ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወዲ ምብራቕ እስያ ኣብ ጥንታዊት ኢጣልያ

ወዲ ምብራቕ እስያ ኣብ ጥንታዊት ኢጣልያ

ወዲ ምብራቕ እስያ ኣብ ጥንታዊት ኢጣልያ

ኣስታት 2,000 ዓመት ኣቢሉ ይነብር ዝነበረ ምብራቕ እስያ ዝመበቈሉ ሰብ፡ ኣብ ጥንታዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ኪርከብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ እቶም ብ2009 ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዜደንቕ ነገር ዝረኸቡ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ኺሓስቡ ተገዲዶም እዮም።

ኣብቲ ኻብ ባሪ ብሸነኽ ምዕራብ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ቫኛሪ ዚበሃል ጥንታዊ ናይ ሮማውያን መቓብር እተረኽበሉ ቦታ፡ ሰብዓን ሓሙሽተን ኣስከሬን ሰብ ተረኽበ። ኣብቲ ኣዕጽምቲ እተገብረ መርመራ፡ መብዛሕትኡ ኣብቲ ኸባቢ ናይ እተወልዱ ሰባት ኣስከሬን ከም ዝዀነ ኣረጋገጸ። ኣስከሬን ናይ ሓደ ሰብ ግን ነቶም ተመራመርቲ ኣገሪምዎም እዩ። ውጽኢት እቲ መርመራ ማይቶኮንድርዮናዊ ዲ.ኤን.ኤ፡ ብኣዲኡ ምብራቕ እስያዊ ኸም ዝዀነ ዜርኢ እዩ ነይሩ። * እቲ ሬሳ ኣብ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ እዩ። ብዛዕባ እቲ ርኽበት ዚገልጽ ጸብጽብ ከም ዚሕብሮ፡ “እዚ ንፈለማ እዋን ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ እተረኽበ መበቈል ምብራቕ እስያ ዘለዎ ኣስከሬን እዩ።” እዚ ሰብ እዚ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

እቲ ጸብጻብ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብ ፈለማ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ሮማን ዝነበረ ንግዲ ሃሪ ርክብ ዝነበሮ ኺመስለና ይኽእል እዩ” በለ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ንግዲ እዚ ዚሳተፉ ሰባት ካብ ቻይና ኽሳዕ ኢጣልያ 8,000 ኪሎ ሜተር ኣይጐዓዙን እዮም ነይሮም፣ የግዳስ፡ ብመንጎኛታት ወይ ብቕብብል የካይድዎ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚእመነሉ።

እቲ ኣስከሬን እተረኽበሉ ቦታ እንታይ ሓበሬታ ኺህበና ይኽእል፧ ብግዜ ጥንቲ፡ ቫኛሪ ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት እትመሓደር ዓዲ እያ ነይራ፣ ኣብኣ ኸኣ ሓጺን ዜምክኹን ማቶኔላ ዚሰርሑን ሸቃሎ ነበሩ። መብዛሕትኦም ሸቃሎ እታ ዓዲ ባሮት እዮም ነይሮም፣ እቲ ወዲ ምብራቕ እውን ባርያ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብ ናይ ሃብታማት መቓብር ኣይኰነን ተቐቢሩ። ኣብቲ መቓብር ምስኡ እተቐብረት ንብረቱ፡ ሓንቲ ድስቲ ጥራይ ክትከውን ከላ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ካልእ ሰብ ተቐቢሩ ነበረ።

እዚ ርኽበት እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ዝርጋሐ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ክርስትያናዊ መልእኽቲ፡ ብመጠን እቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት እተጓዕዝዎ ርሕቐት እዩ ዚውሰን ነይሩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ በቶም ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ወጻእተኛታት ናብ ኵሉ ኸም እተዘርግሐ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-12, 37-41) እዚ ኣስከሬን ድማ፡ እንተ ወሓደ ኣብቲ እዋን እቲ ገለ ሰባት ካብ ምብራቕ እስያ ናብ ከባቢ መዲተራነያን ይጐዓዙ ኸም ዝነበሩ ይሕብር እዩ። *

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ መርመራ ማይቶኮንድርዮናዊ ዲ.ኤን.ኤ፡ ብዛዕባ መበቈል ኣቦኡ ሓበሬታ ኺህብ ኣይከኣለን።

^ ሕ.ጽ. 6 ምዕራባውያን ናብ ምብራቕ እስያ ይጐዓዙ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር መርትዖ እውን ኣሎ። ነታ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሚስዮናውያን ናብ ምብራቕ ክሳዕ ኣበይ ኪኸዱ ይኽእሉ ነይሮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ]

(For fully formatted text, see publication)

ሮማ

ቫኛሪ

ባሕሪ መዲተራነያን

ምብራቕ እስያ

ፓስፊክ ውቅያኖስ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መቓብር ጥንታዊት ሮማ እተረኽበ ኣስከሬን ወዲ ምብራቕ እስያ

[ምንጪ ስእሊ]

© Su concessione del Ministero per i Beni e le Attività Culturali - Direzione Regionale per i Beni Culturali e Paesaggistici della Puglia - Soprintendenza per i Beni Archeologici della Puglia