ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደብዳበታት ብኸመይ ይልኣኽ ነበረ፧

ንሃገራዊ ጕዳያት ዚምልከት ወግዓዊ ደብዳበታት መንግስቲ ፋርስ፡ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጶስጣ ይልኣኽ ነበረ። መጽሓፍ ኣስቴር፡ ኣብ ፋርስ ደብዳበታት ብኸመይ ይልኣኽ ከም ዝነበረ ትገልጽ እያ፣ ከምዚ ድማ ትብል፦ “[ማርዶካይ] ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ጸሐፎ፡ ብቐለቤት ንጉስ ድማ ሐተሞ። ነዚ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣን ፈረስን ኣብ ሰጋራት ኣባቕልን ኣብ ባዝራ ፈረስን እተወጥሑ ገይሩ ሰደዶ።” (ኣስቴር 8:10) ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እውን፡ ምምሕዳራውን ወተሃደራውን ደብዳበታት ዚለኣኸሉ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ነበረ።

ብኸም ብዓል ሃዋርያ ጳውሎስን ካልኦት ሰባትን ዚጽሓፍ ዝነበረ ውልቃዊ ደብዳበታት፡ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ጶስጣ ኺለኣኽ ዚበቅዕ ኣይነበረን። ሓደ ሰብ ሃብታም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ደብዳበኡ ምእንቲ ኼብጽሓሉ፡ ባርያ ይልእኽ ነበረ። መብዛሕትኦም ሰባት ግና፡ በቶም ናብቲ ደብዳበኦም ዚኸደሉ ቦታ ዚጓዓዙ ዚፈልጥዎም ሰባት ወይ እውን ጓኖት ገይሮም ይልእኹ ነበሩ። ኣባላት ስድራ ቤት፡ ፈተውቲ፡ ወተሃደራት፡ ወይ ከኣ ነጋዶ፡ ደብዳበ ይማልኡ ነበሩ። ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ዝነበረ፡ እቲ ደብዳበ ዜብጽሕ ሰብ፡ እሙን ምዃኑን ነታ መልእኽቲ ብጥንቃቐን ከምታ ዘላታን ዜብጽሕ ምዃኑን እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ንእተወሰነ መልእኽትታቱ በቶም ናብቲ ዚደልዮ ቦታ ዚጓዓዙ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኣቢሉ ኸም ዝለኣኾ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ።—ኤፌሶን 6:21, 22፣ ቈሎሴ 4:7

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ንግዲ ብኸመይ እዩ ዚካየድ ነይሩ፧

ሃገራዊ ቝጠባ እስራኤል፡ ብቐንዱ ኣብ ማሕረስን ጕስነትን በደላን (ልውውጥን) እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደገታት ከተማ ዚግበር ዝነበረ ንግዲ ይገልጽ እዩ፣ ንኣብነት፡ ብዛዕባ “ደገ ኣባጊዕ፡” “ደገ ዓሳ፡” ከምኡውን ብዛዕባ “ደገ ናይቶም ሰራሕቲ መሬት” ይጠቅስ እዩ። (ነህምያ 3:1, 3፣ ኤርምያስ 19:2) ስም እዚ ቦታታት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደገ ዚሽየጥ ዝነበረ ሸቐጥ ይሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ “ዕዳጋ ጋገርቲ” ኸምኡውን ብዛዕባ ኻልእ ሓያሎ ሸቐጣት ይገልጽ እዩ።—ኤርምያስ 37:21

ብዛዕባ ዋጋታትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ ጽሑፍ፡ “ዋጋታት በብዘመኑ ይቀያየር ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ሸቐጥ ኣብ እተወሰነ እዋን ብኽንደይ ይሽየጥ ከም ዝነበረ ኽትፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ” በለ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ጥንታዊ ምንጭታት፡ እንተላይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተረኽበ ሓበሬታ ኸም ዚገልጾ፡ ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ዝቕባበ ዋጋታት ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ መብዛሕትኡ እዋን ባሮት ብሰልዲ ይሽየጡ ነበሩ። ዮሴፍ በቲ ኣብ መበል 18 ዘመን ቅ.ክ. ባሮት ዚሽየጡሉ ዝነበሩ ገምጋም ዋጋ፡ ማለት ብ20 ሲቃል ብሩር እዩ ተሸይጡ። (ዘፍጥረት 37:28) ድሕሪ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት፡ እቲ ዋጋ ናብ 30 ሲቃል ደየበ። (ዘጸኣት 21:32) ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ.፡ 50 ሲቃል ኰነ። (2 ነገስት 15:20) ድሕሪ ኽልተ ዘመን፡ ማለት ብግዜ ፋርስ ከኣ፡ ክሳዕ 90 ሲቃልን ልዕሊኡን በጺሑ ነበረ። ስለዚ እምበኣር፡ ናህሪ ዋጋታት፡ ኣብዚ ግዜና እተጀመረ ነገር ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ፋርሳዊ ኣበጻጻሒ ደብዳበ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ዕዳጋ ፍረታት ዜርኢ ቕርጺ

[ምንጪ]

© DeA Picture Library/Art Resource, NY