ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሚያዝያ 2014

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ከም ናይ ሙሴ ዝዓይነታ እምነት ብኸመይ ከነርኢ ኸም እንኽእል ትገልጽ። የሆዋ ንሓላፍነት ስድራ ቤት ብኸመይ ይርእዮ፧ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንኽንፍጽሞኸ ብኸመይ ይሕግዘና፧

ንእምነት ሙሴ ቕድሓያ

እምነት ንሙሴ፡ ስጋዊ ባህግታት ንኺነጽግን ነቲ እተዋህቦ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ንኽርእዮን ሓጊዛቶ እያ። ሙሴ “ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ” ዝጠመተ ስለምንታይ እዩ፧

“ነቲ ዘይርአ” ትርእዮ ዲኻ፧

ንሙሴ፡ እታ ኣብ የሆዋ ዝነበረቶ እምነት፡ ካብ ፍርሂ ሰብ ዘዕቈበቶን ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ንኺኣምን ዝሓገዘቶን ብኸመይ እያ። ንየሆዋ ኸም ሓደ ኺሕግዘካ ዚህንጠ ኣምላኽ ጌርካ ምእንቲ ኽትርእዮ፡ ንእምነትካ ኣደልድላ።

ታሪኽ ህይወት

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት፡ ናበይ ከም ዝመርሓኒ

ሮበርት ዋለን ነቲ ን65 ዓመት ዘሕለፎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምልስ ኢሉ ኺሓስበሉ ኸሎ፡ በረኸትን ዕላማን ዘለዎ ህይወት ምዃኑ ዝገለጸሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ርአ።

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን

ገሊኣቶም ዝያዳ ገንዘብ ንምርካብ ናብ ወጻኢ ሃገር ግዒዞም እዮም። ንስራሕ ኢልካ ተፈላሊኻ ምንባር፡ ንሓዳርን ንውሉዳትን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

ኣጆኻ! የሆዋ ረዳኢኻ እዩ

ሓደ ኣቦ ንስራሕ ኢሉ ኻብ ስድራ ቤቱ ተፈልዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ብኸመይ ንናብራ ስድራ ቤቱ ኣተዓራርይዎ፧ የሆዋ ነቲ ኣቦ፡ ኣብ ትሑት ቍጠባዊ ዅነታት ንስድራ ቤቱ ንኺድግፋ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

ኣዒንቲ የሆዋ ዚቋመታኻ ምዃነን ተማስወሉ ዲኻ፧

የሆዋ ብዛዕባና ኸም ዚግደስ ዜርእየሉ ሓሙሽተ መገድታት መርምር፣ ካብ ውልቃዊ ኣቓልቦኡ ብኸመይ ከም እንጥቀም ድማ ርአ።

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደይመደይ ኢልካ ኽዳንካ ምቕዳድ እንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧