ፧ እቶም ህዝቢኸ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

14 ንጉስ ኣሶርን ሰራዊቱን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ከተማ ላኪሽ ሰፈሩ። ካብኣ ድማ ሰለስተ ልኡኻት ሰዲዱ፡ እታ ኸተማ ኢዳ ኽትህብ ኣዘዘ። እቲ ረብሳቄ ብዚብል ወግዓዊ ስም ዚጽዋዕ ዝነበረ ኣፈኛኡ ድማ እተፈላለየ ሜላታት ተጠቕመ። ብቛንቋ እብራይስጢ ተጠቒሙ፡ ነቶም ህዝቢ ብምሾት ኪነብሩሉ ኣብ ዚኽእሉ ቦታ ኸም ዚወስዶም ብሓሶት ብምምብጻዕ፡ ንንጉሶም ከዲዖም ንኣሶራውያን ኢዶም ኪህቡ ተማሕጸኖም። (2 ነገስት 18:31, 32 ኣንብብ።) ኣስዒቡ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ንኣምለኽቶም ኬድሕንዎም ዘይከኣሉ፡ የሆዋ እውን ንኣይሁድ ካብ ኢድ ኣሶራውያን ኬድሕኖም ከም ዘይክእል ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ነዚ ዜካፍእ ፕሮፖጋንዳ ምላሽ ኪህቡሉ ዘይምፍታኖም ጥበባዊ እዩ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ኣብነት እዚ ይስዕብዎ እዮም።—2 ነገስት 18:35, 36 ኣንብብ።

15. ካብ ተቐማጦ የሩሳሌም እንታይ እዩ ዚድለ ነይሩ፧ የሆዋ ነታ ኸተማ ብኸመይ እዩ ኣድሒንዋ፧

15 ህዝቅያስ ተረቢሹ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ሓገዝ ኪውሃቦ ግና ኣይሓተተን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ኪረክብ ለመነ። ኢሳይያስ ድማ ንህዝቅያስ፡ “ንሱ [ሰናክሬብ] ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይአትዋን እዩ፡ ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይውርውርን [እዩ]” በሎ። (2 ነገ. 19:32) ተቐማጦ የሩሳሌም ኣብ መትከሎም ኪጸንዑ ጥራይ እዩ ዚድለ ነይሩ። የሆዋ ንይሁዳ ኺዋግኣላ ምዃኑ ቓል ኣተወ። ተዋጊኡላ ድማ እዩ። “ኰነ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጸ እሞ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተለ።” (2 ነገ. 19:35) ይሁዳ ኽትድሕን ዝኸኣለት፡ ህዝቅያስ ንማያት እታ ኸተማ ብምድፋኑ፡ ወይ መናድቓ ብምህናጹ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኢዱ ስለ ዘእተወ እዩ።

ንግዜና ዚኸውን ትምህርቲ

16. ኣብዚ ግዜ እዚ፡ (ሀ) ዜጋታት የሩሳሌም ንመን የመልክቱ፧ (ለ) እቲ “ኣሶራዊ” ንመን የመልክት፧ (ሐ) እቶም ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን ንመን የመልክቱ፧

16 እቲ ብዛዕባ እቶም ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን ዚገልጽ ትንቢት፡ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ኣብ ግዜና እዩ ዚረክብ። ዜጋታት ጥንታዊት የሩሳሌም ብኣሶራውያን ተጠቒዖም ነይሮም እዮም። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ድማ፡ እቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ዚመስሉ ህዝቢ የሆዋ፡ በቲ ምሉእ ብምሉእ ኬጽንቶም ዚደሊ ኣብ ግዜና ዘሎ “ኣሶራዊ” ኺጥቅዑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ እዝን ብዛዕባ መጥቃዕቲ “ጎግ ማጎግ”ን መጥቃዕቲ “ንጉስ ሰሜን”ን መጥቃዕቲ “ነገስታት ምድር”ን ይገልጽ እዩ። (ህዝ. 38:2, 10-13፣ ዳን. 11:40, 44, 45፣ ራእ. 17:14፣ 19:19) እዚ ጥቕስታት እዚ ንእተፈላለየ መጥቃዕትታት ድዩ ዚሕብር፧ ግድን ከምኡ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ንሓደ መጥቃዕቲ ጥራይ ዚሕብር እተፈላለየ ስማት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ትንቢት ሚክያስ፡ የሆዋ ኣንጻር እቲ ዘየናሕሲ ጸላኢ ዝዀነ “ኣሶራዊ” ኸመይ ዝበለ ሰራዊት ከም ዜተንስእ እያ እትሕብር፧ “ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን።” (ሚክ. 5:5) እቶም ጓሶትን መሳፍንትን ንሽማግለታት ጉባኤ እዮም ዜመልክቱ። (1 ጴጥ. 5:2) ሎሚ የሆዋ ነተን ክቡራት ኣባጊዑ ዚጓስዩን ነቲ ዚመጽእ መጥቃዕቲ እቲ ዘመናዊ “ኣሶራዊ” ዜዳልዉወንን ሓያሎ መንፈሳውያን ሰብኡት ሂቡ እዩ። * ትንቢት ሚክያስ፡ እዞም ጓሶት እዚኦም፡ “ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ” ኸም ዜጥፍእዋ ወይ ከም ዚጓስይዋ ተነብዩ እዩ። (ሚክ. 5:6) ሓደ ኻብቲ ‘ኣጽዋር ውግኦም’ ድማ፡ “ናይ መንፈስ ሰይፊ፡” ማለት ቃል ኣምላኽ እዩ።—2 ቈረ. 10:4፣ ኤፌ. 6:17

17. ሽማግለታት ካብቲ ዝረአናዮ ጸብጻብ እንታይ ኣርባዕተ ትምህርቲ እዮም ኪቐስሙ ዚኽእሉ፧

17 ነዛ መጽሔት እዚኣ ዜንብብዋ ሽማግለታት ካብቲ ዝረአናዮ ጸብጻብ እዚ ዚስዕብ ጠቓሚ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም፦ (1) ነቲ ዚመጽእ መጥቓዕቲ “ኣሶራዊ” ተዳሊና ንኽንጸንሕ ክንወስዶ እንኽእል ዝያዳ ግብራዊ ስጕምቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ምድልዳልን ንኣሕዋትና ኸምኡ ኺገብሩ ምሕጋዝን እዩ። (2) “ኣሶራዊ” ኼጥቅዕ ኸሎ፡ ሽማግለታት፡ የሆዋ ኸም ዜድሕነና ምሉእ ብምሉእ ኪኣምኑ ኣለዎም። (3) ምስናይዚ እውን፡ እቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃበና ህይወት ዜድሕን መምርሒ ብዓይኒ ሰብ ዘይጠቅም መሲሉ ኺርአ ይኽእል እዩ። እቲ ዚውሃበና መምርሒ ብዓይኒ ስትራተጂ ወይ ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ ዜተኣማምን ይምሰል ኣይምሰል ብዘየገድስ፡ ንኽንእዘዝ ድሉዋት ክንከውን ይግባእ። (4) እቶም ኣብ ዓለማዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ስጋዊ ነገራት፡ ወይ ኣብ ሰብኣዊ ትካላት ዚውከሉ ሰባት ኣተሓሳስባኦም ዜዐርዩሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ሽማግለታት ነቶም ሎሚ ኣብ እምነቶም ዚወላወሉ ሰባት ንኺሕግዝዎም ድሉዋት ኪዀኑ ይግባእ።

18. ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ እዚ ምስትንታንና፡ ኣብ ዚመጽእ ኪጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

18 ልክዕ ከምቲ እቶም ብግዜ ህዝቅያስ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ መከላኸሊ ዘይብሎም ዚመስሉ ዝነበሩ፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን መከላኸሊ ዘይብሎም መሲሎም ዚርኣዩሉ ግዜ ኺመጽእ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንቓላት ህዝቅያስ ምዝካርና ንእምነትና ኼደልድላ ይኽእል እዩ። ምስ ጸላእትና ዘሎ፡ ‘ቅልጽም ስጋ ምዃኑ፡ እቲ ኺረድኣናን ውግእና ኺዋግኣልናን ምሳና ዘሎ ግና የሆዋ ኣምላኽና ምዃኑ’ ኣይንረስዕ።—2 ዜና 32:8

^ ሕ.ጽ. 4 እታ ኣብ ኢሳይያስ 7:14 “ድንግል” እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንምርዕውቲ ሰበይቲ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ስለዚ፡ እታ ቓል እቲኣ ንሰበይቲ ኢሳይያስን ነታ ኣይሁዳዊት ዝነበረት ድንግል ማርያምን ከተመልክት ትኽእል እያ።

^ ሕ.ጽ. 16 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍጽሪ ሸውዓተ ንምልኣት ንምምልካት ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ኣሎ። ቍጽሪ ሸሞንተ (ካብ ሸውዓተ ብሓደ ዚዛይድ) ሓድሓደ ግዜ ብዝሒ ኼመልክት ይኽእል እዩ።