ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኤውሮጳ ምስባኽ
ካብ ግሪኽ እተላእከት ደብዳበ
ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኤውሮጳ ምስባኽ
እታ ዝነበርናላ ጃልባ ኻብቲ ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዚርከብ ኣዝዩ ዚምስጥ ኣኽራን ለፍካ እናረሓቐት ብዝኸደት መጠን፡ እቲ ኣኽራን እናነኣሰ ኸደ፣ ናብቲ ኻብ መዲተራነያን ብርኽ ኢሉ ዚርከብ ንእሽቶ ኸበሳ ገጽና ድማ ከድና። እታ 13 ኣባላት ዝሓዘት ጕጅለና እያ በታ ጃልባ እትጓዓዝ ነይራ፣ ኣብታ ኣብ ካርታ ኽትርአ ኸላ ንእሽቶ ነጥቢ እትመስል ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኤውሮጳ እትርከብ ደሴት ጋቭዶስ ክንሰብኽ ከኣ ተሃንጢና ነበርና።
ኣብቲ ብርቱዕ ሃሩር ዝነበረሉ እዋን ሓጋይ፡ ብሰላም ክንጓዓዝ እኳ ትጽቢት እንተ ገበርና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ብርቱዕ ማዕበል ተላዕለ፣ ጃልባና ኸኣ ልክዕ ከም ቡሽ ላዕልን ታሕትን በለት። ብሰንኪ እዚ ዕግርግር ምስ በለኒ፡ ነቲ ዘመናት ይገብር፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዛ ሎሚ ጋቭዶስ እትብሃል ዘላ ከላውዳ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ሓያል ማዕበል ዚገልጽ ጸብጻብ ዘከርክዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 27:13-17) ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ብሰላም ኣብ ጋቭዶስ ክንበጽሕ እየ ዝምነ ነይረ።
ኣብ መወዳእታኡ፡ ናብታ ዝደለናያ ደሴት በጻሕና፣ ኣኻውሕ ዝመልኦ እምባን ናብቲ ባሕሪ ዚጥምት ኣጻድፍን ነበራ። ጽፍሕ ዝበለት ኰይና፡ 300 ሜተር ብራኸ እዩ ዘለዋ፣ ካብኡ ንላዕሊ ብርኽ ኢሉ ዚርአ ዅድዅዶ ግና የብላን። መብዛሕትኡ ኽፋል እዛ 26 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝዀነት ደሴት እዚኣ፡ ብጽሕድን ቆጥቋጥን እተሸፈነ እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ክሳዕ ጥቓ እቲ ገማግም ዚበጽሕ ተርሚን (ጁኒፐር) ዚብሃል ዓይነት ጽሕዲ ይርአ እዩ።
ሓደ እዋን ኣብዛ ደሴት እዚኣ፡ ኣስታት 8,000 ተቐማጦ ነበሩ። ሎሚ ዘለዉ ቐወምቲ ነበርቲ እታ ደሴት ግና፡ ካብ 40 ዚውሕዱ እዮም። ዘመናዊ ስልጣነ ንጋቭዶስ ዝረስዓ እዩ ዚመስል። መርከብ ጽዕነትን መርከብ ዘይትን ብገማግም ደሴት ጋቭዶስ ይሓልፋ እኳ እንተ ዀና፡ መብዛሕትኡ እዋን ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ዚደናጐ ወይ ዚስረዝ ምስ ቅሬጥስ ብመርከብ ዜራኽብ መስመር ኣለዋ።
ናብ ጋቭዶስ ዝመጻእናሉ ዕላማ፡ ነቶም ተቐማጦ፡ ዜሐጕስን ዚሃንጽን ነገር፡ ማለት ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ዚገልጽ ርግጽ ተስፋ ኸም ዘሎን ምሉእ ጥዕና ሃልዩካ ንዘለኣለም ኪንበር ከም ዚከኣልን ንኽንነግሮም እዩ። ናብቲ ጃልባና እትዕሸገሉ ቦታ እናቐረብና ምስ ከድና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግር ተሃንጢና ነበርና።
ናብ ጋቭዶስ ንምኻድ ንኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን ከቢድ ጕዕዞ ስለ እተጓዓዝና፡ ገጽና ብድኻም ጸምልዩ ነበረ። ቍሩብ ቀም ምስ ኣበልናን ቡን ምስ ሰተናን ግና፡ ነቓሕና። ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ጕዕዞ ቝሩብ
ምስ ተመያየጥና፡ ካብ ልቢ ድማ ምስ ጸለና፡ ከነገልግል ድሉዋት ኰንና።ተቐማጦ እታ ደሴት፡ ሕያዎትን ተቐበልቲ ኣጋይሽን እዮም። ናብ ቤቶም ክንኣቱ ዓደሙና፡ እኽለ ማይ ከኣ ቀረቡልና። ንሕና ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነገርናዮም፣ ብዜድልዮም እውን ሓገዝናዮም። ንኣብነት፡ ንሓንቲ ሰበይቲ ኸነዘራርባ ኸለና፡ ሓደ ኤለክትሪከኛ ዝዀነ ኣባል ጕጅለና፡ ኣብቲ እታ ሰበይቲ እትሽቅጠሉ ገዛ ሓደ እተሰብረ ኣቕሓ ርእዩ ኣዐረየላ። እታ ሰበይቲ በዚ ተተንከፈት። ነቲ ዝሃብናያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ተቐቢላ ድማ ንዓናን ንኣገልግሎትናን ነኣደት። ካልእ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ዕዮኹም ካብ ሰብ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣምላኽ እዩ፣ ናብዚ ርሑቕ ደሴት ክትሰብኩ ኢልኩም ምምጻእኩም ንርእሱ፡ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ዜርኢ እዩ” ብምባል ሞሳኣ ገለጸትልና።
እቶም ተቐማጦ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ኣዝዮም ፈተውዎ። ሓደ ሰብኣይ፡ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን እኳ እንተ ተቐበለ፡ ኣብ ቈራሪ ኣዋርሕ ዜንብቦ ዝያዳ ጽሑፋት ደለየ። ካልእ ሰብኣይ ከኣ፡ ንዕኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ናብ ድኳኑ ዚመጹ ዓማዊሉ ዚኸውን ጽሑፋት ክንህቦ ሓተተና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ጽሑፋት ብጶስጣ ምእንቲ ኽንልእከሉ ድማ፡ ኣድራሻኡ ሃበና። ሓንቲ ስድራ ቤት ከኣ፡ እታ ዚነብሩላ ደሴት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትርከብ ምስ ነገርናዮም፡ ኣዝዮም ተገረሙ። ተሓጒሶም ድማ መጽሔታትና ወሰዱ።
ከምዚ ዓይነት ምላሽ ኣዝዩ ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ናብ ጋቭዶስ ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ንገሊኦም ኣባላት ጕጅለና ዜሕዝን ነገራት ኣዘኻኸሮም። ኣብ ጥቓ ልሳን ባሕሪ ሳራኪኒኮ፡ ሓደ እዋን ብፖለቲካ ተኣሲሮም እተሓየሩ ሰባት ዚቕመጡሉ ዝነበሩ ሓደ ህንጻ ኣሎ። እቲ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ኢማኑወል ሊኦኑዳኪስ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ስለ እተኻፈለ፡ ኣብ መወዳእታ 1930ታት ኣብዚ ቦታ እዚ ተሓዪሩ ነበረ። * ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረት ጋቭዶስ፡ “መርዛማት ዕንቅርቢት ዚፋረያላ ዝባደመት ደሴት፡ ብዙሓት . . . ብጥሜትን ብስእነትን ብሕማምን ዚሞቱላ ቦታ እያ ነይራ፣ በዚ ምኽንያት እዚ እያ፡ ‘ደሴት ሞት’ እትብሃል ነይራ።” ሓው ሊኦኑዳኪስ፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ንሱ ጥራይ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝነበረ፡ ንኻልኦት እሱራት ኣብ ምስባኽ ትሑዝ እዩ ነይሩ፣ ንምግቢ ዚዀኖ ዓሳ ድማ ይገፍፍ ነበረ። ጓሉን ሰብኣይ ጓሉን ጓል ጓሉን ነቲ ንሱ ቕድሚ 70 ዓመት ዚቕመጠሉ ዝነበረ ቦታ ምስ ረኣይዎ፡ ልቦም ተተንከፈ። እቲ ሓው ሊኦኑዳኪስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ እሙናት ክንከውንን ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ክንካፈልን ዚድርኽ እዩ።
ብዓይኒ እቶም ቀደም ኣብዛ ደሴት እዚኣ ተሓዪሮም ዝነበሩ ሰባት፡ ጋቭዶስ ንበጻሕቲ እትስሕብ ቦታ ኣይኰነትን። ንዓና ግና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ እታ ደሴት ኣብ ዝሰበኽናሉን ነቶም ሕያዎት ተቐማጦ እታ ደሴት 46 መጽሔታትን ትሽዓተ ብሮሹራትን ኣብ ዘበርከትናሉን እዋን፡ ባህ እተብል ቦታ እያ ነይራ። ነቲ ነቶም ሓደስቲ ፈተውትና እንደገና እንርእየሉ እዋን ብናፍቖት ኢና እንጽበዮ።
ከይተፈለጠና፡ እንብገሰሉ እዋን ኣኸለ። ሰዓት 5 ድ.ቀ. ኽንብገስ ሓሲብና እኳ እንተ ነበርና፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ተደናጐና። ድሕሪኡ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ገዛእ ርእስና ንኣጸጋሚ ጕዕዞ ብምድላው፡ ኣብ ጃልባና ተሰቐልና። ኣብ መወዳእታኡ፡ ለይቲ ሰዓት 3 ቅ.ቀ. ጕዕዞና ጀመርና፣ ንሓሙሽተ ሰዓት ኣብቲ ሓያል ማዕበል ዝነበሮ ባሕሪ ምስ ተጓዓዝና፡ ኣብ ቅሬጥስ በጻሕና። ኣብ ንቑጽ መሬት ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፡ ኣመና ደኺምና እኳ እንተ ነበርና፡ ኣብ ደሴት ጋቭዶስ ንስም የሆዋ ኸነፍልጥ ብምኽኣልና ግና ተሓጐስና። (ኢሳይያስ 42:12) ጻማ እቲ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ዝረኸብና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ነቲ ዘጋጠመና ሽግራት ቀልጢፍና ረሳዕናዮ፣ እቲ ዝገበርናዮ ጕዕዞ ግና ንዘለኣለም ኣብ ልብና ተቐሪጹ ኸም ዚተርፍ ርግጸኛታት ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
^ ሕ.ጽ. 11 ታሪኽ ህይወት ኢማኑወል ሊኦኑዳኪስ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 መስከረም 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 25-29 ርአ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኤውሮጳ ዚርከብ ጽንፊ ትሪፓቲ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ልሳን ባሕሪ ሳራኪኒኮ ዚርከብ፡ እቶም እተሓየሩ ሰባት ዝነበሩሉ ህንጻን ንመዘከርታኦም ተባሂሉ እተሰርሐ ጽላትን
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of Hellenic Post