ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቀደም ትነብር ከም ዝነበርካ ዲኻ እትኣምን፧

ቀደም ትነብር ከም ዝነበርካ ዲኻ እትኣምን፧

“ናብ ህይወት ምምላስ ዘይክሓድ ሓቂ እዩ፡ ህያዋን ካብ ምዉታት ዚመጹ ምዃኖምን ነፍሳት ምዉታት ዚነብሩ ምዃኖምን እውን ሓቂ እዩ።” —ኣብ 5ይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ፕላቶ፡ ን“ሶቅራጥስ” ጠቒሱ እተዛረቦ።

“ብዘይ ኣካል ነፍሲ ስለ ዘየላ፡ ነፍሲ እውን ኣካል ስለ ዘይኰነት፡ ኣብ ሓደ ኣካል ወይ ኣብ ካልእ ኣካል ነፍሲ ኽትህሉ፡ ካብ ሓደ ኣካል ናብ ካልእ ኣካል እውን ክትመሓላለፍ ትኽእል እያ።”—ኣብ መበል 16 ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ጆርዳኖ ብሩኖ፡ ጣልያናዊ ፈላስፋ።

“ዚመውት ነገር የለን፦ ሰባት ከም ዚሞቱ ጥራይ እዮም ዜምስሉ . . . ድሕሪኡ እቲ ሰብ ኣብ ሓድሽ ኣካል ስለ ዚኣቱ ልክዕ ብመስኮት ይርኢ ኸም ዘሎ ዀይኑ ንዓለም ኪርእያ ይጅምር።”—ራልፍ ዎልዶ ኢመርሰን፡ ኣብ መበል 19 ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ኣመሪካዊ ደራስን ገጣምን።

ብዛዕባ መንነትካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ቅድሚ ሕጂ ትነብር ከም ዝነበርካ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ዚነብሩ ሰባት ከምኡ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኪሓቱ ጸኒሖም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ መልሱ ንምርካብ ኢሎም ብሪኢንካርነሽን ኪኣምኑ ጀመሩ። ሪኢንካርነሽን፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ዘይትርአ “ነፍሲ” ኻብ ኣካል ተፈልያ ዳግም ካልእ ኣካል፡ ማለት ሰብ፡ እንስሳ፡ ወይ ተኽሊ ዀይና ሓደ ወይ ዝያዳ ግዜ ትውለድ ዚብል ትርጕም ኣለዎ።

በዚ ትምህርቲ እዚ ዚዓግቡ ሰባት እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ እንታይ ይብል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ቕድሚ ምምርማርና፡ ‘እቲ ሓሳብ ካበይ እዩ መጺኡ፧’ ንእትብል ሕቶ ንመርምራ።

ሪኢንካርነሽን መበቈሉ ኻበይ እዩ፧

ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽን ምሁራትን፡ እቶም ቅድሚ ክርስቶስ ልዕሊ 2,000 ዓመት ይገብር ኣብ እተመስረተት ከተማ ጥንታዊት ባቢሎን ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት እዮም ነፍሲ ሰብ ከም ዘይትመውት ዚብል ሓሳብ ዘተኣታተውዎ። ሞሪስ ጃስትሮ፡ ኣብታ ዘ ረሊጅን ኦቭ ባቢሎን ኤንድ ኣሲርያ (ሃይማኖት ባቢሎንን ኣሶርን) ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ባቢሎናውያን ዝዀኑ ናይ ሃይማኖት ምሁራን ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ፡ ኣብ ግምት እተመስረተ ብዙሕ ሓሳባት ሂቦም እዮም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ እቶም ናይ ሃይማኖት ምሁራን፡ ነቲ ሰብ ምስ ሞተ ኻብ ህልውና ኸም ዜቋርጽ ዚገልጽ ሓሳብ ኪኣምንዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ሓሳብ ከም ዝመሃዙ ገለጸ።

እቲ ሰብ ምስ ሞተ ነፍሱ ዳግም ከም እትውለድ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ካብ ባቢሎን ተበጊሱ ናብ ካልኦት ሃገራት እታ ጥንታዊት ዓለም ኬስፋሕፍሕ ጀመረ። ህንዳውያን ፈላስፋታት ከኣ ሓደ ሰብ ዜሕልፎ ህይወት ዳግም ኪውለድ ከሎ ንዚህልዎ ህይወት ከም ዚጸልዎ ዚገልጽ ካርማ ዚብሃል ትምህርቲ መሃዙ። ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮም ፈላስፋታት ግሪኽ እውን ብሪኢንካርነሽን ኪኣምኑ ስለ ዝጀመሩ፡ እቲ እምነት ሰፊሕ ተቐባልነት ረኸበ።

ኣብ ግዜና እውን፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ብዛዕባ ሪኢንካርነሽን ኪፈልጡ ዚደልዩ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ውሩያት ሰባትን መንእሰያትን በቲ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ዚርከብ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባን ልምድታትን ይማረኹ ኣለዉ። ሎሚ ብዛዕባ እቲ ሕሉፍ ተመክሮ ህይወት ዚብልዎ ሓሳብ ዚገልጽ ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍትን ወብ ሳይታትን ኣሎ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ህቡብ እናዀነ ዚኸይድ ዘሎ እቲ ፓስት ላይፍ ቴራፒ (ፍወሳ ሕሉፍ ህይወት) ዚብልዎ ሓሳብ እዩ። እዚ ኸኣ ሰባት ብዛዕባ ጥዕናኦምን ጠባዮም ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ነቲ ኣብ ግምት እተመርኰሰ ሕሉፍ ህይወቶም ንኺምርምሩ መዐንዘዚ ኺጥቀሙ ዜተባብዕ እዩ።

ሪኢንካርነሽን ሓቂ ድዩ፧

ሰረተ እምነት ሪኢንካርነሽን ጥንታዊ መበቈል እኳ እንተ ኣለዎ፡ ነቲ ‘እሞኸ ሓቂ ድዩ፧’ ንእትብል ኣዝያ ኣገዳሲት ሕቶ፡ መልሲ ኽንረኽበላ ኸም ዜድሊ ፍሉጥ እዩ። ከም ክርስትያናት መጠን ሰረተ እምነት ሪኢንካርነሽን ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ክርስትያናዊ ሰረተ እምነት ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። (ዮሃንስ 17:17) እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ምንጪ ህይወትን ‘ገላጺ ምስጢራት’ን ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ክንፈልጦ ዘይንኽእል ነገራት ገሊጹልና ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ኽንፈልጥ እንተ ደሊና፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተኣማሚንና ኽንምርምሮ ንኽእል ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 17:28፣ ዳንኤል 2:28

ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና እንተ ኣጽኒዕናዮ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚህበና መልሲ ብቐሊሉ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ዘፍጥረት 3:19፡ ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሱ፡ ኣምላኽ ንኣዳም፡ “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ከም ዝበሎ ተገሊጹ ኣሎ። ኣዳም ካብ መሬት እዩ ተፈጢሩ፣ ምስ ሞተ ኸኣ ናብ መሬት ተመልሰ። ኣምላኽ ነዚ ነገር እዚ ኣነጺሩ እዩ ገሊጽዎ። ስለዚ፡ ሰብ ምስ ሞተ ኻብ ህልውና የቋርጽ ደኣ እምበር፡ ካልእ ኣካል ኰይኑ ኣይውለድን እዩ። a ልክዕ ከምቲ ሙቐትን ዛሕልን፡ ንቝጽን ጥሉልን፡ ብርሃንን ጸልማትን ኣንጻር ዝዀነ፡ ሞት እውን ኣንጻር ህይወት እዩ። ምዉታት ብሓቂ ሞይቶም እዮም! እዝስ ንኽትርድኦ ቐሊልን ርትዓውንዶ ኣይኰነን፧

ስለዚ፡ እቶም ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወት ከም ዚዝክሩ ዀይኑ ዚስምዖም ሰባት፡ ከምኡ ኸም ዚስምዖም ዚገብር ካልእ ምኽንያት ኪህሉ ኣለዎ። ትሕተ ቐልቢ፡ ሳዕቤን መድሃኒት ወይ ስንባድ ኣብ ሓንጐል ዜሕድሮ ጽልዋ ምሉእ ብምሉእ ኣይንርድኦን ኢና። ሓደ ሰብ ዝሓልሞ ሕልምታትን እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዚኽዘን መጠነ ኣልቦ ሓበሬታትን ኣዝዩ ህያው ኰይኑ ስለ ዝረኣዮ፡ ሓቂ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ እኩያት መናፍስቲ፡ ነቲ ሓቂ ዘይኰነ ነገር፡ ሓቂ ኣምሲሉ ዜቕርብ ምስጢራዊ ተመክሮታት ኪምህዙ ይኽእሉ እዮም።—1 ሳሙኤል 28:7-19

ክትነብርን ብዛዕባ መጻኢ ኽትፈልጥን ምድላይ ባህርያዊ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ድሌት እዚ ኻበይ እዩ መጺኡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፈጣሪ፡ “ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብል። (መክብብ 3:11) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ኪነብሩ ልባዊ ድሌት ኣለዎም።

እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌት ኣብ ልቢ ሰባት ካብ ኣሕደረ፡ እዚ ድሌት እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ኪገልጸልና እንተ ተጸበና ርትዓዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፈጣሪ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ኣብዛ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ንኺባርኾም ዕላማ ኸም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ንጉስ ዳዊት፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ብዛዕባ እቲ ልዑል ዕላማ ኣምላኽ፡ “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ፡” ትርጕም 1990] ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ገለጸ። (መዝሙር 37:29) ካብቲ ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣምላኽ ዘይንጸል ቀንዲ ሰረተ እምነት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትንሳኤ ምዉታት እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ 1 ቈረንቶስ 15:16-19

ትንሳኤ—እተረጋገጸ ተስፋ ምዉታት

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሞት ተንሲኦም እንደገና ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝነበሩ ሸሞንተ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዘለዉ ይገልጽ እዩ። b እዚ ፍጻመታት እዚ ትንሳኤ ደኣ እምበር፡ ሪኢንካርነሽን ወይ ዳግመ ልደት ኣይኰነን። ነዞም ካብ ሞት ዝተንስኡ ሰባት፡ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ብኡብኡ ኣለልዮምዎም እዮም። ኣዝማድ ሓዲኦም እውን ይኹን፡ እቲ ብሞት እተፈለዮም ዘፍቅርዎ ሰብ ዳግም ተወሊዱ እንተ ዀይኑ ንኼረጋግጹ ኢሎም፡ ኣብ ቀረባ ወይ ኣብ ርሑቕ ናብ ዘለዉ ሕጻናት እናኸዱ ኼናድዩ ኣየድለዮምን።—ዮሃንስ 11:43-45

ቃል ኣምላኽ መብዛሕትኦም ሞይቶም ዘለዉ ሰባት ተንሲኦም ኣብታ ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ እትትክእ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ከም ዚነብሩ ዚገልጽ ምዃኑ፡ ብሓቂ ዜጸናንዕ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13, 14) ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ደረት ዘይብሉ ፍጹም ተዘክሮ ዘለዎ፡ ንዅሎም ከዋኽብቲ እውን ከይተረፈ ዚዝክር የሆዋ ኣምላኽ ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ውልቀ ሰባት ይዝክር እዩ። (መዝሙር 147:4፣ ራእይ 20:13) ንወለዶታት ኣብታ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ምስ ኣተንስኦም፡ ሓረግ ስድራ ቤቶም ኪፈልጡ፡ ምስ ኣቦሓጎታቶምን ምስ እኖሓጎታቶምን እውን በብውልቂ ኺላለዩ እዮም። እዝስ፡ ኣየ ኽንደይ ባህ ዜብል ተስፋ ዀን እዩ!

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ “ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 6 ርአ።

b እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሸሞንተ ኣብነታት፡ ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ይርከብ፦ 1 ነገስት 17:17-24፣ 2 ነገስት 4:32-37፣ 13:20, 21፣ ሉቃስ 7:11-17፣ 8:40-56፣ ዮሃንስ 11:38-44፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42፣ 20:7-12። ነቲ ታሪኽ ከተንብቦ ኸለኻ፡ እዚ ትንሳኤ እዚ ኣብ ቅድሚ ሓያሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብኸመይ ከም እተፈጸመ ኣስተብህል። እቲ ታሽዓይ ታሪኽ ከኣ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ እዩ።—ዮሃንስ 20:1-18