ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣንበብትና

ንኣንበብትና

እዛ ሕጂ እተንብባ ዘለኻ መጽሔት፡ ሓምለ 1879 እያ ኽትሕተም ጀሚራ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ፡ ግዜ ተለዊጡ እዩ፣ እዛ መጽሔት እዚኣ እውን ተለዊጣ እያ። (ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእልታት ርአ።) ስለዚ፡ ካብዛ ሕታም እዚኣ ጀሚሩ፡ ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ለውጥታት ኪህሉ እዩ። እንታይ ዓይነት ለውጥታት፧

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚነብሩ ቝጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ኢንተርነት እዮም ሓበሬታ ዚረኽቡ፣ ነዚ ኸኣ ይፈትውዎ እዮም። ነቲ ኣብ ኢንተርነት ጥራይ ዚርከብ ሓበሬታ ብቐሊሉ ኺረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ብዙሕ መጻሕፍትን መጽሔታትን ጋዜጣታትን እውን ኣብ ኢንተርነት ኪንበብ ይከኣል እዩ።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ኢንተርነት ምንባብ ስለ ዚፈትዉ፡ ነቲ www.ps8318.com ዚብሃል ወብ ሳይትና ብዝያዳ ሰሓብን ቀሊልን ንምግባር፡ ለውጥታት ተገይሩሉ ኣሎ። በጻሕቲ እዚ ወብ ሳይት እዚ፡ ነቲ ብልዕሊ 430 ቋንቋታት እተዳለወ ጽሑፋት ኬንብቡ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ካብዚ ወርሒ እዚ ጀሚሩ፡ በጻሕቲ እቲ ወብ ሳይትና፡ ነቲ ቐደም ኣብቲ እተሓትመ መጽሔታት ዚወጽእ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና ኣብ ወብ ሳይትና ጥራይ ዚወጽእ፡ እተመርጸ ስሩዕ ዓንቀጻት ኬንብቡ ይኽእሉ እዮም። *

ኣብ ኢንተርነት ጥራይ ዚወጽእ ዝያዳ ዓንቀጻት ስለ ዚህሉ፡ ካብዛ ናይ ሕጂ ሕታም ጀሚሩ፡ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ 32 ገጽ ናብ 16 ገጽ ኪንኪ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብ204 ቋንቋታት እያ እትሕተም ዘላ። ገጻት እታ መጽሔት ምንካዩ፡ ብዝያዳ ቛንቋታት ንኽትትርጐም ኣጋጣሚ ዚኸፍት ኪኸውን እዩ።

እዚ ምትዕርራይ እዚ፡ እቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ሰባት ከም ዚበጽሖም ኣብ ምግባር ከም ዚሕግዘና ተስፋ ንገብር። ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜኽብርዎን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚምህሮ ኺፈልጡ ዚደልዩን ሰባት፡ ብጽሑፍ ኰነ ብኢንተርነት፡ መሃርን ሰሓብን ሓበሬታ ኸነቕርበሎም ቈሪጽና ኢና።

ኣሕተምቲ

^ စာပိုဒ်၊ 5 ገለ ኻብቲ ኣብ ኢንተርነት ጥራይ ዚወጽእ ዓንቀጻት፡ ንመንእሰያት ዚኸውን ፕሮጀክትታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ “ንመንእሰያት” ዚብል ዓንቀጽ፡ ከምኡውን ወለዲ ምስቶም ደቂ ሰለስተን ትሕቲኡን ዝዀኑ ደቆም ኰይኖም ዚጥቀሙሉ ብተኸታታሊ ዚወጽእ “ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ይርከቦ።