ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብጸሎት ኣቢላ ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት

ብጸሎት ኣቢላ ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ብጸሎት ኣቢላ ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት

ሃና ንጸገማ ኽትርስዖ ስለ ዝደለየት፡ ኣትኵሮኣ ንመገሻ ዚኸውን ነገራት ኣብ ምድላው ገበረት። ኤልቃና ሰብኣያ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ዀይኑ፡ ናብቲ ኣብ ሺሎ ዚርከብ ማሕደር በብዓመት ንኣምልኾ ናይ ምኻድ ልምዲ ስለ ዝነበሮ፡ እቲ እዋን እቲ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። የሆዋ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ እዋን እቲ ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ ዚደልዮ ነይሩ። (ዘዳግም 16:15) ሃና ኻብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ በዚ በዓላት ትሕጐስ ከም ዝነበረት ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ህይወታ እናሓደረ ኺቀያየር ጀመረ።

ሃና ዜፍቅራ ሰብኣይ ከም ዝነበራ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ኤልቃና ሰብኣያ፡ ጵኒና ዝስማ ኻልአይቲ ሰበይቲ እውን ነይራቶ እያ፣ ንህይወት ሃና ብጓሂ ኽትመልኦ ስራሐይ ኢላ እተዓጥቀት ከኣ እያ እትመስል ነይራ። ኣብቲ በብዓመት ዚግበር በዓላት ድማ ንሃና ብዝያዳ ኸም እትጕሂ ትገብራ ነበረት። ነዚ ብኸመይ እያ እትገብሮ ነይራ፧ ሃናኸ ነዚ ዘይከኣል ዚመስል ኵነታት ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ፡ ኣብ የሆዋ ዝነበራ እምነት ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧ ሓጐስካ ዜጥፍኣልካ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብፍላይ ነዚ ብዛዕባ ሃና ዚገልጽ ዛንታ፡ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

“እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ አሎ፧”

ሃና ኣብ ህይወታ ኽልተ ዓበይቲ ጸገማት ከም ዘጋጠማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ኣብቲ ሓደ፡ ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣይነበረን፣ ኣብቲ ኻልኣይ እሞ ኸኣ፡ ዋላ ሓንቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ኣይነበረን። ቀዳማይ፡ እቲ እተመርዓወቶ ሰብኣይ፡ ካልአይቲ ሰበይቲ ነበረቶ፣ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኸኣ፡ ንሃና መጻርርታን ጸላኢታን ነበረት። ካልኣይ፡ ሃና ውሉድ ኣይነበራን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንዝዀነት ትኹን ደቂ ኽትወልድ እትህንጠ ሰበይቲ ኸቢድ እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ ሃና ዝነበረትሉ እዋንን ባህልን እሞ ኸኣ፡ ምንጪ ብርቱዕ ጓሂ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት፡ ስማ ንምዕቃብ፡ ውሉድ ኪህልዋ ትደሊ ነበረት። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መኻን ምዃን ከም ውርደት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።

ጵኒና ንሃና እንተ ዘይተባጭወላ ነይራ፡ ምናልባት ሃና ነቲ ዘጋጠማ ጸገም ክትጻወሮ ምኸኣለት። ብመሰረቱ እውን እንተ ዀነ፡ ድርብ መውስቦ ሽግር እዩ ዚፈጥር። ከመይሲ፡ ቅንእን ባእስን ጓሂ ልብን እዩ ዜምጽእ። ምስቲ ኣምላኽ ኣብ ገነት ኤድን ዝሰርዖ ንጽል መውስቦ እውን ይጋጮ እዩ። a (ዘፍጥረት 2:24) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንድርብ መውስቦ ዚኽልክል፣ እቲ ኣብ ቤት ኤልቃና ዘጋጠመ ጸገም ድማ፡ እዚ ልምዲ እዚ ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ዜርኢ እዩ ነይሩ።

ኤልቃና ንሃና ኣዝዩ የፍቅራ ነበረ። ብመሰረት ያታ ኣይሁድ፡ ፈለማ ንሃና፡ እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ ድማ ንጵኒና ኸም እተመርዓዋ እዩ ዚንገር። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጵኒና ብሃና ኣዝያ ትቐንእ ስለ ዝነበረት፡ ንመጻርርታ ንምብስጫው ዘይፈንቀለቶ እምኒ ኣይነበረን። ሓደ ኻብቲ ጵኒና ኻብ ሃና እትበልጸሉ ዝነበረት ነገር፡ ውሉዳት ምውላዳ እዩ ነይሩ። ውሉዳት ብዝወለደት መጠን፡ ንርእሳ ብዝያዳ ኽብ ኣቢላ ኽትርኢ ጀመረት። ንሃና ኣብ ክንዲ እትሓዝነላን እተጸናንዓን ድማ፡ መመሊሳ ቝስላ ጐድኣታ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ጵኒና ንሃና “ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ” መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። (1 ሳሙኤል 1:6) ደይመደይ ኢላ፡ ንሃና ንኽትጐድኣ ኸምኡ ትገብር ነበረት፡ ተዓወተት ድማ።

እንዳ ኤልቃና በብዓመት ናብ ሺሎ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ፡ ሓደ ኻብቲ ጵኒና ንሃና እተበሳጭወሉ ዝነበረት ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ኤልቃና ንዅሎም ደቂ ጵኒና፡ ማለት “ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን” ካብቲ ንየሆዋ ዝቐረበ መስዋእቲ፡ ገግዲኦም ሃቦም። ነታ ውሉድ ዘይነበራ ሃና ግን፡ ግዲኣ ጥራይ እዩ ሂብዋ። ጵኒና ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒማ ንሃና ዀርዓትላ፣ ሃና ድማ ውሉድ ስለ ዘይነበራ፡ በኸየት፣ ሸውሃታ እውን ተዓጽወ። ኤልቃና፡ እታ ዜፍቅራ ሃና ኣዝያ ኸም ዝጐሃየትን ሸውሃታ ኸም እተዓጽወን ምስ ተረድአ፡ “ሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ፧ እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ፧ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ አሎ፧ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧” ኢሉ ኼጸናንዓ ፈተነ።—1 ሳሙኤል 1:4-8

ኤልቃና፡ ሃና ውሉድ ብዘይ ምውላዳ ኸም ዝጐሃየት ኣስተውዓለ። ሃና እውን እንተ ዀነት፡ ነቲ ኤልቃና ኸም ዜፍቅራ ዝሃባ መረጋገጺ ኣኽቢራ ርእያቶ ኽትከውን ኣለዋ። b ኰይኑ ግን፡ ኤልቃና ነቲ ጵኒና እትገብሮ ዝነበረት ክፍኣት ኣይጠቐሶን፣ ሃና ኸም ዝነገረቶ ዚሕብር ጸብጻብ እውን የልቦን። ምናልባት ሃና ንጵኒና እንተ ኣቃሊዓታ፡ እቲ ዅነታት መሊሱ እናገደደ ዚኸይድ ኰይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኤልቃና ነቲ ዅነታት ብሓቂ ኪቕይሮ ምኸኣለዶ፧ ጽልኢ ጵኒና ኸም ዚውስኽ፡ ደቃን ኣገልገልታን ድማ ንሃና ብዝያዳ ኸም ዚጸልእዋዶ ኣይምገበረን፧ ሃና ንጵኒና እንተ ተቃልዓ ነይራ፡ ኣብ ገዛእ ቤታ ኸም ጓና ምተራእየት።

ኤልቃና ብዛዕባ እቲ ጵኒና እትገብሮ ዝነበረት ሕማቕ ተግባር ይፍለጥ ኣይፍለጥ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ይርእዮ ነበረ። እዚ ዛንታ እዚ ኣብ ቃሉ ኸም ዚጸሓፍ ብምግባር ድማ፡ ንቕንእን ጽልእን ዚምልከት መጠንቀቕታ ሃበ። ብኻልእ ሸነኽ እውን፡ ከም ሃና ንጹሃትን ሰላማውያንን ዝዀኑ ሰባት፡ እቲ ፍትሒ ዚፈቱ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ኣብ ግቡእ ግዜኡን ንሱ ብዚደልዮ መገድን ከም ዚፈትሖ ብምፍላጥ ኪጸናንዑ ይኽእሉ እዮም። (ዘዳግም 32:4) ምናልባት ሃና ኻብ የሆዋ ሓገዝ ዝለመነት፡ ብዛዕባ እዚ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ክትከውን ትኽእል እያ።

“ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን”

እታ ስድራ ቤት ብጊሓት ተንሲኣ ሸበድበድ በለት። ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ፡ እንተላይ እቶም ቈልዑ፡ ንጕዕዞ ተዳለዉ። እታ ስድራ፡ ካብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ መሬት ኤፍሬም ናብ ሺሎ እትገብሮ ጕዕዞ፡ ንውሓቱ ልዕሊ 30 ኪሎ ሜተር እዩ ነይሩ። c እዚ ጕዕዞ እዚ፡ ብእግሪ እንተ ወሓደ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ እዩ ዚወስድ። ሃና፡ እታ መጻርርታ ዝነበረት ጵኒና ብዛዕባ እትገብሮ ነገራት ትፈልጥ ነይራ እያ። ብሰንኪ እዚ ግን ኣብ ቤታ ኣይተረፈትን። እዝስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ዚኸውን ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ሕማቕ ኣኻይዳ ኻልኦት ሰባት፡ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ ኺዓናቕፎ ኽንፈቕደሉ የብልናን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቲ ንኽንጸንዕ ዚሕግዘና በረኸት ኢና እንስእን።

እታ ስድራ ቤት፡ በቲ ጥውይዋይ ኣኽራን ተጓዒዛ፡ ኣብ ጥቓ ሺሎ በጽሐት። ኣብኡ ድማ ኣባላት እታ ስድራ ብነዋሕቲ ዅድዅዶታት ኣብ እተኸበበ ዅድዅዶ ኣዕረፉ። እናቐረቡ ምስ ከዱ፡ ሃና ብዛዕባ እቲ ብጸሎት ኣቢላ ንየሆዋ እትነግሮ ጕዳይ ብዙሕ ትሓስብ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ብሓደ ዀይኖም ተመገቡ። ምስ ወድኡ ድማ፡ ሃና ኻባታቶም ፍልይ ኢላ ናብቲ ማሕደር ከደት። ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ኮፍ ኢሉ ነበረ። ሃና ግን ብዛዕባ ኣምላኽ እያ እትሓስብ ነይራ። ኣብዚ ማሕደር ኰይና ምስ እትጽሊ፡ ኣምላኽ ከም ዚሰምዓ ርግጸኛ ነበረት። ዋላ እውን ካልእ ሰብ ንሽግራ ኣይረድኣዮ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ኸም ዚርድኣላ ትፈልጥ ነበረት። እቲ ዜጨንቕ ኵነታታ ስለ ዝረበሻ ኸኣ፡ ክትበኪ ጀመረት።

ሃና ብምኽንያት ብኽያት እናኣሕነቕነቐት ብውሽጣ ንየሆዋ ትዛረቦ ነበረት። ነቲ ዚስምዓ ዝነበረ ስቓይ ብዘይ ድምጺ ኽትዛረብ ከላ፡ ከናፍራ ይወሳወስ ነበረ። ልባ ናብ ሰማያዊ ኣቦኣ እናኣፍሰሰት፡ ነዊሕ ጸሎት ጸለየት። ኰይኑ ግን፡ ንኣምላኽ ውሉድ ኪህባ ጥራይ ኣይኰነትን ለሚናቶ። ካብ ኣምላኽ በረኸት ክትረክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ እውን ዚከኣላ ኽትህቦ ደለየት። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ወዲ እንተ ወሊዳ፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ኸም እትውፍዮ መብጽዓ ኣተወት።—1 ሳሙኤል 1:9-11

ሃና ብዛዕባ ጸሎት ዝመጸ፡ ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰናይ ኣብነት ሓዲጋትሎም እያ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ውሉድ ንፈቃር ወላዲኡ ብዛዕባ ዜተሓሳስቦ ጕዳያት ብግልጺ ዚነግሮ፡ የሆዋ እውን ንህዝቡ ዋላ ሓንቲ ኸይሓብኡ ልቦም ኣብ ቅድሚኡ ኼፍስሱ ጻውዒት የቕርበሎም እዩ። (መዝሙር 62:8፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17) ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ብዛዕባ እቲ ናብ የሆዋ ዚቐርብ ጸሎት ዚገልጽ ዜጸናንዕ ቃላት ጽሒፉ ነበረ፣ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ድማ በለ።—1 ጴጥሮስ 5:7

ይኹን እምበር፡ ሰባት ልክዕ ከም የሆዋ ደንገጽቲ ኣይኰኑን። ሃና እናበኸየት ክትጽሊ ኸላ፡ ሓደ ድምጺ ብሃንደበት ኣቋረጻ። እቲ ድምጺ፡ ናይቲ ብርሑቕ ዚርእያ ዝነበረ ኤሊ ዝስሙ ሊቀ ኻህናት እዩ ነይሩ። “ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪ፧ ወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮ” ድማ በላ። ኤሊ ነቲ ዚወሳወስ ዝነበረ ኸናፍር ሃናን ንብኽያታን ንሓዘናን ይርእዮ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ክንዲ እንታይ ከም ዝዀነት ዚሓትታ፡ ስኽርቲ ኸም ዝዀነት ሓሰበ።—1 ሳሙኤል 1:12-14

ሃና ኣዝያ ጕህያ ኽነሳ፡ ካብ ሓደ ዓብዪ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረት ዘይብሉ ኽሲ ኪቐርበላ ኸሎስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተጐዲኣ ኽትከውን ኣለዋ! እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን፡ ዜደንቕ እምነት ኣርኣየት። ናይ ሓደ ሰብኣይ ዘይፍጽምና፡ ካብቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣምልኾ ኺዓናቕፋ ኣይፈቐደትን። ንኤሊ ድማ ብዛዕባ ዅነታታ ብኣኽብሮት ገለጸትሉ። ድሕሪኡ፡ ኤሊ ምናልባት ብልኡም ደሃይ፡ “ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ” በላ።—1 ሳሙኤል 1:15-17

ሃና ናብ የሆዋ ልባ ምፍሳሳን ንዕኡ ኣብቲ ማሕደር ምምላኻን እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዔትውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን” ይብል። (1 ሳሙኤል 1:18) እወ፡ ሃና ዕረፍቲ ረኺባ እያ። ብምሳልያዊ መገዲ፡ ነቲ ተሰኪማቶ ዝነበረት ከቢድ ስምዒታዊ ጾር፡ ናብቲ ኻብኣ ንላዕሊ ዚሕይል ሰማያዊ ኣቦኣ ደርበየቶ። (መዝሙር 55:22) ንየሆዋ ኣዝዩ ዚኸብዶ ጸገም ኣሎዶ፧ ፈጺሙ የልቦን።

ክንድቈስ ከለና፡ ናብቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ብምጽላይ፡ ነቲ ሃና ዝሓደገቶ ኣብነት ክንስዕቦ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 65:2) ነዚ ብእምነት እንተ ጌርናዮ ድማ፡ ጓሂና በቲ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ኪትካእ ከሎ ኽንርኢ ኢና።—ፊልጲ 4:6, 7

“ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን”

ንጽብሒቱ፡ ሃና ምስ ኤልቃና ናብቲ ማሕደር ተመልሰት። ሓደ ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ዝኣተወቶ መብጽዓ እንተ ዘይተሰማሚዑሉ ኸንቱ ኺገብሮ መሰሉ ኸም ዝዀነ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ስለ ዚርከብ፡ ሃና ንኤልቃና ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዝሓተተቶ ነገርን ብዛዕባ እቲ ዝኣተወቶ መብጽዓን ከም ዝነገረቶ ኣየጠራጥርን እዩ። (ዘሁልቍ 30:10-15) ኰይኑ ግን፡ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኤልቃና፡ ነቲ መብጽዓ ኸንቱ ኣይገበሮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱን ሃናን ናብ ዓዶም ቅድሚ ምምላሶም፡ ኣብቲ ማሕደር ንየሆዋ ሰገዱሉ።

ጵኒና ንሃና ኸተበሳጭዋ ኸም ዘይትኽእል ዝፈለጠት መዓስ እያ፧ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ “ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን” ዚብል መግለጺ ግን፡ ሃና ኻብኡ ንንየው ሕጉስቲ ኸም ዝነበረት ዚሕብር እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጵኒና ንኸተሕርቕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኺዕወት ኣይከኣለን። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ንጵኒና ደጊሙ ኣይጠቐሳን።

ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ንሃና ዜሐጕስ ነገር ኣጋጠማ። ነፍሰ-ጾር ኰነት። እዚ በረኸት እዚ ኻበይ ከም ዝመጸ ትፈልጦ ነይራ እያ። ወዲ ምስ ወለደት ድማ፡ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ፣ ትርጕሙ፡ “ስም ኣምላኽ” ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ንስም ኣምላኽ ምጽዋዕ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ ዝወለደትላ ዓመት፡ ምስ ኤልቃናን ምስታ ስድራ ቤትን ኰይና ናብ ሺሎ ኣይከደትን። እቲ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሓድግ፡ ንሰለስተ ዓመት ዚኣክል ካብታ ዓዲ ኣይወጸትን። ብዘለዋ ሓይሊ ድማ፡ ነታ ኻብ እተፍቅሮ ወዳ እትፈላለየላ መዓልቲ ተዳለወት።

እቲ ሃና ምስ ወዳ እትፈላለየሉ እዋን ቀሊል ኣይነበረን። ሓቂ እዩ፡ ሃና፡ ሳሙኤል ኣብ ሺሎ ጽቡቕ ክንክን ከም ዚረክብ፡ ምናልባት እውን እተን ኣብቲ ማሕደር ዜገልግላ ኣንስቲ ኸም ዚከናኸናኦ ትፈልጥ ነይራ እያ። ይኹን እምበር፡ ሳሙኤል ገና ንእሽቶ እዩ ነይሩ። ምስ ውሉዳ ኽትከውን ዘይትብህግ ኣደኸ መን እያ፧ ኰይኑ ግን፡ ሃናን ኤልቃናን ነቲ ቘልዓ እናጐሃዩ ዘይኰነስ፡ እናተሓጐሱ ሒዞምዎ ኸዱ። ኣብ ቤት ኣምላኽ መስዋእቲ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ንሳሙኤል ናብ ቅድሚ ኤሊ ወሰድዎ፣ ንኤሊ ድማ ብዛዕባ እቲ ቕድሚ እተወሰነ ዓመታት ሃና ዝኣተወቶ መብጽዓ ኣዘኻኸርዎ።

ድሕሪኡ፡ ሃና ናብ የሆዋ ጸለየት፣ ንሱ ኸኣ ነዚ ጸሎት እዚ ኣብቲ መንፈሱ ዝነፈሶ ቓሉ ኸም ዚሰፍር ገበረ። ነቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 2:1-10 ዚርከብ ሃና ዝጸለየቶ ጸሎት ከተንብብ ከለኻ፡ እምነታ ኽሳዕ ክንደይ ድልድልቲ ምንባራ ኸተስተብህል ኢኻ። ንየሆዋ ስለቲ ዜደንቕ ሓይሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ንዕቡያት ንኼዋርዶም፡ ንጥቑዓት ንኺባርኾም፡ ከምኡውን ስለቲ ንምጥፋእ ኰነ ንምድሓን ዚጥቀመሉ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኽእለቱ ወደሰቶ። ስለ ቕድስናኡን ፍትሑን ተኣማንነቱን እውን ወዲሳቶ እያ። “ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ . . . የልቦን” ክትብል እምበኣር ሓቃ እያ። እቶም ካብ የሆዋ ሓገዝ ዚሓቱ ጥቑዓትን ግፉዓትን ሰባት፡ ንሱ እሙንን ዘይቅየርን መዕቈብን ምዃኑ ኺርእዩ ይኽእሉ እዮም።

ሳሙኤል፡ ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ዘለዋ ኣደ ምርካቡ ተባሪኹ እዩ ነይሩ። እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ፡ ንኣዲኡ ይናፍቓ እኳ እንተ ነበረ፡ እተረስዐ ዀይኑ ግን ኣይተሰምዖን። ከመይሲ፡ ሃና ኣብ ዓዓመት ናብ ሺሎ ተመሊሳ ኽትከይድ ከላ፡ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ሒዛትሉ ትኸይድ ነበረት። ነቲ ቐምሽ ባዕላ ትሰፍዮ ብምንባራ፡ ንወዳ ኽሳዕ ክንደይ ተፍቅሮን ትሓልየሉን ከም ዝነበረት ዜርኢ እዩ። (1 ሳሙኤል 2:19) ነቲ ቐምሽ ከዲና ኸተተዓራርየሉን ብሕያውነት ክትዛረቦን ከተተባብዖን ከላ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ሳሙኤል ከምዚኣ ዓይነት ኣደ ብምርካቡ ተባሪኹ እዩ፣ ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ዓብዩ ንወለዱን ንብምልእታ እስራኤልን በረኸት ኰነ።

ሃና እውን እንተ ዀነት ኣይተረስዐትን። ከመይሲ፡ የሆዋ ንሃና፡ ንኤልቃና ሓሙሽተ ቘልዑ ኸም እትወልደሉ ብምግባር፡ ባሪኹዋ እዩ። (1 ሳሙኤል 2:21) ምናልባት ሃና ዝረኸበቶ ዝዓበየ በረኸት፡ እቲ ኣብ መንጎኣን ኣብ መንጎ የሆዋን ዝነበረ ርክብ እዩ፣ እዚ ርክብ እዚ ኸኣ ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እናደልደለ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ንስኻ እውን ኣስኣሰር እምነት ሃና ኣብ እትስዕበሉ እዋን፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኪድልድል ንምነ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ ንድርብ መውስቦ ዕሽሽ ዝበለሉ ምኽንያት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 30 እትርከብ፡ “ኣምላኽ ንድርብ መውስቦ ይድግፎ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ‘ንማሕጸን ሃና ኸም ዝዓጸዎ’ ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ በዛ ትሕትናን እምነትን ዘርኣየት ሰበይቲ ኸም ዝጐሃየ ዚሕብር መርትዖ ግን የልቦን። (1 ሳሙኤል 1:5) ሓድሓደ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንግዜኡ ኪኸውን ንዝፈቐዶ ፍጻመታት፡ ንሱ ኸም ዝገበሮ ገይሩ ይገልጽ እዩ።

c እቲ ኣብዚ ተዋሂቡ ዘሎ ርሕቀት፡ እታ ዓዲ ኤልቃና ዝዀነት ራማ፡ ምስታ ደሓር ኣርማትያስ እተባህለት ብግዜ የሱስ ዝነበረት ከተማ ሕደ ኪዀና ይኽእላ እየን ኣብ ዚብል እምነት እተመርኰሰ እዩ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]

ክልተ ዜደንቕ ጸሎት

እቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 1:11 ዀነ ኣብ 1 ሳሙኤል 2:1-10 ዚርከብ ሃና ዘቕረበቶ ኽልተ ጸሎት፡ ሓለፍ ዝበለ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

ሃና ኣብታ ናይ መጀመርታ ጸሎታ፡ ንየሆዋ፡ “ጐይታ ሰራዊት” ኢላ ጸውዓቶ። ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ንየሆዋ በዚ መዓርግ እዚ ዝጸውዕዎ ሰባት፡ ንሳ ናይ መጀመርታ እያ። እቲ መዓርግ፡ ኣብ በዅሪ መጽሓፍ ቅዱስ 285 ሳዕ እዩ ዚርከብ፣ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ብዙሓት መንፈሳውያን ደቁ ንዘለዎ ስልጣን ድማ እዩ ዜመልክት።

ሃና ነቲ ኻልኣይ ጸሎት፡ ወዳ ምስ ተወልደ ዘይኰነስ፡ ንሳን ኤልቃናን፡ ወዶም ንኣምላኽ ንኼገልግል ኣብ ሺሎ ኬቕርብዎ ኸለዉ እያ ጸልያቶ። ስለዚ፡ ንጵኒና ኣፋ ብምትሓዛ ዘይኰነስ፡ ካብ የሆዋ በረኸት ብምርካባ ትሕጐስ ከም ዝነበረት ዜርኢ እዩ።

ሃና፡ “ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል” ክትብል ከላ፡ ነቲ ኸቢድ ዕዮ ዚዓይን ንቐርኑ ብሓይሊ ዚጥቀመሉን ብዕራይ ኣብ ኣእምሮኣ ሒዛ ኽትከውን ኣለዋ። ስለዚ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ዎ የሆዋ፡ ኣበርቲዕካኒ ኢኻ’ እያ እትብሎ ነይራ።—1 ሳሙኤል 2:1

ሃና ብዛዕባ “መሲህ” ወይ ቅቡእ ኣምላኽ እተዛረበቶ ቓላት፡ ትንቢታዊ እዩ ነይሩ። ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ነዛ ቓል እዚኣ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚቕባእ ንጉስ ንምምልካት እተጠቕሙላ ሰባት፡ ንሳ ናይ መጀመርታ እያ።—1 ሳሙኤል 2:10

ኣስታት 1,000 ዓመት ጸኒሑ፡ ማርያም ኣደ የሱስ፡ ንየሆዋ ንምውዳስ ምስቲ ሃና ዘቕረበቶ ጸሎት ዚመሳሰል መግለጺ ተጠቕመት።—ሉቃስ 1:46-55

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሃና ውሉድ ብዘይ ምውላዳ እትጕህዮ ኸይኣኽላ፡ ጵኒና መመሊሳ ተጋድደላ ነበረት

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኤሊ ንሃና ብጌጋ እኳ እንተ ፈረዳ፡ ንሳ ግን በዚ ኣይጐሃየትን

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ልቢ ብምጽላይ፡ ነቲ ሃና ዝሓደገቶ ኣብነት ክትስዕቦ ትኽእልዶ፧