ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕልናኻ ዜተኣማምን መምርሒ ዚህብ ድዩ፧

ሕልናኻ ዜተኣማምን መምርሒ ዚህብ ድዩ፧

“ዕላማ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ካብ ንጹህ ልብን ካብ ሰናይ ሕልናን . . . እትርከብ ፍቕሪ እያ።”—1 ጢሞ. 1:5

መዝሙር፦ 22, 48

1, 2. ሕልናና መን እዩ ሂቡና፧ ሕልና ዘሎና ምዃኑኸ ስለምታይ ኢና ኸነመስግን ዘሎና፧

የሆዋ ኣምላኽ ንሰባት ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ንዘርኦምን፡ ቅኑዕን ጌጋን ብውሽጦም ዚነግሮም ሕልና ሂብዎም እዩ። ነዚ ሕልና እዚ ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ፡ ጽቡቕ ክንገብርን ካብ ክፉእ ክንርሕቕን ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ሕልናና ኣምላኽ ከም ዜፍቅረናን ኵሎም ሰባት ጽቡቕ ኪገብሩ ኸም ዚብህግን ዜርኢ መርትዖ እዩ።

2 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሰባት ሕልና ኣለዎም። (ሮሜ 2:14, 15 ኣንብብ።) ብዙሓት ካብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣመና እኳ እንተ ረሓቑ፡ ገሊኦም ውልቀ ሰባት ግና ጽቡቕ ይገብሩ፡ ክፉእ እውን ይፍንፍኑ እዮም። ብዙሓት ውልቀ ሰባት ዜስካሕክሕ እከይ ከይገብሩ ሕልናኦም ይኽልክሎም እዩ። ኵሉ ሰብ ሕልና እንተ ዘይህልዎ ነይሩ፡ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ከም እትበላሾ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ካብዚ ሕጂ እንሰምዖ ዝገደደ እከይ ምሰማዕና ኔርና። ኣምላኽ ንሰባት ሕልና ምሃቡ እምበኣር ብዙሕ ኢና እነመስግኖ።

3. ሕልና ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጽቡቕ ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

3 መብዛሕትኦም ሰባት ንሕልናኦም ኬሰልጥንዎ ኣይሓስቡን እዮም። ኣገልገልቲ የሆዋ ግና ንሕልናኦም ኬሰልጥንዎ ይደልዩ እዮም። ሕልናኦም ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ቅኑዕን ጌጋን፡ ጽቡቕን ክፉእን ኪሰማማዕ ይደልይዎ እዮም። ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጽቡቕ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ንክርስትያናዊ ሕልናና ምስልጣንን ብእኡ ምጥቃምን ግና ናይ ኣእምሮ ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንጽቡቕ ሕልና ምስ እምነትን ፍቕርን እዩ ዜተሓሕዞ። ጳውሎስ፡ “ዕላማ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ካብ ንጹህ ልብን ካብ ሰናይ ሕልናን ግብዝና ኻብ ዘይብላ እምነትን እትርከብ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ጢሞ. 1:5) ንሕልናና ኸነሰልጥኖን ነቲ ንሱ ዚብለና ኽንሰምዕን ከለና፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ትዓሙቝ፡ እምነትና እውን ትድልድል እያ። ንሕልናና እንጥቀመሉ መገዲ፡ ዕምቈት መንፈሳውነትናን ንጽህና ልብናን ንየሆዋ ንምሕጓስ ዘሎና ባህግን የርኢ እዩ። እወ፡ እዚ ውሽጣዊ ድምጺ እዚ፡ ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንና እዩ ዜርኢ።

4. ንሕልናና ኸመይ ጌርና ኸነሰልጥኖ ንኽእል፧

4 ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንሕልናና ኸነሰልጥኖ እንኽእል፧ ብጸሎት ዚግበር ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ምስትንታን፡ ድሕሪኡ ድማ ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ንሕልናና ንምስልጣን ዜኽልእ ወሳኒ መገድታት እዩ። እዚ ኸኣ ሓቅታትን ሕግታትን ምፍላጥ የጠቓልል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብሮ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ባህርያቱን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ነገራት በብግዜኡ እናነጸረ ዚኸይድ ስእሊ ኺህበና ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ሕልናና ምስ መገድታት የሆዋ ኣምላኽ እናተሰማምዐ ይኸይድ። እዚ ድማ ንዕኡ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንመስሎ፡ ንልብና ኼለዓዕሎ ይግባእ።

5. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

5 ይኹን እምበር፡ ከምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ውሳነታት ክንገብር ኬድልየና ኸሎ፡ ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና ኸመይ ገይሩ ይሕግዘና፧ ነቲ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ብሕልናኡ ተደሪኹ ዝገበሮ ውሳነ ኸመይ ጌርና ኸነኽብረሉ ንኽእል፧ ሕልናናኸ ኸመይ ገይሩ እዩ ብዝያዳ ቕንኣት ኸነገልግል ኪድርኸና ዚኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ሒዝና፡ ሕልናና ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድረሉ ዚኽእል እዚ ዚስዕብ ሰለስተ መዳያት ንርአ፦ (1) ክንክን ጥዕና፡ (2) መዘናግዒ፡ (3) ኣገልግሎት።

ሚዛናዊ ኹን

6. ሓደ ኻብቲ ሕቶታት ዚልዓለሉን ውሳነታት ኪግበረሉ ዜድልን ዓውድታት እንታይ እዩ፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚጐድኣና ነገር ክንርሕቕ፡ ኣብ ከም ብልዕን መስተን ከኣ ሚዛናውያን ክንከውን የተባብዓና እዩ። (ምሳ. 23:20፣ 2 ቈረ. 7:1) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸለና፡ ካብ እርጋንን ሳዕቤናቱን እኳ ኸነምልጥ እንተ ዘይከኣልና፡ ብእተወሰነ ደረጃ ጥዕናና ንሕሉ ኢና። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ልሙድ ዓይነት ሕክምናን እተፈላለየ ዓይነት ኣማራጺ ዀይኑ ዚቐርብ ሕክምናን ኣሎ። ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ብዛዕባ ገሊኡ ሕክምናታት ቅኑዕ ወይ ጌጋ እንተ ዀይኑ ኻብ ኣሕዋትን ኣሓትን ሕቶታት ይቐርበለን እዩ። ብዙሓት ከኣ፡ “ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸምዚ ዝበለ ሕክምና ኺገብር ይኽእል ድዩ፧” ዚብል ሕቶ የቕርቡ እዮም።

7. ብዛዕባ ሕክምና ኸመይ ጌርና ኢና ውሳነታት ክንገብር እንኽእል፧

7 ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰነ ሽማግለታት ጉባኤ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ዋላ እኳ እንተ ሓተቶም፡ ንኽንክን ጥዕና ዚምልከት ውሳነ ኺገብሩሉ ኣይክእሉን እዮም። (ገላ. 6:5) ኣብ ውሳነኡ ጽልዋ ኺገብር ዚኽእል ሓሳብ፡ ካብ ቃል የሆዋ ኼርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ነቲ “ኻብ ደም . . . ርሓቑ” ዚብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ ኪዝክሮ ኣለዎ። (ግብ. 15:29) እዚ ኸኣ ምሉእ ደም ወይ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ከይወስድ ብንጹር ዚኽልክል እዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ድማ፡ ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ኻብቲ ኣርባዕተ ተዋጽኦታት ዚወጽእ ደቀቕቲ ኽፋላት ንዚገብሮ ውሳነ እውን ንሕልናኡ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። * ብዛዕባ ሕክምና ኽንሓስብ ከለና ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እንታይ ካልእ ምኽሪ እዩ ኺመርሓና ዚኽእል፧

8. ንኽንክን ጥዕና ብዚምልከት፡ ፊልጲ 4:5 ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧

8 ምሳሌ 14:15፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ትብል። ገሊኡ ሕማማት፡ ፍሉጥ ዓይነት ሕክምና የብሉን ይኸውን። ስለዚ፡ ዜደንቕ ውጽኢት ኣለዎ ዚብሃል፡ ግናኸ ብበላበለው ጥራይ ዚዋዓዋዕ ዓይነት ሕክምና ኽንጥንቀቐሉ ኣሎና። ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ልዙባት ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ኢሉ እዩ። (ፊል. 4:5) ልዙባት ወይ ሚዛናውያን ምስ እንኸውን፡ ንጥዕናና እምብዛ ብዙሕ ግዜ ብምውፋይ ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ኣይንብሎን ኢና። ቀንዲ ኣትኵሮ ህይወትና ኣብ ጥዕናና እንተ ጌርና፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ እነተኵር ክንከውን ንኽእል ኢና። (ፊል. 2:4) መንፈሳዊ ነገራት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እዩ፣ ንጥዕናና ብዚምልከት ድማ ኣረኣእያና ሚዛናዊ ኪኸውን ይግባእ።—ፊልጲ 1:10 ኣንብብ።

ኣረኣእያኻ ኣብ ካልኦት ትጽዕን ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. ሮሜ 14:13, 19 ኣብቲ ብዛዕባ ጥዕና እንገብሮ ውሳነታት እንታይ ጽልዋ ኣለዋ፧ ሓድነትና ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

9 ሓደ ሚዛናዊ ክርስትያን ኣረኣእያኡ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ኣይጽዕንን እዩ። ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር፡ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ገሊኡ ዓይነት መወሰኽታ ምግቢ ዚኸውን ከኒናታትን ስርዓት ኣመጋግባን ብውዕዉዕ መገዲ የፋልጡ ነይሮም እዮም። ንገሊኦም ኣሕዋት ከኣ ነቲ ከኒናታት ኪጥቀሙ ኣእሚኖምዎም እዮም፣ ገሊኦም ግና ሕራይ ኣይበልዎምን። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ውጽኢት ከምቲ እተጸበይዎ ብዘይምዃኑ፡ ንብዙሓት ቅር ኣቢልዎም እዩ። እቶም ሰብ ሓዳር ንባዕሎም ገሊኡ ስርዓት ኣመጋግባ ኺስዕቡ፡ መወሰኽታ ምግቢ ዚኸውን ከኒናታት እውን ኪወስዱ መሰሎም እዩ። ምእንቲ ኽንክን ጥዕና ኺብሉ ንሓድነት ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ኸእትዉ ግና ሚዛናዊ ተግባር ድዩ፧ ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ንምግብን ንበዓላትን ብዚምልከት እተፈላለየ ርእይቶታት ዝነበሮም እዋን ነይሩ እዩ። እሞኸ ጳውሎስ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧ ብዛዕባ በዓላት፡ “እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይርእያ፣ እቲ ሓደ ኸኣ ንዅላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ ይርእየን፣ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ሓሳቡ ኣጸቢቑ ይእመነሉ” እዩ ኢልዎም። ንኻልኦት መዐንቀፊ ኸይንገብር ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ሮሜ 14:5, 13, 15, 19, 20 ኣንብብ።

10. ካልኦት ንዚገብርዎ ብሕታዊ ውሳነታት ከነኽብረሎም ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 8 ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ኣብ ገሊኡ ጕዳይ ብሕልናኡ ተደሪኹ ዝገበሮ ውሳነ ኺርድኣና እንተ ዘይክኢሉ፡ ቀልጢፍና ኽንፈርዶ ወይ ሓሳቡ ኪቕይር ጸቕጢ ኽንገብረሉ ኣይግባእን። ምናልባት ሕልናኡ ገና “ድኹም” ስለ ዝዀነ፡ ዝያዳ ስልጠና የድልዮ ይኸውን፡ ወይ እውን ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ተነቃፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 8:11, 12) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ንሕና ንሕልናና ኽንምርምር የድልየና ይኸውን፣ ምናልባት ሕልናና ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ንምስምማዕ ዝያዳ ስልጠና የድልዮ ይኸውን። ኣብ ከም ክንክን ጥዕና ዝኣመሰለ ጕዳያት፡ ነፍሲ ወከፍና ብብሕቲ ውሳነ ኽንገብርን ነቲ ምስኡ ዚመጽእ ሓላፍነት ክንስከምን ይግብኣና።

ሃናጺ ብዝዀነ መዘናግዒ ባህ ይበልካ

11, 12. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ እንታይ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

11 የሆዋ ንሰባት ብመዘናግዒ ኺሕጐሱን ካብኡ ኺጥቀሙን ከም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ሰሎሞን “ንሰሓቕ . . . ጊዜ አለዎ” “ንጓይላ . . . ጊዜ አለዎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መክ. 3:4) መሕለፍ ግዜ ዘበለ ዅሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅምን ዜዛንን ዜሐድስን፣ ኣብ መዘናግዒ እምብዛ ግዜ ምሕላፍ፡ ወይ እናሳዕ ንምዝንጋዕ ምፍታን ጽቡቕ ኣይኰነን። ሃናጺ ብዝዀነ መዘናግዒ ባህ ምእንቲ ኺብለና፡ ካብኡ እውን ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ሕልናና ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ግብሪ ስጋ” ኻብ ዚብሃል ገሊኡ ጠባያት ክንርሕቕ የጠንቅቐና እዩ። እዚ ግብሪ እዚ ድማ፡ “ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ንውርምና፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ህልኽ፡ ፍልልይ፡ ኑፋቐ፡ ምንቀኝነት፡ ስኽራን፡ ፈንጠዝያ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ እውን” የጠቓልል። ጳውሎስ፡ “እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” እውን ጽሒፉ እዩ። (ገላ. 5:19-21) ስለዚ፡ ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ሃሳዪ ንዝዀነ፡ መንፈስ ውድድር ንዘለዎ፡ ሃገራዊ ስምዒት ንዚንጸባረቖ፡ ወይ ዓመጻ ንዘለዎ ዓይነት ስፖርት ከርሕቖ፡ ሕልናይ ይድርኸኒ ድዩ፧ ስእለ ጽዩፍ ዘለዎ ወይ ንምንዝርናን ንስኽራንን ንጥንቈላን ከም ቅቡል ገይሩ ዜቕርብ ፊልም ክርኢ ኽፍተን ከለኹ፡ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ድምጺ የጠንቅቐኒ ድዩ፧’

13. ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 4:8⁠ን ምሳሌ 13:20⁠ን ዚርከብ ምኽሪ፡ ንመዘናግዒ ብዚምልከት ከመይ ገይሩ ኺሕግዘና ይኽእል፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ መዘናግዒ ብዚተሓሓዝ ንሕልናና ኽንቀርጸሉ ዚግባእ ስርዓታት እውን ይህበና እዩ። ሓደ ኻብኡ፡ “ኣካላዊ ልምምድ ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም” ዚብል እዩ። (1 ጢሞ. 4:8) ብዙሓት ክርስትያናት እተወሰነ ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት ንጥዕና ጽቡቕ ምዃኑ፡ ንኣካሎምን ንመንፈሶምን እውን ከም ዜሐድስ ይፈልጡ እዮም። ብጕጅለ ዄንና ኣካላትና ኸነወሳውስ እንተ ደሊና ግና፡ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዲና ኸምኡ ኽንገብር ዘሎና፧ ምሳሌ 13:20፡ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ትብለና። እዝስ ኣብ ናይ መዘናግዒ ምርጫና በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ተመሪሕና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ከም ዘሎና ዚሕብር ደይኰነን፧

14. ሓንቲ ስድራ ቤት ነቲ ኣብ ሮሜ 14:2-4 ዚርከብ ስርዓት ኣብ ግብሪ ዘውዓለቶ ብኸመይ እያ፧

14 ክሪስትያንን ዳኒየላን ወለዲ ኽልተ ጐራዙ እዮም። ክሪስትያን ከምዚ ብምባል ዘጋጠሞም የዘንቱ፦ “ሓደ ግዜ፡ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት፡ ብዛዕባ መዘናግዒ ተመያይጥና። ሽዑ ኸኣ፡ ገሊኡ ዓይነት መዘናግዒ ቕቡል ምዃኑ፡ ገሊኡ ግና ዘይቅቡል ምዃኑ ተሰማሚዕናሉ። መንከ እዮም ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪብሃሉ ዚኽእሉ፧ ሓንቲ ኻብ ደቅና ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዕረፍቲ፡ ገሊኦም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሳ ዘይግቡእ ገይራ እትርእዮ ተግባራት ከም ዚገብሩ ነጊራትና። ከምኡ ኽትገብር ጸቕጢ ኸም ዚወርዳ እውን ሓቢራትና። ንሕና ድማ ነፍሲ ወከፍና ሕልና ኸም ዘሎና፡ እንታይ ከም እንገብርን ንዕኡ ምስ መን ከም እንገብሮን ክንሓሪ ኸለና ኸኣ ብሕልናና ኽንምራሕ ከም ዘሎና ኣረዲእናያ።”—ሮሜ 14:2-4 ኣንብብ።

ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኻ፡ ካብ ሓደጋ ኽትርሕቕ ኪሕልወካ ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

15. ንመዘናግዒ ግዜ ኽንምድብ ከለና፡ ማቴዎስ 6:33 ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧

15 መዓስ ክንዘናጋዕ ከም ዘሎና እውን ኪሕሰበሉ ይግባእ እዩ። ንኸም ኣኼባታትን ኣገልግሎት ወፍርን ብሕታዊ መጽናዕትን ዝኣመሰለ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ግዜ ድሕሪ ምምዳብካ ዲኻ ንመዘናግዒ ግዜ እትምድብ፡ ወይስ ንመዘናግዒ ግዜ ምስ መደብካ ኢኻ ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ኣብቲ ዝተረፈ ግዜ ኽትውትፎ እትፍትን፧ ነየናይ ኢኻ ቐዳምነት እትህብ፧ የሱስ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” እዩ ኢሉ። (ማቴ. 6:33) እሞኸ ሕልናኻ ምስቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ዚሰማማዕ ቀዳምነታት ክትሰርዕ ይድርኸካ ድዩ፧

ብቕንኣት ከነገልግል ንድረኽ ኢና

16. ሕልናና ኣብ ስብከትና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

16 ሰናይ ሕልና ኻብ ጌጋ ጥራይ ኣይኰነን ዜጠንቅቐና። ሰናይ ክንገብር እውን ይድርኸና እዩ። ካብ ሰናይ ተግባራት ከም ኣውራ ኺጥቀስ ዚከኣል ከኣ፡ ኣብቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎትን ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነትን ምስታፍ እዩ። ጳውሎስ ከምኡ ኺገብር ብሕልናኡ ተደሪኹ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ኣነ አበስር እንተ ኣለኹ፡ ግዲ ዀይኑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። እንተ ዘየበሰርኩ ግና፡ ወይለይ!” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 9:16) ንዕኡ እንተ መሲልናዮ፡ ሕልናና ጽቡቕ ከም ዝገበርና የረጋግጸልና እዩ። ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከለና ኸኣ፡ ንሕልና እቶም እንሰብከሎም ሰባት ከነነቓቕሖ ንፍትን ኢና። ምስዚ ብእተተሓሓዘ፡ ጳውሎስ፡ “ነታ ሓቂ እናኣግሃድና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕልና ዅሉ ሰብ ብዚማርኽ መገዲ ርእስና ነርኢ ኣለና” ኢሉ እዩ።—2 ቈረ. 4:2

17. ሓንቲ ጐርዞ ምስ ሕልናኣ ተሰማሚዓ ስጕምቲ ዝወሰደት ብኸመይ እያ፧

17 ጃኲሊን ጓል 16 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ቤት ትምህርታ ስነ ህይወት ተጽንዕ ነይራ እያ። ሓደ ግዜ ድማ፡ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ብዝርዝር ኪግለጽ ተጀሚሩ። ሽዑ ብዛዕባ ዝገበረቶ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ከም ቀደመይ ኣብቲ ኣብ ክፍልና ዚግበር ምይይጥ ምሉእ ብምሉእ ንምስታፍ ሕልናይ ኣይፈቐደለይን። ንኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ክድግፎ ኣይክእልን እየ። ስለዚ፡ ናብ መምህረይ ቀሪበ መትከለይ ገሊጸሉ። እቲ ዘገረመኒ ድማ፡ ንርእይቶይ ብጽቡቕ ተቐቢልዎ፡ ንብዘለዉ ደቂ ኽፍልና ብዛዕባ ፍጥረት ክዛረቦም እውን ዕድል ሂቡኒ።” ጃኵሊን ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኣ ምስማዓን ብእኡ ተደሪኻ ስጕምቲ ምውሳዳን ውሽጣዊ ዕግበት ኣምጺኡላ እዩ። እሞኸ ሕልናኻ ብተመሳሳሊ ቕኑዕ ክትገብር ይድርኸካ ድዩ፧

18. ሰናይን ዜተኣማምንን ሕልና ንምጥራይ ድሌት ከነሕድር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ሸቶና ንህይወትና ምስ ስርዓታትን መገድታትን የሆዋ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝሓሸ እናኣሰማማዕና ምኻድ ምስ ዚኸውንሲ ኽሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ! ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ሕልና ኣገዳሲ መሳርሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ብስሩዕ ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብምስትንታንን ንዕኡ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ንሕልናና ኸነሰልጥኖ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትና ዚጠቕመና ኣዝዩ ኽቡር ጥሪት ኪዀነልና ይኽእል እዩ!

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብ ናይ 15 ሰነ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29-31 እትርከብ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።