ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ግንቦት 2015

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 29 ሰነ ኽሳዕ 26 ሓምለ 2015 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ታሪኽ ህይወት

ነታ ቐዳመይቲ ፍቕረይ ምዝካረይ፡ ንኽጸንዕ ሓጊዙኒ

ታሪኽ ህይወት እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ ሳልሳይ ኣንብብ።

ሰይጣን ኪውሕጠካ ስለ ዚደሊ፡ ንቑሕ ኩን!

ንሰይጣን ሓደገኛ ጸላኢ ዚገብሮ ሰለስተ ባህርያት።

ምስ ሰይጣን ተቓሊስካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ

ካብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ኸም ትዕቢትን ፍቕረ ንዋይን ምንዝርናን ዝኣመሰለ መፈንጠራ ኽትርሕቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ነቲ ተስፋታት ‘ርእዮምዎ’

ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን መጻኢ በረኸት ኣብ ኣእምሮኦም ብምስኣል ሰናይ ኣብነት ገዲፎም።

ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘተስፈወ ኣምላኽ ምሰሎ

ብብሕቲ ንዘየሕለፍናዮ ዅነታት ብሓቂዶ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ተጠቒሱ ዘሎ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ መን እዩ፧

ካብ መዛግብትና

እቲ ካፊተርያ ዚዓዪ ብፍቕሪ ምዃኑ ረኣየ

ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትእከብ ዝጀመርካ ኻብ 1990ታት ንነጀው እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና መሰናድዎ ኸም ዘሎ ኽንነግረካ ኸለና ይድንጽወካ ይኸውን እዩ።