ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ

የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ

የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ

“ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።”—ዮሃንስ 4:34

የሱስ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት እተዛረበሉ ዅነታት ምፍላጥና፡ ህይወቱ ኣብ ምንታይ ዘተኰረ ኸም ዝነበረ ይሕብረና እዩ። ቀቅድሚ እዚ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን፡ ናይ ንግሆ ብምሉኡ በቲ ዅድዅዶታት ዝመልኦ ገጠራት ሰማርያ ተጓዒዞም እዮም። (ዮሃንስ 4:6ትርጕም 1990) ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ የሱስ ከም ዝጠመየ ስለ ዝሓሰቡ፡ ዚብላዕ ኣቕረቡሉ። (ዮሃንስ 4:31-33) ኣብ ምላሹ ድማ፡ ዕላማ ህይወቱ ብሓጺር ገለጸሎም። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር፡ ካብ ብልዒ ንላዕሊ ኣገዳሲ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ኣብ ምሉእ ህይወቱ፡ ብቓልን ብግብርን፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዚገብር ነይሩ። እዚ እንታይ የጠቓልል ነበረ፧

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምምሃርን፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ . . . እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ . . . ይዘውር ነበረ” ብምባል፡ ቀንዲ ዕዮ የሱስ ይገልጸልና እዩ። (ማቴዎስ 4:23) የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ ወይ ይእውጅ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይምህር፡ ማለት ይገልጽን የረድእን እውን ነይሩ እዩ። ፍረ ነገር መልእኽቲ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ነይራ።

የሱስ ኣብ ምሉእ ኣገልግሎቱ፡ ንሰማዕቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን እንታይ ከም እትገብርን ምሂሩ እዩ። ብዛዕባ እታ መንግስቲ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓቅታትን ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እተዛረቦ ቓላት ዝሓዘ ጥቕስታትን ርአ።

▪ መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ እያ፣ ንጉሳ ኪኸውን ብየሆዋ እተሸመ ኸኣ የሱስ እዩ።—ማቴዎስ 4:17፣ ዮሃንስ 18:36

▪ መንግስቲ ኣምላኽ ንስም ኣምላኽ ክትቅድሶን ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን ክትገብርን እያ።—ማቴዎስ 6:9, 10

▪ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ መላእ ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ እያ።—ሉቃስ 23:42, 43NW።

▪ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኽትፍጽምን እያ። *ማቴዎስ 24:3, 7-12

ተኣምራት ምግባር፦ የሱስ ብቐዳምነት ከም “መምህር” እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። (ዮሃንስ 13:13) ኰይኑ ግን፡ ኣብተን ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፈን ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፡ ብዙሕ ተኣምራት እውን ገይሩ እዩ። እዚ ተኣምራት እዚ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ዕላማ ነበሮ። ቀዳማይ፡ የሱስ ብርግጽ ብኣምላኽ ከም እተላእከ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:2-6) ካልኣይ፡ ኣብ መጻኢ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ምስ መጸ፡ ብዓብዪኡ እንታይ ከም ዚገብር እዩ ዚሕብር ነይሩ። ገለ ኻብቲ ንሱ ዝገበሮ ተኣምራት እስከ ንርአ።

▪ ንማዕበል ኣህድአ፡ ንንፋስ እውን ዝግ ኣበለ።—ማርቆስ 4:39-41

▪ ንዕዉራትን ንጸማማትን ንሓንካሳትን፡ ኰታስ እተፈላለየ ሕማም ንዘለዎም ኣሕወየ።—ሉቃስ 7:21, 22

▪ ብሒደት ምግቢ ገይሩ ንብዙሕ ህዝቢ መገበ።—ማቴዎስ 14:17-21፣ 15:34-38

▪ እንተ ወሓደ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት፡ ንምዉታት ኣተንስአ።—ሉቃስ 7:11-15፣ 8:41-55፣ ዮሃንስ 11:38-44

ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ንጉስ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኸመይ ከም ዚመስል እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ!

ባህርያት የሆዋ ኣምላኽ ምግላጽ፦ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ እተፈልጠ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ ብዛዕባ የሆዋ ኺምህር ብቕዓት ዘለዎ የልቦን። “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ስለ ዝዀነ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ፍጡር ንላዕሊ ምስ የሆዋ ኣብ ሰማይ ነይሩ እዩ። (ቈሎሴ 1:15) ሓሳባትን ፍቓድን መለክዒታትን መገድታትን ኣቦኡ ንኺመሃር ዝነበሮ ኣጋጣሚታት እሞ ሕስብ ኣብሎ።

ስለዚ፡ የሱስ፡ “ንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን” ኪብል ክኢሉ እዩ። (ሉቃስ 10:22) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣቦኡ ኸመይ ከም ዚመስል ብፍታውን ብሃንቀውታን ገሊጹ እዩ። ምስቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ይነብር ብምንባሩ፡ ነቲ ናይ ሽዑ ተዘክሮታቱ ድማ ኣብ ትምህርቱ ስለ እተጠቕመሉ፡ ዘረባኡን ትምህርቱን ንበይኑ እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 8:28

የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ብምግላጽ ዝገበሮ ተግባር፡ በቲ ሓደ ትራንስፎርመር ኤለክትሪክ ዚዓዮ ዕዮ ኺምሰል ይከኣል እዩ። ትራንስፎርመር ንልዑል ቮልተጅ ዘለዎ ኤለክትሪክ ናብ ዝተሓተ ቮልተጅ ይቕይሮ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንተራ ተጠቃሚ ምሹእ ይገብሮ። የሱስ እውን ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ ሰማያት ብዛዕባ ኣቦኡ ዝፈለጦ ነገራት፡ ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ትሑታት ሰባት ብቐሊሉ ኺርድእዎን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ብዚኽእሉሉ መገዲ ኣመሓላለፎ።

የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ዝገለጸሉ ኽልተ ኣገዳሲ መገድታት እስከ ንርአ።

▪ የሱስ ብትምህርቱ ኣቢሉ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ማለት ብዛዕባ ስምን ዕላማን መገድታትን የሆዋ ሓቂ ኣፍሊጡ እዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ 17:6, 26

▪ የሱስ ብተግባራቱ ኣቢሉ፡ ሓያሎ ጽቡቕ ባህርያት የሆዋ ገሊጹ እዩ። ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ስለ ዘንጸባረቖ፡ ‘ኣቦይ ከመይ ከም ዚመስል ክትፈልጡ እንተ ደሊኹም፡ ንዓይ ተመልከቱ’ ዚብል መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ክኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 5:19፣ 14:9

እቲ የሱስ ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ተግባራት የስደምመና እዩ። ስለምንታይ ከም ዝሞተ እንተ መርሚርናን ምስቲ እንመሃሮ ተሰማሚዕና እንተ ተመላሊስናን ከኣ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 9 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም እትመጽእ ብኸመይ ከም እንፈልጥን ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧” ኣብ ዘርእስታ ምዕራፍ 8ን “ኣብተን ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ዲና እንነብር ዘለና፧” ኣብ ዘርእስታ ምዕራፍ 9ን ርአ።