ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ህዝብታት፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’

‘ህዝብታት፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘ህዝብታት፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’

ብዘይፈጸምካዮ ገበን ተሓታቲ እንተ ትኸውን እንታይ ምተሰምዓካ፧ እቲ ገበን ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ንብዙሓት ንጹሃት ሰባት ኣደዳ መከራ ዚገብር እንተ ዚኸውንከ፧ ካብቲ ገበን ንጹህ ምዃንካ ንኸተመስክር ከም እትጽዕር ፍሉጥ እዩ። ንየሆዋ ኸምኡ ዓይነት ብድሆ ኸም ዘጋጠሞ ትፈልጥዶ፧ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ንኣምላኽ ብጌጋ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ግፍዕን መከራን ተሓታቲ ይገብርዎ እዮም። እሞኸ የሆዋ በዚ ኽሲ እዚ ይግደስ ድዩ፧ እወ፡ ይግደስ እዩ። መጽሓፍ ህዝቅኤል እንታይ ከም እትብል እስከ ንርአ።—ህዝቅኤል 39:7 ኣንብብ።

የሆዋ፡ “እቲ ቅዱስ ስመይ ኣይከርክሶን እየ” በለ። ደቂ ሰብ ንኣምላኽ ዘይፍትሓዊ ብዝዀነ ነገራት ተሓታቲ ኺገብርዎ ኸለዉ፡ ንስሙ እዮም ዜርክስዎ። ብኸመይ፧ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስም” ንኽብሪ እዩ ዜመልክት። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ ስም ኣምላኽ ነቲ “ብዛዕባኡ ዚፍለጥ ነገራት፡ ነቲ ብዛዕባኡ ዝገለጾ ነገራት፡ ከምኡውን ንዝናኡን ንኽብሩን” እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ ስም የሆዋ፡ ክብሩ እውን የጠቓልል እዩ። እሞኸ ኣምላኽ ምስ ዘይፍትሓዊ ነገራት ብእተተሓሓዘ ብምንታይ እዩ ዚፍለጥ፧ ዘይፍትሓዊ ነገራት ይጸልእ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ነቶም ግዳያት ዘይፍትሓዊ ነገራት ዝዀኑ ሰባት ይርሕርሓሎም እዩ። * (ዘጸኣት 22:22-24) ስለዚ፡ ደቂ ሰብ ንኣምላኽ በቲ ንሱ ኣዝዩ ዚጸልኦ ነገራት ተሓታቲ ዚገብርዎ እንተ ዀይኖም፡ ንኽብሩ እዮም ዜጸልምዎ። በዚ ኸምዚ ድማ እዮም ‘ንስሙ ዜርክስዎ።’—መዝሙር 74:10

የሆዋ ነታ “ቕዱስ ስመይ” እትብል ሓረግ ኽልተ ሳዕ ከም እተጠቕመላ ኣስተብህል። (ፍቕዲ 7) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም የሆዋ ብዙሕ ሳዕ ምስተን “ቅዱስ”ን “ቅድስና”ን ዚብላ ቓላት ተተሓሒዘን እየን ዚርከባ። እታ “ቕዱስ” እትብል ቃል፡ እተፈልየ ምዃን እያ እተመልክት፣ ጽሬትን ንጽህናን እውን ተመልክት እያ። ስም የሆዋ ቕዱስ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ እቲ ነቲ ስም ዝጾሮ ኣምላኽ፡ ቅዱስ፡ ማለት ካብ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣትን ዘይንጹህ ነገራትን እተፈልየ ወይ ዝረሓቐ ስለ ዝዀነ እዩ። እቶም ንየሆዋ ብእከይ ተሓታቲ ዚገብርዎ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ‘ቕዱስ ስሙ’ እዚ ዘይብሃል ብዙሕ ጸርፊ ይዅምሩ ኸም ዘለዉ ኣስተውዒልካዶ፧

ቀንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ ንስሙ ኻብ ዝዀነ ይኹን ጸርፊ ናጻ ንምግባር ከም ዝዓለመ ዚሕብር እዩ። እዚ ፍረ ነገር እዚ ኸኣ፡ ኣብታ ብተደጋጋሚ፡ ‘ህዝብታት፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’ (NW) እትብል መጽሓፍ ህዝቅኤል ጐሊሑ ኣሎ። (ህዝቅኤል 36:23፣ 37:28፣ 38:23፣ 39:7) ህዝብታት፡ ንየሆዋ ብምርጫኦም ኣይኰኑን ኪፈልጥዎ። የግዳስ፡ ፈትዮም ጸሊኦም ‘ኪፈልጥዎ እዮም።’ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ንኣህዛብ፡ ንሱ ልዑላዊ ጐይታ ምዃኑ፡ ስሙ ኸኣ ቅዱስን ንጹህን ጽሩይን ንዘበለ ነገራት ዚውክል ምዃኑ ኸም ዚፈልጡ ዚገብሮም ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።

እታ ብተደጋጋሚ እትጥቀስ፡ ‘ህዝብታት፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’ እትብል መብጽዓ፡ ነቶም ዘይፍትሓዊ ነገራትን መከራን ጠፊኡ ኺርእዩ ዚደልዩ ሰባት፡ ብስራት እያ። የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ነታ መብጽዓ ኺፍጽማን ንስሙ ኻብ ዝዀነ ይኹን ጸርፊ ናጻ ኺገብሮን እዩ። ንእከይን ንእኩያትን ኬጥፍኦም፡ ነቶም ነቲ ንስሙ ዚውክሎ ነገራት ኣፍልጦ ዚህቡሉን ዜኽብርዎን ሰባት ግና ኬድሕኖም እዩ። (ምሳሌ 18:10) ናብቲ ‘ፍትሒ ዚፈቱ’ ቕዱስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብኸመይ ክትቀርብ ከም እትኽእል ንኽትምሃር ኣይትድረኽንዶ፧—መዝሙር 37:9-11, 28

ንመስከረም ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ህዝቅኤል 39-48ዳንኤል 1-3

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ነታ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንኣምላኽ ቅረቦ—ፍትሒ ይፈቱ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።