ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ዘይተሃወኸሉ ምኽንያት

የሱስ ዘይተሃወኸሉ ምኽንያት

ንደቅኻ ምሃሮም

የሱስ ዘይተሃወኸሉ ምኽንያት

የሱስ እቲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ኣልኣዛር ኣዝዩ ኸም ዝሓመመ ሰምዐ። ነዚ ዝነገሮ ኸኣ፡ እተን ኣሓት ኣልኣዛር ዝዀና ማርያምን ማርታን ዝለኣኻኦ ልኡኽ እዩ። እቲ ልኡኽ ካብታ ኣልኣዛርን ኣሓቱን ዚነብሩላ ዝነበሩ ቢታንያ እትበሃል ዓዲ እዩ መጺኡ። እተን ኣሓት ኣልኣዛር ካብቲ የሱስ ዝነበረሉ ኸባቢ ርሒቐን ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ይነብራ እኳ እንተ ነበራ፡ የሱስ ኣብ ዘለዎ ዀይኑ ንሓወን ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል እምነት ነይርወን እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዀይኑ ንሰባት ከም ዘሕወየ ይፈልጣ ነይረን እየን።—ማቴዎስ 8:5-13፣ ዮሃንስ 11:1-3

የሱስ፡ እቲ ልኡኽ መጺኡ ዜሕዝን ወረ ምስ ነገሮ፡ ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣይወሰደን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዐለ” ይብል። (ዮሃንስ 11:6) የሱስ ዘይተሃወኸሉ ምኽንያት ትፈልጥዶ፧— a ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።

የሱስ፡ ኣልኣዛር ብሰንኪ ሕማሙ ኸም ዝሞተ ስለ ዝፈለጠ፡ ንሃዋርያቱ፡ “ደጊም ንዑናይ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧” በልዎ። የሱስ ግን፡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ” ኢሉ ገለጸሎም።

ሽዑ እቶም ሃዋርያት፡ “ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ” ኢሎም መለሱሉ። የሱስ፡ “ኣልኣዛር ሞይቱ” ኢሉ ገለጸሎም። ቀጺሉ ድማ ኣገሪምዎም ኪኸውን ዚኽእል ነገር ነገሮም፣ “ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ . . . ብዛዕባኹም እሕጐስ አሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ” በሎም።

ቶማስ ብትብዓት፡ “ንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” ኢሉ ተዛረበ። ቶማስ፡ ጸላእቲ ንየሱስ ኪቐትልዎ እንደገና ኸም ዚፍትኑ፡ እቶም ሃዋርያት ከኣ ኪቕተሉ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኵሎም ምስ የሱስ ሓቢሮም ከዱ። ዳርጋ ኽልተ መዓልቲ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብታ ዓዲ ኣልኣዛር ዝዀነት ቢታንያ በጽሑ። እታ ዓዲ ኻብ የሩሳሌም ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ እያ እትርከብ።—ዮሃንስ 11:7-18

የሱስ ናብታ ዓዲ ቐልጢፉ ብዘይምኻዱ ስለምንታይ ከም እተሓጐሰ ትፈልጥዶ፧— የሱስ ንምዉታት ኣተንሲኡ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ዘተንስኦም ሰባት ካብ ዚሞቱ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ዝገበሩ እዮም ነይሮም። (ሉቃስ 7:11-17, 22፣ 8:49-56) ኣልኣዛር ካብ ዚቕበር ግን መዓልትታት ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ናይ ብሓቂ ኸም ዝሞተ ንዋላ ሓደ ሰብ ዜጠራጥር ኣይነበረን!

ማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር፡ የሱስ ኣብ ጥቓ ቢታንያ ኸም ዝበጽሐ ምስ ፈለጠት፡ ንኽትቅበሎ ጐይያ ወጸት። “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” ድማ በለት። የሱስ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ኢሉ ኣጸናንዓ። ማርታ ናብ ማርያም ሓብታ ሰላሕ ኢላ ኸይዳ፡ “መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን አሎ” በለታ።

ማርያም ቀልጢፋ ናብ የሱስ ከደት። እቶም ሰባት ግን ናብቲ መቓብር ዝኸደት መሲልዎም ደድሕሪኣ ሰዓቡ። የሱስ፡ ማርያምን እቶም ምስኣ ዝነበሩ ሰባትን ኪበኽዩ ምስ ረኣየ፡ “ነብዔ።” ድሕሪኡ፡ ኵሎም ናብቲ ብእምኒ እተዓጽወ መቓብር ቀልጢፎም ከዱ። የሱስ ድማ፡ “ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። ማርታ ግን፡ “ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” ኢላ ተቓወመት።

እቶም ህዝቢ ንየሱስ ተኣዚዞም ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። የሱስ ከኣ፡ ንኣልኣዛር ንምትንሳእ ዜኽእሎ ሓይሊ የሆዋ ኸም ዚህቦ ይተኣማመን ስለ ዝነበረ፡ ኣቐዲሙ ንየሆዋ ምስጋናኡ ንምግላጽ ጸለየ። ቀጺሉ፡ “ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ።” ኣልኣዛር ድማ፡ “ብግኑዙ” ኻብቲ መቓብር ወጸ። ድሕሪኡ የሱስ፡ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” ኢሉ ኣዘዘ።—ዮሃንስ 11:19-44

እሞኸ የሱስ ስለምንታይ ከም ዘይተሃወኸ ተረዲኡካዶ፧— ቀልጢፉ ምስ ዘይከይድ፡ ብዛዕባ ኣቦኡ የሆዋ ብሉጽ ምስክርነት ኪህብ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። ጽቡቕ ግዜ ብምምራጹ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ብኣምላኽ ኪኣምኑ ኽኢሎም እዮም። (ዮሃንስ 11:45) ካብዚ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ኣስተብሂልካዶ፧—

ንስኻ እውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበሮን ንቐጻሊ ዚገብሮን ዜደንቕ ነገራት ንኻልኦት ክትነግሮም ዜኽእለካ ጽቡቕ ግዜ ኽትመርጽ ትኽእል ትኸውን። ምናልባት ንመማህርትኻ ወይ ንመምህራንካ ብዛዕባ እዚ ኽትነግሮም ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም መንእሰያት፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እተምጽኣሎም ዜደንቕ በረኸት ንኺዛረቡ ኣብ ቤት ትምህርቶም እተኸፍተሎም ኣጋጣሚ ተጠቒሞምሉ እዮም። ሓቂ እዩ፡ ንምውታት ከተተንስእ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ኰይኑ ግን፡ ካልኦት ብዛዕባ እቲ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ናብ ህይወት ኪመልሶም ዚኽእል ኣምላኽ ኪፈልጡ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

የሱስ ንኣልኣዛር ኪሕግዞ ተሃዊኹ ዘይከደ ስለምንታይ እዩ፧

ቶማስ፡ “ንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ዝኸኣለ ኸመይ ገይሩ እዩ፧

ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ከም እተመሃርካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧