ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ለካቲት 2015

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 6 ሚያዝያ ኽሳዕ 3 ግንቦት 2015 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ንጃፓን እተዳለወት እተስደምም ውህበት

‘መጽሓፍ ቅዱስ—ማቴዎስ ዝጸሓፎ ወንጌል’ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ጃፓን ወጸት። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እንታይ ነገራት ሒዛ ኣላ፧ ስለምንታይ እያ ተዳልያ፧

ንትሕትናን ንርሕራሐን የሱስ ቅድሓዮ

1 ጴጥሮስ 2:21፡ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ከም ዘሎና ትገልጽ እያ። ዘይፍጹማት ክነስና፡ ንትሕትናን ንርሕራሐን የሱስ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንትብዓትን ንምስትውዓልን የሱስ ቅድሓዮ

በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸብጻብ ኣቢልና፡ ብዛዕባ ባህርያት የሱስ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ነቲ ዝነበሮ ትብዓትን ምስትውዓልን ብምቕዳሕ፡ ብኸመይ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ዓቅብ

ብስራት መንግስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዚዕየ ዘሎ ዝያዳ ኣገዳሲ ዕዮ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እሞኸ፡ ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ንምዕቃብን ንምጕህሃርን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ኣህዛብ “ትምህርቲ የሆዋ” ንኺረኽቡ ምድላዎም

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ክሳዕ ክንደይ እዮም ዕዉታት ነይሮም፧ ዕዮ ስብከት ካብ ካልእ እዋናት ንላዕሊ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቀሊል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ዕዮና ይመርሖ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ንኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ብስራት ኣብ መላእ ዓለም ብውጽኢታዊ መገዲ ንኺሰብኩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ነቶም ብርቱዕ ጨና ወይ ሽቱ ኣዝዩ ዜሸግሮም ኣሕዋትን ኣሓትን ንምሕጋዝ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ ሓንቲ ኣስፋሒት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እያ ርእሳ እትጕልበብ፧

ካብ መዛግብትና

“ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ”

ዛዮንስ ዎች ታወር ነቲ በዓል ዝኽሪ ዚበዓለሉ እዋን፡ “ኣዝዩ ኽቡር ወቕቲ” ኢላ ጸውዓቶ፣ ንኣንበብታ ድማ ነቲ በዓል ንኼብዕልዎ ኣተባብዓቶም። ቀደም በዓል ዝኽሪ ብኸመይ እዩ ዚበዓል ነይሩ፧