ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ትርጕም ኣልቦ እትመስል ስለምንታይ እያ፧

ህይወት ትርጕም ኣልቦ እትመስል ስለምንታይ እያ፧

ህይወት ትርጕም ኣልቦ እትመስል ስለምንታይ እያ፧

እቲ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ሓጺር፥ ከንቱ፥ ከም ጽላሎት ዚኃልፍ” ኢሉ ዝገለጾ ህይወት፡ ትርጕም ከም ዘለዎ ኽትኣምን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ (መክብብ 6:12ትርጕም 1990) ምኽንያቱ፡ እቲ ዜተኣማምን ምንጪ ሓበሬታ ዝዀነ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ህይወት ናይ ሓቂ ትርጕም ከም ዚህልዎ ይመባጻዕ እዩ።​—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብመጀመርታ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ይነግረና እዩ። ዓለም ብዘይፍትሓውነትን ብግፍዕን ብመከራን መሊኣትሉ ዘላ ምኽንያት እውን ይገልጸልና እዩ። ነዚ ኽንርድኦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ሰባት፡ ህይወት ትርጕም ከም ዘይብላ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ዚገብሮም ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ስለ ዘይፈልጡ፡ ወይ ኪፈልጡ ስለ ዘይደልዩ እዩ።

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ * ንምድሪ፡ ዚጐድላ ዘይብላ ገነታዊት መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን፡ ማለት ሰብኡትን ኣንስትን ሰብኣዊ ፍጽምና ረኺቦም ንዘለኣለም ተሓጒሶም ኪነብሩላ እዩ ፈጢርዋ። እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ፡ ምስቲ ብዙሓት ዚኣምኑሉ፡ ግናኸ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኸም መፈተኒት ደቂ ሰብ ክትከውን ፈጢርዋ ዚብል ሓሳብ ይጋጮ እዩ። እቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ዚቕበልዎ ሰባት፡ ደቂ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ከም ዚህልዎም ይኣምኑ።​—ነታ፡ “ህይወትና ትርጕም ንኺህልዋ፡ ካብ ምድሪ ወጻኢ ኽንከይድ ኣሎና ድዩ፧” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 6 ዘላ ሳጹን ርአ።

ኣምላኽ ንሰብኣይን ንሰበይትን ብመልክዑ ፈጠሮም፣ እዚ ኸኣ፡ ነቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ኼንጸባርቑ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም የመልክት። (ዘፍጥረት 1:26, 27) ፍጹማት ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ኣፍረይቲ ዀይኖም ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንዘለኣለም ምእንቲ ኺመርሑ፡ ዜድልዮም ዘበለ ሂብዎም ነይሩ እዩ። እዚ ድማ፡ ንምድሪ ኺመልእዋን ኪመልክዋን፡ ማለት ንምልእቲ ምድሪ ኸም ገነት ኤድን ኪገብርዋ ዜጠቓልል ነበረ።​—ዘፍጥረት 1:28-31፣ 2:8, 9

እዚ ብኸመይ ተበላሽዩ፧

ኰይኑ ግና፡ ሓደ ዓብዪ ሽግር ተፈጢሩ ኪኸውን ኣለዎ። ደቂ ሰብ ብሓፈሻ፡ መልክዕ ኣምላኽ ኣየንጸባርቑን እዮም ዘለዉ። ምድሪ እውን ገነት ኣይኰነትን። እንታይ ደኣ እዩ ዀይኑ፧ እቶም ኣዳምን ሄዋንን ዚበሃሉ ቐዳሞት ወለድና፡ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብግቡእ ኣይተጠቕሙሉን። ‘ከም ኣምላኽ ኪዀኑ፡’ ብስነ-ምግባራዊ መዳይ ከኣ “ጽቡቕን ክፉእን” ባዕሎም ኪውስኑ ደለዩ። ከምኡ ብምግባሮም፡ ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዝጀመሮ መገዲ ዕልወት እዮም ስዒቦም።​—ዘፍጥረት 3:1-6

እምበኣር፡ ኣምላኽ፡ እከይ ኪህሉ ኣቐዲሙ ኣይመደበን። ፈለማ ሰይጣን፡ ጸኒሖም ከኣ ኣዳምንን ሄዋንን ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ምስ ዓለዉ እዩ እከይ ኪህሉ ዝኸኣለ። እቶም ቀዳሞት ወለድና ብሰንኪ ዕልወቶም፡ ገነትን ፍጽምናን ኣብ ርእሲ ምስኣኖም፡ ኣባታቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኵሎም ደቂ ሰብ እውን ሓጢኣትን ሞትን ኣምጽኡ። (ዘፍጥረት 3:17-19፣ ሮሜ 5:12) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ህይወት ትርጕም ዘይብላ ኽትመስለሉ እትኽእል ኵነታት ተፈጥረ።

ኣምላኽ ንእከይ ብኡንብኡ ዘየጥፍኦ ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ንሰይጣንን ንኻልኦት ዓለወኛታትን ኣጥፊኡ፡ ከም ብሓድሽ ብምጅማር፡ ንእከይ ብኡንብኡ ዘየጥፈኦ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። እዚ ግና ጥበባዊ ምዀነዶ፧ ንስልጣኑ ንዚብድህ ዘበለ ብኡንብኡ ብዛዕባ ዚቐትል ሓያል መንግስቲ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፡ ፍትሒ ንዚፈትዉ ሰባት ዜጕህን ንስነ-ምግባራዊ ስልጣን እቲ መንግስቲ ዜዳኽምንዶ ኣይኰነን፧

ኣምላኽ ብኡንብኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓለወኛታት ስጕምቲ ኺወስድ ኣይደለየን። እቲ ኣብ ኤድን ብዛዕባ ኣገዛዝኣኡ እተላዕለ ጕዳያት ሓንሳእን ንሓዋሩን መዕለቢ ምእንቲ ኺረክብ፡ ብጥበቡ ተደሪኹ ግዜ ፈቐደ።

ኵሉ እከይ ዚውገደሉ እዋን

ኣምላኽ፡ እከይ ንእተወሰነ እዋን ጥራይ ኪቕጽል ከም ዝፈቐደ ኽንርስዕ የብልናን። እቲ በቲ ዕልወት ኣቢሉ ኣንጻር ኣገዛዝኣኡ እተላዕለ ኣገዳሲ ጕዳያት ምስ ተፈትሐ፡ ነቲ እከይ ዘስዓቦ ሕማቕ ሳዕቤናት ኬዐርዮ ኸም ዚኽእል ስለ ዚፈልጥ እዩ ኸምኡ ገይሩ።

ኣምላኽ ነቲ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ኣይሓደጎን። ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ ንሱ ንምድሪ ኸም ዝገበራ፡ “ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን [ከም] ዘይፈጠራ” ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ኢሳይያስ 45:18) ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ንምድሪ ናብቲ ኣብ መጀመርታ ዓሊምዎ ዝነበረ ፍጹም ኵነታት ኪመልሳ እዩ። ኣገዛዝኣኡ ቕኑዕ ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ምስ ተረጋገጸ፡ በቲ ዘይዕገት ሓይሉ ገይሩ ፍቓዱ ኸም ዚፍጸም ንኺገብርን ንዅሉ እከይ ፈጺሙ ንኼጥፍእን ዜኽእሎ እኹል ምኽንያት ኪህልዎ እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) የሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ ዝሃበና ጸሎት፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ንኺወስድ ክንልምን ከም ዘሎና ጠቒሱ እዩ። “ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢልና ኽንጽሊ ምሂሩና እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እዚ እንታይ የጠቓልል፧

ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ዘለዎ ፍቓድ

“ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።” (መዝሙር 37:9-11, 29፣ ምሳሌ 2:21, 22) የሱስ ክርስቶስ “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ።” “ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን” ኬድሕኖ እዩ። (መዝሙር 72:12-14) ውግእ ኣይኪህሉን እዩ፣ ሞት ኰነ፡ ንብዓት ኰነ፡ ስቓይ ኰነ፡ ወይ መከራ እውን ኣይኪህሉን እዩ። (መዝሙር 46:9፣ ራእይ 21:1-4) ኣብቲ እከይ ኪህሉ እተፈቕደሉ እዋን ዝሞቱ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም፣ ካብዝን ካብ ካልእ በረኸትን ንኺጥቀሙ እውን ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ።​—ዮሃንስ 5:28, 29

የሆዋ ነቲ ዕልወት ሰይጣን ዘስዓቦ ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ። ነዚ ብእተማልአ መገዲ ስለ ዚፍጽሞ፡ “እቲ ናይ ቀደም ጸበባ [ማለት ኵሉ እቲ ሎሚ ሓዘንን ስቓይን ዜምጽእ ዘሎ ነገራት] ተረሲዑ” ዚበሃለሉ እዋን ኪመጽእ እዩ። (ኢሳይያስ 65:16-19) እዚ መጻኢ እዚ፡ ውሑስ እዩ። ኣምላኽ ኣይሕሱን እዩ። ኵሉ መብጽዓታቱ ይፍጸም እዩ። ህይወት፡ ድሕሪ ደጊም “ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን” ኣይክትከውንን እያ። (መክብብ 2:17) ኣብ ክንዳኡስ፡ ትርጕም ኪህልዋ እዩ።

ሕጂ ግና እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ ምፍላጥካን ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ምርዳእካን፡ ሕጂ ህይወትካ ናይ ሓቂ ትርጕም ከም ዚህልዋ ኺገብር ይኽእል ድዩ፧ ናይ መወዳእታ ኽፋል እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽትህበላ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ የመልክት።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ህይወትና ትርጕም ንኺህልዋ፡ ካብ ምድሪ ወጻኢ ኽንከይድ ኣሎና ድዩ፧

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ንኽንረክብ፡ ካብ ምድሪ ወጻኢ ኽንከይድ ከም ዘሎና ንዘመናት ምሂሮም እዮም።

ገሊኦም ሰባት፡ ነፍሳት “ናብ ስጋ ሰባት ቅድሚ ምእታወን፡ ዝለዓለ ህልውና ኸም ዝነበረን” ይዛረቡ እዮም። (ኒው ዲክሽነሪ ኦቭ ቲኦሎጂ) ገሊኦም ከኣ፡ ነፍሲ “ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዝፈጸመቶ ሓጢኣት፡ ከም መቕጻዕቲ ኣብ ኣካል ትዳጐን” ይብሉ።​—ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል፡ ቲኦሎጂካል፡ ኤንድ ኤክለሲያስቲካል ሊትረቸር።

ከም ሶቅራጦስን ፕላቶን ዝኣመሰሉ ፈላስፋታት ግሪኽ፡ ነፍሲ ኻብ ቀይድታት ስጋ ሰብ ምስ ኣምለጠት ጥራይ “ካብ ኵብለላታትን ዕሽነታትን ፍርህታትን፡ ካብ ቀይዲ ኣልቦ ትምኒታትን ካብ ኵሉ ንደቂ ሰብ ዜሸግሮም ካልእ ሕማቕ ነገራትን ሓራ” ኸም እትኸውን፡ ከምኡውን “ምስ ኣማልኽቲ ዀይና ንሓዋሩ” ኸም እትነብር ምሂሮም እዮም።​—ፕላቶስ ፌዶ፡ 81፡ A።

ድሕሪ ግዜ፡ እቶም መራሕቲ ክርስትና ዚበሃሉ ሰባት፡ ካብ ፈላስፋታት ግሪኽ ዝወሰድዎ “ብዛዕባ ኢመዋትነት ነፍሲ ዚገልጽ ግምታት፡” ናብ ትምህርትታቶም ኣተኣታተውዎ።​—ክርስችያኒቲ—ኤ ግሎባል ሂስትሪ።

ነዚ ሓሳባት እዚ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰለስተ መሰረታዊ ሓቅታት ኣነጻጽሮ፦

1. ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ዘለዎ ዕላማ፡ ንሓዋሩ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን ደኣ እዩ እምበር፡ መን ምስኡ ኣብ ሰማይ ኪነብር ከም ዚግባእ ዚፍትነላ ቦታ ኽትከውን ኣይኰነን። ኣዳምን ሄዋንን ሕግታት ኣምላኽ እንተ ዚሕልዉ ነይሮም፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብህይወት ምነበሩ ነይሮም።​—ዘፍጥረት 1:27, 28፣ መዝሙር 115:16

2. መብዛሕትአን ሃይማኖታት፡ ሰብ ኣብ ውሽጡ እትነብር ረቃቕ ነፍሲ ኸም ዘላቶ ኺምህራ ኸለዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ እተሓላለኸ ነገር ኣይምህርን እዩ። የግዳስ፡ እቲ “ኻብ ሓመድ ምድሪ” እተገብረ ሰብ፡ “ህያው ነፍሲ” ኸም ዝዀነ እዩ ዚምህር። (ዘፍጥረት 2:7) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ኣይገልጽን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነፍሲ ኽትቅተል ወይ ካብ ህልውና ኽትጠፍእ ከም እትኽእል እዩ ዚገልጽ። (መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4, 20) እቲ ቐዳማይ ነፍሲ ዝዀነ ኣዳም ሞይቱን ናብቲ እተፈጥረሉ መሬት ተመሊሱን እዩ። እወ፡ ናብ ዘይህልውና እዩ ተመሊሱ።​ዘፍጥረት 2:17፣ 3:19

3. መጻኢ ተስፋ ህይወት ደቂ ሰብ፡ ናብ መንፈሳዊ ዓለም እትኸይድ ዘይትመውት ነፍሲ ኣብ ምህላው ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ንምዉታት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኸም ዜተንስኦም ዝኣተዎ መብጽዓ እዩ ዚምርኰስ።​—ዳንኤል 12:13፣ ዮሃንስ 11:24-26፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15