ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኻ ኽነሳ ሕጉስትን ትስፉውትን

ድኻ ኽነሳ ሕጉስትን ትስፉውትን

ካብ ቦሊቭያ እተላእከት ደብዳበ

ድኻ ኽነሳ ሕጉስትን ትስፉውትን

ኣብ ምምዕባል ኣብ እትርከብ ሃገር ዘገልግል ሚስዮናዊት እኳ እንተ ዀንኩ፡ ነቲ ዝርእዮ ድኽነትን ተስፋ ምቝራጽን ግን ክለምዶ ኣይከኣልኩን። ኵሎም ሰባት ካብ ስቓዮም ብኡንብኡ እፎይታ ኺረኽቡ እየ ዝደሊ። ኰይኑ ግን፡ ካብዚ ጸገም እዚ እትገላግሎም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና እፈልጥ እየ። ብዙሕ ግዜ ግን፡ ንቓል ኣምላኽ ዚስዕቡ ሰባት ጸገም እናሃለዎም ክነሱ ሓጐስ ኪረኽቡ ኸለዉ ርእየ እየ። ሳቢና ሓንቲ ኻባታቶም እያ።

ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፡ ሳቢና ንኽልተ ሕጻናት ደቃ ሓቚፋ ነቲ ዝሓሸ ገንዘብ ዚኽፈሎ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ሓንቲ ኣረጊት ኣውቶቡስ ተሳፊሩ ናብ ካልእ ሃገር ዚኸይድ ዝነበረ ሰብኣያ ኣፋነወቶ። ንዓመታት እኳ እንተ ተጸበየቶ፡ ናብ ቤቱ ግን ኣይተመልሰን። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ፡ ንዓኣን ነተን ሚለናን ጊልያንን ዚበሃላ ኽልተ ደቃን ዜድልየን ንምምላእ መዓልታዊ ብዘይ ዕረፍቲ ኽትሰርሕ ነበራ።

ሓደ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ናይ ሓብታ ድኳን ንዓማዊል ከተአንግድ ከላ እየ ንሳቢና ፈለማ እዋን ዝረኸብክዋ። ምሉእ መዓልቲ ኣበርቲዓ ኽትሰርሕ ከም ዝወዓለት፡ ካብቲ ባዕዚዙ ዝነበረ ኣዒንታ ኸስተውዕል ከኣልኩ። ንዓኣን ንደቃን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓለን ሓተትክዋ። “ስራሕ ስለ ዝበዝሓኒ እዩ እምበር፡ ባህ ምበለኒ ነይሩ። እተን ደቀይ ግን ምሳኺ ኼጽንዓ እደሊ እየ” በለትኒ። በዚ ኸኣ ተሰማማዕኩ። እተን ቈልዑ መጽናዕተን እናቐጸላ ምስ ከዳ፡ ንሳቢና ኣጸቢቐ ኽፈልጣን ብዛዕባ እቲ ዝነበራ ኸቢድ ጸገም ክርዳእን ከኣልኩ።

ሳቢና ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ወጋሕታ እያ እትትንስእ። እተን ደቃ ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ ጥራይ ዝዀነት ገዝአን ደቂሰን ከለዋ፡ ሓዊ ኣጒዳ ነቲ ኻብ ኣሉሚነም እተሰርሐ ዝኣረገ ድስቲ ትስኽትቶ። ኣብቲ ድስቲ ንመስርሒ ሳምቡሳ ዚኸውን ስጋ ተብስል፡ ነዚ እናሸጠት ከኣ እያ እትመሓደር። ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ምሸት፡ ንመስርሒ ሳምቡሳ ዚኸውን ብሑቕ ተብኵዕ።

ኣብታ እተለቅሓታ ብኢድ እትድፋእ ዓረብያ፡ ከም ጽላል፡ ምድጃ፡ ንመብሰሊ ዚኸውን ነዳዲ፡ ጣውላ፡ ድኳታት፡ ድስትታት፡ ዘይቲ ዝኣመሰለ ኣብቲ መዓልቲ እትጥቀመሉ ኣቕሑ ኸምኡውን ነቲ ስጋ፡ ብሑቕ፡ ነቲ ብዙሕ ሊትሮ ዚኸውን ኣብ ቤታ ዝሰርሓቶ ጽማቝ ፍረታት ትጽዕኖ።

ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ሳቢናን ክልተ ደቃን ካብ ቤተን ኪወጻ ይዳለዋ። ማዕጾ ገዝአን ብመፍትሕ ይዓጽዋኦ። ኣብ ገጸን ሓጐስ ዚበሃል ኣይንበብን እዩ፡ ፍሽኽ ኣይብላ ብሕም ኣይብላ። ኵሉ ትዅረተን ናብቲ ዚጽበየን ዘሎ ዕዮ እየን ዚገብራ። ንግሆ ንግሆ ኣብ መስኮት እቲ ናይ ሚስዮናውያን ቤትና ዀይነ፡ ሰባት ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንኺሰርሑ ኪኸዱ ኸለዉ እርኢ እየ። ሳቢና ሓንቲ ኻብተን ኣብ ጐደናታት ቦሊቭያ ዚብላዕን ዚስተን ንምሻጥ ገና ጸሓይ ከይበረቐት ካብ ቤተን ዚወጻ ብዙሓት ኣንስቲ እያ።

ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ጸሓይ ኣብቲ ኣኽራን ክትርአ ከላ፡ ሳቢናን ደቃን ኣብቲ ዚሸጣሉ ቦታ ይበጽሓ። ዋላ ሓንቲ ኸይተዛረባ፡ ነቲ ኣብ ዓረብያ እተጻዕነ ኣቕሑ የራግፋኦ፡ ግዝያዊ ኽሽነ ድማ ይሰርሓ። ነታ ናይ መጀመርታ ሳምቡሳ ብዘይቲ ኽትጠብሳ ኸላ ጫዕጫዕ ዚብል ድምጺ ትፈጥር። እቲ ምቁር መኣዛ ናይቲ ምግቢ ነቲ ናይ ንግሆ ዝሑል ኣየር ኪመልኦ ምስ ጀመረ፡ እቶም ዝጠመዩ ዓማዊል ይሰሓቡ።

ሳቢና ነቲ መጀመርታ ዝመጸ ዓሚል፡ “ክንደይ ኢኻ እትደሊ፧” ኢላ ትሓቶ። እቲ ድቃስ ዘይጸገበ ሰብኣይ ናብኣ ኸይጠመተ ኽልተ ኣጻብዑ የርእያ፣ ንሳ ድማ ወርቃውን ቡናውን ዝሕብረን ክልተ ውዑያት ሳምቡሳ ትህቦ። ድሕሪኡ ሒደት ገንዘብ ትቕበል። ምሉእ መዓልቲ ኸምዚ ኽትገብር እያ እትውዕል። ነታ ዝተረፈተን ናይ መወዳእታ ሳምቡሳ ሸይጠን ምስ ወድኣ ኸኣ ኣቕሑአን ጠቕሊለን ንገዝአን ይኸዳ። ሳቢና ኻብ ንግሆ ኣትሒዛ ብምስራሓ ኣእጋራ ረዝረዝ እኳ እንተ በላ፡ ኣብቲ ናይ እንዳ ሓብታ ድኳን ክትሰርሕ ትኸይድ።

ምስ ደቃ ንፈለማ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ኣብቲ ድኳን ምስ በጻሕኩ፡ ኣብ ሓደ ጸግዒ ኽልተ ኾፍ መበሊ ተዳልዩ ጸንሓኒ። እተን ደቂ 9ን 7ን ዓመት ዝነበራ ሚለናን ጊልያንን፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዘን ነቲ ዝመሃርኦ ትምህርቲ ብሃንቀውታ ይጽበያኦን ኣቐዲመን ጽቡቕ ገይረን ይዳለዋሉን ነበራ። እዘን ሓፋራት ዝነበራ ኣዋልድ ቀስ ብቐስ ግልጺ ኪዀና ስለ ዝጀመራ፡ ዝያዳ ክቐርበን ከኣልኩ። እዚ ንልቢ ሳቢና ተንከፎ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ጽዑቕ ስራሕ እኳ እንተ ሃለዋ፡ ንሳ እውን ምሳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት።

እቲ ሳቢና እትረኽቦ ዝነበረት ፍልጠት እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ ኸኣ እናዓበየ ኸደ። ቅድሚ ሕጂ ረኺባቶ ዘይትፈልጥ ሓጐስ ድማ ረኸበት! እታ ሓደ እዋን ደኺማን ሓዚናን እትርአ ዝነበረት ኣብ ጐደና እትሽቅጥ ሰበይቲ፡ ሎሚ እተፈልየ ትርኢት እዩ ዘለዋ። ሕጂ ትኽ ዝበለ ቑመናን ብሩህ ገጽን ኣለዋ። ሓብታ፡ “ሳቢና ፍሽኽታ ዘይፍለያ እያ ዀይና። ቅድሚ ሕጂ ፈጺማ ኸምኡ ኣይነበረትን” በለት። ካልኦት እውን ነቲ ሳቢናን ደቃን ዝገበራኦ ለውጢ ኣስተውዒሎምዎ እዮም። ብርግጽ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝነበራ መንፈሳዊ ጽምኢ ረውዩ እዩ።

እቲ እትገብሮ መጽናዕቲ ባህ የብላ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ዝነበራ ጽዑቕ ስራሕ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትካፈል ኣይከኣለትን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ነቲ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ዘቕረብኩላ ዕድመ ተቐበለቶ። ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ድማ ተሪፋ ኣይትፈልጥን። ኣብ ጉባኤ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣጥረየት። የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎን ምእንቲ ኼገልግልዎ መስዋእቲ ዚገብሩን ሰባት ከም ዚሓልየሎም ተመኪራቶ እያ።—ሉቃስ 12:22-24፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:8

ሳቢና ነቲ እትመሃሮ ዝነበረት ኣዝያ ስለ ዝፈተወቶ፡ ንኻልኦት ከተካፍሎም ባህጊ ኣሕደረት። ኰይኑ ግን፡ “ህዝባዊ ምስክርነት ብዛዕባ ምሃብ ክሓስብ ከለኹ፡ ኣዝየ እየ ዝርዕድ” በለት። ‘ኣነ ሓፋርን ብዙሕ ዘይተመሃርኩን ሰበይቲ፡ ከመይ ገይረ እየ ንኻልኦት ክምህር ዝኽእል፧’ ኢላ ሓሰበት። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝረኸበቶ ሕያውነትን ኣብ ህይወታ ዝረኣየቶ ዜደንቕ ለውጥን ነዚ ኽትገብር ደረኻ። ደቃ ኸም ኣብነት ገይረን ከም ዚርእያኣ ድማ ኣስተውዓለት። ስለዚ፡ እቲ ብስራት ንኻልኦት ክትነግር ጀመረት። ደቃ ኸኣ ብውዕውዕ ስምዒት ኣሰራ ሰዓባ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሳቢና መዓልቲ መዓልቲ ዘየሐጕስ ስራሕ ብምስራሕ ላዕልን ታሕትን እትብል ድኻ ሰበይቲ ኣይኰነትን። ቍጠባዊ ዅነታታ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይተለወጠ፡ ንህይወት ዘለዋ ኣረኣእያ ግን ተለዊጡ እዩ። ሎሚ፡ እተጠምቀት ክርስትያን ከም ምዃና መጠን፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እታ ንድኽነትን ንተስፋ ምቝራጽን ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ብስራት ትነግሮም እያ።—ማቴዎስ 6:10

ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ወጋሕታ ዀይኑ ኣሎ፡ ሳቢና ኻብታ ሓንቲ ኽፍሊ ጥራይ ዝዀነት ቤታ ኽትወጽእ ተዳልያ ኣላ። ሕጂ ግን ሳምቡሳ ኽትሸይጥ ኣይኰነትን እትወጽእ ዘላ። ምስ እተወሰኑ ጕጅለ ክርስትያናት ብጾታ ተራኺባ ኣብ መገዲ ምስክርነት ክትህብ እያ። ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኣብ ሰሙን እተወሰነ ሰዓታት ምውፋያ፡ ተወሳኺ ሓጐስ ኣምጽኣላ። ንቤታ ዓጸወቶ፡ ገጻ መሊሳ ኸኣ ባህ ዜብል ፍሽኽታ እናኣርኣየት በቲ ጐደና ኸደት። ሕጂ ግን ዓረብያ ዘይኰነስ፡ ቦርሳ እያ ሒዛ ዘላ። ኣብ ውሽጡ፡ እቲ መልእኽቲ ተስፋ ንምዝርጋሕ እትጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱሳን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣሎ። ሳቢና ብፍሽኽታ፡ “ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረቦም እየ ኢለ ሓሊመ እውን ኣይፈልጥን እየ። ኣዝየ እየ ፈትየዮ” በለት።