ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብቕንዕና ዚፈርድ ፈራዲ

ብቕንዕና ዚፈርድ ፈራዲ

ንኣምላኽ ቅረቦ

ብቕንዕና ዚፈርድ ፈራዲ

ዘሁልቍ 20:2-13

ሰብኣውያን ፈራዶ ዘይፍትሓዊ ወይ ኣመና ተሪር ዝዀነ ፍርዲ ይህቡ እዮም፣ የሆዋ ኣምላኽ ግን “ፍርዲ [ፍትሒ] ይፈቱ” ስለ ዝዀነ ኸምኡ ኣይገብርን እዩ። (መዝሙር 37:28) ዕጉስ እኳ እንተ ዀነ፡ ሸለል በሃሊ ግን ኣይኰነን። ቅኑዕ ዘበለ ኣብ ምግባር ጽኑዕ እዩ። ከምቲ ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 20 ተመዝጊቡ ዘሎ ቘየቛን ዕልወትን ምስ ኣጋጠመ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ።

እስራኤላውያን ነቲ ናይ በረኻ ጕዕዞኦም ኪውድኡ ቕሩብ ምስ ተረፎም፡ ሕጽረት ማይ ኣጋጠሞም። * እቶም ህዝቢ ንሙሴን ንኣሮንን፡ “ንሕናን ከብትናን ድማ ኣብኡ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንማሕበር እግዚኣብሄር ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጻእኩምዎ፧” ኢሎም ተቛየቝዎም። (ቍጽሪ 4) እቲ በረኻ ኸም ‘በለስን ወይንን ሮማንን’ ዝኣመሰለ እቶም እስራኤላውያን ሰለይቲ ቕድሚ ዓመታት ካብታ ምድሪ ተስፋ ኣምጺኦምዎ ዝነበሩ ፍረታት ኰነ “ዚስተ ማይ” ዘይብሉ ‘ኽፉእ ቦታ’ ምዃኑ ብምጕርምራም ተዛረቡ። (ቍጽሪ 5ዘሁልቍ 20:2-13) እቶም ህዝቢ ንሙሴን ኣሮንን፡ እቲ በረኻ ልክዕ ከምታ እቶም መጕረምረምቲ ቐዳሞት ኣቦታቶም ከይኣትዉ ዝኣበይዋ ብዙሕ ፍረ እተፍሪ ምድሪ ስለ ዘይኰነ እዮም ዚወቕስዎም ነይሮም!

የሆዋ ነቶም መጕረምረምቲ ኣይነጸጎምን። የግዳስ፡ ንሙሴ ሰለስተ ነገራት ኪገብር፡ ማለት በትሩ ኺወስድ፡ ነቲ ህዝቢ ኺእክቦ፡ ከምኡውን ‘ምእንቲ ማይ ኪህብ ኣብ ቅድሚኦም ነቲ ኸውሒ ኺዛረቦ’ ኣዘዞ። (ቍጽሪ 8) ሙሴ ነቲ ኽልተ መምርሒ እኳ እንተ ተኣዘዘ፡ ነቲ ሳልሳይ ግን ኣይተኣዘዘን። ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎ ብዜርኢ መገዲ ነቲ ኸውሒ ኣብ ክንዲ ዝዛረቦ፡ “ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧” ኢሉ ነቲ ህዝቢ ኣምሪሩ ተዛረቦ። (ቍጽሪ 10መዝሙር 106:32, 33) ድሕሪኡ፡ ነቲ ኸውሒ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፡ “ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ።”—ቍጽሪ 11

ሙሴን ኣሮንን ከቢድ ሓጢኣት ፈጸሙ። ኣምላኽ፡ “ንትእዛዘይ ስለ ዝአቤኹምዎ” በሎም። (ዘሁልቍ 20:24) ሙሴን ኣሮንን ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኣምላኽ ብዘይምእዛዞም፡ ነቲ ህዝቢ ዓለወኛ ኢሎም እናኸሰስዎ ኽነሶም ንባዕሎም ዓለወኛታት ኰኑ። ነቶም ህዝቢ ናብታ ምድሪ ተስፋ መሪሖምዎም ከም ዘይኣትዉ ኸኣ ኣምላኽ ብንጹር ፈረዶም። እዚ ኣመና ተሪር ዝዀነ ፍርዲ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን። ከምዚ እንብለሉ ብዙሕ ምኽንያት ኣለና።

ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ይትረፍዶ ነቶም ህዝቢ ዓለወኛታት ኢሉ ኺፈርዶም፡ ኪዛረቦም እውን ኣይኣዘዞን። ካልኣይ፡ ሙሴን ኣሮንን ንኣምላኽ ክብሪ ኣይሃቡን። ኣምላኽ፡ “ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይአመንኩም” በሎም። (ቍጽሪ 12) ሙሴ፡ “ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና” ብምባል ነቲ ተኣምራዊ ማይ፡ ኣምላኽ ዘይኰነስ ንሱን ኣሮንን ከም ዝሃብዎም ገይሩ ተዛረበ። ሳልሳይ፡ እቲ እተዋህቦም ፍርዲ ምስቲ ዝሓለፈ ፍርድታት ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓለወኛ ወለዶ ናብ ከነኣን ከይኣቱ ኸልኪልዎ ነበረ፡ ንሙሴን ኣሮንን እውን ከምኡ እዩ ገይርዎም። (ዘሁልቍ 14:22, 23) ራብዓይ፡ ሙሴን ኣሮንን መራሕቲ እስራኤል እዮም ነይሮም። እቶም ብዙሕ ሓላፍነታት ዘለዎም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝያዳ ተሓታትነት እዩ ዘለዎም።—ሉቃስ 12:48

የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ኣብ ምግባር ጽኑዕ እዩ። ፍትሒ ስለ ዚፈቱ፡ ዘይፍትሓዊ ዝዀነ ውሳነ ኣይውስንን እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ከምዚ ዓይነት ፈራዲ ትውክልትናን ኣኽብሮትናን ይግብኦ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ናብታ ኣምላኽ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ምድሪ ኸነኣን ኪኣትዉ ተዳልዮም ነበሩ። ኰይኑ ግን፡ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ሕማቕ ወረ ምስ ኣምጽኡ፡ እቲ ህዝቢ ኣንጻር ሙሴ ኣጕረምረመ። ስለዚ፡ የሆዋ 40 ዓመት ኣብ በረኻ ኸም ዜሕልፉ ኣወጀ፣ እዚ ኸኣ እቲ ዓለወኛ ወለዶ ንኺመውት እኹል ግዜ እዩ ነይሩ።