ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተሰሪዙ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ተነቢቡ

ተሰሪዙ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ተነቢቡ

ተሰሪዙ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ተነቢቡ

ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት፡ ናይ ጽሕፈት ናውቲ ልክዕ ከምዚ ሎሚ ብቐሊሉ ኣይርከብን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ብራናታትን ኣብ ካልእ ንምጽሓፍ ዜገልግል ገጻትን ብቐለም እተጻሕፈ ዘየድሊ ጽሑፋት ብምፍሓቝ ወይ ብማይ ብምድምሳስ እንደገና ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ነበረ። እዚ ኸኣ ፓሊምፕሰስት ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ፣ ካብታ “እንደገና እተፈሓቘ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽ ቃል ድማ እዩ መጺኡ። ገሊኡ ኣብ ብራና እተጻሕፈ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ፡ ካልእ ሓበሬታ ምእንቲ ኺጸሓፎ ተደምሲሱ እዩ።

ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ እንደገና ኣብ ልዕሊኡ እተጻሕፎ ኮዴክስ፡ እቲ ኤፍራይሚ ሲሪ ሪስክሪፕተስ ዚበሃል እዩ፣ እታ ሪስክሪፕተስ እትብል ቃል፡ “ኣብ ልዕሊ ኻልእ ጽሑፍ ደሪብካ ምጽሓፍ” ማለት እያ። እዚ ኮዴክስ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዝሓዘ ጥንታዊ ቕዳሓት ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓበሬታ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ልክዕ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ዚሕግዝ ብሉጽ ምንጪ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሓምሻይ ዘመን ኣብዚ ኮዴክስ እዚ ንመጀመርታ ተጻሒፉ ዝነበረ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ኣብ መበል 12 ዘመን ድ.ክ. ተደምሰሰ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሓደ ኤፍሬም ዝስሙ ሶርያዊ ምሁር ዘቕረቦ ናብ ግሪኽ እተተርጐመ 38 ስብከታት ተጻሕፎ። ኣብ መወዳእታ መበል 17 ዘመን ግን፡ ምሁራት ነቲ መጀመርታ እተጻሕፈ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተብሃሉሉ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሒደት ዓመታት፡ ነቲ ፈለማ ኣብቲ ኢደ-ጽሑፍ እተጻሕፈ ጽሑፋት ኣብ ምርካብ እተወሰነ ዕቤት ተገብረ። ኰይኑ ግን፡ እቲ እተደምሰሰ ቐለም ብምህሳሱን ብቐሊሉ ኺፍለ ብዘይምኽኣሉን ከምኡውን መብዛሕትኡ ገጻት ተቐዲዱን ኣብ ልዕሊኡ ኻልእ ተጻሒፍዎን ብምንባሩ ንብምሉኡ እቲ ኢደ-ጽሑፍ ምንባብ ኣዝዩ ኸቢድ ገበሮ። ምሁራት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ምእንቲ ኼንብብዎ ኬሚካላት እኳ እንተ ተጠቕሙ፡ ብዙሕ ኣሳልጦ ግን ኣይረኸቡን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ መብዛሕትኦም ምሁራት፡ ነቲ እተደምሰሰ ጽሑፍ መሊስካ ምንባብ ፈጺምካ ዘይከኣል ምዃኑ ደምደሙ።

ኣብ መጀመርታ 1840ታት ኮንስታንቲን ቮን ቲሸንዶርፍ ዝስሙ ተውህቦ ዘለዎ ጀርመናዊ ናይ ቋንቋ ኽኢላ፡ ነቲ ኮዴክስ ኬንብቦ ብዙሕ ጻዕሪ ገበረ። ክልተ ዓመት ከኣ ወሰደሉ። ካልኦት ኣብይዎም ክነሱ፡ ንሱ ግን ኪዕወት ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ቲሸንዶርፍ ንዓበይቲ ፊደላት ግሪኽኛ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነበረ። * ብዘይካዚ፡ ጽቡቕ ናይ ምርኣይ ክእለት ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ብራና ናብ ብርሃን ገጹ ብምግባር ነቲ በዅሪ ጽሑፍ ኪርእዮ ኸኣለ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ብራና ኺርከብ ከሎ፡ ምሁራት ከም ኢንፍራረድ፡ ኣልትራቫዮለት፡ ከምኡውን ፖላራይዝድ ዝዀነ ብርሃን ይጥቀሙ እዮም።

ብ1843 ከምኡውን ብ1845 ቲሸንዶርፍ ነቲ ኼንብቦ ዝኸኣለ ትርጕም ኮዴክስ ኤፍራይሚ ኣሕተሞ። እዚ ኸኣ ጥንታዊ ጽሑፋት ግሪኽ ብምትርጓም ዝመጸ ጽቡቕ ስም ከም ዚረክብ ገበሮ።

ኮዴክስ ኤፍራይሚ፡ ዳርጋ 30 ብ25 ሳንቲ ሜተር ኪኸውን ከሎ፡ ጥንታዊ ኣብነት ናይቶም ኣብ ሓደ ገጽ ሓደ ዓምዲ ጥራይ ዘለዎም ኢደ-ጽሑፋት እዩ። ካብቲ እተረኽበ 209 ኣቝጽልቲ ወረቐት፡ እቲ 145 ብዘይካ ን2 ተሰሎንቄን 2 ዮሃንስን ንኽፋላት ናይ ኵሉ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ዝተረፈ ኣቝጽልቲ ወረቐት ድማ ናብ ግሪኽ እተተርጐመ ኽፋላት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝሓዘ እዩ።

እዚ ኮዴክስ እዚ፡ ሎሚ ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ሃገራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ተዓቂቡ ኣሎ። ቲሸንዶርፍ፡ እቲ ኢደ-ጽሑፍ ካብ ግብጺ ዝመጸ እኳ እንተ መሰሎ፡ ካበይ ከም ዝመጸ ግን ኣይፍለጥን እዩ። ምሁራት ንኮዴክስ ኤፍራይሚ ኸም ሓደ ኻብቶም ብራብዓይን ሓምሻይን ዘመን ድ.ክ. ብዓበይቲ ፊደላት ግሪኽ እተጻሕፉ፡ ሲና፡ እስክንድርያ፡ ከምኡውን ቫቲካን ቍ. 1209 ዚበሃሉ ኣርባዕተ ቐንዲ ኢደ-ጽሑፋት ናይ ግሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኻልእ ጽሑፍ ኣብ እተጻሕፎ ኢደ-ጽሑፋት እውን ሓዊስካ ብእተፈላለየ ዜደንቕ መገዲ ተዓቂቡልና ጸኒሑ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣድንቖት ዘይብሎም ሰባት ነቲ ጥቕስታት ኪድምስስዎ እኳ እንተ ፈተኑ፡ እቲ መልእኽቲ ግን ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቡ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ርግጽ ምዃኑ ዚሕብር እዩ።—1 ጴጥሮስ 1:25

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ቲሸንዶርፍ ኣብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ዚርከብ ገዳም ሰይንት ካተሪን፡ ሓደ ኻብቶም ክሳዕ ሕጂ እተረኽቡ ጥንታውያን ጽሑፋት ዝዀነ ናብ ግሪኽ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብምርካብ እዩ ብዝያዳ ዚፍለጥ። እዚ ኢደ-ጽሑፍ እዚ ኮዴክስ ሲናቲከስ ተባሂሉ ይፍለጥ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

እቲ ቲሸንዶርፍ (1815-1874) ኬንብቦ ዝኸኣለ ኤፍራይሚ ሲሪ ሪስክሪፕተስ ዚበሃል ኮዴክስ

በዅሪ ቕዱስ ጽሑፍ

ብግሪኽኛ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ጽሑፍ እተጻሕፈ ስብከት

[ምንጪ ስእሊ]

© Bibliothèque nationale de France

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ገዳም ሰይንት ካተሪን እተረኽበ ኮዴክስ ሲናቲከስ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ቲሸንዶርፍ