ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንቢት 2. ጥሜት

ትንቢት 2. ጥሜት

ትንቢት 2. ጥሜት

“ጥሜት ኪኸውን እዩ።”—ማርቆስ 13:8

● ሓደ ሰብኣይ ተሰዲዱ ኣብ ኒዠር ናብ እትርከብ ቍሸት ክዋራታጊ ኸደ። ኣዝማዱን ኣሕዋቱን ኣሓቱን እውን፡ ብሰንኪ ጥሜት ካብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ተሰዲዶም ናብቲ ቦታ እቲ ኸይዶም እዮም። እቲ ሰብኣይ ግን በይኑ ኣብ ተንኮበት ኮፍ ኢሉ ነበረ። ስለምንታይ እዩ በይኑ ኪኸውን ደልዩ፧ ሲዲ ዝስሙ ጭቃ ዓዲ እታ ቝሸት፡ “[ንስድራ ቤቱ] ኪምግብ ብዘይምኽኣሉ፡ ዓይኖም ክርኢ ስለ ዝኸበዶ እዩ” በለ።

መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧ ኣብ መላእ ዓለም፡ ካብ ሸውዓተ ሰብ እቲ ሓደ መዓልታዊ እኹል ምግቢ ኣይረክብን እዩ። ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ሰለስተ ሰብ እቲ ሓደ ብኽቱር ጥሜት ስለ ዚሳቐ እቲ ዅነታት ዝኸፍአ እዩ። ነዚ ንምብራህ፡ ኣቦን ኣደን ውሉድን ዝሓዘት ስድራ ቤት እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣል። ንኽልተ ሰብ ዚኸውን ምግቢ ጥራይ እንተ ኣልዩ፡ መን እዩ ኸይበልዐ ኺተርፍ፧ እቲ ኣቦ፡ እታ ኣደ፡ ወይስ እቲ ውሉድ፧ እዚ ዅነታት እዚ፡ ኣብ ሓያሎ ስድራ ቤታት ዜጋጥም ዘሎ መዓልታዊ ተርእዮ እዩ።

ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ተቓውሞ እንታይ እዩ፧ ምድሪ ንዅሉ ሰብ ዚኸውን ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ተፍሪ እያ። ባህርያዊ ጸጋታት ምድርና ጽቡቕ ምሕደራ ጥራይ እዩ ዜድልዮ።

እዚ ተቓውሞ እዚ ርትዓዊ ድዩ፧ ሓቂ እዩ፡ ሓረስቶት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኼፍርዩን ፍርያቶም ኬጐዓዕዙን ይኽእሉ እዮም። ሰብኣውያን መንግስትታት፡ ጥሜት ንምጥፋእ ነቲ ኣብ ምድርና ዚፈሪ ምግቢ ብግቡእ ኬመሓድርዎ ኸም ዘለዎም ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ከምኡ ኺገብሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኣይተዓወቱን።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ኣብ ማርቆስ 13:8 ዘሎ ትንቢት ይፍጸምዶ ኣሎ፧ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ እናሃለወ ኽነሱ፡ ብደረጃ ዓለምለኸ ሕጽረት ምግቢ ይርአዶ ኣሎ፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ደድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ካልእ ምልክት እውን ይርአ እዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ልዕሊ ሓደ ሲሶ ኻብቶም ብነድሪ ሳምቡእን ብሕማም ውጽኣትን ብኻልእ ሕማማትን ዚሞቱ ቘልዑ፡ እተመጣጠነ ምግቢ እንተ ዚረኽቡ ነይሮም፡ ኣይምሞቱን።”—ኣን ኤም. ቪንማን፡ ፈጻሚ ዳይሬክተር ማዕከን ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Paul Lowe/Panos Pictures